”ብትዕግስቲ ንጉየ”፡ መበል 13 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

ጕያ፡ ምስ ታህዋኽ እምበር፡ ምስ ትዕግስቲ መሳንይቲ እንተዀይኑ እስከ ንሕሰብ። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ ኣብ መበል 13 መዓልቲ በጺሕና ኣለና። ብትዕግስቲ ዶ ወይስ ብታህዋኽ ኢና እንጐዪ ዘለና፧

እብራውያን 12፡1-3

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ከሎና፡ ንኹሉ እቲ ዝኸብደናን ነቲ ዝጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ካብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።

ናብ ጐይታና ኢየሱስ ንጠምት

ነስተብህሎ ሓደው ነስተውዕሎ እንተሊና፡ እቲ ተደጋጊሙ ዝንገረና ዘሎ መልእኽቲ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ከይንውከል፡ ባዕለይ እፈልጥ ከይንብል፡ ጠመተና፡ ትውክልትና፡ መሰረትና፡ መጻኢና፡ ኮታ ኩሉ ነገርና፡ ኣብ ጐይታ ክንገብር ከም ዝግብኣና እዩ። ቀዳሜ ሰማዕት፡ ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ብዳርባ እምኒ እናተወግረ’ኳ፡ ንሱ ግና፡ ”መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ እሞ፡ እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ አሎኹ፡ በለ” (ግብ8.55-56)።

ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን

ኣብ ጉያ፡ ድኻምን ምሕላልን ክህሉ ንቡር’ዩ። ተሞኩሮናን ቃል ኣምላኽ ከኣ ከም ዝነግረናን፡ ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ይብሉን ይወድቁን እዮም፡ (ኢሳ 40.30)። ስለዚ’ዩ እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ፡ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክንጥምት ድሕሪ ምዝኽኻር፡ “ምእንቲ ከይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ” ዝበለ። እቲ ኣቐዲምና ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ ዝጠቐስናዮ ሓሳብ’ውን “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ብምባል’ዩ ዝድምድም (ኢሳ40.31)።

ከመይ ኣለና፧

ብትዕግስቲ ምጕያይ ማለት፡ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ኣድቂቕና ንሕሰበሉ። ጠንቂ እቲ ቀቀልጢፍና እንንሕለሎን እንደኽሞን፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ፡ ብትዕግስቲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ውሁብን ክውንነታዊ ሓቂ ዝመስልን፡ ከምኡ ኸኣ ከም ምህሮ ዓለምን፡  ብታህዋኽ ንጐዪ ስለ ዘለና ከይከውን ከኣ፡ ርእስና ንመርምር። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ረቡዕ፡ ”ብጐይታ ምሕጓስ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ክንጽልን ከነስተንትንን ኢና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

”ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ዘዳለዎ” መበል 12 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ