”ስለ ነገስታትን መኳንንትን”፡ መበል 15 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ
”ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡” ነቲ ማይ ናብ ዝደለዮ ዝመርሖ ድማ እግዚኣብሄር’ዩ (ምሳ21.1)። ለይቲ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ጸሎተ ሰዓታት ክንቀውም እንከለና፡ “ጸልዩ በእንተ ንጉሥ” ኣብ ዝብል ንበጽሕ እሞ፡ ዓቕልና ጽብብ ይብለና ነበረ። ኣብቲ እንጥቀመሉ ዝነበርና መጽሓፍ፡ ስም ሃይለ-ስላሴ እዩ ኔሩ፡ ኣብቲ እንጽልየሉ ዝነበርና ህሞት ግን ከኣ መንግስቱ ሃይለማርያም እዩ ኣብ ስልጣን ዝነበረ። “ለንጉሥነ መንግስቱ” ከይንብል፡ እቲ እንፈልጦ መንግስቱ ኰነና። ንዕኡ ጥሕስ ቢልና፡ ስግር ከይንብሎ ድማ፡ ስርዓተ እምነት ኰነና።
”ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡” እናነበብና፡ ብዛዕባ መራሒ ሃገር ምጽላይን ዘይምጽላይን፡ ሕውስውስ ክብለና ከሎ ግና፡ እንታይ ንዝንግዕ ስለ ዘለና ኾን ይኸውን፧! እቲ ጥቕሲ ክውድእ ከሎ፡ ”ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ” እዩ ዝብል፡ (ምሳ21.1)። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ ሎሚ፡ መበል 15 መዓልትና እዩ።
1ጢሞ 2፡1-4
እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ክንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን፡ ምህልላን ምስጋናን ክግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ ኣለኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂ’ውን ክመጽእ ዝፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና፡ ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።
ጽቡቕን ቅቡልን ጸሎት
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ቅድሚ ዅሉ እምዕድ ኣለኹ” በለ። ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ክንልምን፣ ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ክንጽሊ፣ ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ክንምህለል፣ ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ከነመስግን. . . ኮታ፡ ከመዮ ትማሊ ዝረአናዮ፡ ድሌትና ዘበለስ፡ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና፡ ኣብ ኣምላኽ ክፍለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ከይንጭነቕ፡ እዚ ጽቡቕን ቅቡልን ጸሎት’ዩ።
ሃዲእና ክንነብር
ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ቅድሚ ዅሉ ክንጽሊ ዘድልየና፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵሉ ምእንቲ ከነብጽሕ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብር እዩ። ”ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡” ነቲ ማይ ናብ ዝደለዮ ዝመርሖ ድማ እግዚኣብሄር’ዩ። መራሕቲ ሃገራት፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎዎም፡ ብሓቅን ብርትዕን ዝመርሑ፡ ብቕንዕና ዝፈርዱ፡ ንመበለትን ድኻን ዝሓልዩ፡ ክዀኑ ቅድሚ ዅሉ ክንጽሊ ተነጊሩና’ሎ።
ከመይ ኣለና፧
“ንእከለ መንቍሶ፡ ንእከለ ትኸሎ” ምባል ዘይኰነስ፡ ፍትሒ ከይጐድል፡ ድኻ ከይብደል፡ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል፡ ሰናይ ህዝቡ ዝደሊ፡ መራሒ ክህሉ ኢና፡ ወትሩ ስለ መራሕቲ ሃገር ክንጽሊ ዝግባእ። ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ዘመነ ሃጸይነት ሮማ እዩ እተወልደ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ”ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም” ቢሉ ክጽሕፍ ከሎ፡ ኣብቲ ዘመን እቲ፡ ሃጸይነት ሮማ ብጭካነ ብበትሪ ሓጺን ዝጓስየሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ እዩ።
እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ኵሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን፡ ምህልላን ምስጋናን ንምቕራብ ንተንስእ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኸኣ፡ ”ስለቶም መከራ ዝጸግቡ ዘለው” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንዝቐነየና ጸሎትን ኣስተንትኖን፡ መዛዘሚ ክንገብረሉ ኢና።