”ፍግም ኢልና ንስገድ” ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
ምስጋድን፡ ፍግም ኢልካ ምስጋድን፡ ይፈላለ’ዩ። ምዝማርን፡ ብሓጐስ ምዝማርን’ውን ከምኡ። ”ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር፡ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት፡ ብምኽንያት እቲ ደበና፡ ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን” ዝብል ጥቕሲ ሒዝና ንበገስ፡ (1ነገ 8፡10-11)። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ሳብዓይ መዓልቲ በጺሕና’ለና።
መዝሙር 95፡1-10
ንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣
ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፣ ብመዝሙር እልል ንበለሉ፣
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣
መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፣ ምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ።
ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮ፣ ንንቑጽ ምድሪ’ውን ኣእዳዉ ገበራኦ።
ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ።
ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፣ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና፡ እሞ ሎሚ ድምጹ እንተሰማዕኩም፡
ከም ኣብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፣ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ከለዉ፡ ግብረይ ዝረኣዩ ኴንኩም ልብኹም ኣይተትርሩ።
በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒ፣ መገደይ ዘይፈለጡ፣ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፣ በልኩ።
ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ
ተምበርኪኽና ዝጸለናልሉ ጊዜ ንዝክሮ ዶ፧ ”ጸሎተ ኣስተብርኮ” ብኣፍና ለለ እናበልናዮስ፡ ብብርኪ ምጽላይ ሓዲግና፡ ናይ ቃል ጥራይ ዶ ገበርናዮ፧! ብምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምብጻሕ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ምዝማር፡ ዕልል ምባል፡ ፍግም ኢልካ ምስጋድ፡. . . ናይቶም ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ መለለዪ ክኸውን እናተገብኦስ፡ ጸሎትና ግና፡ ከመይ ይመስል ኣሎ፧! ንምዃኑ ኸ ኣብ ጸሎተ ማሕበር ይኹን ኣብ ናይ ግሊ ጸሎት ብንጥፈት ንሳተፍ ዶ፧!
ክብሪ እግዚኣብሄር ዝመልአ፡ ቤት እግዚኣብሄር
ንጉስ ሰሎሞን፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣስሪሑ ምስ ወድአ፡ ኣብቲ በዅሪ ኣገልግሎት ”ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን” ተባሂሉ’ዩ ተጻሒፉልና ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ተሞኩሮን ኣገልግሎትን ዘይናፍቕ መን ኮን ይህሉ፧! ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ብመንፈስ ኰይኑ ንጐይታ ምስ ረኣዮ፡ ምግላጹ ክሳዕ ዘይክእል ተገረመ፡ ”ክሳዕ እግሩ እተኸድነ፡ ብቕናት ወርቂ’ውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ከም ጸምሪ፡ ጻዕዳ’ውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱ’ውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ከም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹ’ውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ከዋኽብቲ ኣለዉዎ፡ ካብ ኣፉ’ውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱ’ውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ”ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ” እዩ ዝብል (ራእ1፡12-18)።
ከመይ ኣለና፧
ንእዮብ ንዘክሮ እሞ ንሕነኽ። እናበላዕናን እናሰተናን፡ ዘድልየና ከይሰኣና ከለና ዘይገበርናዮ፡ እቲ ደቁን ንብረቱን ብቕጽበት ስኢኑ ብጥዕና’ውን ብኸቢድ ዝተፈተነ እዮብ ግና፡ ተንሲኡ ክዳኑ ቀደደ፡ ርእሱ’ውን ላጸየ እሞ፡ ”ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ክምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።” እዩ ዝብለና። እቲ ሃበን ወሰደን ምባልሲ ሕራይ፡ እቲ ተደፊእካ ምስጋድ ግና፡ ቀዲሙ እንተዘይለምዶ ሽዑ ዝመጸሉ ዶ ይመስለና ይኸውን፧! ንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፡ ንዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና፡ ንንበርከኽ። እወ፡ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል፡ ዓብዪ ረብሓ እዩ’ሞ፡ ናብኡ ንመለስ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሓሙስ ከኣ፡ ካብቲ “ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ” ዝብል ምኽሪ ኣምላኽ ተበጊስና፡ ስለ ስድራናን ፈተውትናን ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።