”ንእሱራት ዘክርዎም”፡ መበል 16 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ

ንጉስ ሄሮድስ ንቕዱስ ጴጥሮስ ምስ ኣሰሮ፡ እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ሕሜታን፡ ኣብ እንታይ ኢና እንገብሮን ዝብል ከም ዝተዋፈረት ኣይተጻሕፈን። “እታ ማሕበር ግና ምእንታኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት፡” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ (ግብ 12.5)። ”ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ” ቢሉ ኣብ ዝጀመረ ምዕራፍ፡ ኣብኡ ንዝርከብ ሓደ ሓሳብ ኢና ከነስተንትን። መለለዪ ክርስትና፡ ፍቕሪ ደኣ’ምበር፡ ”ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ምባል ዘይምዃኑ ኸኣ፡ እቲ ጽሑፍ ክረትዓና’ዩ። ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ መዓልቲ ንስሓ፡ መዓልቲ ምምላስን፡ መዓልቲ ከም ብሓድሽ ምጅማርን ክዀነልና ብምጽላይ ዝጀመርናዮ ጾም፡ እንሆ፡ ”ንእሱራት ዘክርዎም” ብዝብል ዛዕባ፡ ንኽንዛዝሞ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና!

እብራውያን 13፡3

ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም’ውን ኣብቲ ስጋ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም።

ዘክርዎም

ንስቓይን እህህታን እሱራት ክገልጽ ዝኽእል ቃል ምርካብ፡ ቀሊል እንተዝነብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምንኣኽ” ዝብል ቃል ኣይምመረጸን። ብግእዝ፡ “ይባእ ቅድሜከ ገዓሮሙ ለሙቁሓን” እዩ ዝብል። “ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ” ማለት ድማ እዩ፡ (መዝ 79፡11)። እቲ ብግእዝ “ገዓር” ብትግርኛ ኸኣ “ምንኣኽ” ተባሂሉ ዘሎ ቃል፡ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን፡ እናበልና እምበኣር፡ ነቶም መከራ ዝጸግቡ ዘለዉ እሱራት ንዘክሮም። ንሳቶም፡ መከራ ይቕበሉን ይበጽሖምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መከራ ይጸግቡ ከም ዘለዉ ኸኣ ነስተብህል።

ገዓሮሙ ለሙቁሓን

ኣብ መጋባእያ ቀሪቦም ፍርዶም ስለ ዘይተነግሩ፡ መዓስ ከም ዝፍትሑ እናናፈቑ ጥራይ ኣይኰኑን ብእህህታ ዝግዕሩ። መንፈሳውያንን ስጋውያንን ደቆም ኣብ ዝኽትምና፡ ኩነታት ሓዳሮም፡ ኩነታት ጥዕናኦም፡ ኩነታት ህዝቦምን፡ ከምኡ’ውን እቲ ዘየቕስን ምብትታትን ቤተ ክርስቲያንን፡ እናስተንተኑ እዮም፡ እናሻዕ ዝንኣኹ። ቍሪ እናሰንጠቖም፡ ሃሩር እናሕመቖም፡ ኣብ ኮንተይነራት፡ ኣብ ጎዳጕዲ ክንሶም፡ ሓለፋና ግና ንሶም ይጽልዩ፡ ሓለፋና፡ ንሶም ገጽ ኣምላኽ ይደልዩ፡ ሓለፋና፡ ንሶም ይበኽዩን የማልዱን! ሞት እናሸተቶም፡ ሕማም እናደገሶም፡ ጥሜት እናቐዘፎም፡. . . እወ፡ ሓለፋናስ ንሳቶም፡ ጸሎት ኣየባትኹን።  

“ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ …መከራ ጽገቡ” ዝብል ቃል ኣምላኽ፡ ረጥ ኣቢልና ምርሳዕና፡ ንፈሪሳውነትና ብቕሉዕ ኣግሃዶ። ኣቤት ግብዝና! ኣመንቲ ክንመስል ከኣ ያኢ፡ ነጸላ ተወንዚፍና፡ መዛሙር ቃኒና፡ ስብከት ኣመቂርና ኢና እንግዕር!

እቶም ዘይኣመንቲ ዝሕሹሉ 

ነቢዪ ዳንኤል፡ ብዘይካ እታ ንኣምላኽ ምስጋዱ እንተ ዘይኰይና፡ ሓንቲ’ኳ ንመንግስቲ ዳርዮስ ከይበደለ፡ በዛ ናይ ኣምልኾ ሕቶ እዚኣ ጥራይ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። ከም ዳንኤል ዝኣመሰለ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ቅዱስ ነብይ፡ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርብዩ እናረአኻን እናሰማዕካንሲ፡ ጥዑም ድቃስ ክድቀስ ይከኣል ዶ፧! ”ዘክርዎም” ኢና ንብሃል ዘለና እሞ፡ እስከ ንዘክሮም። ኣጸቢቑ ምእንቲ ክስወጠና ድማ፡ ንንጉስ ዳርዮስ’ውን ንዘክሮ። ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ “እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራሹ ኸደ፡ ጾሙ ኸአ ሓደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር አየቕረበን፡ ድቃስ’ውን ካብኡ በረረ” እዩ ዝብል። 

ከመይ ኣለና፧

ማእሰርቲ ጴጥሮስ ዝሰምዐት እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን፡ “እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት፡” ዝብል’ዩ ተጻሒፉላ ዘሎ። እዞም ሎሚ ዘለና ክርስቲያን ከ፧ ምእንቲ እሱራት፡ ኵሉሳዕ ሲ ይትረፍ፡ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን’ውን ትኹን፡ ከም መተኣስርቶም ኴንና ንዝክሮም ዶ፧ 

ዎ ኣምላኽ፡ ምእንቲ እሱራት ነማልድ ኣለና። ”ስለ ምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ። ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም" (መዝ 79.10-11) መንግስትን፡ ሓይልን፡ ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ’ሞ፡ ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

”ስለ ነገስታትን መኳንንትን”፡ መበል 15 መዓልቲ፡ ጾመ ፍልሰታ