”ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ዘዳለዎ” መበል 12 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
”መን ፈጠረኪ ነፍሲ፧” ቢልካ ምሕታት፡ ልቦና’ዩ። ፍጡር ምዃንካ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ፡ ፈጣሪ ከም ዘሎካ ምእማን’ውን፡ ዓብዪ ረብሓ እዩ። ”እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና” በለ ዘማሪ፡ (መዝ100.3)። እወ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ፡ ንሕና ደቂ ሰብ ድማ፡ ፍጡራት ምዃንናን፡ ፈጣሪና እግዚኣብሄር ምዃኑን ምርዳእ፡ ትዕድልቲ’ዩ። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ መበል 12 መዓልቲ በጺሕና’ለና።
ኤፌሶን 2፡10
“ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና”
ኣምላኽ ዘዳለዋ መገዲ ህይወት ኣላ፣ ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ፡ ግናኸ መወዳእታኣ ሞት ዝዀነ መገዲ ድማ ኣላ፡ (ምሳ 14.12)። ኣዳም፡ ነታ ቕንዕቲ ዝመሰለቶ መገዲ ምስ መረጸ፡ ብበዛ ምርጫ እዚኣ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ። ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንዅነታት ኣህዛብ ክገልጾ ከሎ፡ ”በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ’ውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ” ብምባል ጸሓፈ፡ (ኤፌ2.12)።
ብዘይ ኣምላኽ ምንባር
ኣምላኽ ማለት መላኺ ማለት እዩ እዩ እሞ፡ ብዘይ ኣምላኽ ምንባር ማለት፡ መላኺ-ኣልቦ፡ ከም ድሌቱ ዝወጽእን ዝኣቱን ኴንካ ምንባር ማለት’ዩ። በቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ቢሉ ዘዳለዎ መገዲ ዘይኰነስ፡ በቲ ንዓኻ ዝመስለካ፡ ከም ዊንታኻን ከም ቃሕታኻን ምንባር ማለት ድማ እዩ። ብዘይ ኣምላኽ፥ ብዘይ ክርስቶስ፡ ብዘይ ሕብረት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብዘይ ትጽቢት፡ ብዘይ ተስፋ፡ ምድራውን ኣብዛ ምድሪ ዝዛዘምን ዕላማ ሒዝካ ምንባር ማለት ድማ እዩ።
ከመይ ኣለና፧
ነቲ ብውሑዱ ኣብዚ ዓመት እዚ ክንጭብጦ ቢልና ዓሊምናዮ ዘለና ንመልከቶ። ኣድህቦና፡ ህይወት ካልኦት ክንርኢ ዘይኰነስ፡ ህይወትና ከመይ ከም ዘላ ክንፍትሽ እዩ። ምስቲ ፈጣሪና ዝዀነ ኣምላኽ፡ ግላውን ውልቃውን ሕብረት ኣሎና ዶ፧ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ፡ ኴንና ዶ ኣለና፧ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማ ዲና እንነብር ዘለና ወይስ ብሱሩ ንምንታይ ዕላማ ንነብር ምህላውና’ውን ገና ኣይነጸርናዮን፧
ኣብቲ ክንጭብጦ ቢልና ሓሊንናዮ ዘለና ውጥን ዓመት፡ ንእግዚኣብሄር ቀዳምነት ዝሃበ መደብ እንተሎ፡ ሃሰስ ንበል። ንስጋናን ንመቕርብናን ዝኸውን ምድራውን ዓለማውን መደባት ጥራይ ኰይኑ እንተጸኒሑና ድማ ርእስና ንርኣየሉ።
ሎሚ እንጽልዮ
ብቐዳምነት፡ ጽውዓና ከነለሊ እዩ። ድሕር’ዚ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንና ክንመላለስ ምእንቲ ክንክእል፡ ጸሎት፡ ቃል-ኣምላኽን ሕብረት ኣሕዋትን ክፍለየና ከም ዘይብሉ ምስትብሃል’ዩ። ከምኡ ክገብረልና ንጸሊ፡ ኣምላኽ እንተፈቐዶ ኸኣ፡ ጽባሕ ሰሉስ’ውን መንፈሳዊ ጽንዓት ክህበና፡ ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና።