መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ3

ዝቐረቡ ሕቶታት

1. ዝምድና ትምኒት፡ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ትገልጾ፧
2. ጠንቂ ምስሓት እንታይ እዩ፧
3.  ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ፡ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
4.  ብቓል ሓቂ ወለደና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ጉጅለ  3 ዝመለስዎ

  1. ትምኒትን ሓጢኣትን ሞትን ዘለዎም ዝምድና ብኸመይ ትገልጾ፧

ትምኒት ማለት፡ ኣብ ልብና ዝሰላሰል፡ ዓሚቝ ድሌት፡ ናፍቖት ወይ ሃረርታ ማለት እዩ። ትምኒ ትንባዕሉ ኵሉ ጊዜ ጌጋ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ምስ ጽቡቕ ትምኒትና እዩ ፈጢሩና። ትምኒት ስጋን መንፈስን ተጻረርቲ ምዃኖም፡ ”ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስ’ውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ” ይብል (ገላ5.17)። ስጋዊ ትምኒት ብ ኣምላኽ ዘርሕቕን ሓጢኣት ንምግባር ዝዕድምን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ዓለማዊ ፍትወት ስጋ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” ይብል፡ (1 ዮሃ 2፥16)። ኣምላኽ’ውን ኣብ መወዳእታ እተን 10 ትእዛዛት፡ ”ሰበይቲ ብጻይካን፡ ንብረት ብጻይካን ኣይትመነ” በለ፡ (ዘጸ 20፡17)። በዚ ሕማቕ ስጋዊ ትምኒት ተደሪኽና፡ ንፍቓድ ኣምላኽን ትእዛዛቱን ብሓሳብና ብቓልና ወይ ብግብርና ክንጥሕሶ ከለና፡ ሓጢኣት ትፍጸም። ውጽኢት ሓጢኣት ድማ ሞት እዩ፡ (ሮሜ 6፣23-24)። ንግዚኡ ብስጋን መንፈስን ካብ ኣምላኽ ምፍላይ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ኣምላኽ ይቕረ ንኽብለልካ ብንስሓ እንተ ዘይተመሊስካ፥ ንዘልኣለም ካብ እግዚኣብሄር ትፍለ። ሃዋርያ ያእቆብ ድማ፡ ነዚ መንፈሳዊ ሰንሰለት ክገልጽ እዩ፡ ”ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ ንሞት ይወልዶ” ዝብለና (ያእ 1፥15)። ኣብ ውድቀት ኣዳምን ሄዋንን ”እታ ሰበይቲ ድማ ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባ’ውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሬኣ ወሲዳ በልዐት፡ ምስኣ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሃበቶ፡ ንሱ’ውን በልዔ፡ ይብለና (ዘፍጥረት 3፣6)። ሄዋን፡ ነታ ኦም ብምብሃጋ፡ ትምኒት ተወልደት፥ ወሲዳ ብምብልዓ ድማ ሓጢኣት ተፈጸመት፣ መንፈሳዊ ሞት ምስዓቡ ድማ ”እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ” ብምባል ይገልጸልና፡ (ዘፍ 3፣23)። 

2. ጠንቂ ምስሓት እንታይ እዩ፧

ኣብ ያእቆብ 1፡16 ”ኣቱፍ ፍቁራት ኣሕዋተይ ኣይትስሓቱ፡ ዝብል፡ ክፉእን ሰናይን ካበይ ከም ዝመጽእ ብንጹር ንኽፈልጡ እዩ። ኣብ ያእቆብ 1፡14፡ “ሰብ ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን» ብምባል፡ ኣምላኽ ብሕማቕ ከም ዘይፍትን፡ ሰብ ግና ብድኻሙ ክፍተን ከሎ፡ ኣምላኽ ዝፈተኖ ይመስሎ።

ጠንቂ ምስሓት ብዙሕ እዩ፡ ንኣብነት፣-

ሀ. ንትምኒትካን ስጋዊ ስምዒትካን ተገዚእካ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕ፣ ሰብ ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዝፍተን፡ (ያእ 1፥14)

ለ. ካብ ሓሰውቲ ነብያትን መምህራንን ዝመጽእ ግጉይ ትምህርቲ ምእማን። እዚ ኵነት እዚ፡ ንቓል ኣምላኽ ብምጥምዛዝ ንሰባት የስሕት። ”ከምቲ ሰይጣን መልኣኽ ብርሃን ዘምስል፡ እቶም ሃዋርያት ሓሶት ከኣ፡ ንሃዋርያት ክርስቶስ የምስሉ፡ (2 ቈረ 11፥13-15)።

ሐ. ፍትወት ዓለም፣ ምድራዊ ሃብቲ ምድላይ ንመንፈሳዊ ኣዒንትካ ሸፊኑ ከም እትስሕት ይገብር። ያእቆብ ኣብ 4ይ ምዕራፉ "ፍቕሪ ንዓለምሲ፡ ንኣምላኽ ጽልኢ እዩ” ይብል፡ (ያእቆብ 4:4)። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ፡  «ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን" ይብል፡ (1ይ ዮሃ 2፡15)።

መ. ጽልዋ ሰይጣን፥  ሰይጣን ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን እዩ (የሃንስ 8፥44)፥ ሰባት ንወንጌል ከየስተውዕልዎ ኸኣ ሓሶት ክዝርግሕ፡ ሰባት ክጠራጠሩን ክጠራጠሩን ካብ ኣምላኽ ክርሕቁን ብንጥፈት ይሰርሕ። ሃዋርያ ጳውሎስ ”ብርሃን ወንጌል ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ" ይብል (2ይ ቈረ 4፥4)።   

ረ. ንቃል ኣምላኽ ሸለል ምባልን ዘይምእዛዝን፥ ሰብ ሰሚዑ ዘይገብሮ እንተዀይኑ፥ ንነፍሱ የታልል፡ ( ያቆብ 1፥22)።

ሰ . ትምክሕትን ነብኻ ምልዓልን፥ ስሕተት የምጽእ፥  ጐይታ ንመልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያ፡ "ሃብታም እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ  የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ" በሎ (ራእይ 3፥17)።

ሸ. ግጉይ ርድኢት ናይ ፈተናታት፥ ሰብ ብድኻሙን ድሌታቱን ምስ ዝፍተን፥ ኣምላኽ ብሕማቕ ከም ዝፍትን ጌሩ ይርድኦን ይወቕሶን  እሞ፡ ሽዑ ይጠራጠርን ይስሕትን። እግዚኣብሄር ግና ምንጪ ዅሉ ጽቡቕን ምሉእን ውህበት እዩ፡ (ያቆ 1፥17)፥ ዘማራይ ዳዊት’ውን፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር" ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ፡ (መዝ 100፥5)።

3. ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኬብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣብ ያዕቆብ 1፡17 ንእግዚኣብሔር “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ዝብል፡ ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም፡ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይሓድገናን” ብዝብል ገሊጽዎ’ሎ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ዘይከምቶም ብርሃን ጸሓይን እቲ ብርሃና ዝስዕቦ ጽላሎትን ኣብ ምዓልቲ ዝለዋወጡን ዝንቀሳቐሱን፡ ባህሪኡ ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ። ብርሃን ጸሓይ ቦታ ክልውጥ ከሎ፣ እቲ ንሱ ዝፈጥሮ ጽላሎት ይቀያየር እዩ። እግዚኣብሄር ግና ከም ኣቦ ብርሃናት (ያእ1.17) ቀዋምን ዘይልወጥን እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ሚልክያስ 3.6፡ ”ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፡ ኣቱም ደቂ ያእቆብ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን” ይብል። ስለዚ ኸኣ፡ እዚ ባህርያቱን ተስፋታቱን መብጽዓታቱን ከ ምዘይቅየር ይገልጽ። ኣብ እብራውያን 13.8 ድማ፡ ”ኢየሱ ስክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን፡ ንሱ እዩ” ይብል። እዚ’ውን ነቲ ዘይልወጥ ባህርይ ኣምላኽ ብክርስቶስ ዘመልክት እዩ። ስለዚ፡ ንእግዚኣብሄር ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ዘይ ከምቶም ምስ ጊዜ ንኩነታትን ዝቀያየሩ ምንጪ ብርሃ ንዝን ኡፍጥረታት ይኹኑ ከምቶም ባህሪኦም ዝቕይሩ ሰባት፣ ኣምላኽ ግና እቲ ሰናይነቱ፡ ፍቕሩን እሙንነቱን ቀዋሚ እዩ። ንምግማቱ ዘየሸግር፡ ብምሉእ ልብኻ ዝእመን፡ ኣብ ቃሉ ወትሩ ጽኑዕ እዩ። ቃል ኣምላኽ’ውን ”እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ፡ ንውሉድ ልአዶ ይነብር፡” ይብለና፡ (መዝ 100፣5)።

4. እግዚኣብሄር ብቓል ሓቂ ወለደና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

“ብቓል ሓቂ ዝወለደና” ክብል ከሎ፡ ንሕና ነቲ ቃል ሓቂ፡ ማለት ንክርስቶስ ኣሚንና ክንስዕቦ ምስ እንውስን፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንገዛእ ርእሱ ውሉድ ከም ዝገብረና፡ ዝገልጽ እዩ። ክርስቶስ፡ ቃል እዩ፡ (ዮሃ 1፣1,1፣14 ራእይ 3፣7, 3፣14,19፣13)፡ ኣብ ካልእ ስፍራ ከም እንርእዮ ድማ፡ ክርስቶስ፡ ሓቂ’ውን እዩ፡ ( የሃ 1፣16-17, 14፣6 ራእይ 3፣14, 19፣11)። ስለዚ እምብኣር፡ ”ብቓል ሓቂ ዝወለደና”  ክብል ከሎ፡ ብሓሳባትን ትምህርትን ዘይኰነስ፡ በቲ እተገልጸ፡ እተራእየ፡ እተዳህሰሰ፡ ማለት ብምግላጽ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከም ዝወለደና ይገልጽ፡ (1ዮሃ1.1)። ብምህሮ ወንጌል ብምእማንና፡ ሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ሃበና። ጐይታ ንኒቆዲሞስ ”ካብ ላዕሊ ክትውለድ፡ ግድን እዩ ከም ዝበሎ፡ (ዮሃ3.7)፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ’ውን ”ብህያውን  ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ከም ብሓድሽ ተወለድኩም” በለ፡ (1ጴጥ 1፡22-23)። ”ብክርስቶስ ሓደሽቲ ፍጥረት ኢና፡ (2ቈረ5.17) ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ብቓሉን ብመንፈሱን፡ ውሉዱ ስለ ዝገበረና፣ ንሕና ናቱ ምዃንና ብግብሪ ከነንጸባርቖ ይግባእ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

1. ትምኒትን ሓጢኣትን ሞትን ዘለዎም ዝምድና ብኸመይ ትገልጾ፧

ዝምድናኤን ቅድሚ ምግላጽና፡ ትርጉም እተን ቃላት ክንርኢ

ትምኒት፡- ነገራት ምእንቲ ክፍጸሙልካ ወይ ክኾኑልካ እትደልዮ ባህጊ ኮይኑ፣ ነቲ ዘሎካ ዓሚቝ ስምዒት ዚገልጽ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ወይ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ’ውን ክኸውን ከኣ ይኽእል። እቲ ከም ፍቓድ ኣምላክ ዘይኮነ ትምኒት፡ ናብ ሞት የምርሕ፡ (ዮሃ 8፡44, 2ጴጥ 2፡10)።

ሓጢኣት፦ ካብ ፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ወጺእካ ዝፍጸም ግብሪ እዩ። ብዛዕባ እታ ኣብ ኤደን ገነት ዝነበረት ንኹሉ እተፍልጥ ኦም፡ ሄዋን ካብኣ ወሲዳ ቅድሚ ምብልዓ፡ ምኽሪ እቲ ተመን ሰሚዓ እያ እተመነየታ። «እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ» ይብለና (ዘፍጥረት 3:6)። 

ሞት፦ ዓስቢ ሓጢኣት ኰይኑ እተገልጸ ክስተት እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም፡ ”ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡” ዝብል ትእዛዝ ሃቦ፡ (ዘፍ 2:17)። እዛ ትእዛዝ እዚኣ ምስ ተጣሕሰት፡ ሞት ስዒቡ፡ (ሮሜ 6:22)። ስለዚ ትምኒት፡ ሓጢኣትን ሞትን፡ ሰለስተ ዘይፈላለያ ክስተታት ስለ ዝዀና፡ ሰብ፡ ነፍሱ ተቘጻጺሩ፡ ንትምኒት ስጋ ብምስዓር፡ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ተዘይተመሊሱ፡ ናብቲ ንትምኒት ስዒቡ ዝመጽእ፡ ኣብ ሓጢኣት እዩ ዝወድቕ፣ ሓጢኣት እንተተፈጺሙ ኸኣ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ኰይኑ ይግሃድ።

2. ጠንቂ ምስሓት እንታይ እዩ፧

ምስሓት ክንብል ከሎና፡ ካብ መገዲ ሓቂ ወጺእካ፡ ናብ ጸድፊ ከም ምውዳቕ እዩ። ጠንቂ ስሕተት ድማ ንእግዚኣብሄር ከም ዝግባእ ዘይምፍላጥ ዝስዕብ እዩ። ሰይጣን ንሄዋን ከም ኣምላኽ እትኾኑ ኢኹም ብምባል ብጠባሪ ሓሳብ ኣስሓታ፡ (ዘፍ 3፡1-13 1ቈረ 2፡8 ማቴ 22፡29)። ኣብ ትንቢት ሆሴእ 6፣3 ከምዚ ይብል፡ ”ንኣምላኽ ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ።” ስኣን ፍልጠት፡ ካብ ምስዓብ ንተርፍ፣ ብፍትወት ዓለምን ሓሶት ሰይጣንን ከኣ ብቐሊሉ ንስሕት።

ሰብ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ክፈልየሉ ዘኽእሎ ሕልና ተዋሂብዎ እዩ። ካልእ ጠንቂ ምስሓት ዝኾነና እምበኣር፡ ንሕልናና ዘይምምእዛዝና ወይ ነቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ዘይምስማዕናን እዩ።  ቃል ኣምላኽ’ውን «እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ መንፈስ ይጻረር እዩ” ይብል፡ (ሮሜ 8:6-7) ከምኡ’ውን «ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ» እዩ ዝብል፡ (ገላትያ 5:16)።

3. ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኬብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣብ ካልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘’ካብቲ ዘይልወጥ ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይሓደገና’’ ብምባል’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እግዚኣብሄር ዘይልወጥ ምዃኑ፡ ኣብ ትንቢት ሚልክያስ 3፡6 ይነግረና እዩ። ብርሃን ጸሓይ ይለዋወጥ እዩ፣ ጽላሎት’ውን ከምኡ። እቲ፡ ኣቦ ብርሃናት ተሰምዩ ዘሎ ኣምላኽ ግና፡ ኣይልወጥን ስለዚ ኸኣ እቲ ብርሃኑ፡ ጽቡቕን ቀጻልነት ዘለዎን እዩ።

4. እግዚኣብሄር ብቓል ሓቂ ወለደና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ከምቲ ኣብ 1ጴጥ 1፡23-25 ‘’ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ብጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም’’ ዝብል፡ ከምኡ’ውም ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ኤፈሶን፡ “ንስኻትኩም’ውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡ’ውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም” ዝብሎም፡ (ኤፌሶን 1፥13) ብቓል ሓቂ ወለደና ማለት፡ ከምቲ ጐይታና ኤየሱስ ንኒቆዲሞስ “ሰብ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 3፥3 ዝመለሰሉ፡ ማለት እዩ። ስጋ ዝለበሰ ኩሉ፡ ምድሓን ኣምላኽ ክለብስን ብቓል ሓቂ ክውለድን ዝኽእል፡ ተበጃውነት ጐይታና ኢየሱስ ኣሚኑ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስለ ሓጥያተይ ሞይቱ፣ ስለ ጽድቀይ ከኣ ተንሲኡ፣ ብምባል ምስ ዝኣምን እዩ።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

1. ዝምድና ትምኒት፡ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ትገልጾ፧

ከም መቐጸልታ እቲ ”ፈተና” ዝብል ተላዒሉ ዝጸንሐ ኣርእስቲ እዩ። ፈተና፡ ትምኒት የለዓዕል። ትምኒት ምስ ጠነሰት ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ኸኣ ንሞት ይወልዶ። ነዚ ኸኣ ሰለስተ መረዳእታ ጠቒስና፡ ተረዲእናዮ። ቅዱስ ዳዊት ብዝሙት ምስ ባትሴባ ክፍተን ከሎ (2ሳሙ 11)፡ ሰይቲ ጶጢፋር ብጕብዝና ዮሴፍ ክትፍተን ከላ፡ (ዘፍ 39) ከምኡ ኸኣ ሄዋን ብትርኢትን ጣዕምን እታ ኣይትብልዕዋ እተባህልዋ ኦም ክትፍተን ከላ (ዘፍ 3)፡ እቲ ፈተና ናብ ትምኒት፣ እቲ ትምኒት ናብ ሓጢኣት፣ እቲ ሓጢኣት ከኣ ናብ ሞት ከም ዘምርሐ፡ ተዘራሪብናሉ። ጐይታና ኢየሱስ ግና፡ ምስ ጠመየ፡ ብእንጌራ ተፈቲኑ ግናኸ ሰብ ብቓል ኣምላኽ ድማ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ጠቒሱ ነቲ ትምኒት ሰዓሮ።

2. ጠንቂ ምስሓት እንታይ እዩ፧

ምስሓት ማለት ምግጋይ፡ ዕላማኻ ዘይምውቃዕ፡ ካብ መስመርካ ምውጻእ ወዘተ ማለት ምዃኑ ጠቒስናዮ። ግጉይ ሓበሬታ፡ ግጉይ ፍልጠት፡ ሸለልትነት፡ ዘይምምእዛዝ፡ ኣብ ቦታኻ ዘይምጽናዕ፡ ኣብ ክንዲ ብሓቂ፡ ብስምዒት ምምራሕ፡ ወዘተ፡ እዚ ኹሉ ከም ጠንቂ ምስሓት ክንጠቐሶ ከም እንኽእል ተዘራሪብና። ሄዋን ንዝተዋህባ መጠንቀቕታ ጥሒሳ ብጠባሪ ሓበሬታ ሰሓተት። ቅዱስ ዳዊት ሰይቲ ሰብኣይ ምዃና እናፈለጠ፡ ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡ ብሓጢኣት ተፈንጠረ፡ ወዘተ።

3. ”ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ኬብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ዘልኣለማውነት፡ ቅኑዕነት፡ ዘይተለዋጥነት፡ ወዘተ ዘመልክት ባህርይ እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ዘልኣለማዊ እዩ፡ ኣብኡ ምልውዋጥ ዝብሃል የልቦን። እግዚኣብሄር፡ ብርሃን’ዩ፡ ኣብኡ ጸልማት ዝብልዎ ከቶ የልቦን፣ ”ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧ (ዘሁ 23.19)።

4. ”ብቓል ሓቂ ወለድና” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ቃል ሓቂ ካብ ጠቐሰ፡ ቃል ሓሶት’ውን ከም ዘሎ’ዩ ዝእንፍተልና። ንንሄዋን ዘኪርናያ፡ እግዚኣብሄር ዝሃባ ቃል ሓቂ እናሃለወ፡ ንሳ ግና ነቲ ሓቂ ዝመስል ግናኸ ቃል ሓሶት ተቐበለት እሞ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተባህለሎም ከኣ ሞት፡ ሞተት። እቲ ያእቆብ ”ቃል ሓቂ” ብምባል ጠቒስዎ ዘሎ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ”ህያውን ንዘልኣለም ዝነብርን” ብምባል ይጠቕሶ፡ ”ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም” ድማ ይብል (1ጴጥ1.22)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ2