”ብጐይታ ተሓጐሱ”፡ መበል 14 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
”እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ” ዝብል ኢና ክንብሰር። እወ፡ እቲ ርሑቕ ዝመስለና እግዚኣብሄር፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ፡ ኣማኑኤል ተሰምየ፡ ትርጉሙ ኸኣ ኣምላኽ ምሳና ማለት’ዩ። ቅድሚ ትማሊ፡ ጽውዓና ከነለሊ፡ ትማሊ ኸኣ፡ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንና ብትዕግስቲ ክንጐዪ ብዝብል ሓሳብ፡ ጸሊናን ኣስተንቲንናን። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ ኣንሆ ሎሚ፡ መበል 14 መዓልቲ በጺሕና ኣለና።
ፊሊጲ 4፡4-7
ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ፡ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ካብ ኵሉ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ብጐይታ ኵሉሳዕ ተሓጐሱ
ምንጭን ምኽንያትን ሓጐስና፡ እቲ ቀረባና ዝዀነ ጐይታና ክኸውን ከም ዘሎዎ’ዩ ተነጊሩና። መዝሙረ ዳዊት፡ ”ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካ’ውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ” ብምባል የበስር፡ (መዝ16፡11)። ሰብ፡ ተመጊቡ ከም ዝጸግብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ኸኣ ብሓጐስ ከም ዝጸግብ’ዩ ዝነግረና ዘሎ። ትሕጐስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓጐስ ትጸግቦ!! ስለዚ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንሱ፡ ግናኸ እቲ ማእሰርትን ጸበባን ከይደረቶ፡ ”ብጐይታ ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ” ብምባል ዝጸሓፈ።
እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ
ናብ ዘመነ ገነት ኤደን ተመሊስና፡ ንኣዳምን ሄዋንን ንዘክሮም። ”ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ፡” እዩ ዝብል መጽሓፍ ቅዱስ፡ (ዘፍ3.8)። ድሮ ሓጢኦም ስለ ዝነበሩ ግና፡ ነቲ ባህ ዘብል ድምጺ ኣምላኽ፡ ንሳቶም ግና ባህ ኢልዎም ንኽሰምዕዎ ኣይበቕዑን። ሳዕቤን እቲ ሓጢኣት ናብ ኩሉ ስለ ዝሓለፈ ድማ፡ “ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ፡ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ” ዝብል ጽሑፍ፡ ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ 59፡2-3 ነንብቦ።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ነዚ ብሓጢኣት እተነድቀ ከልካሊ ቀጽሪ፡ ብደሙ ስለ ዘፍረሶ ግና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብርዑ ኣልዒሉ፡ ”ብጐይታ ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ” ብምባል ኣበሰረ። ሕጂ፡ ኣማኑኤል፡ ኣምላኽ ምሳናን ኣባናን ኣብ ማእከልና እዩ፡ ክብሪ ንቕዱስ ስሙ ይኹን!
ድሌትኩም ዘበለ
ድሌት ወድ ሰብ ታእላው የብሉን። ድሌቱ ረኺቡ፡ ተመሊሱ ዘይደሊ ድማ ሓደ’ኳ የልቦን። ድሌትና ዘበለ፡ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ እንተቕሪብናዮ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንድሌትና ብጽቡቕ ዘጽግብ እዩ እሞ፡ ብምርካብን ምስኣንን ዘይኰነስ፡ ብትርኢት ገጹ ክንዓግብ ኢና። ሽዑ ኸኣ ልብና በቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ክፍሳህ እዩ።
ከመይ ኣለና፧
ምንጪን ምኽንያትን ሓጐስና እንታይ ምዃኑ ንመርምር። ሰብ፡ ሓደው ግኡዝ ነገር ምንንጪ ሓጐስና ኰይኑ እንተጸኒሑ፡ ንዕኡ ምስ ሰኣንናዮ፡ ልብና ብጓሂ ክስበር’ዩ። ከም ክርስቲያን፡ ብነገራት ዘይኰነስ ብጐይታ ክንሕጐስ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ። ብጐይታ ክንሕጐስ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ብጸሎት፡ ብቓል ኣምላኽ ከምኡ ኸኣ ብሕብረት ኣሕዋት ኢና ገጽ ኣምላኽና ክንደሊ ዝግባእ። ነቲ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽሲ፡ ጥዒምናዮን ኣስተማቒርናዮን ዶ ንኸውን፧ ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ሓሙስ ከኣ፡ ”ስለ መራሕቲ ሃገራት ” ብምጽላይ ከነስተንትን ኢና።