“ትሕት በሉ፡” ካልአይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
ትማሊ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ ንኽልተ ሰሙን ቀጺሉ፡ ዕለት 22 ነሓሰ 2025 ክዛዘም’ዩ። ኣብቲ ትማሊ ከነስተንትኖ እተዋህበና መዝሙር 51፡ ”መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ዝብል ነቢብና ኔርና። ሎሚ ድማ፡ ”ትሕትና” ብዝብል ኣርእስቲ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና።
ተሸገሩ፡ ጉሃዩ፡ ብኸዩ
ሰራሕተኛ ንኣስራሒኡ፡ እንተኽበሮን እንተተኣዘዞን፡ ንቡርን ግቡእን’ዩ። ኣስራሒ ንሰራሕተኛኡ እንተኽበሮን እንተተኣዘዞን ግና፡ ትርጉም ትሕትና፡ ምልኣት ይረክብ። ደቀመዛሙርቲ ጐይታና፡ ንጐይታና ኢየሱስ እግሩ እንተዝሓጽብዎ፡ ንቡርን ግቡእን’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ግና፡ ነጸላ ተዓጢቑ’ዩ ኣእጋር ደቀ-መዛሙርቱ ዝሓጸበ። ስለዚ ድማ ትርጉም ትሕትና ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ብዘይክእል መርኣያ፡ ኣግህድ ኣቢሉ ብግብሪ ገለጸልና።
ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣብ ምዕራፍ 4፡ 6-10
”ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርሲ፡ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ ንሱ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጉሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩም’ውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱ’ውን ልዕል ኬብለኩም እዩ” በለ።
ከመይ ኣለና፧
ኣብዚ ዘመን እዚ፡ ተቐባልነት እቲ፡ ”ተሸገሩ፡ ጉሃዩን ብኸዩን” ዝብል ኣገልጋሊ፡ ከም ሰባኺ ጽድቂ ይቝጸር ዶ፧ ኣምላኽ ንመን ከም ዝጻረር፡ ንመን ከኣ ጸጋ ከም ዝህብ ተገሊጹልና’ሎ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ቀዳም፡ ”ምስማዕ ድምጺ ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና። ደጊም ንነሳሕ እሞ ጉዕዞ መንፈሳውነትና ድማ ከም ብሓድሽ ብጽሩይ ልቢ ንጀምር!