ቅድመ መእተዊ
”ተኣምረ ማርያም፡” ካቶሊካዊ መጽሓፍ’ዩ ክንብሎ ንኽእል ዶ፧ ማይ ቀሪብካ፡ መንበር ኣጣጢሕካ ብምስትውዓል ደኣ’ምበር፡ ብታሕዋኽ ዝምለስ ሕቶ ኣይኰነን። ካልኣይቲ’ውን ንወስኽ፦ “ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ንተኣምረ ማርያም ኣጋዕዝይዎ ዶ፧ ወይስ ኣሕፊኑ ኣማዕሪግዎ ዝብል ርድኢት’ዩ ክህልወና ዘሎዎ፧! ከምቲ ዝተባህለ፡ ማይ ቀሪብካ፡ መንበር ኣጣጢሕካ ብምስትውዓል ዝንበብ ጽሑፍ እንሆ፦
ዘመነ ሃዋርያት ኣብቂዑ፡ ዘመነ ኣቦታት ሓሊፉ፡ እተን ንመሰረተ እምነትና ቅርጺ ዘትሓዛ፡ ቀዳሞት ሰለስተ ዓለም-ለኻውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን’ውን ሓሊፈን ነበራ። ክሳዕ ኣብዚ ተኣምረ ማርያም ዝብሃል ኣይፍለጥን ነበረ። ብፍላይ’ኳ ኣብታ ሳልሰይቲ ጉባኤ (ጉባኤ ኤፌሶን)፡ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ሰፊሕ ክትዕ ተጌሩን፡ መወዳእታኡ’ውን ንንስጥሮስ ብውግዘት ብምእላይ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቴዎቶኮስ ማለት ጸዋሪተ-ኣምላክ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፎም ክንሶም’ውን፡ ከም ናይ እኒ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ “ውዳሴ ማርያም” እንተዘይኰይኑ፡ “ተኣምረ ማርያም” ዝብሃል፡ ጽውያ ኰነ፡ ስኑድ ጽሑፍ’ውን ኣይነበረን።
ኣብ ዓመተ 451፡ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፡ ናብ ክልተ ብምጭንዳሕ፡ ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ተበሃሂሎም ብሓድሕዳዊ ውግዘት ተፈላለዩ። ነዚ ስዒቡ፡ እቶም ናብ ምድርና ዝመጹ እሞ ንክርስትና ድማ ሥርዓትን መልክዕን ዘትሓዝዎ፡ ተስዓቱ ቅዱሳን ንበል፡ እቶም ድሕሪኦም ዝስዓቡ 150 ጻድቃን’ውን ንበል፡ እቶም ኣብ ከባቢና ዝዓምበቡ ከም እኒ ቅዱስ ያሬድ’ውን ንበል፡ እዚኦም ኩሎም ክሓልፉ ከለዉ’ውን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝንበብ “ተኣምረ ማርያም” ዝብሃል፡ ኣይነበረን።
መዓስን ብኸመይን ደኣ መጸ፧
እዋኑ፡ በቲ ሃጸይ ዳዊት ነጊሶሙሉ ዝነበሩ፡ ኣብ ምዝዛም መበል 14 ክፍለ ዘመን (1382–1400 ኣቢሉ) ነበረ። ሃጸይ ዳዊት ቀዳማዊ፡ (ኢትዮጵያውያን ነቲ ብንጉስ ሰሎሞን ኣቢሉ ዝቕጽል ዝብልዎ ንግስነቶም ምኽኑይ ንምግባር፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቅዱስ ዳዊት ብምቝጻር፡ ንሃጸይ ዳዊት፡ ንጉስ ዳዊት ዳግማዊ ይብልዎም)። ዝኾነ ዀይኑ ንሶም ነጊሶሙሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን’ዩ፡ ግብጻዊ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማ ዳግማዊ፡ ተኣምረ ማርያም ሒዞም ደበኽ በሉ።
ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳ፡ ገለ መነኮሳት፡ ብፍላይ ኣብ እንግሊዝን ፈረንሳን፡ ዛንታታት ተኣምረ ማርያም ብዝብል ካብዝን ካብትን ምእካብ ጀሚሮም ነበሩ። ብቛንቋ ላቲን Miracula Sanctae Mariae Virginis (ተኣምር ዘቅድስት ድንግል ማርያም) ብምባል ከኣ ክስንድዎ ጀመሩ። ድሒሩ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን (ኣብ ሞንጎ 1218 ክሳዕ 1233 ዘሎ እዋን) እዘን ዛንታታት ብቛንቋ ፈረንሳ’ውን Les Miracles de Nostre Dame (ተኣምር ዘእመቤትነ) ብዝብል ተጻሕፋ።
እቲ ዘመን እቲ፡ ኲናት መስቀላውያን (the Crusades) ዝካየደሉ ብምንባሩ ብሓደ መዳይ፡ ካብ ቅድሙ’ውን ምድረ ኤውሮጳ ምስ እስክንድርያን ሶርያን ጥቡቕ ርክብ ስለ ዝጸንሖ፡ ሶርያውያንን ግብጻውያንን’ውን፡ ንዛንታታት እቲ ተኣምረ ማርያም ናብ ቋንቋ ዓረብ ተተርጒሞምን ንሶም’ውን ባዕሎም ምስ ህዝቦምን ኩነታቶምን ዝኸይድ ተወሳኺ ተኣምራት ደሪዖም፡ ኣዳለውዎ። ኣብ ዞባና ካብ 1348-1388 ብጵጵስና ዘገልገሉ፡ ኣባ ሰላማ ዳግማዊ ዝብሃሉ ግብጻዊ ጳጳስ፡ ካብተን ብቛንቋ ዓረብ ዝተዳለዋ ዛንታታት፡ ሸሞንተ ተኣምረ ማርያም ሒዞም ናብ ምድረ ሓበሻ መጹ። ናብ ቋንቋ ግእዝ ከም ዝትርጐም ጌሮም ድማ ንሃጸይ ዳዊት ኣርኣይዎም።
ቀዳሞት ሾሞንተ ተኣምራት
እተን ናብ ሃጸይ ዳዊት ዝኣተዋ ቀዳሞት ሾሞንተ ተኣምራት እዘን ዝስዕባ ነበራ፦
1. ደቅስዮስ ለበሰ፡ ሳላ ዝወደሰ
“ተብህለ ከመ ሀሎ በቤተ ክርስቲያን፡ ዘሀገረ ጥልጥልያ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ዘስሙ ደቅስዮስ” ስፓኛዊ መነኮስ፡ ደሓር ጳጳስ፡ ቅዱስ ኢልደፎንሰስ / Ildefonsus (ብግእዝ ደቅስዮስ ዝብሃል፡) ንድንግል ማርያም ብዝነበሮ ክቱር ፍቕሪ፡ ዘልኣለማዊ ድንግልና ማርያም ብምጥባቑ፡ ድንግል ማርያም፡ ተገሊጻ ሓደ ልብሲ ትሽልሞ። ደቅስዮስ፡ 607 ተወሊዱ 667 ዝዓረፈ ስፓኛዊ እዩ ካብ በልና፡ ሓቂ ምዝራብ ኸኣ ዘይጽላእ እንተዀይኑ እምበኣር፡ ደቅስዮስ፡ ኦርቶዶክሳዊ ዘይኰነ፡ ካቶሊካዊ ኣማኒ ክርስቶስ ምንባሩ ክከሓድ ኣይግባእን። ደቅስዮስ ድሕሪ ጉባኤ ኬልቄዶን ከም ዝተወልደ እንሆ ታሪኹ ንርእዮ ኣለና።
2. ዛንታ ቴዎፍሎስ ውዕል ምስ ዲያብሎስ፡
ቴዎፍሎስ ካብ መንበረ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ናብታ መንበር ንኽምለስ ምስ ዲያብሎስ ብደም ዝተኣትወ ሓደ ውዕል ከተመ። ድሕሪኡ ግና ተጣዒሱ ናብ ድንግል ማርያም ኣበርቲዑ ድሕሪ ምጽላይ፡ ድንግል ማርያም ከኣ ናብ ሲኦል ወሪዳ ነቲ ውዕል ካብ ኢድ ዲያብሎስ ትምንዝዖ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ቴዎፍሎስ ኣብ መንበሩ ከም ዝምለስን፡ ካብ ኩነኔ ኸኣ ከም ዝድሕንን ትገብሮ።
3. እመ-ምኔት፡ ካብ ውርደት ደሓነት
ሓንቲ እመ-ምኔት ጥንሲ የጋጥማ እሞ፡ በቲ ዘጋጠማ ድማ ኣበርቲዓ ናብ ድንግል ማርያም ትጽሊ። ድንግል ማርያም ከኣ፡ ነታ እመ-ምኔት፡ ብዘይ ቃንዛ፡ ብምስጢር ኣሕሪሳ፡ ነቲ ሕጻን ድማ ብኢድ መላእኽቲ ናብ ክዓብየሉ ዝኽእል ውሕስ ቦታ ከም ዝበጽሕ ትገብሮ።
4. እቲ ግሩም ግብሪ፡ ነፍሰ-ጾር ኣብ ባሕሪ
ሓንቲ ነፍሰ ጾር ብመርከብ እናተጓዕዘት፡ መርከብ ተሴራ ናብቲ ባሕሪ ትጥሕል። ሽዑ ድንግል ማርያም ተገሊጻ፡ ነቲ ዕሽልን ኣዲኡን ብሰላም ናብ ገምገም ከም ዝበጽሑ ትገብሮም።
5. ምስ ተወፈየ፡ ወተሃደር ጠዓየ
ሓደ ብኸቢድ ዝቘሰለ ወተሃደር፡ ብሕክምና ክድሕን ዘይክእል ኰነ። ንሱ ከምኡ ኢሉ ምስ ከቢድ ኩነታቱ ኸሎ፡ ግናኸ ህይወቱ ንኣገልግሎት ድንግል ማርያም ወፍዩ የገልግል ነበረ። ድንግል ማርያም ብራእይ ነቲ ቍስሉ ቀቢኣ፡ ጥዕናኡ ብምምላስ ናብ ንቡር ህይወት ከም ዝምለስ ከም ዝገበረቶ ዘዘንቱ።
6. ማርያም እኖና፡ ልዕሊ ደበና
መነኮሳት ግብጺ፡ ድንግል ማርያም፡ ከም ዝለዓለት ተጣባቒት ደቂ ሰብ ብምዃን ኣብ የማን ወዳ ደው ኢላ ኣብ ሰማያት ከም እትግለጸሎም የዘንቱ።
7. መላገጺ፡ ቀይር መርገጺ
ሓደ ብስእልን ብዓላትን ድንግል ማርያም ዘላግጽ ዝነበረ ዘይኣማኒ፡ ኣካሉ ተወቒዑ ይለምስ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ድንግል ማርያም ተነሲሑ፡ በደሉ ምስ ተኣመነ ግና፡ ካብ ሕማሙ ከም ዝሓወየን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዋና ተጣባቒ ክብሪ ድንግል ማርያም ከም ዝዀነን ይትርኽ።
8. መነኮስ ጸሓፈ፡ ኩነኔ ሓለፈ
ንጽሑፋት ውዳሴ ማርያም ጸጽሒፉ እናባዝሐ ህይወቱ ምሉእ ነቲ ዕዮ ዝወፈየ መነኮስ፡ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ሓደ ሓጢኣት ይወድቕ እሞ፡ ኣጋንንቲ ድማ ነታ ነፍሱ ናብ ቦታ ስቓይ ክወስድዋ ይመጹ። ሽዑ ድንግል ማርያም ወሪዳ፡ ነቶም ኣጋንንቲ ብምግናሕ፡ ንነፍሲ እቲ መነኮስ ናብ ቦታ ዕረፍቲ ከም ዘእተወታ ይነግር።
ሃጸይ ዳዊት፡ ተወሳኺ ተኣምረ ማርያም ደለዩ
እዘን ሸሞንተ ተኣምራት፡ ንልቢ ሃጸይ ዳዊት ሰርሲረን፡ ነተን ዝተረፋ ካልኦት ተኣምራት ማርያም ከናድዩ ድቃስ ከልኣኦም። ነተን ኣብቲ እዋን እቲ ናብ ዓረብ ተተርጒመን ዝነበራ 75 ተኣምራት ኣምጺኦም ከኣ፡ 8 ሕዳር 1400 ዕዮ ትርጉም ተወዲኡ ከም ዝጻፈፍ ገበሩ። ኣብ ምጽፋፍ እተን ጽሑፋት ልዑል ኣበርክቶ ኔርዎም ካብ ዝብሃሉ፡ እቶም ንመጽሓፈ-ሰዓታት ዝርከቦም ሓያሎ መጽሓፍቲ ዘበርከቱ፡ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ እዮም። እተን ብቛንቋ ዓረብ ዝተዳለዋ ቀዳሞት ተኣምራት፡ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ቐዳማይ ጽሑፍ 1289 ዓም ከም ዝተጻሕፈ እዩ ዝሕብር።
ሃጸይ ዳዊት ኣብ ዓመተ 1412 ሞይቶም። ወዶም ቴዎድሮስ ቀዳማዊ (1412–1414) ነጊሱ፡ ኣዝዩ ፍትሓውን ብህዝቢ ፍትዉን ኔሩ ይብሃል። ብዙሕ ከይገዝአ፡ ኣብ ኲናት ተቐትለ። እግረ መገድና፡ እቲ ኣብ ፍካሬ ኢየሱስ፡ ዳግማይ ክመጽእ’ዩ ዝብሃል፡ እዚ ቴዎድሮስ እዚ’ዩ። ሃጸይ ይስሃቅ ንዝቕጽል 15 ዓመታት ነጊሱ፡ ኣብ ዓመተ 1429 ሞተ፡ (1414–1429)። 1429 ሃጸይ እንድርያስ ወዲ ሃጸይ ይስሃቅ ነጊሱ፡ ኣብ ሽዱሽተ ወርሑ ሞተ። 1430 ሃጸይ ተኽለማርያም ወዲ ሃጸይ ዳዊት ነገሰ፡ ንሱ’ውን ብውሽጣዊ ዕግርግር ተቐትለ። 1433 ሥርወ ኢየሱስ ወዲ ሃጸይ ተኽለማርያም ነጊሱ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሞተ፡ 1433 ዓምደ ኢየሱስ ካልእ ወዲ ሃጸይ ተኽለማርያም ነጊሱ፡ ንሱ’ውን ኣብ ሻምናይ ወርሑ ብሕማም ሞተ። እዚ ኹሉ ክኸውን ከሎ፡ ዘርኣ ያዕቆብ ንኡስ ወዶም ንሃጸይ ዳዊት፡ ብትእዛዝ ወላዲቱ፡ ንቕድም ኣብ ኣኽሱም፡ ድሒሩ ኣብ ገዳም ደብረ ኣባይ፡ ድሕሪኡ’ውን ኣብ ሃይቅ እስጢፋኖስ፡ ጎሸንን ደብረ ቢዘንን ከይዱ ይምሃር ምንባሩ ይንገር።
ዘርኣ ያዕቆብ ነገሰ
1434፡ ዘርኣ ያዕቆብ፡ ብስም እቲ ቀዳማይ ሮማዊ ክርስቲያን ሃጸይ፡ “ቈስጠንጢኖስ” ብዝብል ንጉሳዊ ስም፡ መንበረ ስልጣን ተረከበ። ድሕሪ ኣቡነ ሰላማ ካልኣይ፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ዝነበሩ ግብጻዊ ጳጳስ፡ ኣቡነ በርተሎሜዎስ እዮም ዝብሃሉ ኔሮም። ድሕሪኦም ድማ፡ ካብ 1439-1480 ኣቡነ ሚካኤል ሳልሳይን ኣቡነ ገብርኤልን ዝብሃሉ ጳጳሳት ናብ ዞባና ተላእኩ።
ኣብ ዘመን ዘርኣ ያዕቆብ ዝነበሩ ዉዕዉዓት ሕቶታት
ኤዎስጣቴዎሳዊ ምንቅስቓስ ዝቕስቅሶ፡ ቀዳሚት ሰንበት (ቀዳም) ከም ሰንበተ ክርስቲያን ክትክበር ኣሎዋ፡ ዝብል ንኣማኢት ዓመታት ዝቐጸለ በዳሂ ሕቶ። ነዚ ሕቶ እዚ፡ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ንዘመናት ኣብያቶን ነጺጋቶን ነበረት። እኒ ሃጸይ ዳዊት’ውን ስለ ዘይተቐበልዎ ድማ፡ እቲ ጸገም ይቕጽል ነበረ። ዘርኣ ያዕቆብ፡ ክልቲኤን ሰናብቲ ብኽብሪ ክብዓላ ብምእዛዝ፡ ነቲ ጉዳይ ደምደሞ። ኣቡነ ሚካኤል ኰነ ኣቡነ ገብርኤል፡ ኣብ ሓሳብ ዘርኣ ያዕቆብ ካብ ምርዓም ሓሊፎም፡ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።
ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ካልእ በዳሂ ምንቅስቓስ ድማ፡ እስጢፋኖሳዊ ምንቅስቓስ ኰይኑ፡ ስግደት ንፍጡር ኣይግባእን ዝብል’ዩ። “ንመስቀልን ንቕድስት ድንግል ማርያምን፡ ስብሓተ ፈጣሪ ይግብኦም እዩ” ንዝብል ሓሳብ ዝቃወሙ ደቂቀ እስጢፋኖሳውያን ንምቅዋምን፡ ድምጽማጽ እዚ ምንቅስቓስ ንምጥፋእን፡ ዘርአ ያእቆብ ኩሉ ዝከኣሎ ገበረ። ኣማኒ፡ ኣብ ግንባርን፡ ኣብ የማናይ ኢድን ቅርጺ መስቀል ክውቀጥ፡ ኣብ ማዕተቡ፡ ኣብ ክዳውንቱ ኰነ ኣብ ንብረቱ፡ ቅርጺ መስቀል ክገብር፡ ወዘተ ኣዘዘ።
ነቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ፡ ኣቦኡ ዘተርጐምዎ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም’ውን ካብ ቤተ መንግስቲ ኣውጺኡ፡ ናብ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘርግሖ። ነቲ ዘይነበረን ዘይንብሩን ኩነት፡ እቶም ከም ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝኣመሰሉ፡ ክጻረርዎ ምዃኖም ርዱእ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሃጸይ ዘርአያእቆብ፡ ንተኣምረ ማርያም፡ መቕድምን መጽሓፈ ሥርዓትን ከዳልወሉ ነበሮ። ኣብቲ መቕድም፡ ዕብየትን ልዕልናን ድንግል ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ሥርዓት ድማ፡ ሰንበት መጸ በብሰሙኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ በዓላት ድንግል ማርያም ብኽብርን ብዓብዪ ሓጐስን ክንበብ፡ ቀጢን ትእዛዝ ኣሕለፈ።
መቕድም ተኣምረ ማርያም
“ዕበያ፡ ወክብራ ወውዳሴሃ” ኣብ ዝብል’ዩ ዘተኵር። ድንግል ማርያም፡ ካብ መላእኽቲ ትነጽሕ፡ ካብ ኩለን ኣንስቲ ትዓቢ፡ ሕልናኣ ሕልና ኣምላኽ፡ መልክዓ፡ መልክዕ ኣምላኽ፡ ወዘተ እናበለ ይውድስ እሞ፡ ብዘሎ ዓለም ስለ ድንግል ማርያም ተፈጥረ፣ ኣዳምን ሄዋንን’ውን ድንግል ካብኦም ምእንቲ ክትውለድ ተፈጥሩ፣ ንዕብየት ድንግል ማርያም ኣየናይ ብራና ክጾሮ፡ ኣየናይ እዝኒ ከዕቁሮ፡ ኣየናይ ልቦና ክኽዝኖ፡ ኣየናይ ሕልና ኸ ክሓስቦን ከብጽሖን፧! መን ከም ድንግል ማርያም፧ መላእኽቲ ኮኑ ፍጡራን ማንም ዝመሳሰላ የለን እናበለ ዕብየታ ይነግር። መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ስእላ ስገዱ፡ ንዓኣ ዘይሰገደ ካብቲ ደው ኢልዎ ዘሎ ይብረስ፡ ስሙ’ውን ይደምሰስ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ’ውን ኣሜን ይበሉ፡ ብምባል ይዛዝም።
መጽሓፈ ሥርዓት ዘተኣምረ ማርያም
“እዚ መጽሓፈ ሥርዓት እዚ፡ ካብ መንበረ ማርቆስ ሃዋርያ፡ ካብታ መዓልቃ እትብሃል ቦታ ካብ ግብጺ ዝመጸ እዩ፡ ብምባል ይጅምር። (ብግእዝ፡ “ዝንቱ፡ መጽሐፈ ሥርዓት ዘወጽአ እመንበረ ማርቆስ ሐዋርያ እመካነ መዓልቃ ዘምስር፡" ይብል። “መዓልቃ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ፡ መጸውዒ ስም ናይታ ኣብ ዝባን ከውሒ እተሃንጸት ቤተ ክርስቲያን "Al-Mu'allaqa" እዩ። ፍሉይ ስም ረቚሑ ምጥቃሱ፡ ሕጋውነትን ተኣማንነትን እቲ ጽሑፍ ንምድራዕ፡ ክኸውን ከሎ፡ ማእከላይ ምሕደራ ግብጺ ካብ እስክንድርያ ናብ ካይሮ ድሕሪ ምግዓዙ፡ መዓልቃ ድማ፡ ድሕሪ እስክንድርያ ማእከል መቐደሲት ፓትርያርክ ስለ ዝነበረት፡ እቲ መጽሓፍ ሥርዓት ካብ መንበረ ፓትርያርክ ዘመንበረ ቅዱስ ማርቆስ ዝመጸ እዩ ንምባል እዩ።
ተኣማንነቱ ክብ ንምባል፡ ነቲ ሥርዓት ዘዳለዉ፡ “መምህራን፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ክቡራን መጋብያነ ምሥጢር፡ ርቱዓነ ሃይማኖት፡ አባ አብርሃም፡ አባ ማርቆስን አባ ማቴዎስን ዝብሃሉ ገባርያነ መንክራት” ምዃኖም ሓሳቡ ኣራጐደ። እቲ ኣብ ተኣምረ ማርያም ዘሎ ዛንታታት፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ገሊኡ ብራእይ፡ ገሊኡ ብሕልሚ፡ ገሊኡ ኸኣ ብገሃድ ዝተገልጸሎም ምዃኑ፡ የረድእ።
እቲ ካብ “መዓልቃ” ዝመጸ ዝበሎ፡ መጽሓፈ ሥርዓት፡ ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ቋንቋ ግዕዝ ብዘመነ ጵጵስና፡ ኣባ ሚካኤልን ኣባ ገብርኤልን ከምኡ’ውን ኤጲስቆጶስ ኣባ ዮሓንስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጹ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመቶም ምዃኑ፡ እዚ ኸኣ ዘርኣያዕቆብ ካብ ዝነግስ፡ ኣብ ሻብዓይ ዓመቱ ከም ዝተተርጐመ’ውን ይነግር።
ሥርዓት ተኣምረ ማርያም፦
ብኸመይ ዝበለ ኩነተ-ኣሰማምዓ፡ ኣቃውማ ኣካላት፡ ኣከዳድና፡ ወዘተ ብኸመይ ክንሰምዖ ከም ዘሎና ይነግር። ዝኸእል ዘበለ ደዉ ኢሉ ዘይከኣለ ኮፍ ኢሉ፡ ብዓብዪ ጽሞና ክስማዕ ይእዝዝ
ሰንበት መጸ ነንሰሙኑ፡ ኣብ ኩሉ ብዓላት እመቤትና ማርያም፡ ንባብ ተኣምራ ንእመቤትና ማርያም ብዓብዪ ክብርን ብብዙሕ ሓጐስን ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያን ምንባብ ኣይተቋርጹ ይብል
ውግዘት ምእንቲ ከይስዕብ፡ ኣብ ኩሉ ሰናብትን ኣብ ኩሉ በዓላት ድንግልን ንባብ ተኣምረ ማርያም ከይበኩር።
ኣብዞም በዓላት እግዝእትነ ማርያምን ኣብ ኩሉ ሰንበትን፡ ሕማም ወይ ካልእ ዓብዪ ጸገም እንተዘይከሊእዎ፡ ተኣምር ድንግል ማርያም ንምስማዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጸ ሰብ፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ እቶም ኣቐዲምና ስሞም ዝጠቐስናዮም ሊቃነ ጳጳሳት ኣውጊዞምዎ ኣለዉ።
እቲ ዝኸኣለ፡ ተኣምር ሰሚዑ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ይሳተፍ፡ ሕማም ወይ ካልእ ዓብዪ ጸገም ገጢምዎ እንተዘይከኣለ ግና፡ ተኣምር ሰሚዑ ናብ ቤቱ ይኺድ፡ ብእምነት እንተሰሚዑ ከም ቅዱስ ቍርባን ክዀነሉ እዩ
ንበዓል እመቤትና ማርያም ማዕረ ሰንበት ገይሩ ዘየኽብር ሰብ፡ ወልድ (ክርስቶስ) ብኽብሩ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ብዘይፍታሕ መእሰሪ ኣውጊዝናዮን ኣሲርናዮን ኣለና
በዓላት እግዝእትነ ማርያም ንዘኽብርን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ ዝተኣዘዘ ኩሉ ንዝገብርን ግና፡ ስሙ ንዘለኣለመ ዓለም ብሩኽ ይኹን።
በዚ ኸምዚ፡ ተኣምረ ማርያም ካብ ቤተ መንግስቲ ወጺኡ፡ ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ብምእታው ኣካል ሥርዓተ ኣምልኾ ንኽኸውን፡ ኣብ በዓላትን ሰናብትን ብግዲ ክንበብ፡ እተን 33 በዓላት ድንግል ማርያም ከም ኣከባብራ ዕለተ ሰንበት ኰይነን ክኽበራ፡ ወዘተ፡ ቀጢን ትእዛዝ ተመሓላለፈ። ትእዛዝ ንጉስ ንዘይቅበል፡ መቕርቡ’ውን ይኹን ከም ዘይምሕር ንምርኣይ ድማ፡ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ፡ ትእዛዙ ንዝጠሓሳ ሰለስተ ኣዋልድ ደቁን፡ ሓንቲ ካብ ኣንስቱን ብሞት ከም ዝቕጽዓ ገበረ።
ካብ ሸሞንተ ናብ ልዕሊ ሽሕ
ዛንታታት ተኣምረ ማርያም፡ “ተብህለ” እናተባህለ፡ ብራእይ፡ በሕልሚ ብጋህዲ ተገሊጻ፡ ከምዝን ከምትን ጌራ ዝብል ስለ ዝዀነ፡ በተን ሸሞንተ ዝጀመረ “ተኣምረ ማርያም” ድሒሩ 75፣ ካብ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ኣትሒዙ ኣብ ዝቐጸላ 150 ዓመታት ግና፡ ልዕሊ 350 በጽሐ። ድሕሪኡ ግና፡ “ሚ ክርታስ ዘይጸውሮ” እናተባህለ፡ “ኣየናይ ብራና ክጾሮ” ብዝብል፡ ልዕሊ ሽሕ ዝኸውን ተኣምራት በጺሑ ከም ዘሎ፡ ኣብ ተኣምረ ማርያም ኣድሂቡ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ኢትዮ-ኤርትራን ዝዝንቶ ተኣምረ ማርያም ደቂቕ መጽናዕቲ ዘካይድ ፕሮጀክት Home | Princeton Ethiopian, Eritrean, and Egyptian Miracles of Mary Project ይሕብር። ይተካእ ይለቀብ፡ ዛጊት ድማ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዛንታታት እቲ ተኣምራት፡ እዚአን ቅቡላት፡ እዚአን ከኣ ንጹጋት ቢላ፡ ክትመምዮን ክትከፋፍሎን ኣይከኣለትን ዘላ።
ካብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ብራና ዝተፈላለየ ዓቐንን ትሕዝቶን ዝርከብ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም፡ ብቤት ማሕተም ተስፋ ገብረሥላሴ ዘብሄረ ቡልጋ እተሓትመ፡ 64 ተኣምራት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብቤት ማሕተም ትንሣኤ ዘጉባኤ እተሓትመ ተኣምረ ማርያም ድማ፡ ኣብ ዘመነ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ካብ 110-200፡ ኣብ ዘመነ ፓትርያርክ ቅዱስ ማትያስ ድማ ካብ 200-330 ዝበጽሑ ተኣምራት ይሕዝ።
ኣብ መቕድም እቲ ብተስፋ ገብረሥላሴ ዝተሓትመ ተጽሒፉ ከም ዘሎ፡ 64 ተኣምራት፡ ዕድመ ቅድስት ድንግል ማርያም ንምዝኽኻር ተመሪጾም ቀሪቦም ከም ዝተሓትሙ እዩ። ቃል ንቓሉ፡ “የእመቤታችንን የዕድሜ መጠን ለማዘክርና የምሕረት ቃል ኪዳን ባለቤትነትዋን ለማጠየቅ በመታሰብያነት ተዘጋጅቶ ታተመ” ብትግርኛ፡ “መጠን ዕድመ እመቤትና ንምዝኽኻርን ንምሕረት ብዓልቲ ቃል ኪዳን ምዃና ንምርግጋጽን ንመዘከርታ ተዳልዩ ተሓትመ” እዩ ዝብል።
እምበኣርከስ፡ ተኣምረ ማርያም፡ ኣብቲ ዓውዲ መጽናዕቲ ዝገብሩ ዘለዉ ዛጊት ከም ዝሕብርዎ፡ ብሱሩ ኣብ ምድረ ኤውሮጳ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ዝተበጋገሰ ምዃኑ እዩ። ክርስትና ኣብ ምድሪ ሓበሻ ካብ ዝኣቱ፡ ብውሕዱ፡ ካብ ዓመተ 330 ኣትሒዝና ጥራይ እኳ እንተጸብጸብናዮ፡ ክሳዕ እቲ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ንተኣምረ ማርያም ካብ ቤተ መንግስቲ ኣውጺኡ ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ዝዘርግሓሉ፡ ንልዕሊ 1000 ዓመታት ኣብ ሥርዓተ ጸሎት ዘቤተ ክርስቲያን ኣይነበረን። እቲ ካብ “መዓልቃ” ዝመጸ ዝተባህለ መጽሓፈ ሥርዓት’ውን፡ ከምኡ ዓይነት ቀኖናን መምርሕን ብወገን ግብጺ ከም ዝተዋህበ ዝሕብር ሰነድ፡ ክርከብ ኣይተኻእለን።
እሞኸ ደኣ’ሞ፧
እዚኣ፡ እታ ሓቢርና ክንዓየላ እትግብኣና ሓባራዊት ዕዮ ገዛና እያ።
ተስፋ ገብረሥላሴ ዝመረጽወን፡ 64 ተኣምራት
1. በእንተ ፡ ዘከመ ፡ ልሕቀ ሕፃን ፡ በተርጌላ ማርያም
2. በእንተ ፩ዱ ብእሲ ዘስሙ፡ ጴጥሮስ
3. በእንተ፡ ደቅስዮስ
4. በእንተ ብእሲ ፡ ባዕል ፡ ዘያፈቅር፡ ምጽዋተ
5. በእንተ፡ ልደታ
6. በእንተ ፅንሳ ፡ ወልደታ፡ ወበአታ ።
7. በእንተ፡ ዘጥዕመት ሞተ
8. ዘከመ ፡ ነሠተ፡ ሰይጣን እቶኖሙ ለመነኰሳት
9. በእንተ ዘተጋብኡ ሐዋርያት ለግንዘተ፡ እሙ።
10. በእንተ ቀሲስ ዘያፈቅር ንዋየ
11. ዘከመ ተንሥኡ ፀር ላዕለ ፩ዱ መምህረ ደብር፡
12. በእንተ ዘከመ፡ ዜነወ ዮሐንስ እንዘ ፡ ይኤምኅ፡ መግነዛ
13. በእንተ፡ ብእሲት ዘነሥአት፡ ባቲ ምታ ዘማዊት
14. በእንተ ዘከመ ገደፉ በድና፡ ለድንግል
15. በእንተ ተአምር ዘተገብረ ላዕለ አሐቲ፡ ታቦት፡
16. በእንተ ዕርገተ ሥጋሃ ፡ ለእግዝእትነ፡
17. በእንተ መንክር ዘተገብረ፡ በመዋዕለ ፩ዱ ንጉሥ
18. በእንተ ማርታ ዘሀገረ ፄዴንያ ።
19. በእንተ ዘከመ፡ ክልኣ በዓለ፡ ሐመር ለዐዲወ ባሕር
20. በእንተ ዐቃቤ ቤተ ክርስቲያን ዘአኃዞ ትክቶ
21. በእንተ፡ በዓለ ጌና *
22. በእንተ ፩ዱ፡መኰንን፡ ዘሖረ' ውስተ ፀብዐ' ዕልዋን'
23. በእንተ ልደቱ ለእግዚእነ
24. በእንተ ዘከመ፡ ነሥአት፡ ኪዳነ፡ ምሕረት፡እምኅበ ወልዳ
25. በእንተ ሠረቅት ዘቦኡ ውስተ ቤተ ክርስቲያን
26. በእንተ፡ ብእሲ ዕብራዊ ዘውኅጦ ተመን
27. በእንተ ትስብእቱ ለመድኃኒነ
28. በእንተ፡ ብእሲ ዘአደንገዖ ተመን
29. ወዓዲ በእንተ ትስብእቱ በዕለተ እሑድ፡
30. በእንተ፡ ዘከመ ፡ ኮነ ፡ በደብረ ምጥማቅ
31. ዘከመ ተማከሩ፡ ተንባላት ያንህልዋ ፡ ለደብረ፡ ምጥማቅ '
32. በእንተ ዘከመ፡ ሰአልዋ፡ ክርስቲያን ታርእዮሙ፡ ዘሐሠሡ፡
33. ዘከመ ተባረኩ፡ ሰብእ በኀበ ዘአንቅዐ ወልዳ ማየ
34. በእንተ፡ ፩ዱ ብእሲ፡ ፈራሄ ፡ እግዚአብሔር ፡
35. በእንተ ገብረ ክርስቶስ ፡ ወልደ ንጉሥ
36. በእንተ አይሁዳዊ ዘተጠምቀ በእደ ደቂቅ ።
37. በእንተ ፩ዱ፡ ንጉሠ ቍስጥንጥንያ፡
38. በእንተ ብእሲ በዐለ ንህብ
39. በእንተ ጽሙዕ ከልብ ዘአስተየቶ ማየ ፡ እግዝእትነ
40. በእንተ፡ ዘከመ፡ አስተርአየቶሙ፡ እግዝእትነ ለሐዋርያት
41. በእንተ ብእሲ ዘመሐለ፡ በሐሰት
42. በእንተ ቅዳሴ ቤተ፡ ክርስቲያና
43. በእንተ፡ ርደተ ብርሃነ፡ ትንሣኤ፡
44. ዘከመ ገብረት ኃይለ አመ ወለደቶ ለእግዚእነ ።
45. በእንተ ወለት ዘበፅዓት፡ ድንግልናሃ ፡ ለእግዝእትነ
46. በእንተ ዘከመ ገብረት ተአምረ፡ በ፩ዱ ቀሲስ
47. በእንተ አኃው፡ ክርስቲያን፡ ዘረከቡ እቡደ
48. በእንተ፡ ርደቱ ለእግዚእነ እምሰማይ
49. በእንተ፡ ባዕል ዘፈቅዐ ርእሶ ለነዳይ በጳኩሲማ
50. በእንተ ዘከመ ፡ ገብረት፡ እምሥዕል ተአምረ፡ በሀገረ ፄዴንያ
51. በእንተ ቀሲስዘይቄድስ፡ ዘልፈ፡ ቅዳሴሃ ፡ ለማርያም
52. በእንተ አሐቲ ዘማዊት
53. በእንተ ፩ዱ ወሬዛ ፡ ረድእ
54. ዘከመ፡ ወገረ አይሁዳዊ ሥዕለ፡ እግዝእትነ፡ ውስተ፡ ማይ
55. በእንተ ዲያቆን ዘዘበጥዎ ፊያት
56. በእንተ መነኰስ ዘአመከሮ ሰይጣን
57. በእንተ ኤጲስ ቆጶስ፡ ዘይስእላ ታብጽሖ ኢየሩሳሌም
58. በእንተ ፩ዱ ብእሲ ዘስሙ ፒፋሞን
59. በእንተ ዘከመ ቦኡ መነኰሳት ደብረ ቍስቋም ፡
60. በእንተ አሐዱ ብእሲ
61. በእንተ ንጉሥ፡ ዘአንበርዎ ሰብእ ይስግዱ ሎቱ
62. በእንተ ዘአድኃነቶ ለሠዓሬ ሰንበት ዘኮነ፡ በሐመ
63. በእንተ አሐቲ ቤተ ክርስቲያን ዘደብረ ምጥማቅ፡
64. ዘከመ፡ አንግሃት፡ገይሠ እግዝእትነ፡ ኀበ፡ መቃብረ፡ ወልዳ