”ጸኒዕካ ምንባር” ታስዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
ኣብ ጽድቂ ጸኒዑ ዝነበር ኣሎ፡ ኣብ ሓጢኣት ጸኒዑ ዝነብር’ውን ኣሎ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ጸኒዑ ከም ዝነብር እተረድኦ ቅዱስ ዳዊት፡ ”ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ክስዕባኒ እየን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘልኣለም ክነብር እየ” በለ፡ (መዝ23.6)። ብኣንጻሩ፡ ኣብ መዝሙር 81 ከም እንርእዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ብምኽሪ ርእሶም ክመላለሱ ዝወሰኑ፡ ”ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም” ከም ዝበለ እዩ፡ (መዝ81፡12)። ኣብ ምንታይ ኰን ጸኒዕና ንነብር ንህሉ ንኸውን፧!
ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ታስዓይ መዓልቲ በጺሕና’ለና።
ግብረ ሃዋርያት 2፡42-47
ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኵሉ ነፍሲ፡ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኵሉ’ውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
ሕብረት እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን
ሰዓቢ ክርስቶስ’የ ዝብል እሞ ኣብዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ዛዕባታት ድማ ዘየለ ሰብ፡ ኪንዮ ምጥባር ርእሱ ሓሊፉ፡ ክርስትናኡ ከንቱ ምዃኑ ክንገሮ ይግባእ’ዩ። እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ብውሑዱ በዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዛዕባታት’ያ ሓቢራ ዝነበረት።
ሀ. ብትምህርቲ ሃዋርያት- *(ናይ ባዕሎም ዘይኰነ፡ ሓደው ካልኦት ዝመሃዝዎ ዘይኰነስ፡ ሃዋርያት ኣብ ዝመሃርዎ ዝጸንዑ)
ለ. ብሕብረት *(እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኵሉ’ውን ብርኪ ነበረ)
ሐ. ብምቝራስ እንጌራ *(ድራር ጐይታ፡ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ)
መ. ብጸሎት *(ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡)
ከመይ ኣለና፧
እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን፡ ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ብሕብረት፡ ኣብ ጸጽባሕ፡ ከየቋረጹ ጸኒዖም ይነብሩ ምንባሮም ርኢና’ለና። ኣብ ሕብረት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ጸሎት ዝርከብ መንፈሳውነት ድዩ ዘሎና፡ ወይስ ብኣንጻሩ፧ ምህሮ ሰብን ምህሮታት ዓለምን ዲና ከነገማጥል፡ ወጊሑ ዝዓርበና ዘሎ፡ ወይስ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ እነለልየሉ ቃል ኣምላኽ፧!
ዝድሕኑ ነፍሳት ኣብ ጸጽባሕ ኪበዝሑ
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ”ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹም’ውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም” በለ፡ (ዮሃ15፡16)። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ክፈሪ፡ የጽርዮ” ብምባል ምሂሩ’ዩ (ዮሃ15፡2)። ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጸጽባሕሲ ይትረፍ፡ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓንሳእ’ውን ይኹን፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ናብ ካልኦት ኣብጺሕናዮ ዶ፧ ኪንዮ እቶም ካብ ኣመንቲ ዝውለዱ ሓሊፍና፡ ሓደስቲ ነፍሳት ክንረክብ ዘይምኽኣልና፡ ኣርእስቲ ጸሎትና ኰይኑ ይፈልጥ ዶ፧
ሎሚ እንጽልዮ እዚ’ዩ
እታ ተገማሚዓ ዘላ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ዘይተገምዐን ዘይተመቓቐለን ክርስቶስ፡ ብምልኣት ክትርእዮ ክከኣላ እሞ፡ ካብ ምምቕቓል ርሒቓ፡ ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዓ ክትነብር፣ እወ፡ ኣብ ኵሉ ነፍሲ፡ ፍርሃት ክኸውን፣ ተኣምራትን ትእምርትን ክንርኢ፡ ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቋረጹ፡ ጸኒዖም ዝእከቡ ምእመናን ክህልዉና፣ ኣብ ድራር ጐይታ ዝሳተፉ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ ዘመስግኑ ምእመናን ክህልዉና፡ እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ነፍሳት ኣብ ጸጽባሕ ክውስኸና፡ ንጸሊ። ኣብ ጽድቂ ጸኒዑ ዝነበር ኣሎ፡ ኣብ ሓጢኣት ጸኒዑ ዝነብር’ውን ኣሎ። ኣበየናይ ጸኒዕና ከም ዘሎና ገዛእ ርእስና ንፈትሽ እሞ፡ ንመለስ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ቀዳም ከኣ፡ ስለ እቶም ምስኦም እንነብር ሕብረተሰብ፡ ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።