”እተን ኣባጊዕ’ውን ድምጹ የለልያ” ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
ብዛዕባ እታ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም፡ ክልተ ድምጺ ተሰምዐ። ዘፍጥረት 2፡17 ”ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡” ዝብልን፡ ዘፍጥረት 3፡4-5 ኸኣ ”ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ፡ ኣዒንትኹም ክኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ’ውን ክትኰኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ክትፈልጡ፡ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብልን። ኣእዛን እቶም ቦኽሪ ወለዲ፡ ነዚ ክልተ ድምጽታት እዚ ሰምዓኦ።
ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ ንኽልተ ሰሙን ቀጺሉ፡ ዕለት 22 ነሓሰ 2025 ክዛዘም’ዩ። ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ከነስተንትኖ እተዋህበና መዝሙር 51፡ ”መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ዝብል ነቢብና፡ ትማሊ ኸኣ ”ትሕትና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተንቲንናን ጸሊናን። ናይ ሎሚ ኣርእስትና ድማ፡ ”ምስማዕ ድምጺ ኣምላኽ” ዝብል’ዩ፣ እግዚኣብሄር ይደግፍ!
ድምጹ የለልያ እሞ ይስዕባኦ (ዮሃ 10፡1-10)
እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ፡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕ’ውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሜአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕ’ውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ካልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን።
የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን፡ መጓሰይ’ውን ክረክብ እዩ። ሰራቒ ብጀካ ኪሰርቕን ክሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ክረኽባ እየ ዝመጻእኩ።
ድምጺ መን ንስዕብ፡ ካብ ድምጺ መን ከ ንጋልብ፧
ነየናይ ድምጺ ትስዕብ፡ ካበየናይ ድምጺ ኸ ትጋልብ፡ ኣብ ትግባረ ቀሊል ኰይኑ እንተተራእዩና፡ ነቶም ቦኽሪ ወለዲ ንዘክር። እተን ኣባጊዕ፡ ንቕድም ንድምጺ ጐይታአን ምልላይ እየን ተማሂረን። ድምጺ ጐይታአን ከለልያ እንተዀይነን፡ ምስ ጐይታ ጥቡቕ ዝምድና ከጥርያ ነበረን። ሓንሳእ ነቲ ድምጺ ምስ ኣለለያኦ፡ ድሕሪኡ ካብአን ትጽቢት ዝግበር፡ ነቲ ዘለለያኦ ድምጺ ጐይታአን እንተዘይኰይኑ ንኻልእ ድምጺ፡ ዝድላዩ ጥዑምን ቅዱስን ይምሰል፡ ንዕኡ ዘይምስዓብ እዩ። ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፊሊጲ ዘጋጠሞ ንጥቀሶ፡ (ግብ16፡16-18)።
ማራኺ ምስክርነት ጠንቋሊት
ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፡ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዓበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጉህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ ካብኣ ክትወጽእ ብስም ኢየሱስ እእዝዘካ ኣለኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣ’ውን ወጸ።
ድምጺ መን ንሰምዕ፧ ድምጺ መን ከ ንስዕብ ኣለና፧
ነቲ ህይወት ምስ ተረፉ ክህበና ኣእዳው ዝዘርግሐ፡ ምእንታና ድማ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዶ፧ ወይስ ነቲ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ጠቕሊሉ ንኸጥፍኣና ዓሊሙ፡ ካብ ጸሎት፡ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ ሕብረት ኣሕዋትን ዝፈልየና ቅዲ ናብራ፧ ዝበዝሐ እነንብቦ መጽሓፍቲ፡ ዝበዝሐ እንከታተሎ መልእኽቲ፡ ዝበዝሐ እንሰምዖ ምህሮ ይኹን ዕላል፡ ናበይ ገጹ’ዩ ዝመርሓና ዘሎ፧!
ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሰንበት፡ ”ምስትምቓር ጕስነት ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና። ደጊም ንነሳሕ እሞ ጉዕዞ መንፈሳውነትና ድማ ከም ብሓድሽ ብጽሩይ ልቢ ንጀምር!