”ቅዱሳት ኩኑ”፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

ነቲ ”ሰባኺ ጽድቂ” ብዝብል፡ ኣብ መዝገብ እቶም ናይ እምነት ጀጋኑ እተጠቕሰ ኖህ ንዘክሮ። ”ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ሪኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት” ተብሂሉ ኣብ ዝተጻሕፈሉ ዘመን’ዩ፡ ኖህ ግና ”ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ” እተባህለሉ፡ (ዘፍ 6፡9)። ምድሪ፡ በቲ ዘመን እቲ፡ ”ተበላሽያ” ተብሂሉ ካብ ተጻሕፈ፡ በዚ ዘመን እዚ ኸ እንታይ ኮን ክትብሃል ትኽእል ትኸውን፧!

ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ በጺሕና’ለና።

1ጴጥ1፡13-16

ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ”

ተዓጢቕኩም፡ እናተጠንቀቕኩም

”እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ. . . ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት” (ዘፍ 6 ይነበብ)። ኖህ፡ ኣብዚ ከምዚ እዋን እዚ’ዩ፡ ብቕድስና ንኽነብር ዝወሰነ።

የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ

ብዘላ ምድሪ፡ ብዛዕባ ብልዕን መስተን፡ ብዛዕባ ምእታውን ምትእትታውን፡ ወዘተ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ናብ ኣምላኽ ዘየብጽሕ ተግባር እንተተዓብሊላ፡ ሽዑ እቲ ዘንብብ የስተውዕል። ብዛዕባ ጾምን ጸሎትን፡ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ሕብረት ኣሕዋት ኣፉ ዘይከፍት፡ ኣብ ዛዕባ ምእታውን ምትእትታውን፡ ኣብ ዛዕባ ብልዕን መስተን፡ ኣብ ዛዕባ ምድራዊ ብልጽግናን ራህዋን ዝተሓላለኽ ሰባኺ፡ ብሓቂ ከም ኖህ፡ ሰባኺ ጽድቂ፡ ኰይኑ ክርከብ ዝከኣል ኣይኰነን። ኣብ ዘመንና’ውን ከምኡ’ዩ። ”ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብ’ውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ፡ ንዅሎም’ውን ኣጥፍኤ፡” ይብለና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ (ሉቃ 17፡26-27)።

ከመይ ኣለና፧

ምስቶም ክዳውንቶም ዝሓጽቡ (እቲ ምሕጻብ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ ቀጻሊ ዝገብርዎ) ምስ እዚኣቶም ዶ ወይስ ምስቶም ንሓሶት ዘፍቅርዎን ዝገብርዎን ተብሂሎም ዘለዉ ኢና ሓቢርና ዘለና፧! ጐይታና ንዮሃንስ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ፡ ”ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ከተማ’ውን ብደጌታታ ምእንቲ ክኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጸቡ ብጹኣን እዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዝፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም” ዝብል እዩ፡ (ራእ 22፡14-15)።

እንሆ፡ እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት፡ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ ንርእዮ ኣለና (ማቴ24.15)። ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ ኮታ ኵሉ እቲ ግብሪ ስጋ እተባህለ፡ ኣብታ ቅድስቲ ክትከውን እተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን፡ መንበር ኣማሚቝ፡ ኣስተርሕዩን ኣስፋሕፊሑን’ዩ ዘሎ። ኖህ፡ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ እዋን’ዩ፡ ብቕድስና ኽነብር ዝወሰነ። ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ብእምነት፡ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ኣዳለወ። ብኣኣ ጌሩ ኸኣ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ድማ ወራሲ ኰነ (እብ11፡7)።  

እቲ ንሎሚ ተዋሂቡና ዘሎ ቃል እምበኣር እዚ እዩ። “ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ረቡዕ ከኣ፡ ”ኣምልኾን ምስጋናን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና።  

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ፍግም ኢልና ንስገድ” ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

Next
Next

“ብእግዚኣብሄር ተኣመን” ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ