“ብእግዚኣብሄር ተኣመን” ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ወሰደ” ምባል፡ ምስ እኒ እዮብ ዝተቐበረ’ዩ ዝመስል። እቲ ”ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን’ዩ” ዝብል ብህሎ ቅድስቲ ሃና’ውን (1ሳሙ2፡9) ብጽፍርና ዶ ብቕልጽምና ዶ ብዝብል ብህሎ ዓለም ዝተዓብለለ ኰይኑ ንርእዮ ኣለና። መርመራ ተፈቲኑ ዝሓለፈ፡ ”ሓሊፈ” ቢሉ ክንየት እንከሎ፣ መርመራ ተፈቲኑ ዝተረፈ ግና ”መምህር ኣትሪፉኒ” ናይ ምባል ተኽእሎኡ ልዑል ምዃኑ እንሰማምዓሉ ይመስለኒ። ብምሕላፍን ምትራፍን፡ እግዚኣብሄር እንታይ ክብል ደልዩ፡ ዘስተብህል ግና ዘሎ ኣይመስልን። ሰብ፡ ኣብ ስጋኡ፡ ኣብ ቅልጽሙ፡ ኣብ ፍልጠቱ ወይስ ሃብቱ ወዘተ እዩ ዝውከል።

ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ በጺሕና’ለና።

ምሳሌ 3፡5-7

 ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

 ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

 ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ።

ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

መንግስቲ ሳኦል ተቐዲዳ ንዳዊት ክትወሃብ ዝገበረ ፍጻመ ንዘክር። ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኣብ ዝተአከቡሉ ህሞት፡ ነብዪ ሳሙኤል ድሕሪ 7 መዓልቲ ከም ዝመጽእ ቃል ኣትዩ ነበረ። ሳኦል፡ ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ።

ህዝቢ ተረቢጹን ርዒዱን’ዩ ዘሎ። እቲ ክመጽእ’የ ዝበለ ነብዪ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ጊዜኡ ኣይመጸን። ኣብ ቦታ ሳኦል ንእቶ እሞ፡ “እንታይ ምገበርኩ፧” ቢልና ድማ ንሕሰብ። ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ። ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ (1ሳሙ13.1-10)።

ሳኦል ብልቦናኡ ቅኑዕ’ዩ ጌሩ

ሳሙኤል ንሳኦል፡ ”እንታይ ግብሩ ገበርካ፧” ቢሉ ምስ ተወከሶ፡ ሳኦል ዝሃቦ መልሲ፡ ”እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያን’ውን ኣብ ሚክማሽ ከም እተኣከቡ ርኤኹ እሞ፡ ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺውርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡” እዩ ዝበለ። ኣነን ንስኻትኩምን’ውን ካብዚ ናይ ሳኦል ዝተፈልየ ምላሽ ክህልወና ከም ዘይክእል ዳርጋ ርግጽ ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ። ተጸብየ፡ ኣይመጻእካን፡ እንታይ ደኣ’ሞ ክገብር፧!!

ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል

ንነብዪ እንባቆም እተዋህቦ ቃል፡ ”እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ዝበል ነበረ፡ (እን2.2-3)። እቲ ብልቦናኡ ተመሪሑን ኩነታት ኣጽኒዑን፡ ነብዪ ሳሙኤል ኣብቲ ዝበሎ ጊዜ ብዘይ ምምጻኡ፡ መስዋእቲ ዘዕረገ ሳኦል፡ መስዋእቱ፡ ክብረት ዘይኰነስ፡ ውርደት’ዩ ኣስዒቡሉ። እታ መንግስቱ ተቐዲዳ ድማ ንዳዊት ተዋህበት።

ከመይ ኣለና፧

ጐይታና ክዓርግ ከሎ፡ ንደቀ-መዛሙርቱ “ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ” ደኣ በሎም እምበር፡ ን10 መዓልቲ ቢሉ ቃል ኣይኣተወሎምን። ከምቲ ቃል ተስፋኡ፡ መዓስ ከም ዝመጾም ከይፈለጡ፡ ብጸሎት ይጸባበዩ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና ድማ “ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ” እዩ ዝብል (ግብ2.1-2)።

ከም ቃል ኣምላኽ ምምልላስ ሓዲግና፡ ከምቲ ንዓይ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእየኒ’የ ዝመላለስ፡ ብዝብል ዶ ንምራሕ ንህሉ ንኸውን፧ ራእይ ዘየልቦ እንተዀነ፡ ሰብ ነቲ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእዮ ኣብ ምስዓብ’ዩ ዝዋፈር። ሓሳብ እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ንምምርማር ብምሕዳስ ሓሳቡ ምእንቲ ክልወጥ፡ ብቓል ኣምላኽ፡ ብጸሎት፡ ብሕብረት ኣሕዋት ክቕጻዕን ስርዓት ክሕዝን ግና ኣይደልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም ዝሕብረና፡ ”ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ” (ምሳ16.25)

እስከ ርእስና ንፈትሽ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ትውክልትና፡ ዓጽመ-ስጋና፡ መንግስትና፡ ገንዘብና፡ ፍልጠትና፡ ጉልበትና፡ መልክዕና፡ ሃብትና ወዘተ ጌርናዮ ከይንህሉ። ብምሉእ ልብና ብእግዚኣብሄር ንተኣመን፡ ኣብ ልቦናና ኸኣ ኣይንጸጋዕ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሰሉስ ከኣ፡ ”ንጽህናን ቅድስናን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና።  

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ቅዱሳት ኩኑ”፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

Next
Next

”ምእንቲ ስሙ ኢሉ. . . ይመርሓኒ” ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ