መበል 12 ዕዮ ገዛ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
ኣብ ጸሎት ንቑሕን መመስገኒን ምዃን፡ እንታይ ኣገዳስነት ኣሎዎ ትብል፧
ኣምላኽ መንፈስ እዩ እሞ፡ ከይነቓሕካ ምጽላይ ማለት ከኣ፡ ”ኣፋ ምሳይ፡ ልባ ምስ ደበሳይ” ኴንካ ከም ምርካብ ማለት’ዩ። ”እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ” በለ ቃል ኣምላኽ (ኢሳ 29፥13)። ኣፍና ንጸሎት ክንከፍት ከለና፡ ከምቲ ጐይታ ዝመሃረና፡ ”ስምካ ይቀደስ” ክንብል መሰረታዊ እዩ እሞ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፡ ንሰብ ቈሎሴ ኣብቲ ቐዳማይ ምዕራፍ፡ ”ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና፡” ብምባል፡ ንጸሎቱ ብምስጋና የሰኒ ምንባሩ ጠቐሰሎም፡ (ቈሎ1.4)። ኣብ ምዕራፍ 3 ክምዕዶም ከሎ ኸኣ፡ ”ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማሰውቲ ኹኑ” ድሕሪ ምባሉ፡ ”ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹም’ውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ መሊኡ ይሕደርኩም” ከም ዝበሎም ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ (ቈሎ3.15-16)።
ብምስጋና እተሰነየን ብንቕሓት እተጸለየን ጸሎት፡ ወንጌል ብዝግባእ ንኽሰፍሕ፡ ደገ የርሑ፡ ንኣገልገልቲ ኸኣ ምግላጽ ምስጢራትን ቃል ጥበብን ንኽህልዎም ይሕግዝ። ስለዚ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቒሖምን ብምስጋና መሊኦምን ክጽልዩ ዝምዕዶም ዘሎ። ”ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡ’ውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘለኹ ምስጢር ክርስቶስ ክነግርሲ፡ ምዝራቡ ከም ዝግብኣኒ ምእንቲ ክገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ” (ቈሎ4.2-4)።
2. ናይ ክርስቶስ ምስጢር እንታይ እዩ፧
ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ እቲ ምስጢር ክርስቶስ ተባሂሉ ዘሎ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። ”እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘለኹ ምስጢር ክርስቶስ ክነግርሲ፡ ምዝራቡ ከም ዝግብኣኒ ምእንቲ ክገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ክኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ” (ቈሎ4.2-4)። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኤፌሶን’ውን ብብሩህ ተገሊጹ’ሎ፣ ”ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ክወሃበኒ፡ ብዛዕባኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዝግብኣኒ ኰይነ ንምዝራብ ብእኡ ክተብዕ፡ ጸልዩለይ፡” (ኤፌ6.19-20)።
ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ
3፡ ክብሪ ጊዜ ከመይ ትርእዮ፧
ብቀዳምነት ክንፈልጦ ዘለና ግዜ ማለት ህይወት ማለት እዩ፣ ግዜ ኣብ ሰለስተ መቂልና ክንርእዮ ንኽእል ሕሉፍ፡መጻኢ፡ህልው። ሕሉፍ እቲ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ክንመሃረሉ ጥራይ ንኽእል እዩ። መጻኢ ኸኣ መደብ ክንከገብረሉ ደኣ እንበር ክንጭብጦ ዘይንኽእል'ዩ። ህልው ግና ክንዓየላ ኣብ ኢድና ዘላ'ያ። [ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ፣ 2ይ ቆረንቶስ 6:2]። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰለን ግዜ፡ ብግዜ ክዓዪ ንርኢ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። [ዮሃንስ 2:4] ጐይታና ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ብግዜ ክፍጽሞ ንርኢ። ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ። [ዮሃንስ 7:8] ሓደ እኳ ክዓየላ ዘይክእል ግዜ ትመጽእ'ያ ስለዚ ነዚ ተረዲእና ነፍሲ ወከፍ ግዜና እናዓደግና ከመይ ብጥንቃቀ ክንመላለሰሉ ይግበኣና'ዩ። [ኤፌሶን 5፣15-16] ግዜ ካብቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝገብሮ ሂወት ወዲ-ሰብ ኣብ ግዜ ዝተሓጽረ'ዩ እግዚኣብሔር ክዓዪ ከሎ ውን ኣብ ግዜ ይዓዪ።
☆ ሰብ ካብታ ዝተወልደላ ግዜ ክሳብ ዕለተ ሞቱ እዘን ዘሕለፈን ዘመን ምስ ሞተ ኣብ መቃብሩ ዝነበረለን ግዜ ይጸሓፋ ስለዚ ግዜ ወርቂ እዩ ዝብሃል ብህሎ ኣሎ ብሓቂ ግዜ ወርቂ እዩ ሰብ ብህይወት ከሎ ብግቡእ ክጥቀመሉን ከማሓድሮን ንግዚኡ ይግባእ ግዜ ኩቡር ህያብ ፈጣሪ እዩ። እግዚኣብሔር ከድሕነኩም ኢሉ ቃል ኣትዩ ኣብ ግዚኡ መጽዩ፡ሕጂ ውን ክምለስ እየ ኢሉ ኣብ ግዚኡ ክምለስ'ዩ። ሂወት ወዲ ሰብ ኣብ ግዜ ዝተሓጽረ'ዩ።
4፡ ኣዘራርባኻ ብጸጋ ምዃኑ ንምላሽካ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ እዩ ትብሎ ፧
ዘረባና እቲ ዝስምዓና፥ ማለት ሕርቃንን ሓጐስን ንምግላጽ እንጥቀመሉ'ዩ። ኩሉ ግዜ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና እንተሃልዩ ምስ ተዛረብና ሓደው ዘይጠቅም፡ ሓደው ዝሃንጽ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ዘረባና ካብ ውሽጢ ልብና እዩ ዝፍልፍል ምክንያቱ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ትዛረብ። ጽቡቅ ኦም ድማ ክፉእ ክትፈሪ ኣይኮነላን'ዩ ስለዚ ኸኣ ልብና ጽቡቅ እንተ መሊኡ ክፉእ ክንዛረብ ኣይኮነልናን። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። [ወንጌል ማቴዎስ፣ 12:36-37]
“እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።” [ ሮሜ 10፥17] እምነት ካብ ምስማዕ እቲ ዝስማዕ ቓል ኽኣ ናይ ክርስቶስ እንተ ኾይኑ፣ እቲ ቓል ኣምላኽ ሰሚዑ ዝደሓነ ሰብ ድኣሞ ከመይ እዩ ክኸውን ዘለዎ እንተ ኢልና፥ ጳውሎስ ነታ ናይ ኤፌሶን ማሕበር ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ምዒድዋ ኣሎ፣ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” [ኤፌሶን 4፥29] “
ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። [ማቴዎስ፣ 12-36] ብንዛረቦ ሕማቅ ቃል እትዅነን ብንዛረቦ ሰናይ ቃል እትጸድቕ በለ ጎይታ ኢየሱስ። ቅዱስ ጳውሎስ'ውን "ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቅ፥ ብኣፉ መስኪሩ'ውን ይድሕን እዩ" ኢሉ ኣሎ ።[ሮሜ 10፥9-11]
እቲ መድኃኒ ኲልና ዝኾነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ'ውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝኾነ ዘይጠቅም ቃል ተዛሪቡ ዝብል ኣይንረክብን ኩሉ ዝሃንጽ እዩ ዝዛረብ ኔሩ። እንበኣር ኩሉ ብጸጋ እንዛረቦ፥ መጀመርታ ንዓና ይጠቅመና፥ ካልኣይ ከኣ ንዝሰምዓና በረኸት ንኸውን። ነቢይ ናታን ምስ ንጉስ ዳዊት ክዘራረብ እንከሎ እግዚኣብሔር ልኢኽዎ ናብ ዳዊት ምስ መጸ እቲ ኣዘራርብኡ ብጸጋ 'ብጥበብ' ዝተመልአ ምንባሩ ንርኢ። [2ይ ሳሙኤል፣12፥1-16] ስለዚ ኣገዳስነት ዘረባና ብጨው ምቅማም፥ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ካብ ጸብጻብ ንድሕን፡ክንምስክር እንከሎና ውን ንድሕነት ይኾነልና፡ ንነብስና ንጥቀም ንኻልኦት ከኣ ንሃንጽ።
ጉጅለ ሰለስተ ዝመለስዎ
5. ጳውሎስ ንምንታይ ዕላማ እዩ ንቲኪቆስን ንኣናሲሞስን ናብ ሰብ ቈላስይስ ዚላኣዀም፧
ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጥኪቆስን ንኦኔሲሞስን ናብ ሰብ ቈላስይስ ዚለኣዀም ዕላማ ብዙሕ እዩ። ገለ ካብኡ ድማ፥ ንምትብባዕ፡ ሓበሬታ ንምምሕልላፍ፡ ናይ ወንጌል ለዋጢ ሓይሊ ንምምስካር ወዘተ።
ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ
1. ንጥኪቆስን ንኦኔሲሞስን ኣብነት እሙናት ኣመንቲ ክኮኑዎም፥ ንጥኪቆስ፡ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን ብምባል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንሶም ህያው ምስክርን ተወፋይነትን ንክርስቶስ ይኮነና። ንኦኔሲሞስ ድማ እሙንን ፍቁርን ሓውና ብምባል ብክርስቶስ ባርያ ጎይታን ዝበሃል ከምዘየለን፥ መንነቱ ከም ዝተቀየረን፥ ማዕረ ኩሉ ኣማኒ ሓውና ብምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ኩልና ማዕረ ምኻንና የረድኣና። ( ገላትያ 3፡28, ፊልሞና 1፡6)። በዚ ንሰብ ቆሌሴን ንዓናን ብክርስቶስ ሓደ ምኻንና ይምህረና።
2. ኣብ መስጎግቶምን ስቃዮምን ንከተባብዖም፥ ማእሰርቶም ከይደረቶ ወንጌል ከምዘይተኣስረን ይፈርን ከምዘሎ ንክሕብሮም፡ ንጥኪቆስን ንኦኔሲሞስን ብምስዳድ ንሰብ ቆሎሴ እምነት ማሕበር ክርስቶስ ብኩነታት ከምዘይዕንቀፍን ኣምላክ ንኩሉ ከም ዝቆጻጸርን ይምህሮም። ኣብ (ቆሎሴ 1፡24 )በቲ ምእንትኦም ዝበጽሖ ጸበባ ከም ዝሕጎስ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽሒፍሎም ኣሎ።
3. ነዛ ደብዳቤ ብምጻሕ ጽሩይን ሓቀኛን ወንጌል ንክምሃሩ። ጥኪቆስን ኦኔሲሞስን ብኣካል፥ ሒዞማ ዝከዱ እዝዩ ዓሙቅ መግለጺ ክርስቶስን፥ ንሂወቶም መምርሕን ክኮንዎም። ከምቲ ኦኔሲሞስ ምስ ፊልሞን ዝተዓርቀ ንሶምውን ምስ ኣምካክ ምትዕራቆም ንክምህሮም እዩ።
4. ክኮንዎ ዘለዎም ማለት፥ ንነብሰይ ይጥዓመኒ ከይበሉ እሙናት ኣገልገልቲ ክኮኑ፥ ወንጌል ከምዘይእሰር ክፈልጡ፥ ብሕብረት ክዓብዩን ደው ዘብሎም ፈሊጦም ኣብ እምነቶም ደው ክብሉን ድሃይ ብዓል ጳውሎስ ብምርካቦም ክሕጎሱን ክጸናንዑን እዩ ሰዲድዎም።
6. ካብ ህይወት ኤጳፍራስ እንታይ ትማሃር፧
ኤጳፍራስ ኣብነት ጸሎትን፥ ጽንዓትን መንፈሳዊ ቀዳምነትን እዩ። ምስ ናይ ሎሚ ግዜ ጸሎትን መንፈሳዊ ሂወትን ብምንጽጻር፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግን ዘይሕለል፥ ኣብ ምድሪ ክንሱ፥ ንጸገማቱ ተጻዊሩ ንሰማያዊ ነገራት ቀዳምነት ሂቡ ቀጻሊ ብምጽላዩ፥ ንባህርናን መንፈሳዊ ሂወትንናን ክንፍትሽ ዝገብር እሙን ኣገልጋሊ እዩ። ትሕዝቶ ጸሎቱ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣገልግሎት ምኻኑ፥ (ፊልሞን 1፡23)። ሽግር ፡ ጽበት ቦታ ከይጸገሞ ንሰለስተ ማሕበራት ማለት ቆሎሴ፥ ሎዲቅያ፥ ሂራፖሊስ ብቀጻሊ ንምጽላይ ንቤት ማእሰርቱ ናብ ናይ መጸለይ ቦታ ዝቀየረ ዓቢ መምህርና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ይ ጢሞቴዎስ 2፥9: "እቲ ቓል ኣምላኽ ኣይእሰርን እዩ።" ዝበሎ፥ መናድቅ ቤት ማእሰርቲ ከይዓገቶ ምሉእ እምነትን ርድኢት ፍቃድ ኣምላክን ሃሊዎም ኣብ እምነቶምም ደው ክብሉ ይጽልየሎም። እዚ ድማ ውሽጣዊ ዕጋበት፥ ኣብ እምነቶም ርግጸኛታትን ድልዱላትን ኮይኖም ብፈተነታት ንከይወድቁ ዘለዎ ክቱር ናይ ምድሓኖም ሓልዮት ምኻኑ ብምርዳእ ነሕዋትና ከነፍቅር ዓቢ ትምህርቲ ይኮነና። ኣብ ሽግር ክነሱ ኣብ ክንዲ ንነብሱ ዝጽልየላ፥ ብጽንዓት፥ ቀጻሊ፥ ንመንፈሳዊ ዕቤት ሰለስተ ማሕበራት ክጽሊ ምርኣይ፥ ሎሚ ጸሎትና እንታይ እዩ? ንመን? ንክንደይ ግዜ ዝብል ሕቶታት ንክንምልስ ዝድርት ናይ እምነት ኣቦ እዩ። ኩሉ ፍቃድ ኣምላክ ክርድኦም ንኣምላክ ብቀጻሊ ምልማኑ ምምሃርና፥ ካብ ንኣምላክ ሰባት ዝደልዩዎ ንክገብረሎም፥ ንፍቃድ ኣምላክ ንከፍልጦም ልማኖና ክንቅይር ይገብረና። ልማኖና ካብ ግዝያዊ ነገራት፥ ዘልኣለማዊ፥ ዋጋ ንከፍለሉ፥ ንሰባት መንፈሶም ዝቅይር፥ ንክርስቶስ ንክፈልጡ ዝሕግዝን ሰማያዊ ሃብቲ ንክእክቡ ጸጋ ክውሃቦም ንኣምላክ ክንልምን ከም ዘለና ኤጳፍራስ ይምህረና።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ
ካብ ህይወት ሉቃስን ዴማስን እንታይ ትምሃር፧
ካብ ህይወት እዞም ክልተ ሰባት እንመሃሮ ክልተ ነገር አሎ፣ እቲ ሓደ ምስ አግዚኣብሄር ጸኒዕካ ብምንባር ዝርከብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከርእየና ከሎ፣ እቲ ሓደ ድማ ብፍትወት ዓለም ወይ ብኻልአ ስጋዊ ነገር ተሳሒብካ ዕዮካን ድሕነትካን ብዘይ ምምላእ ካብ አምላኽ ዝመጸካ ኵነኔ የርእየና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ አብ 2ይ ጢሞ 4፡11 “ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ” ብምባል፡ ዴማስ ብፍትወት ዓለም ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ይነግረና። አብ መክ. 7.8 ከም እነንብቦ፡ ካብ መጀመርታ ነገርስ መወዳእቱኡ ይሓይሽ ከም ዝብሃል፣ አግዚአብሄር ምጅማርና ጥራይ ዘይኮነስ፡ አብኡ ክንጸነዕ፣ ክንዓቢ፣ ክንፈሪ እሞ መወዳአታ ድማ ኣኽሊል ዓወት ከም ዝህበና ኢዩ ዝነግረና። በዚ መንጽር’ዝ፡ ህይወት ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ክንርእዮ ከለና፣ ብዕዮ ወንጌልን ምጽሓፍ መጻሕፍትን ከም ዝጸንዐ፣ እቲ ፍቁር ሓውና ሉቃስ ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ክምጉሶ ከሎ ንርኢ። መወዳእታ ዴማስ ድማ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ፡ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ኢዩ ዝነግረና።
8. ንጐይታ ብምንታይ ተገልግሎ ኣሎኻ፧
ንአገልግሎት ብዝምልከት ነገር ብብዙሕ መገዲ ክንርእዮ ፈቲንና። ብዘይካ እቲ ዝረአ ዓበይቲ አገልግሎታት፣ ከም ስብከተ ወንጌል፣ መዝሙር ወዘተ፣ ኣብቶም ዘይርአዩን፡ ብሱሩ’ውን ኣገልግሎት ኰይኖም ዘይስምዑናን፡ ኣብኦም ኢና አተኲርና አውጊዕና። ንአብነት፡ ደቀ አንስትዮ ኣሓትናን አዴታትናን ዝህቦኦ አገልግሎት፡ አብ ቤተን ይኹን አብ ቤተክርስያን ኣዝዩ ዓቢ ከም ዝዀነ፣ ንስድራቤትካ ምግልጋል፣ አብ ቀረባኻ ንዘለው ብዝተፈላለየ፣ ማለት ብዘድልዮም ምግልጋል፣ ሰብአይ ንሰበይቱ ንደቁ፣ ሰበይቲ ንሰብአያ ንደቃ ምግልጋል፣ ዓቢ አገልግሎት ከም ዝኾነ ጸቒጥና ዘቲናሉ። ንኣገልግሎትና ዝምልከት ድማ፣ አብዚ ጉጅለ ዘለና አሕዋት፡ አብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከም እንነጥፍ፣ ገሊኦም አብ ስብከተ ወንጌል፣ አብ መዝሙር፣ አብ ዳሃይ ዝጠፍኡ ኣሕዋት/ኣሓት ምንዳይን፣ ከምኡ ዝኣመሰለን ከም እንነጥፍ ተዘራሪብና።