”ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ” ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

ንዝበልዓሉ ጻሕሊ፡ ሓጺቡ ዜንብር ኣሎ፡ ሰባቢሩ ናብ ገልዒ ዝቕይር’ውን ኣሎ። ብዛዕባ ደሓንን ሰላምን እተን ተዓቝብናለን፡ ሓደው ኣዕቚበናና ዘለዋ ሃገራትሲ ጸሊና ዶ ንፈልጥ፧ ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ በጺሕና’ለና።

ኤርምያስ 29፡4-7

እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንዂላቶም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዘማረኽክዎም ምሩኻት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። ኣንስቲ ኣእትዉ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ከኣ ኣተኣታትዉ፡ ንሳቶም ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ይውለዱ። ኣብቲ ዘሎኹምዎ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሐዱ። ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩ። ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ።

ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ

ሃገረ ሱዳን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበረት ጌራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ግሽነት ኤርትራውያን ከተስተናግድ ትኽእል እንተዀይና ንሕሰብ። ደሓንን ሰላምን እተን እንነብረለን ሃገራት፡ ብቐጥታ ከም ዝጸልወና ድማ ንዘክር። እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሃት ኣምላኽ እንተዓለወ፡ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ሓሽሽን ገበንን እንተተዋፈሩ፡ እታ ሃገር ብዝሩጋት መራሕቲ እንተተመርሐት ወዘተ፡ እቲ ሃልሃልታ ዘይልብልበና ጌርና ኣይንርኣዮ። “እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡” ይብል መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ድማ ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ፡ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ፡” (እዮ 42፡10)። እቲ ኣብ ዘመነ እዮብ ዝነበረ ኣምላኽ፡ ሎምን ንዘልኣለምን’ውን ንሱ’ዩ!  

ከመይ ኣለና፧

“ክልተ ብሓደ እንተደቀሱ ይማወቑ፡” ይብል መጽሓፍ ቅዱስ (መክ4.11)። ኣብተን እንነብረለን ዘለና ሃገራት፡ ንሓድሕድና ተቐራሪብናን ተሓቛቚፍናን ዶ ንነብር ኣለና፡ ወይስ ተፈናፊንናን ተፈናቲትናን ኢና እንነብር ዘለና፧ ብዛዕባ እተን እንነብረለን ዘለና ሃገራት ከ፡ እነማርሮ ዶ፡ ስሌአን እንጽልዮ’ዩ ዝበዝሕ፧ ካብ ምረትን ምስቍርቋርን ክሕፈስ ዝኽእል እንታይ ምህርቲ ኣሎ፧ ጸሊና እንተንኸውን ግና፡ ከመዮ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ዝበሎ፡ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ እሞ፡ እቲ ጸሎት ዘይንዕቕ ኣምላኽ ከኣ ንጸሎትና ስለ ዘይንዕቕ፡ ብርግጽ ገለስ መስለጥና።

ሎሚ እንጽልዮ 

ብደሓና ደሓን ክንረክብ ኢና እሞ፡ ስለ እታ እንነብረላ ዘለና ሃገር፡ ንእግዚኣብሄር ንለምን። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሰንበት ከኣ፡ ስለ ዓለም-ለኸ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን  ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” መበል 11 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

Next
Next

”ጸኒዕካ ምንባር” ታስዐይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ