“ንዓኻ ጥራይ በደልኩ፡” ቀዳመይቲ መዓልቲ ጾመ ፍልሰታ

ሎሚ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን እዩ። ”ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ” ዝበለ ቅዱስ ዳዊት፡ (መዝሙር 16.8) ኣብዚ ሎሚ ከነስተንትኖ ተቐሪቡልና ዘሎ መዝሙር 51 ድማ፡ ”ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ” ምባሉ፡ ምስዞም ኣብዚ ዘመን ዘሎና ወለዶ፡ ትኽ ንትኽ ተጻረረ።

ንሕና፡ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሜና እኳ እንተገበርናዮ፡ (እንተወሓደ ብኸናፍርና)፣ ገበንና ኣብ ምንዛዝ ግና፡ ኵሉ ጊዜስ ይትረፍ፡ ሓንሳእ ኣብ ዓመት’ውን ክንገብሮ ዘይንብህግ (ሓደው ዘድልየና ኰይኑ’ውን ዘይስምዓና) ወለዶ ኴንና ተረኸብና። ከመዮ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሰብ ቈረንቶስ፡ ነቲ ዝተሰቕለ ረሲዖም፡ ናብቲ ዘይተሰቕለ ምእንቲ ከይጥምቱ ብምሕላይ፡ ”ንሕናስ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና” ዝበሎም፡ ንዓና’ውን ከምኡ ዘዘክረና ኴንና ተረኺብና ኣለና፡ (1ቈረ1.23)።

ሰብ ገላትያ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ከም ስቑል እናረኣይዎ ጽቡቕ ይጐዓዙ ኔሮምሲ፡ ደሓር ግና፡ ”ስቑል ክርስቶስ” ክርእዩ ብዘይ ምድላዮም፡ ከም ዝዓሸው፡ ተጻሒፉልና’ሎ (ገላ3.1)። ቅዱስ ዳዊት፡ ”ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝገበሮ፡ ቅድስናን ንጽህናን እግዚኣብሄር ይርኢ’ሞ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ውድቀቱን ስንፍናኡን ስለ ዘስተብህል፡ ”ሕጸበኒ፡ ኣጽርየኒ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡” እናበለ ይምሕጸን።

ዘይንሳሕ ክርስቲያን፡ ግቡዝን ዕቡይን ምዃኑ’ዩ ዘርኢ። ”ገበኑ ዝኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” እዩ ዝብል ቃል ኣምላኽ፡ (ምሳ28.13)። ንዑ ናብ እግሪ ጐይታና ኢየሱስ ንመለስ። እወ፡ ንዑ ከም ብሓድሽ ብንስሓ ንጀምር። ቅዱስ ዳዊት፡ ንባትሴባን ብዓል ቤታን በዲሉ ክንሱ’ዩ፡ ”ንዓኻ ጥራይ በደልኩ” ዝብል ዘሎ። እቲ ንሰብ ዝበደልናዮ ኰይኑ ዝስምዓናን ዝመስለናን፡ ንእግዚኣብሄር  ከም እንብድሎ ኣይንዘንግዕ። እቲ ብሕቡእ እንገብሮ፡ ምናልባሽ ካብ ሰብ ደኣ እምበር፡ ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ክንክውሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ ስለዚ እንሆ እቲ ዘይንቕነቕ ትኹል ቃል ኣምላኽ ይንገረና ኣሎ፦

ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓቲኣት የብልናን እንተበልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና፡ እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን እንተበልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን። ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ከይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ የላን።” (1ዮሃ1፡7-1ዮሃ2፡4)

ኣኸለ። ንጐይታና ኢየሱስ "እፈልጦ'የ" ዝብል ብእግሪ'ያ ዑቕባይ'ዩ። ትእዛዛቱ ዝሕሉ እንተሎ ግና፡ ኣምላኽ ይፈልጥ!! ምሰየኖት ኣሎና፧!
ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ዓርቢ 08 ነሓሰ ድማ፡ “ትሕትና” ብዝብል ኣርእስቲ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና። ደጊም ንነሳሕ እሞ ጉዕዞ መንፈሳውነትና ድማ ከም ብሓድሽ፡ ብጽሩይ ልቢ ንጀምር! ኣምላኽ ይደግፍ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መበል 12 ዕዮ ገዛ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ