መበል 11 ዕዮ ገዛ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረቡ ሕቶታት

ብመሰረት ቈሎሴ ምዕራፍ 3፣18-25 ነዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ሕቶታት ሓጺር መልሲ ኣዳልዉ።

  1. ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ?

  2. ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ይርዳኣካ?

  3. ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና?

  4. ንወለድኻ ክትእዘዝ ከሎኻ ስለምንታይ እዩ ንጐይታ ባህ ዚብሎ?

  5. ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ?

  6. ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ

  1. ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ?

    እዚ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ፡ "ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ” ብዝብል እዩ ዝጅምር (ቈሎ3.1)። ኣብ ፍቕዲ 17 ድማ ” ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ” ይብል። ስለዚ፡ ኩለንትናና ንጐይታ ስለ ዝዀነ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ እንገብሮ ዘበለ፡ ንጐይታ ንገብሮ ምህላውና እናሓሰብና ክንገብሮ ምኽኣል ማለት’ዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ዋላ እኳ ንኣንስቲ ዝተባህለ እንተዀነ፡ ግናኸ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ፡ ብምሉእ ልቢ፡ ብፍጹም ተኣዝዞ ክንገብሮ ከም ዝግባእ ዘዘኻኽረና መልእኽቲ እዩ።

2. ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ይርዳኣካ?

ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ትርእዮ ንዝብል ሕቶ፡ ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ ”እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ” በለ (ዮሃ14.15)። ኣይትምረርወን ዝብል ቃል፡ ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም፡ ”ኣይትጨክኑለን” ብዝብል ተጻሒፉ’ሎ። ምጭካን ማለት፡ ርህራሀ ዘይምርኣይ እዩ። ምርህራህ ማለት ድማ ናይ ብጸይትኻ ሰናይን ዕረፍትን ምድላይ እዩ። ስለዚ ብፍላጥ፡ ዕላማ ጌርካ ምብዳል፡ ምዕማጽ፡ ኣባና ክርአ ከም ዘይብሉ ይነግረና። ብሱሩ ግና፡ እቲ እንብሎ ኰነ እቲ እንገብሮ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ንእግዚኣብሄር ዓሊምና ንገብሮ እንተንኸውን፡ እቲ ምጭካን ዝብል ቃል ንዓና ክንገር ዝግብኦ ቃል ኣይምነበረን።

3. ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና?

ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና? ”ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ፡ (ኤፌ6.2)። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ባህልና፡ ምኽባርን ምምእዛዝን ወለዲ ዝንኣድ ምዃኑ ጠቒስና፡ ነፍስ ወከፍ ብውልቁ ክምልሶ ዝግብኦ ምዃኑ ኣስሚርናሉ። ክሳዕ እንታይ ኢና እንእዘዞም ኣብ ዝብል ከኣ፡ ንመዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ዘኪርናያ (2ዜና1.16)። ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደልዪ ዘበለ ዅሉ ይሙት” ብዝብል ተመሓሒሎም ስለ ዝነበሩ፡ ”ማዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ድማ ናይ ኣስታርተ ጽዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡ ካብ መንግስታ ሰዓራ፡ ኣሳ ኸኣ ነቲ ምስሊ ቘሪጹን ጨፍሊቑን ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ” ይብል። ስለዚ እምበኣር፡ ክሳዕ እንታይ ክንእዘዞም ንዝብል፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ክሳዕ ዘይተጻረሩ፡ ብዘድልዮም ዘበለ ኵሉ ክንእዘዞም ከም ዝግባእ ተዘራሪብና።

4.ንወለድኻ ክትእዘዝ ከሎኻ ስለምንታይ እዩ ንጐይታ ባህ ዚብሎ?

እግዚኣብሄር ቅዱስ ፍቓዱ ኰይኑ፡ ብትእዛዝ ዝሃቦ መምርሒ ስለ ዝዀነ፡ ክንፍጽሞ ከለና ባህ ይብሎ። ወለዲ ምስሊ ፈጣሪ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ከም ኣቦን ከም ኣደን መሲሉ ይዛረብ እዩ። ስለዚ ነቶም ዝወለዱና፡ ብዝከኣሎም እናሓብሓቡ ዘዕበዩና፡ ንወለድና ክንእዘዞም እንተዘይክኢልና፡ ንእግዚኣብሄር እእዘዝ’የ ክንብሎ ኣእማኒ ስለ ዘይኰነ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ንወለድና ክንእዘዝ ከለና፡ እዚ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ባህ የብሎ።

5. ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ?

ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ? መዝገበ ቃላት ትግርኛ ከም ዝሕብሮ፡ ሕልና ምዕራብ ማለት፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ተስፋኻ ምምህማን፡ ሓቦ ምስኣን ማለት’ዩ። ወላዲ ንውሉዱ፡ ተስፋ ክሳዕ ዝቘርጽ ጌሩ ክቐጽዕ ኣይግብኦን። ፍልፍሉ ዝብልዎ ኢትዮጵያዊ ቀያዒ፡ ”ኣቦይ ሓደ መዓልቲ ጥራይ’ዩ ቀጺዑኒ ዝፈልጥ፡” በለ እሞ፡ ተገሪሞም ምስ ሓተትዎ ድማ ”ካልእ ኩሉ ጊዜ ፈተነ ቕትለት’ዩ ዝፍጽመለይ ኔሩ” በለ ይብሃል። ኣቦኡ ብኸቢድ ማህሰይቲ ይቕጥቅጦ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

6.ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

ኣብቲ ጥቕሲ በሪሁ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ ማለት’ዩ። እቶም ኣስራሕቲ (ጐይቶት) እንተዓመጹ፡ እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ” ብምባል’ውን ኣረጋገጸሎም። ንዕዮ ቍ11 ክንጠምሮ እንተዀይኑ፡ ምስ ክርስቶስ ዝተንስአ ሰብ ክነብሮ ዝግብኦ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዝግበር ዘበለ ኵሉ ብስም ጐይታና ክንገብሮ ከም ዝግብኣና ንምምዓድ እዩ። ኣብዚ ዝጠቐስናዮ እንተልዩ፡ ንኣብነት ሰሙናዊ ዝወሃበና ዝጽናዕ ጥቕሲ፡ ንጐይታ ኢልና ንእዘዞ ዶ፧ ኣጽኒዕናን ተለማሚድናን ንመጽእ ዶ፧ እቲ ምምእዛዝ ኣብዚ’ዩ ዝጅምር።

ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ

  1. ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ?

ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ሕቶ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እቲ ምሁር ሕጊ ኣብ [ማቴዎስ ወንጌል 22፣35-39] ዘሎ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ ኢሉ ምስ ሓተቶ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመለሰሉ“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡” እታ  ዓባይ ትእዛዝ እዚኣ እያ በሎ! “እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።” ስለዚ ንጐይታ ዝግባእ ጌርኻ ምእዛዝ እታ ዓባይ ትእዛዝ ብምሉእ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ንዕኡ ምፍቃር እዩ፣ ሰብ ብሓቂ ነዚኣ ትእዛዝ እንተ ሓልይዋ፡ ንጐይታ ኢየሱስ ከም ዚግባእ ጌሩ ይነብሮ ኣሎ። ብመጠን እቲ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ከምኡ'ውን ንብጻይና ከም ነብስና ጌርና ንጐይታ ከም ዝግባእ ጌርና ክንእዘዝን ከነፍቕርን እዩ፣ ጽውዓና።

2. ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ይርዳኣካ?

ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ሰብኡት “ንኣንስትኹም ምፍቃር” እዩ ዝብለና። [ኤፌ. 5፡25-29]፣[ቈሎ. 3:19] ከምኡ'ውን ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ። [1ይ ጴጥሮስ 3-7] ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። ስለዚ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቱ ዘለዎ ኣራእያ ከም መዋርስቱ ከፍቅራን ከኽብራን እምበር ኣብ ልዕሊኤን ጐይቶት ክንከውን የብልናን። ኣብ ሕብረተሰብና ሰበይቲ መሰል ከም ዘይብላ ብዙሕ ኣሎ ተጸቂጠን ዝሓልፍኦ እዚ ግን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ፣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዓይኒ ሓቂ ካብኡ ምንም ዘፍልያ ከም ዘየለ ክንርዳእ ኣለና። “ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።” [1 ተሰሎንቄ 4፥4-5]

3.ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና?

ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ፣ ዚጠቅም: ኢሉ ኣሎ ጳውሎስ ኣብታ ናይ ቆሮንቶስ ማሕበር፣ ኣምላኽ ከም ንቃሉ ጌሩ ዝእዘዝ ዘሕጉሶ የለን። ስለዚ እቲ ጐይታ ኩሉ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡” [ኤፌሶን 6፥2] ካብ በለ ንወለድና ብመጠን ቃል ኣምላኽ ዝብለና፣ ከነክብሮምን ክንእዘዞምን ኣለና፣ ብኣንጻሩ ኽኣ ክንርድኦ ዘለና፣እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ኢሉ ኣሎ ጐይታ ኢየሱስ፣[ማቴዎስ 10 - 37] ማዕረ እቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ንወለድና ክንእዘዝ ኣለና፣ ንስርዓት ኽንብል ድዩ ወላስ ኻልእ ይኹን ግን ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ወጻኢ ክንእዘዝ ከም ዘይብልና እዩ ቃል ኣምላኽ ዝምህረና።

4. ንወለድኻ ክትእዘዝ ከሎኻ ስለምንታይ እዩ ንጐይታ ባህ ዚብሎ?

እዚ ንጐይታ ባህ ዘብል እዩ፡ ብዅሉ ንወለዲ ኽትእዘዞም ከለካ።”[ኤፌ፣6፡4]፣[ቆሎ፣3:20]። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ትእዛዛት እዩ።  ንወለዲ ምእዛዝ ንጐይታ  ምስኡ ዘለና ርክብ ኣብ ቃሉ ዘለና ክብሪ እዩ ዝገልጽ በዚ ክኣ ኣምላኽ ይሕጐስ። ንወለዲ ዝወሃብ ተኣዛዝነት ማለት ንክርስቶስ ከም ዝተዋህበ ተኣዛዝነት እዩ። ውሉድ ንወለዶም ዝገብርዎ ተኣዛዝነት ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ንኣምላኽ ዝገብርዎ ተኣዛዝነት እዩ ዘርእየኻ። “ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።”[1ሳሙኤል 15፥22] ምድራዊ ወለዲ ምእዛዝ፡ ኣኽብሮት ወይ ክብሪ እዩ። ተኣዛዝነት፣ ዓቢ ጐናዊ ረብሓ ኣለዎ። ኵሉ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘቐመጦ ስርዓታት ንረብሓ ደቂ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ ንወለድኻ ምእዛዝ ከም ቃል ኣምላኽ ንጐይታ ዘሕጉሶ እዩ።

5. ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ?

ሕልና ምዕራብ ማለት ተስፋ ዝቘረጸ፣ ኣብ ቅድሜኡ ራኢ ዘይብሉ ምዃን ማለት እዩ። ጸሓይ ዓሪባ ንብላ፡ መብራህታ ምስ ከወለት፡ ጸልማት ምስ ኰነ ኢና ዓሪባ፡ እንብል ስለዚ ሓደ ሰብ'ውን ሕልናኡ እንተ ዓሪቡ፡ ጸልሚትዎ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ግዜና ብዙሓት ምእንቲ ሽመት ወይ ምእንቲ ገንዘብ ቢሎም ሕልናኦም ዝሸጡ ብዙሓት እዮም። ሕልናና መለክዒ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ኣካይዳና ኢዩ። እቲ መለክዒታት ከኣ ኣብ ልብና ተቐሪጹ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኢዩ፣ (ሮሜ 2፡14-15) “እቶም ሕጊ ሙሴ ዘይብሎም ኣሕዛብ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዝገብሩዎስ። ንሳቶም ሕጊ ሙሴ እተዘይብሎም እኳ ንርእሶም ሕጊ ኢዮም።

6. ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

ብስጋ ጐይተትኩም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ? ኣብዚ ዘለናዮ ምዕራባዊ ዓለም ምስ እዚ ዘለናዮ ህይወት ምትሕሓዝ ዘለዋ ኣገዳሲት ሕቶ እያ፣ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም እዚ ምእዛዝ፡ ኣምላኽ ይርእየኻ ከም ዘሎ ፈሊጥካ “ኣገልግሎት ዓይኒ”፤ እዚ ድማ ጐይታ ይዕዘበኒ ኣሎ ኢልካ ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ኢልካ ዝስራሕ ስራሕ እዩ። ክርስትያን ግዙኣት ዋላ ዋናታቶም ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከም ዘለዎም [ኣብ ኤፌ 6፡6] ምምልካት ይከኣል እዩ።  እዚ ድማ ጐይታ ኩሉ ግዜ ይዕዘብ ከም ዘሎ ምፍላጥ እዩ። እቲ ዝርኢ ኣምላኽ፡ ኣብ ኩሉ ስራሕና ይምልከተና ከም ዘሎ ኣሚንና ንኣምላኽ ከም እንገብሮ ዘለና ክንርዳእ ኣለና፡  [ቈሎ፣3:23-24፤ 1ጢሞ 6፡1-2፤ ቲቶ 2፡9-10፤ 1ጴጥ 2፡ 18-21]።

ጉጅለ ሰለስተ ዝጸሓፍዎ

  1. ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ?

    "ንጐይታ ከም ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ" ማለት ንክርስቶስ ዘኽብርን ባህርያቱ ዘንጸባርቕን ትኣዛዝነት፣ ኣምላኽ ምዃኑ ብምእማን ብቕንዕና ልቢ ዝግበር ኣገልግሎት እዩ። ከምቲ ኣብ ቆሎሴ [3፡23-25] "ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።" ብምባል ዘብርሆ። ሰብ ገዲዱካ  ዘይኰነስ፡ ንክርስቶስ ካብ ዘለካ ፍቕርን ምእዛዝን ዝድረኽ እዩ። ኣብ (ኤፌ 6፡7) ውን "ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ፣" ኢሉ ብንጹህ ልቢ ከነገልግል ይእዝዘና።

    2. ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ይርዳኣካ?

ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ፥ ሰብኣይ ብግብሪ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝምህረና። ምስቲ ኣብ [ኤፌሶን 5፡25-29] "ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ንማሕበሩ ርእሱ በጃኣ ሃበን ይከናከና ኣሎን። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነንስቶም ከም ስጋኦምን ነፍሶምን ገይሮም ኬፍቅርወን ከም ዝግብኦም ዝእዝዘና፥ ደንግጹለን ወይ ተጻወርወን ዘይኮነስ፥ ከምቲ ሰብኣይ ንስጋኡ ብዘድልዮ ነገር ዝከናኸ፥ ንሰበይቱ’ውን ብዅሉ፡ ማለት መንፈሳውን ስጋውን ህይወታ ሕጉስቲ ኰይና ንኽትነብር፥ ክከናኸና ይግብኦ። ብፍቕሪ ማለት ድሌታቱ ኣወንዚፉ፥ ናይ ሰበይቱ ጽቡቕ ምህላው ከቐድም ኣለዎ። ንኣምላኽ ዘሔጉሶ ትእዛዙ ምፍጻም ምዃኑ ብምርዳእ፥ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብለውሃትን ኣኽብሮትን ከፍቅራ ይግባእ። ጸርፊ፥ ምዝላፍ፥ ማህረምቲ ፍጹም ክሕሰብ’ውን ከም ዘይብሉ ንርዳእ። ብምትሕግጋዝ፥ ጥዑም ቃላትን ተረዳዲኦም ክነብሩ ይነግር።

3.ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና?

ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ  ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና? ንዝብል ሕቶ እዛ ሕቶ ንሓደ ኣብ ትሕቲ ወለዱ ዘሎ ውሉድ፥ ኣብ ሓዳርን ናይ ባዕሉ ውሉድን ሰበይትን ሓላፍነት ዘይብሉ ጌርና ተተረዲእናያ፥ መብዛሕትና ወለዲ ስለ ዝኮንና፥ ብቑልዕነተይ ንወለደይ እዙዝ ኔረ ብምባል ክንምልሳ ንደፍር። ወላዲ ምስ ኮንኩ ግን ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:24፤ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። ዝብለና፥ ኣነ ንባዕለይ ወላዲ ስለ ዝኾንኩ፥ ሕጂ ወለደይ ኣይእዙዝንን፡ ህይወተይ ዝመርሕ ኣቦ እየ፡ እቲ ክብሪ ወለዲ ሓልዮትን ፍቅርን፥ ምክሮም ምቅባልን ግን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ኣብቲ ክንእዘዘሉ ዝግባእ ዕድመ ኣብ ዘለናሉ ግዜ ድማ፥ ካብ ኣምላክ ዝተዋህበና ትእዛዝን ዓስቢ ንረኽበሉ ስለ ዝኮነ፥ ከም ፍቃድ ኣምላክ ንዝእዙዝና ወለድና ብኩሉ ንእዘዝ ኢና። (ዘጽ 20፥12)። ኣብ ቆሎሴ 3፡20 "ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።" ክብለና ከሎ፥ ኣብ [ኤፌሶን 6፡1] ድማ "ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።" ኢሉ ከም ዝእዝዘና፥ "ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል" ብጎይታ" ዝብላ፡ንወለዲ ምእዛዝ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ-ነጸብራቕ ናይቲ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕርን ኣኽብሮትን እዩ። ከምኡውን ስልጣን ወለዲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ዝሰማማዕ ጥራሕ ምዃኑ ይሕብር። ወለዲ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ነገር ኣብ ዝእዝዙሉ ኣጋጣሚታት ግን፡ ከምቲ "ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።" ዝበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 5፡29)። ወለዲ ካብ ኣምላክ ክፈልዩና ወይ ምስ ነፍቅሮ ከይንዛመድ ንዝእዙዝና ብኣክብሮትን ትሕትናን ከተረድኦም እምበር ክትእዘዝ ኣይግባእን። ከም ፍቃድ ኣምላክ ንዝእዙዝካ ወለዲ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 1፥8-9: "ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።" ዝብለና በረኸት ኣምላኽ እንረኽበሉን ንጥቕምና ምዃኑ ተረዲእና፡ ብኣኽብሮትን ብፍቓድን ብልብና ክንእዘዝ ይግባእ።

4. ንወለድኻ ክትእዘዝ ከሎኻ ስለምንታይ እዩ ንጐይታ ባህ ዚብሎ?

ንወለዲ ምእዛዝ ንጐይታ ባህ ዘብል እዩ ምኽንያቱ ነቲ ኣምላክ ዝሰርዖ ከም ተክብር፥  ምእዛዝካ ንእምነትካ ዘንጸባርቅ እዩ። ኣምላኽ ንወለድካ ኣለይትካን ሓብሓብትና  ጌሩ ከም ዝሰርዓልካ ኣብኡ ስለ ዝተኣማመንካ ኢካ ትእዘዞም። ነቲ ብጥበብ ኣምላክ ዝተሰርዔ ምክባር ማለት ፍቓዱ ምፍጻም ስለ ዝኮነ ኣምላኽ በዚ ባህ ይብሎ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 1፥8-9 ዝምህረና ኣምላክ ብወለድና ተገሲጽናን ተማዒድናን ንዕኡ ነክብር ውሉድ ኮንና ሂወት ክንረክብ ስለ ዝደሊ እዩ። ብቅኑዕ መንገዲ ክንመላለስ ስለ ባህ ዘብሎ እዩ፣ [ምሳሌ 22፥6]። ብግቡእ ክንምሃር ስለ ዝደሊ እዩ። [ዘጽ 6፥7, ዘዳ 4፥9]። መገዲ እግዚኣብሄር ክንሕሉን፡ ጽድቂ ክንገብርን ስለ ዝደሊ እዩ። [ዘፍ 18፥19]። ኣብ ማሪቆስ 6፥ 7-13 ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ክነቅፎም ከሎ፥ ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ አሎኹም፥ ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፥ ብምባል፥ ጐይታ በቶም ትእዛዙን ቃሉን ዘኽብሩ ባህ ከም ዘብሎ ንርዳእ።

5. ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ?

ሕልና ምዕራብ ማለት፥ ተስፋ ምቁራጽ፥ ካብ ልቢ ተሰሚዑካ መንፈስካ ተተንኪፉ፥ ክብሪ ከም ዘይብልካ፥ ብሩህ መጻኢ ዘይብልካ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ እዩ። ተስፋ ምቑራጽ ንሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 15፥13: ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሃየ ግና መንፈስ ይስበር። ዝብለና ብጓሂ ሕልናካ ምትንካፍ የመልክት። ንቆልዑ ካብ መጠን ንላዕሊ ማእዙኑ ዘይሓለወ፥ ነቐፌታ፡ ተግሳጽ፡ ዝገብሩ ወለዲ: ብፍላይ ከኣ ኣቦታት ኣዝዮም ተሪር: ነቐፍቲ: ወይ ዘይፍቕሩ ምስ ዝዀኑ: እቶም ውሉዶም ፈጺሞም ንፉዓት ከም ዘይኰኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።  ነዚ እዩ ኣብ ኤፌሶን 6፥4 ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም። ብምባል ብመንነቶም ዕጉባት፥ ተስፍኦምን ብእምነቶምን ፍቅሮምን ንጎይታ ዘዕቢ መንገዲ ክእርሙ ይምህረና።

6. ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም እዚ ትእዛዝ እዚ ንሰራሕተኛታት ብትግሃትን ብንጹህ ልብን ንምድራውያን ኣስራሕቶም ክእዘዙ ዝምህር እዩ። ስልጣኖም ከም ናይ ኣምላክ ከም ዘይኮነን፥ ሓቀኛ ጐይታካን ጎይትኦምን እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ምዃኑ ብምርዳእ ብሰናይ ፍቓድ ከተገልግሎም ከም ዝግባእ የረድእ። ብቕኑዕ ልቢ ክትገብሮ ከሎካ ንኣምላኽ ደስ ተብሎ ምህላውካ እምበር፥ ሰብ ክንእደካ ክከውን ከም ዘይብሉ ውን ንጹር ይገብሮ። ከምዚ ምስ ዝከውን ድማ፥ ኣብ ግዜ ስራሕ ሓላፊካ ይሃሉ ኣይሃሉ ብትግሃት ብምስራሕካ፥ ብሰናይ ግብርኻ ኣምላኽ ይሕጐስ፥ ኣስራሒኻ’ውን ንዓኻን ንእምነትካን የመስግነካ። እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኸውን፥ ጐይታኻ’ውን ይኣምነካ። ንኣብነት ዮሴፍ ኣብ  ዘፍ 39፥2 እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኰነ። ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ነበረ። ይብለና። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ዝጽሓፈሉ’ውን "ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም።" ብምባል ብቕንዕና፡ ትግሃትን ንስልጣን ምኽባርን መግለጺ ክርስትያናዊ ባህሪ ምዃኑ ይምህረና፡ [ቲቶስ 2፥9-10]።

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ

ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርካ ምእዛዝ እንታይ ማለት እዩ?

ንጐይታ ኢየሱስ ከም ዝግባእ ጌርካ ምእዛዝ ማለት ብፍቕሪ፡ ብእምነትን፡ ብፍርሃትን ንእኡ ብዘንጸባርቕ መንገዲ  ምኽባርን ምእዛዝን ማለት እዩ። እዚ ማለት እቲ ናቱ ትእዛዝ ንሰናይና፡ ካብ ሓልዮቱ ዚተላዕለ ከም ዚዀነ ብምእማን፡ ባህ እናበለናን ብፍርሃትን ምእዛዝ ማለት ኢዩ።  ኣብ ርእሲ ድማ ጐይታ ኢየሱስ እቲ ክንእዘዞ ዝግበኣና ዝለዓለ ጐይታ ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። ብተወሳኺ “ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባኣ ጌርካ ምእዛዝ” ማለት ንጐይታ ኢየሱስ ናይ ተኣዛዝነትካ ደረት ምግባር ወይ ቀዳምነት ንጐይታ ኢየሱስ ምግባር ማለት ካብ ትምህርትን ትእዛዝን ጐይታ ወጻኢ ንዝዀኑ ነገራት ዘይምእዛዝ ማለትውን ኢዩ።

2. ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ከም ሰብኣይ ከመይ ይርዳኣካ?

ከም በዓል ቤት መጠን ነንስትኹም ኣፍቅርወን ኣይትጨክኑለን ዝብል ትእዛዝ ንሰበይትኻ ኵሉ ግዜ ብሓልዮትን ሕያውነትን ኣኽብሮትን ምሓዝ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቅራ፡ ብዘይ ርእሰ-ፍትወትን ክሳዕ ዋጋ ብምኽፋልን ምስ ኣንስትና ብምጽውዋርን፡ ምስምማዕን ምድግጋፍን ምንባር ማለት እዩ።  “ኣይትጨክኑለን” ማለት ፈጺምካ ተሪር ቃላት፡ ተግባራት ወይ ኣተሓሳስባ ዘይምጥቃም ማለት እዩ። ከም ርእሲ መጠን ብፍቕሪ ክትመርሓ፡ ብለውሃት ክትከናኸናን ክትከላኸለላን ፡ ኩሉ ግዜ ድማ ቅድሚ ናትካ፡ጽቡቕ ናታ ክትሓስብን ዝጽውዕ ጻውዒት’ዩ።

3.ከም ውሉድ መጠን፡ ማዕረ ኽንደይ ንወለድኻ እዙዝ ኢኻ? ክሳዕ እንታይ ኢና ኸ ክንእዘዝ ዘሎና?

ከም ቆልዓ ንወለድኻ ምእዙዝ ምዃን ማለት ንወለድኻ ምስማዕ፡ ሕግታቶም ምኽባርን ዝሓተትዎ ብጽቡቕ ኣተሓሳስባ ምፍጻምን ማለት እዩ። ተኣዛዝነትና ግን ኩሉ ግዜ ምስቲ ቅኑዕን ጽቡቕን ክሰማማዕ ይግባእ። ወለድና ዝሓተትዎ ኣንጻር እቲ ሓቂ ወይ ኣምላኽ ዝምህሮ ክሳዕ ዘይከደ ጥራይ ኢና ክንእዘዞም ዚግባእ።

4. ንወለድኻ ክትእዘዝ ከሎኻ ስለምንታይ እዩ ንጐይታ ባህ ዚብሎ?

ንወለድኻ ክንእዘዝ ከለና ንጐይታ ባህ ዘብል እዩ ምኽንያቱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ስድራቤታት ንኽሰርሓ ዝነደፈሉ ኣገባብ ኣኽብሮትን ፍቕርን ምትእምማንን ዘርኢ እዩ። ኣምላኽ ውሉድ ካብ ወለዶም ኪመሃሩን ጽቡቕ ክብርታት ሒዞም ኪዓብዩን ይደሊ። ክንእዘዝ ከለና ቅኑዕ ክንገብር ኢና እንመርጽ ዘለና፣ እዚ ድማ ንኣምላኽ ዘሐጉስ እዩ። ብተወሳኺ ንወለድኻ ምእዛዝ ነቶም ኣምላኽ ኪመርሑኻን ኪከናኸኑኻን ዝሃበካ ሰባት ብምኽባር ንእኡ ከም እተኽብሮ ዘርኢ እዩ።

5. ሕልና ምዕራብ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ቈሎሴ 3፡21 “ሕልና ምዕራብ” ማለት ምሕዛን፡ ምጉዳእ፡ ወይ ተስፋ ምቑራጽ ማለት እዩ። ሓደ ቆልዓ ዝኾነ ነገር ቅኑዕ ክገብር ከምዘይክእል ወይ’ውን ከምዘይፍቶ ምስ ዝስምዖ’ዩ። እታ ጥቕሲ፡ ኣቦታት ኣዝዮም ተረርቲ፡ ዘይፍትሓውያን፡ ወይ ኵሉ ግዜ ዚሓርቑ ኪዀኑ ከም ዘይብሎም ፡ ምኽንያቱ እዚ ንውሉዳት ርእሰ ተኣማንነት ከም ዝስእኑን ኣገዳስነት ከም ዘይብሎም ከም ዝስምዖምን ስለ ዚገብር።

6. ብስጋ ጐይቶትኵም ንዝዀኑ ሰባት ብዅሉ ተኣዘዝዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

ጳውሎስ “ነቶም ከም ስጋ ጐይቶትኩም ብዅሉ ተኣዘዝዎም” ክብል ከሎ፡ ሰባት ንመምርሒታት ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ስጋውያን መራሕቶም ወይ ሰበ ስልጣን ከኽብሩን ኪስዕቡን ኣለዎም ማለቱ እዩ። እዚ ተኣዛዝነት እዚ ብቕንዕና ኪኸውን ኣለዎ፣ ማለት ንሰባት ንምምሳጥ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ከም እትሰርሕ ጌርካ ክግበር ይግባእ። እዚ ግን ዘይግባእ ነገር ክትገብር እንተሓቲቶምካውን ምእዛዝ ማለት ኣይኮነን- ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ቀዳምነት ክንህብ ይግባእ። ዋላ ዝዕዘብ ሰብ ኣብ ዘይብሉ እዋን ብጽቡቕ ልቢ ዝከኣለካ ምግባር ማለት እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 12 ዕዮ ገዛ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ዓስራይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ