”ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” መበል 11 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

”ንዓ” እትብሃለሉ ጊዜ፡ ኣሎ፡ ”ኪድ” እትብሃለሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። ወንጌላዊ ማርቆስ፡ ”ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም” ቢሉ ክጽሕፍ ከሎ፡ ጻውዒት፡ ቅድሚ ተልእኾ ከም ዝቕድም’ዩ ዝነግረና ዘሎ (ማር 3.14)። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ መበል 11 መዓልቲ በጺሕና’ለና።

ማቴዎስ 28፡18-20

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

ስልጣን ተዋሂቡኒ’ሎ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ንደቀ-መዛሙርቱ ክልእኮም ከሎ፡ ንቕድም፡ እቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎዎ ስልጣኑ እዩ ጠቒሱሎም። በዚ ምኽንያት እዚ’ዩ ”ስለዚ ኪዱ” ዝበሎም። ስልጣን ናይ መን ምዃኑ ከይፈለጡ፡ ነቲ ተልእኾ ከዐውትዎ ኣይከኣሎምን እዩ። እዚ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዝበለ ስልጣን፡ ትሕቲ ዅሉ ትሕት ብምባል ከም ዝርከብ ድማ ብግብሪ ኣርእይዎም እዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ርእሱ ኽሳዕ ሞት ብምትሓት፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ብምምእዛዝ፡ ኵሉ ፍቓድ ኣቦ ምስ ፈጸመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረና፡ ”ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ክምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለ’ውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኽእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም’ውን ዝሃቦ” (ፊሊ 2.8-11)።

ንኹሎም ኣህዛብ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም

ዝዓበየ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን፡ ምስፋሕ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ’ዩ። እዚ ብቐጥታ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ዝተቐበለቶ ትእዛዝ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን፡ እናኣጥመቐትን፡ እናመሃረትን ደቀ-መዛሙርቲ ካብ ምግባር፡ ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ትኹን ዝሕጥ ክትብል ኣይግብኣን እዩ።

ከመይ ኣለና፧

ቤተ ክርስቲያን ንትእዛዝ ጐይታ ሸለል ስለ ዝበለቶ፡ ካብቲ ካብ ዓለም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝውሕዝሲ፡ እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓለም ዝምለስ ይበዝሕ። ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደስቲ ነፍሳት ምምጻእ ተሪፍዋስ፡ ነቶም ብጸጋ እተቐበለቶም ውሉዳ እኳ ብዝግባእ ክትምግብን ክትዕቅብን ከም ዘይከኣለት ከኣ እንሆ ንርእያ ኣለና። ሴፍ ዘርጊሓ ክትውግዝ እምበር፡ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ክትቅበል ኣይንርእያን ኣለና። ክትገማማዕ እምበር፡ ሕብር-ጥምር ክትብል ኣይንርእያን ኣለና።  

ካብ ቤተ ኦርቶዶክስ ዝወጸ ዘበለ፡ ንቤተ ኦርቶዶክስ ምውራድን ምንኣስን ከም ስብከተ ወንጌል ኰይኑ ዝስምዖ ይበዝሕ ኣሎ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቤተ ኦርቶዶክስ ኰይኑ ኸኣ ነቶም ኣብ ክልእ ቤት ዘለዉ ክርስቲያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ከቃልልን ከነኣእስን ዝውዕል ከኣ ታእላው የብሉን። ገለ፡ ነቲ ድሮ ክርስቲያን ዝዀነ መሊሱ ዘኸስትን፡ ገለ ኸኣ፡ ነቲ ድሮ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እተጠምቀ፡ መሊሱ ዘጥምቕ. . . ኮታ ሓድሕድ ምብልላዕን ምጥፍፋእን፡ እንተዘይኰይኑ፡ ካብቲ ሓደ ቤተ እምነት ናብቲ ሓደ ቤተ እምነት ደኣ ኮለል ንብል ኣሎና እምበር፡ ነቲ ”ንኹሎም ኣህዛብ” ዝብል ትእዛዝ ጐይታና ብምስዓብ፡ ኣብቶም ስም ጐይታና ኢየሱስ ዘይሰምዩ፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ኣይዓየናን!  

ሎሚ እንጽልዮ

ቤተ ክርስቲያን ክትነቅሕን ክትበራበርን እዩ። ምድሪ ጻድዕያ ንዓጺድ ተዳልያ’ያ። ቤተ ክርስቲያን ደቃ ክትሓቝፍ፡ ዕያውቲ ከተብልዕ፡ ኣባጊዕ’ውን ከተብልዕን ክትሕሉን ሓደራ ተቐቢላ’ያ። ብዘይካ’ዚ፡ ንብዘሎ ፍጥረት፡ ወንጌል ክትሰብከሉ’ውን ተጸዊዓ እያ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሰኑይ ከኣ፡ ስለ ውልቃዊ ጻውዒትናን ዕላማ ተልእኾናን፡ ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ዘዳለዎ” መበል 12 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

Next
Next

”ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ” ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ