”እናተጸመምኩም... ንቕሑ” ሳምነይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
ምጽማም ዘይክእል እሞ፡ ዝጽሊ ኰይኑ ኸ ዝስምዖ እንተሎ፡ ግጉይ ርድኢት ጸሎት ዘሎዎ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኖህ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ብእምነት፡ ኣብ ዘዳልወሉ ዝነበረ፡ ማዕረ ኽንደይ እናተጸመመ ይጽሊ ምንባሩ፡ ንምርዳኡ ዘሸግር ኣይኰነን። ኣቦና እዮብ’ውን፡ ”እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡” ቢሉ፡ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም፡ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ምንባሩ ተነጊሩና’ሎ (እዮብ 1፡ 5)። ብንስሓ ንገጽ ኣምላኽ ምድላይ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ምድራኽ፡ ብመንፈስ ምጽላይ፡ ፍግም ኢልካ ምስጋድ፡ ብሓጐስ ምዝማር፡ ወዘተ፡. . . ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ሳምናይ መዓልቲ በጺሕና’ለና።
ኤፌሶን 6፡18
“ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚ’ውን ብዅሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ”
ኵሉሳዕ ብመንፈስ እናጸለኹም
ሓደ እዋን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ”እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፡ ብምባል፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተዘርበ ቃል ድሕሪ ምጥቃስ፡ ”ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ” ብምባል ወቐሰ፡ (ማቴ 15፡7-9)። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተቐርጸ እሞ፡ እንተወላዕካዮ ኸኣ ለለ ዝብል ካሴት፡ ነቲ ዝሸምደድካዮ ጸሎት፡ ብቓልካ፡ ለለ ምባል’ውን፡ ካብዚ ዝፈልዮ የብሉን። ጸሎት፡ ካብ ልቢ እንተ ዘይወጸ፡ ብኸናፍር ጥበራ፡ ንልቢ ኣምላኽ ክትማርኽ ቢልካ ምርሃጽ፡ ከንቱ ድኻም’ዩ።
ጐይታና ኢየሱስ ነታ ኣብ ዔላ ያእቆብ ዝረኸባ ሳምራዊት’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ደጊሙላ። ነቲ ንሳን ኣቦታታን ዝምክሑሉ ስግደት፡ ”ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡” ብምባል፡ እቲ ቅቡል ስግደት ግና ብሓቅን ብመንፈስን ክኸውን ከም ዝግባእ’ውን መሃራ። ”ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ፡ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ” ብምባል ድማ ገለጸላ፡ (ዮሃንስ ምዕራፍ 4 ይነበብ)።
ብዅሉ እናተጸመምኩም
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡”እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡” ብምባል’ዩ፡ ምውስዋስ ኣካላትን ኣምልኾን፡ ኣሕቢሩ ጠቒሱሉ (1ጢሞ 4.8)። ስፖርት፡ ኣካላዊ ድልዳለ፡ ጥዕና፡ ወዘተ ክፈርየልና እንተዀይኑ፡ ብዅሉ ክንጽመም የድልየና። እቲ ንኹሉ ዝጠቅም ኣምልኾ’ውን ከምኡ። “ፈተና ዘይብሉ ጸሎት ዝጽሊ ክርስቲያን፡ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ” ቢልካ ምድምዳም፡ ምስ ሓቂ ምስዕዓም ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ገና ብግስ ከይበልካ፡ ንእንታይነት እቲ ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ስጋ ድኹም’ዩ፡ መንፈስ ግና ተዳልዩ`ሎ” ዝበሎ ንምርዳኡ፡ ይቐለልካ። ቍጽሪ እቲ ኣብ ጸሎት ዝነቅሕ ካብ ሓፈሻዊ ብዝሒ ኣመንቲ፡ ሓደ ሕምሲት ንምዃን እተተቓሪቡ’ውን ልዑል ዓወት’ዩ። ኣብ ጸሎት በበይኑ ዝዓይነቱ ፈተና ክህሉ ንቡር’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ብዅሉ እናተጸመምካ ምልምማድ ዘድሊ።
ስለ ዅሎም ቅዱሳን
”ቅዱሳን” ተብሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክስዕብዎ ወሲኖም ዘለዉ ማለት’ዩ። ኣዒንትና ቋሕ ነብል እሞ፡ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ፈቐዶኡ ሓሳረ-መከራ ዝጸግቡ ዘለዉ ቅዱሳን ንዘክር፡ ብሕማምን ስእነትን ንዝሽገሩ ዘለዉ ንዘክር፡ ብምፍልላይን ናፍቖትን ንዝሽገሩ ዘለዉ ንዘክር፡ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ንወለድናን መቕርብናን፡ ንህዝብናን ሃገርናን፡ ኮታ ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌና እሞ፡ ምስናይ እዚ’ውን ብዅሉ እናተጸመምና፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንንቃሕ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኸኣ፡ ስለ ሕብረትን ስምምዕን ቤተ ክርስቲያን፡ ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።