መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ፡ ቍ 1
ዝቐረቡ ሕቶታት
1. ፈተናን ሓጐስን ብኸመይ ክሳነዩ ይኽእሉ፧ እቲ ምፍታን እምነት ከ እንታይ እዩ ዝፈሪ፧
2. ኣብ ፍጽምናን ምልኣትን ንምብጻሕ፡ ተራ ወይ ኣገዳስነት “ትዕግስቲ” ከመይ ትገልጾ፧ ትዕግስቲ ዘሎካ ዶ ወይስ ዘይብልካ ይመስለካ፧
3. ክንደይ ዓይነት ጥበብ ተገሊጹ’ሎ፧
4. ሓደ ብጥበብ ኣምላኽ ዝተመልኦ ሰብ (ክርስቲያን) እንታይ ባህርያት ክንርእየሉ ንኽእል
5. ሰብ ስለምንታይ እዩ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምኖ፡ ወይ ዚጠራጠሮ፧
6. ድኽነት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብን ምግልጋልን ይኽልክል ድዩ፧
7. ሃብታም ዝነበረ ክርስቲያን እንተደኸየ፡ ነዚ’ውን ብሓጐስ ክቕበሎ ዝብል ብድሆ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ፧
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
1. ንስጋኻ ብምሕጓስ እምበር፡ ብስጋ መከራ እናረኸብካ አይኮነን ሓጐስ ዝርከብ እሞ፡ አብ ዓለም፡ ፈተናን ሓጐስን አይሳነን እዩ። አብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ፈተናን ሓጐስን ይሳነ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መካይድቲ’ውን እዩ። አብ 1ይ ጴጥ. 1 1.6 -9 ”እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም” ኢዩ ዝብል። ሓዋርያት’ውን ምእንቲ ስሙ ክፍተኑ፣ ክግረፉ ብቝዓት ኰይኖም ብምርካቦም፡ አመና ዝተሓጐስሉ ምኽንያት፡ እዚ ምስጢር እዚ ኢዩ። ሓዋርያ ያዕቆብ’ውን ከምዚ ኢሉ አሎ፣ (ያእ1፣12) ”ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”
2. ትዕግስቲ አብ ዓቢ ነገር እተብጽሕ መርከብ ኢያ፣ አምላኽ ንአቦና አብርሃም ነታ ተስፋ ከም ዝህቦ ምስ መሓለሉ፣ ንነዊሕ እዋን ብትዕግስቲ ተጸብዩ ረኸባ፣ (ዕብ.6፣13_15)። አብ መክብብ (10፣4) እውን “መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፡ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ” ይብል እዩ።
3. ክልተ ዓይነት ጥበብ አለዋ፣ ምድራዊ ጥበብን ሰማያዊ ትበብን፣ እታ ናይ ምድሪ ጥበብ፣ ሻራን ቅንእን፤ ምፍራስ ስርዓትን ኩሉ እኩይ ግብርን ዘለዋ ምድራዊትን ሰይጣናዊትን ኢያ፣ እታ ናይ ሰማይ ጥበብ ድማ፣ ንጽህቲ፣ ሰላማዊት፣ ልእምቲ፣ ሰማዕ፣ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት ግብዝና ዘይብላን ኢያ።
4. ሓደ ብጥበብ አምላኽ ዝተመልአ ሰብ፣ ሕያዋይ፣ ርሕሩሕ፣ ፈቃር፣ ፍርሃት አምላኽ ዘለዎ፣(መጀመርያ ጥበብ፡ ፍርሓት እግዚአብሄር እዩ)፣ ትዕግስቲ ዘለዎ፣ ፍረ መንፈስ-ቅዱስ ዝፈረየ እዩ (ገላ. 5፣23)።
5. ሰብ ዝጠራጠረሉ ምኽንያት፣ ብእምነት ዘይምዕባይ፣ ካብ ናይ ውልቁ ተመክሮ ብምብጋስ፡ አይሰለጠንን ብምባል፣ ጉድለት እምነት፣ ተስፋ ምቝራጽ፣ ገለ ከምዚ ዝመሰሉን ክጠራጠር ይገብርዎ። ብአንጻሩ ግን፣ እምነት ከምቲ አብ ዕብ. 11 ተገሊጻ ዘላ፣ ነቲ ዝርእዮ ተስፋ ዝገብሮ መን አሎ፣ ኢሉ፣ እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር፣ ርግጽ ብምግባር፣ ነቲ ዘይረአዮ ብተስፋ ከም ዝረኽቦ አሚኑ ከይተጠራጠረ ክልምንን ክጽበን ከም ዘለዎ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና።
6. ድኽነት፣ ሃብቲ፣ ጥዕና፣ ሕማም፣ ወዘተ፣ ካብ አምላኽ ክፈልዩና አይግበኦምን ኢዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ፣ (ሮሜ. 8፣35) ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ’ውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
7. ሃብታም ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ብምድካዩ፣ ክሕጎስ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ፣ አብ 2ይ ቆሮ. 6፣ 7_10፣ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንርኤ አሎና። ኢሉ፣ ምእንቲ ክርስቶስ ኢልካ፣ ዓስብኻ ብዙሕ ምዃኑ አሚንካ፣ ኩሉ ምዃን ከም ዝከአል ኢዩ ዝምህረና።
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
ፈተናን ሓጐስን ብኸመይ ክሳነዩ ይኽእሉ፧ እቲ ምፍታን እምነት ከ እንታይ እዩ ዝፈሪ፧
ፈተናን ሓጐስን ወላኳ ኣንጻር እንተዀኑ፡ ኣብ ክርስትና ግና፡ ከም ተሰዓዓብቲ እዮም። ንሓደ ክርስትያን ፈተና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብጽሕና ዝወስድ መገዲ ምዃኑን ብእምነቱ’ውን ብስም ኣምላኽ ክፍተን ብቑዕ ከም ዝኾነ ስለ ዝፈልጥ፡ ይሕጐስ፡ ሓበኑ’ውን እዩ (ግብ 5:41 እብ 12:2 ፊሊ 2:8-11)። ፍረ ምፍታን ናይ እምነት ከኣ፡ ትዕግስትን: ጽንዓትን: ተስፋን እዩ፡ (ሮሜ 5:2-4 2)።
2. ኣብ ፍጽምናን ምልኣትን ንምብጻሕ፡ ተራ ወይ ኣገዳስነት “ትዕግስቲ” ከመይ ትገልጾ፧ ትዕግስቲ ዘሎካ ዶ ወይስ ዘይብልካ ይመስለካ፧
ንሕና ክርስትያን፡ እቶም ምድሓን ስጋና እንጽበ ዘለና፡ ኣብ ስጋ ክሳዕ ዘሎና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክንሓልፍ ኢና። ፈተና ስለ ዘሎ ከኣ ምዕጋስ የድልየና። ጐይታና ኢየሱስ’ውን “እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ክድሕን ኢዩ” ብምባል፡ ባዕሉ ኣብሪሁልና’’ዩ (ማቴ 24:13)። ትዕግስቲ፡ ሓደ ካብቶም ፍረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ፡ ሓደ ክርስትያን ክፈርዮ ዝግባእ ድማ እዩ። ብትዕግስቲ እንተዓቢና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ተፈጻምነት ክረክብ፡ ቦታ ኢና እንህብ (ያዕ 5:7-8 ሮሜ 5:2-4 ቆሎ3:12)። ኩላትና ኣባላት ጉጅለ 1፡ ትዕግስቲ ከም ዝጐድለና ክንውስኽ’ዉን ከም ዘለና ኢና ገሊጽና።
3: ክንደይ ዓይነት ጥበብ እዩ ዘሎ፧ ግለጽ
ክልተ ዓይነት ጥበብ ኣሎ፡ ሰማያዊት ጥበብን ምድራዊት ጥበብን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። ያዕ 3:15-17
4: ባህርያት ናይ ሓደ ብጥበብ ኣምላኽ ዝመልኦ ሰብ (ክርስቲያን) እንታይ እዩ ዝመስል፧
ያእቆብ 3:17-18 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።”
5. ሰብ ስለምንታይ እዩ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምኖ ወይ ዚጠራጠሮ፧
ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝጠራጠረሉ ዝተፈላለየ ምኽንያት እዩ። ሓደ; ካብቲ ጸጋ ዝህቦ ንጥፈታት( መጽሓፍ ቅዱስ: ጸሎት: ሕብረት የሕዋት: ልግሲ: ጋሻ ምቅባል ወዘተ…) ምስ ዝፍለ; እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ዓይኑን ሕልናኡን እንዳ ሃሰሰ ይኸይድ እሞ እቲ ናይዘይምእማን ምጥርጣር ሰምዒት ከኣ ክዓቢ ይኽእል። ካልእ ብርቱዕ መከራ እዩ; ሰብ ዓቢ ፈተና ምስዝበጽሖ እግዚኣብሄ ር ከም ዝገደፎ ስምዒት ከስዐበሉ ይኽእልዩ እዚ ነገር እዚ ከኣ ናብ ምጥርጣር ክመርሖ የኽእል።
6: ድኽነት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብን ምግልጋልን ይኽልክል ድዩ፧
ድኽነት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብ ኣይክልክልንዩ ምኽንያቱ ምስዓብ ናይ ልቢ ውሳነ ስለዝኾነ ሃብቲ ወይ ንብረት ኣየድልንዩ ናይ ዉሽቲ ምርታዕ ብቃል ኣምላኽን ምውላድን ጥራዩ ዝሓትት። ንክርስቶስ ከተገልግል ውን ድኽነት ወሳኒ ነገር ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስ ብንብረት ዓለም ድኻ እዩ ነይሩ: ሃዋርያት ውን ከምኡ።2ቆሮ8:9 ሉቃ9:5
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ፈተናን ሓጐስን ብኸመይ ክሳነዩ ይኽእሉ፧ ፍረ ምፍታን ናይ እምነት እንታይ እዩ፧
ብመሰረት መልእኽቲ ያእቆብ፡ ክልተ ዓይነት ፈተና ኣሎ፦
ሀ. ብምኽንያት እምነት ዝመጽእ
ለ. ብትምኒት ገዛእ ርእስኻ እተምጽኦ
ፈተናን ሓጐስን ክንብል ከሎና እምበኣር፡ ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ 1፡2 ዝገለጸልና፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተበጽሓና፡ መወዳእትኡ ንሓጐስና ምዃኑን ከምኡ’ውን ብዓወት እንስዕረሉ መገዲ ስለ ዝዀነ ኢና ብሓጐስ እንቕበሎ። በቲ ሓደ መዳይ ድማ፡ ዓስብና ስለ ዝበዝሕ’ውን እዩ (ግብ 5፡40-42)። ስለዚ ከኣ እዩ ፈተናን ሓጐስን ብሓደ ክሳነ ዝኽእል።
2. ኣብ ፍጽምናን ምልኣትን ንምብጻሕ፡ ተራ ወይ ኣገዳስነት “ትዕግስቲ” ከመይ ትገልጾ፧ ትዕግስቲ ዘሎካ ዶ ወይስ ዘይብልካ ይመስለካ፧
ትዕግስቲ ከምቲ ኣብ ያእ 1፡3-4 ዝገለጸልና፡ ነቲ ምፍታን ፈተና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብፍጽምናን ምልኣትን ብዘይ ጎደሎ ኮይንካ ክሳዕ መወዳእታ ደው ምባል ማለት እዩ። ከምቲ ኣብ መክ 10፡4 ዝነግረና’’ ትዕግስቲ ንዓቢ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ ዝበለና፡ ትዕግስቲ ከኣ ስፍራኻ ከይሓደግካ ኣብ ቦታኻ ምጽናሕ የረድኣና።
እቲ ካልኣይ ሓሳብ ድማ፡ ንህይወትና ብናይ ትዕግስቲ ገጽ ክንርእይዮ ከሎና፡ ኣዚና ዝደኸምና ብዙሕ እንሕለል ሰባት ምዃንና ንእመን፡ ግና ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝምዕደና፡ ‘’እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ግዜ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ’’ (ምሳ 24፡16) ዝበሎ ግና፡ እንዳ ወደቕና እንዳ ተሳእና ንነብስና ንርእያ።
3. ክንደይ ዓይነት ጥበብ እዩ ዘሎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ዓይነት ጥበብ ከም ዘሎ ይነግረና። እቲ ቀዳማይ ናይ ሰማይ ኰይኑ፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ይብሃል፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ምድራዊ ኰይኑ፡ ሰይጣናዊ ጥበብ ይብሃል።
ኣምላኻዊ ጥበብ ብቐንዱ ናይ ክርስቶስ ባህሪ ዝውንን ኮይኑ ካብኡ ንኻፈሎ። (ያእ 1፡5) ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ እንተጎደለቶ፡ ነቲ ከየስተሓፈረ ንኹሉ ብልግዚ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪወሃቦ`ውን እዩ። (መዝ 111፡10) ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ ኩሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር።
ሰይጣናዊ ጥበብ ድማ ምንጩ ባዕሉ ሰይጣን እዩ። ሞትን ክፍኣት ዘበለ ኩሉ ድማ ካብኡ እዩ። (ምሳ 3፡7) ባዕለይ ይፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሓቕ።
4. ብጥበብ ኣምላኽ እተመልአ ሰብ (ክርስቲያን) እንታይ ባህርይ ክንርእየሉ ንኽእል፧
ባህርይ ናይ ሓደ ብጥበብ ዝመልአ ክርስትያን ልክዕ ከምቲ ኣብ ገላ 5፡22 ዝነግረና፡ ህይወቱን ናብርኡን ንኽርስቶስ ዝመስል ህይወት ሒዙ እዩ ዝመላለስ። ዝካፈሎ ነገር እንተሃልዩ ድማ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
5. ሰብ ስለምንታይ እዩ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምኖ ወይ ዚጠራጠሮ፧
ሰብ ንምንታይ ዘይኣምኖ ቅድሚ ምባልና፡ እምነት እንታይ ምዃኑ ክንገልጽ ደስ ይብለና። ብመሰረት እብ 11፡1 እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ። እዚ ከኣ እቶም ዝኣምንዎ ጌና ከይረኣይዎ በቲ ዝሰምዕዎ ቃሉ ይኣምኑ ማለት እዩ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንቓሉ ክሰምዑ ስለ ዘይከኣሉ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ክኣምንዎ ውን ኣይኮነሎምን እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ቃል እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ ዝብለና።
6. ድኽነት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብን ምግልጋልን ይኽልክል ድዩ፧
ድኽነት ክብሃል ከሎ ከምቲ ኣብ መዝገበ ቃላት ዝገልጾ ፡ ስእነት፡ጸገም ድኽነት... ኢሉ ይገልጾ። በዚ ሓሳብ እዚ ድኽነት ካብ ምስዓብ ንጎይታ ይኹን ምግልጋል ኣይኽልክልን እዩ። ኣብ 1ቆረ 4፡10-13 እንተ ርኢና ውን ‘’ ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና...ወዘተ ኢሉ ክገልጽ ከሎ ካብ ናይ ክርስቶስ ነገር ከም ዘይተፈለና እዩ ዘረድኣና ዘሎ።
7. ሃብታም ዝነበረ ክርስቲያን ብምድካዩ ይተሓጐስ ዝብል ሓሳብ ብኸመይ ኢኻ ትርድኦ፧
ኣብዚ ከም እንርድኦ ኣቦና እዮብ ሓደ እዋን ሃብታም ዝነበረ ሰብኣይ እዩ ነይሩ፡ ሰይጣን ክፍትኖ ስለ ዝደለየ ውን፡ ክሳዕ ብድኽነትን ምምራን ዝበጽሕ ኮነ፡ ነገር ግን ብእኡ ዝመጽሕ ፍታሕ ስለ ዘየለ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ከመስግን ንርእዮ፡ እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ወሰደ ብምባል፡ ስም ኣምላኽና ይባረኽ ኢሉ። እዚ ሓሳብ ከረድኣና ከሎ ኣብ ምርካብን ምስኣንን እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ እሙን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ሰኣነ ውን ካብ ምምስጋን ከም ዘይዕገት እዩ ዘረድኣና። ኤር9፡23 ውን ‘’ጥበበና ብጥበቡ ኣይተሓበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሓበን፡ ሃብታም፡ውን ብሓብቱ ኣይተሓበን፡ ይብል እግዚኣብሄር ይብለና።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
1.ፈተናን ሓጐስን ብኸመይ ክሳነዩ ይኽእሉ፧ ፍረ ምፍታን ናይ እምነት እንታይ እዩ፧
ፈተናን ሓጐስን ዝሳነዩ እቲ ፈተና ዘሔጉስ ስለ ዝኮነ ዘይኮነስ፥ ብፈተና ምሕላፍ ሓጐስ ከም ዝፈርን፥ ሓያልን ብእምነቱ ፍቱን ኮንካ ብብቅዓት ምንባር ስለ ዘሔጉስን እዩ። እቲ ሓጐስ ንመጻኢ ዝጥምት እዩ። ኣምላክ ነቲ ፈተና ብእምነት ንምዕባይ ስለ ዝጥቀመሉ ትሕጎስ።
ፍረ ምፍታን ናይ እምነት ምዕባይ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓዊ ንወርቂ ዘጽርዮ፥ ፈተና ኣብ እምነትና ደው ክንብልን ክንብርትዕን፣ ሓቅኛ እምነት ከነጸባርቅን ይሕግዝ። ሃዋርያ ጴጥሮስ "እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። በለ (1ይ ጴጥሮስ 1፥6-7)። ፈተና እምነትና ጽንዕቲ ምዃና ምስክር እያ።
2.ተራ ወይ ኣገዳስነት “ትዕግስቲ” ኣብ ፍጽምናን ምልኣትን ንምብጻሕ ከመይ ትገልጾ፧ ንህይወትካ ክትርእያ ከሎኻ ብዅሉ ገጻ ትዕግስቲ ዘሎካዶ ይመስለካ ወይስ ዘይብልካ፡ ኣብነት ሃብ።
ትዕግስቲ ንፈተናን ብምእነት ምዕባይን መራከቢ ድልድል ዝኮነት ሓይሊ እያ። ትዕግስቲ ነታ ፈተና ተስፋ ከምዝህልዋ ጌራ ንእምነትና ኣብ ፍጽምናን ምልኣትን ንምብጻሕ ትሕግዝ። ብዘይ ትዕግስቲ ተስፋ ቈሪጽካ ካብ እምነት ትወድቕ። ንውልቃዊ ትዕግስትና ዝቐረበት ሕቶ፥ ጉጅለና ከምቲ ዝድለ ትዕግስቲ ከም ዘይብልናን፥ ብትዕስቲ ክንዓቢ ከም ዘድልየናን ተዘራሪብና። ንኣብነት ኣምላኽ ንጸሎትና ቀልጢፉ ምስ ዘይምልስ፥ ኣብ ድኻምና ከይነንጸርጽር፥ ኣብ ግዜ ፈተና ንኣምላኽ ከይነማርር ዝያዳ ትዕግስቲ ክህልወና ከም ዝግባእ ተሰማሚዕና።
3.ክንደይ ዓይነት ጥበብ እዩ ዘሎ፧ ግለጽ።
ብናይ ሓደ ሰብ ባህርን ተግባራትን ዝግለጽ ክልተ ኣንጻር ዝኮኑ ዓይነት ጥበብ ኣሎ። (ያእ 3፥13)
ሀ. ሰማያዊ ጥበብ፣ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ኮይኑ፥ ብትሕትናን ፍቕርን ንኻልኦት ብምግልጋልን ዝልለ። ውጽኢቱ ድማ ናይ ጽድቅን ሰላምን ሂወት እዩ። (ያቆብ 3፡17)
ለ. ምድራዊ ጥበብ፣ ምድራዊ፡ ዘይመንፈሳዊ፡ ኣጋንንታዊ ዝኾነ ናይ ሓሶት ጥበብ ኮይኑ፥ ብትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን ዝልለ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ስርዓት ኣልቦነትን ግርጭትን ጎዳኢ ባህርያትን እዩ። (ያቆብ 3፡15-16)
4.ባህርያት ናይ ሓደ ብጥበብ ኣምላኽ ዝመልኦ ሰብ (ክርስቲያን) እንታይ እዩ ዝመስል፧
ብጥበብ ኣምላኽ ዝመልአ ሰብ ነቲ ኣብ ያእቆብ 3፡17 ተዘርዚሩ ዘሎ 7 ባህርያት ዘንጸባርቕ እዩ።
1. ንጹህ፥ ብነብሰ ፍትወት ወይ ብሓጢኣት ዘይርከስ እዩ።
2. ፈታው ሰላም፦ ንሓድነትን ዕርቅን ብምስራሕ ንሽግር ዝፈትሕ እዩ።
3. ለዋህ(ልኡም)፦ ብዛዕባ ካልኦት ብርትዕን ፍትሕን እምበር ዘይግባእ ጠለባት ዘይብሉ።
4. ሰማዕ(ጥሑት)፥ ንካልኦት ዝግዛእ፥ ምክሪ ዝሰምዕ፥ ትሪ ልቢ ዘይብሉ።
5. ምሕረትን ሰናይ ፍረን ዝመልኤን፦ ርህሩህ፥ ቀልጢፉ ይቕረ ዝብል፥ህይወቱ ዝጭበጥ ሰናይ ተግባር ዘፍሪ።
6. ዘይሻራዊ(ብዘይ ዝሬት)፦ ኣድልዎ ወይ ጽልኢ ዘየርኢ።
7. ቅንዕና ዘለዎ(ብዘይ ግብዝና)፡ ሓቀኛን፡ ካብ ምስሉይነት ዝርሓቐን እዩ።
5. ሰብ ስለምንታይ እዩ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምኖ ወይ ዚጠራጠሮ፧
ሰብ ንግዚኣብሄር ዘይኣምኖ፥ ምድራዊ ጥበብ ስለ ዝደሊ (1ቆሮ 1፡22-23)፥ ሰይጣን ንኣእምሮኡ ስለ ዘዕውሮ (2ቆሮ 4፡4)፥ ስኣን ፍልጠት (ሆሴ 4፡6)፥ ፍቕሪ ሓጢኣት ስለ ዘለዎ (ዮሃ 3፡19)፥ ካብ ትሪ ልቢ (ኤፌ 4፡18፣ እብ 3፡15)፥ ካብ ትዕቢት ተበጊሱ (ሮሜ 1፡21-22)፣ ዓለማዊ ድሌታት ስለ ዝመርጽ (ማር 4፡18-19) ወዘተ እዩ።
እቲ ዝጠራጠር ሰብ ድማ፣ ክልተ ዝልቡ ስለ ዝኮነ እዩ። እዚ ማለት፤ ጎደሎን ዘይርጉእን እምነት ስለ ዘለዎ ንኣምላኽን ንካልእ ዓለማዊ ነገራትን ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ርድኢት፡ ሃብቱ፡ ካልእ መደባቱን ክኣምን ይጽዕር። ንእግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ንስለ ሰናዩን ሓይሉን ባህሪኡን ዝኣምኖ፥ እምነቱ ቅድመ ኩነት ዘለዎን ኣብ ኩነታቱ ይምርኾስን። ንኣብነት ንኣምላኽ ዘድልዮ ነገር ከማልኣሉ ይጽልን ብሓሳብ ግን ምሉእ ለይቲ ብጭንቀት ድቃስ ይኣብዮ። ምኽንያቱ ጭንቁ ኣምላክ ብሓቂ ከም ዝገብሮ ስለ ዘይኣምን እዩ። ኣብ ሓደ ግዜ ናብ ኣምላኽን ናብ ፍርሑን ይጥምት። ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 12፥30 ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። ከምኡውን ኣብ ራእይ 3:15-16 ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ዝብለና ዝጠራጠር ሰብ ሕማቕ እዩ።
6.ድኽነት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብን ምግልጋልን ይኽልክል ድዩ፧
ሃብታምን ንክርስቶስ እትኣምንን ክትውን ዝበለጸ እዩ። ድኽነት ንመሰረታዊ ንምንባር ዘድሊ ነገር ንኽትረክብ ዘሸግር እንተዀይኑ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድኽነት ግና ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን ንኣምላኽ ምስዓብን ምግልጋልን ፍጹም ኣይክልክልን እዩ። ዝያዳ እኳ ድኣ ናብ ኣምላኽ ክትጽጋዕን፥ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ክትውከልን ይገብር። ኣምላኽ ንድኻታት ብእምነት ሃብታማት ይገብሮም እዩ (ያእ 2፥5)። ቃል ኣምላኽ’ውን ኣብ ክንዲ ብንበልዖን ንሰትዮን ንጭነቕ፥ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም” እዩ ዝብለና (ማቴ 6፥33)። ንክርስቶስ ናይ ምግልጋል ዓቕምና ኣብ እምነትናን ትኣዛዝነትናን እምበር ኣብ ባንክ ሕሳብና ዝምርኰስ ኣይኰነን። ንጉስ ዳዊት ክምስክር ከሎ’ውን "ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን" ኢሉ ኣምላኽ ንኣማኒ ከም ዝድግፎ መስከረ፥ (መዝ 37፥25)። ኣብ ምሳሌ 28፥6: እውን "ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ" እዩ ዝብለና። እታ ድኻ መበለት፡ ካብ ኩሎም ሃብታማት ዝበዝሕ፣ ዝነበራ ኩሉ ምግባ ንሞባእ ዝሃበት ብእምነት ሃብታም ስለ ዝነበረት እያ፡ (ማር 12፥43-44)።
7.ሃብታም ዝነበረ ክርስቲያን እንተደኸየ፡ ነዚ’ውን ብሓጐስ ክቕበሎ ዝብል ብድሆ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ፧
ሃብታም ዝነበረ ምድካዩ ዝብል፥ ሃብቱ ምጥፍኡ ወይ ሓላፊ ምዃኑ ምግንዛቡ ንምባል ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ዓለም ሃብታም ኣብ ግዝያውን ናይ ሓሶትን (ገንዘብ) ጽግዕተኛ እንተዀይኑ፣ ብመንፈስ ድኻ እዩ። ነዚ ኣስተውዒሉ፥ ናብቲ ሓቀኛ መንነቱን ውሕስነቱን፣ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ዝኾነ ክርስቶስ ከም ዝረኽቦ ብምርዳኡ ይሕጐስ። ሃብታም ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘድልዮ፥ ሃብቱ ግዝያዊ፥ ሓላፊ፥ መዐቀኒ ክብሪ ዘይኮነ፥ ዘየድሕን ምዃኑ ፈሊጡ፥ በቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎዎ ርክብ ከም ዝሕጐስ ንርዳእ። ክርስትያን ከሎ ሃብቱ ብሓደጋ እንተ ጠፊእዎ፣ እንተ ደኽዩ ድማ፥ መርገም ዘይኰነስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ንምባል፥ ንመንፈሳዊ በረኸት፥ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ንምድሓን ምዃኑ ኣሚኑ፥ ብኣምላኽ ይሕጐስ።