”ምእንቲ ስሙ ኢሉ. . . ይመርሓኒ” ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

ደቂ እስራኤል ኣብ ጉዕዞ ምድረ-በዳ እንታይ እናተመገቡ፡ እንታይ እናተኸድኑ ክሳዕ ክንኣን ከም ዝበጽሑ ምዝካር ጥራይ፡ ነቲ፡ ብግእዝ፡ ”እግዚአብሔር ይሬዕየኒ” ብትግርኛ ኸኣ ”እግዚኣብሄር ጓስይየይ እዩ” እንብሎ፡ እኹል መርትዖ’ዩ። ”በዘን ኣርብዓ ዓመት፡ ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን፡ እግርኻ’ውን ኣይሐበጠን” ይብል መጽሓፍ ቅዱስ፡ (ዘዳ8.4)።

ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ”መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ዝብል ነቢብና፡ ኣብታ ካልአይቲ መዓልቲ፡ ”ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተንቲንናን ጸሊናን፣ ትማሊ ኸኣ ”እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ” ዝብል ርኢና። ሎሚ እነስተንትኖን እንጽልዮን ከኣ ”ጉስነት እግዚኣብሄር” ዝብል’ዩ።

መዝሙር 23

 እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን።

 ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

 ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።

 በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

 ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ።

 ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

 ዚጐድለኒ የብለይን

ድልየታትና መወዳእታ የብሉን እሞ፡ ”ዚጐድለኒ የብለይን” ክብል ዝኸኣለ እንተሎ፡ ብሓቂ ብጹእ’ዩ። እቲ ውዱቕ መንነትና፡ ነቲ ዘይብልናን ንዝጐደለናን እምበር፡ ነቲ ዘሎናን እተባረኽናዮን ክንርኢ ብቑዕ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ጓሳይና ምዃኑ ብልቢ እንተተረዲእና ግና፡ ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢና እንሰጋገር። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝበሎ ነስተብህል፦ ”ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ክንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” (1ጢሞ6፡6-8)። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ቀልብና ኣብ ሰማይ ደኣ እምበር ኣብዚ ምድሪ’ዚ ስለ ዘይከውን፡ እዚ ምድራዊ ጉዕዞና፡ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት እተላዕለ፡ ብምስጋና ዝተመልአ’ዩ ዝኸውን።

ነቲ ራህዋ ረሲኣን ርእዩ፡ ልቡእ ብምረት ዝመልአ፡ ኰላሊቱ ኸኣ እተወግአ ኣሳፍ ንዘክሮ። ንሱ ናብ መቕደስ ክሳዕ ዝኣቱ፡ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ክሳዕ ዝደሊ፡ ኣዝዩ ተሸጊሩ ነበረ። ኣብቲ መቕደስ ምስ ኣተወ ዝበሎ ግና እንሆ፦ ”ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ። ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመና እኳ፡ ኣምላኽ ንዘልኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ” (መዝ73 ይነበብ)።

በትርን ምርኩስን

ገለ ሰብ፡ ነቲ ልሙዕ ሸኻን ነቲ ዝዓርፈሉ ማይን እምበር፡ ነቲ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና ዚቐጽዓና መቕጻዕቲ፡ ክቕበሎ ዝደሊ ኣይኰነን። ውሉድ ክኸውን ይደሊ ግናኸ፡ መቕጻዕቲ ወላዲ ድማ ይጸልእ። ብሓቂ ዶ እግዚኣብሄር ጓሳይና እዩ፧ እምበኣርከስ፡ እቲ ከም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድ’ውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቅጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተገንሓካ’ውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበና ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ኣይንረስዓዮ፡ (እብ12.1-10)።

ሳህልን ምሕረትን

ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር፡ ሳህልን ምሕረትን ኣሎ። ካብ ሕማምካ ምፍዋስ፡ ምሕረት ክኸውን ከሎ፡ ጥዕና ረኺብካ ምንባር ከኣ ሳህሊ እዩ። ”ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ክስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።” ጉስነት ኣምላኽ ነስተማቕሮ ዶ ኣለና፧! ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሰኑይ ከኣ፡ ”ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና። ደጊም ጉዕዞ መንፈሳውነትና ከም ብሓድሽ ንጀምር!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

”እተን ኣባጊዕ’ውን ድምጹ የለልያ” ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ