ንጽጽር ምህሮ ጐይታናን መልእኽቲ ያእቆብን
ማርቲን ሉተር፡ ኣብ ዓመተ 1522 ብቛንቋ ጀርመን ኣብ ዝጸሓፎ መቕድም ሓድሽ ኪዳን፡ ንመልእኽቲ ያእቆብ፡ “መልእኽቲ ሓሰር” ቢሉ ሰመያ። St. James’ Epistle is really an epistle of straw, for it has nothing of the nature of the Gospel about it. “መልእኽቲ ቅዱስ ያእቆብ፡ ዝኾነ ባህርይ ወንጌል ኣብኣ ዘይርከብ ስለ ዝዀነ፡ ብሓቂ መልእኽቲ ሓሰር እያ፡” ከም ዝበለን፡ ኣብ ዓመተ 1537 ዳግም ኣብ ዝተሓትመ መቕድም ሓድሽ ኪዳን ግና፡ እቲ “መልእኽቲ ሓሰር” ዝብል ሓሳብ፡ ሓያሎ ነቐፌታን ትንተናታትን ስለ ዘለዓዓለ፡ ከም ዝተኣልየ፡ https://www.thegospelcoalition.org/ እተሰምየ መርበብ ይሕብር።
ያእቆብ ነቲ ከሕልፎ ዝደለየ መልእኽቲ፡ ከም ማርቴሎ ንመስማር፡ ስምር፡ ስምር፡ ስምር’ዩ ዘብሎ። “ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” ድማ ይብል፡ (ያእ1፡22)።
ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። “ወንጌልን ኣጸናንዓኡን፡” ዝብል ብሕብረት ኦተቤ ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ “ክርስቲያናዊ ናብራ” ዝብል ምዕራፍ 3 ንምሃር ኣለና። ወትሩ ሓሙስ ምሸት ከኣ “መልእኽቲ ያእቆብ” ነጽንዕ ኣለና። “ክርስቲያናዊ ናብራ” ነቲ “ኣንቀጸ ብጹኣን” ወይ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7 ንዘሎ ግብራዊ ናብራ ክርስትና ዝድህስስ ትምህርቲ እዩ። መልእኽቲ ያእቆብ ድማ ምስ ኣንቀጸ ብጹኣን ኣዝዩ ከም ዝመሳሰል፡ ነቒሕናሉ። እቲ እተኻፈልናዮ በረኸት እንሆ ኣብዚ ጠዊቕኩም ንበብዎ