መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ2
ዝቐረበ ሕቶ
ሌላ ምስ መልእኽቲ ያእቆብ። መልእኽቲ ያእቆብ፡ ኣበይ፡ መዓስ፡ ንመን፡ ብመን፡ ምናልባሽ'ውን ስለምንታይ ከም ዝተጻሕፈት ዘላሊ ሓጺር ጽሑፍ ኣዳልዉ።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
“ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ባርያ” ብምባል፡ ጸሓፊ እዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ባዕሉ ያእቆብ ምዃኑ ይነግረና፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ያእቆብ ዝስሞም ኣለዉ። ኣየናይ ያእቆብ’ዩ ነዛ መልእኽቲ ጽሒፍዋ ንዝብል ሕቶ ግና፡ እቲ ካብቶም ንጐይታ ኣሕዋቱ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ብቐዳምነት ስሙ ዝጽሓፍ፡ ብስጋን ደምን ግና ምስ ጐይታና ኢየሱስ ዘይራኸብ፡ ማለት ወዲ ዮሴፍ፣ ምናልባሽ’ውን እቲ ዝዓበየ ከም ዝዀነ ዝግመት እዩ፣ “እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ” (ማር6:3)።
መልእኽቲ ያእቆብ ኣበይ ተጻሒፋ፧
ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ተጻሒፋ ዝብል ርጉጽ መልሲ የለን። ያእቆብ ኣብቲ እዋን እቲ፡ መራሒ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብምንባሩ፡ ታሪኽ ከም ዘዘንትዎ ድማ ኣብኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ብሰማእትነት ስለ ዝሓለፈን፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ኣብኡ ኰይኑ ጽሒፍዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
መልእኽቲ ያእቆብ መዓስ ተጸሒፋ፧
ብ45-50 ዓ.ም ዘሎ ግዜ ከም ዝተጻሕፈት ይእመን፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ እንተ ዘይቀዲማታ፡ ካብ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፡ እታ ኣቐዲማ ዝተጻሕፈት፡ ምዃና’ውን ይንገር’ዩ።
መልእኽቲ ያእቆብ ንመን ተጻሒፋ፧
ኣብ ቐዳማይ ትርጉም ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሰዓቡ እስራኤላውያን ምዃኑ እዩ ዘመልክት፡ ከምዚ ድማ ይብል፡ “ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ`` (ያእ 1:1)። ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም ግና፡ “ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኖም ዘለዋ ሕዝቢ ኣምላኽ” ከም ዝተጻሕፈ ይነግር። ስለዚ፡ እዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ነቶም ናብ ኩሉ ኣብ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ክርስትያን ከም ዝተጻሕፈት ክንርዳእ ንኽእል።
መልእኽቲ ያእቆብ ስለምንታይ ተጻሒፋ፧
ኣመንቲ፡ እታ ብእምነት ዝረኸብዋ ምድሓን፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ብግብሪ ኽገልጽዋን እታ እምነት ህያው ምዃና ክምስክሩን ንምምዓድን ንምምሃርን’ያ ተጻሒፋ። ጠባይን ኣመለኻኽታን ክርስቲያን ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦ፡ እቶም ኣብ መከራ ዝነብሩ ክርስትያን ከኣ፡ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ከም ዝግባእ ንምብርትታዕን ንምጽንናዕን እተጻሕፈት መልእኽቲ እያ።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
”ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ባርያ” ብዝብል እኳ ርእሱ እንተላለየ፡ ካብቶም 12 ሃዋርያት፡ ያእቆብ ዝስሞም፡ (ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን) ሓደ ካብዚኦም ከይከውን፡ ቢሎም ዝሓስቡ ኣለው። መልእኽቲ ያእቆብ፡ ቅድሚ ጉባኤ ኢየሩሳሌም፡ ካብ 45-49 ዓም ኣብ ዘሎ ጊዜ ከም ዝተጻሕፈት፡ ስለዚ ኸኣ ካብ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፡ ቀዲማ እተጻሕፈት ክትከውን ከም እትኽእል ብዙሓት ዝሰማምዑሉ እዩ። ካልኦት ከም ዝብልዎ ግና፡ እቲ ቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ድሕሪ ዘመነ ሃዋርያት ምስ ዝነበረ ቅዲ፡ ስለ ዝመሳሰል፡ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ኣብ ካልኣይ ሚእቲ ዓመት እተጻሕፈት ክትከውን ትኽእል’ያ ዝብል ግምት ዘሎዎም’ውን ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር፡ ገሊኦም፡ ቅድሚ ኹለን መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፡ ገሊኦም ከኣ፡ ድሕሪ ኩለን መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ተጻሕፈት ብምባል ይማጐቱ።
ብትውፊት ከም ዝንገረናን ብዙሓት ቀዳሞት ኣቦታት’ውን ከም ዝጸሓፍዎን ግና፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሓፈ፡ እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ “እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧” እተባህለሉ፡ ያእቆብ ሓው ጐይታና እዩ፡ (ማቴ 13.55)። ያእቆብ ንርእሱ፡ “ሓው ጐይታና” ብምባል ዘይኰነስ፡ “ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ” ብምባል ምልላዩ፡ እቲ ንመልእኽቲ ይሁዳ ዝጸሓፈ ካልእ ሓው ጐይታና’ውን ከምኡ ከም ዝገበረ ኢና እንርኢ። ንሱ ኣብታ መልእኽቱ፡ ”ይሁዳ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዉ ያእቆብን” ብዝብል’ዩ ንርእሱ ኣላልዩ ዘሎ፡ (ይሁዳ1.1)። ይሁዳ፡ ርእሱ ንምልላይ፡ ሓው ያእቆብ ምባሉ፡ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ያእቆብ ልዑል ምንባሩ ይእንፍተልና።
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከም እንርእዮ፡ ”ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይአመኑን ነበሩ” እዩ ዝብል፡ (ዮሃ7.3)። ድሒርና ከም እንርድኦ ግና፡ ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንኬፋ፡ ነቶም 12 ከምኡ’ውን ካብ 500 ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት ክርኣዮም እንከሎ፡ ከምኡ ኸኣ ንያእቆብ ሓው’ውን ተራእይዎ እዩ፡ (1ቈረ15.7)። ኣብ ግብረ ሃዋርያት ከም እነንብቦ ኸኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤ፡ እቶም ኣሕዋት ጐይታና ምስ ሃዋርያት ሓቢሮም ኵሉ ሳዕ ይጽልዩ ምንባሮም እዩ፡ ”እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን፡ ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ” እዩ ዝብል፡ (ግብ1.14)።
ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያትን ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያን ከም እንርእዮ፡ ያእቆብ ሓው ጐይታና፡ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስ ብሓባር ከም “ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን” ተጠቒሱ’ሎ፡ (ግብ 12; ግብ 15; ገላ 1-2)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዕዮ ወንጌል ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ያእቆብ ሓው ጐይታና እዩ፡ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፡ ዝመርሓ ዝነበረ። ንጉባኤ ኢየሩሳሌም ዝመርሐ’ውን ንሱ ነበረ (ግብ 15)። ቀዳሞት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፡ ንያእቆብ ክገልጽዎ ከለዉ፡ “ያእቆብ እቲ ጻድቕ” ብምባል እዮም ዝጠቕስዎ። ኤጲፋንዮስን ኣውሳብዮስን ከም ዝብልዎ፡ ያእቆብ፡ ከም ሲምሶን፡ ናዝራዊ ኣምላኽ ብምንባሩ፡ መላጸ ናብ ጸጕሩ፡ ዜስክር መስተ ድማ ናብ ኣፉ ኣየቕርበን።
መልእኽቲ ያእቆብ ነቶም ካብ 12 ነገደ እስራኤል እምነተ ክርስትና እተቐበሉ እሞ፡ ፋሕ ዝበሉ እተጻሕፈት እያ። ካብ ሓድሽ ኪዳን፡ ምስ “ኣንቀጸ ብጹኣን” ማለት ናይ ከረን ስብከት (ማቴ5-7) ካብ ብሉይ ኪዳን ድማ፡ ምስ መጽሓፍ ምሳሌ (ብፍላይ ምዕራፍ 1-9) ኣዝያ ከም እትመሳሰል፡ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብሩ። ኣብ ጉጅለ 1 ንትሕዝቶ ማቴዎስ 5-7 ምስ መልእኽቲ ያእቆብ ኣነጻጺርና ክንርእዮ፡ ሓሳብ ቀሪቡ’ሎ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ጸሓፊ መልእኽቲ ያእቆብ፡ መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህርዎ፡ ያእቆብ ሓው ጐይታና እዩ፡ (ማር 6፡3)። እዚ ያእቆብ እዚ፡ ቀንዲ መራሒ ናይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት፡ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15፡ ንጉባኤ ኢየሩሳሌም ዝመርሔን፡ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ ገላትያ 2፡9፡ "ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን” ተባሂሉ፡ ቅድሚ ሃዋርያት ጴጥሮስን ዮሃንስን ስሙ፡ ብቐዳምነት እተጠቕሰን እዩ።
መልእኽቲ ያእቆብ፡ ካብታ ማእከል ኣገልግሎትን ስልጣንን ዝኾነት ከተማ ኢየሩሳሌም ከም ዝተጻሕፈት ብብዙሓት ቅቡል እዩ። ያእቆብ፡ እቲ ጽኑዕ ኣይሁዳዊ ባህርያቱን ኣጸሓሕፋኡን፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረሉን፡ ንድኻታት ሓልዮት ዘለዎን ምዃኑ፡ ምስቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ፡ ናብራ ቀዳሞት ኣይሁድ-ክርስትያን ፍጹም ይሰማማዕ።
ያእቆብ፡ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ዓሊሙ ይጽሕፍ(ያእ1፡1)። እዚ ድማ፡ እታ መልእኽቲ፡ ነቶም ካብ እስራኤል ወጻኢ ኣብ መላእ ግዝኣት ሮማ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ክርስትን ከም ዝተጻሕፈት ይሕብር። እቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ኣመንቲ፡ ርኡይ ድኽነትን፡ ማሕበራዊ ጸቕጥን ከኡ ኸኣ ውሽጣዊ ግርጭታትን የጋጥሞም ብምንባሩ፡ ሃዋርያ ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ’ዚ ይጽሕፍ።
መልእኽቲ ያእቆብ፡ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ምዃናን፡ ኣብ ከባቢ 40–45 ዓ.ም. ዝተጻሕፈት ክትከውን ከኣ ከም እትኽእልን መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ይሰማምዑ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኣይሁድ ዘድሃበ ትሕዝቶኣን፡ እቲ ድሒሩ ዝመጸ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክትዓት ዘይምጥቃሱን ዝተመርኰሰ እዩ።
ዕላማ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ምኽሪ ንኣመንቲ፡ ነቲ ፈተና ዘጋጥሞም ዝነበረ ንምትብባዕን፡ ነቶም ኣብ ማሕበረሰቦም ዝርአ ንዝነበረ ፍሉይ ጸገማት ንምእራምን እዩ ዝሒፍዋ። ቀንዲ ዕላማኡ ጉስነት ኮይኑ፡ ከመይ ጌርካ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሓቂ ብዝዀነት እምነት ከም እትነብር ንምዝኽኻርን ንምምሃርን ዘተኮረ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ንብድሆታት ፈተና ከም ምንጪ ሓጐስ ምርኣይን ትዕግስቲ ከም ዝሃንጽን፡ (ያእቆብ 1፡2-4)፣ እምነት፡ ብሰናይ ግብሪ እንተዘይተሰለመት፡ ንርእሳ ምውትቲ ምዃና፡ (ያእቆብ 2፡14-26)፡ ምፍልላይን ኣድልዎን ክውገድ ከም ዝግባእ፡ (2፡1-13)፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስን ምዝመዛ ከቋርጽን ይግስጽ፡ (5፡1-6)።
መልእኽቲ ያእቆብ፡ ከም ክርስትያናዊት መምርሒ ጥበብ ኮይና’ውን ትሰርሕ፣ ምስቲ ናይ ጐይታ ስብከት ከረንን ኣብ ብሉይ ኪዳን ከኣ ምስ መጽሓፍ ምሳሌን ብዝመሳሰል፣ ምድራዊ ሃብቲ ሓላፊ ምዃኑ: ምቍጽጻር ዘረባ: ብመከራ ምዕጋስ: ከምኡ’ውን ብውጽኢታዊ መገዲ ንምጽላይ ግብራዊ: ጥበብ ኣምላኽ ትህብ።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
ያእቆብ ንርእሱ ብትሕትና “ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ባርያ” ኢሉ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ “ሓው ጐይታና” ተባሂሉ ዚፍለጥን (ማር 6፡3)፣ መራሒ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያንን ምንባሩ (ግብ 15፡13)፣ እዛ መለእኽቲ እዚኣ ድማ፡ ብኡኡ ከም እተጻሕፈትን ይእመን።
መልእኽቲ ያእቆብ ብዛዕባ እምነትን ንእምነትካ ብግብሪ ምንባርን ዝምልከት ግብራዊ ምኽሪ እናሃበት፣ ሓቀኛ እምነት ብተግባር ከም እትግለጽ ድማ አጕሊሓ ተብርህ። መልእኽቲ ያእቆብ፡ ብቛንቋ ግሪኽ (Koine Greek) ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ኰይና፡ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ዓሰርተው ክልተ ነገዳት እስራኤል፡(ያእ 1፡1)፣ ካብ 40-60 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ እዋን ተጻሒፋ ክትከውን ከም እትኽእል ይእመን። ዘይ ከምተን ካልኦት መልእኽታት፣ ጸገም ወይ ሕቶ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምፍታሕ ወይ ሰረተ እምነት (ዶክትሪን) ንምምሃር ዘይኰነስ፣ ብኣድማሳዊ መገድን፣ እቶም ተቐበልቲ ንእምነቶም ብግብሪ ከርእዩ ንምምካር ዝተጻሕፈት፡ ኣዝያ ግብራዊት መልእኽቲ ኢያ።
መልእኽቲ ያእቆብ፡ ብጽልዋ እቲ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዝጥቀስ (ማቴ 5-7) ምህሮ ጐይታናን፣ ብጽልዋ እተን ቀዳሞት 9 ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ምሳሌን ተደሪኻ እተጻሕፈት ትመስል። ያእቆብ፡ ብዛዕባ ኣብ እዋን ፈተናታት ክህሉ ዝግባእ ትዕግስቲ ብምጽሓፍ ይጅምር እሞ፣ ምእመናን ምስቲ እተማህርዎ ምህሮ ክርስትና ተሰማሚዖም ኪነብሩ ከም ዘለዎም ድማ የተባብዖም። ብተወሳኺ ብዛዕባ ልሳንካ ምእዳብ፡ ሃብትን ድኽነትን፡ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዓለምን ይዛረብ። ትዕቢት፡ ግብዝና፡ ኣድልዎ፡ ከምኡ’ውን ፍርድን ትምክሕትን ዝኣመሰለ፡ እተፈላለየ ሓጢኣት ድማ ይዅንን። ኣመንቲ፡ ብዓለማዊ ጥበብ ዘይኰነስ፡ ብኣምላኻዊ ጥበብን ብትሕትናን ክነብሩን ኣብ ኵሉ ዅነታት ክጽልዩን የተባብዕ። ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ እቶም ኣብ ካልኦት መልእኽታት ተደጋገምቲ ዝዀኑ ከም ሞት፣ ትንሳኤን ምጽኣትን ጐይታ ከምኡውን ብዛዕባ ብጸጋን ብእምነት ምድሓንን ውህበታት መንፈስ ቅዱስን ኣይጸሓፈን።
መልእኽቲ ያእቆብ፡ ኣንጻር እቲ «ጽድቂ ብእምነት» ምዃኑ ደጋጊሙ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዚዀነ ዝምጒቱ’ኳ ብዙሓት እንተለዉ፡ ያእቆብ ግና፡ ነቲ ብእምነት ዝረኸብናዮ ጽድቂ (justification) ብኸመይ ብተግባር ክንነብሮ ከም ዝግብኣና ብምጽሓፉን፣ (righteousness) እታ ፍረ ዘይብላ እምነት ምዉትቲ ምዃናን ከብርህ ስለ ዝደለየን ድኣ አረደአ እምበር፣ ኣንጻር እቲ ኻልእ መልእኽታት ጳውሎስ'ሲ ኣይጸሓፈን።
መልእኽቲ ያእቆብ ብሓፈሻ፡ ንክርስትና ብኸመይ ዝበለ ኵነት ክንነብሮ ከም ዝግብአና፣ ምስ ሰባትን አምላኽን ከኣ ከመይ ኢልና ብጥበብ ክንነብር ከም ዝግብኣናን አብነት እናሃበት እትምህር፡ ብልጽቲ መልእኽቲ ኢያ።