መጽናዕቲ መልእኽቲ ያዕቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቁ. 4
ንጉጅለታት 3-4 ዝቐረቡ ሕቶታት
ብጹእ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ኣምልኾ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ ክብሃል ከሎ፡ ከመይ ማለት’ዩ ትብል፧
ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው፡ ክብሃል ከሎ፡ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ፧
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
4. ብጹእ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧
ብጹእ ማለት፣ ክቡር፡ ምስጉን፡ ምሩቕ፡ ብሩኽ፡ ቅዱስ፡ ጻድቕን ዕዉትን ማለት እዩ። አብ መዝ 1፣1 ብምኽሪ ረሲአን ዘይመላለስ አብ መንገዲ ሐጥአን ክአ ዘይቀውም፣ አብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዚአብሄር ደአ ዝፍሳህ፣ ነቲ ሕጉ’ውን ለይትን መዓልትን ዝመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” ይብል። ወሲኹ’ውን አብቲ ብዓንቀጸ ብጹኣን ዝፍለጥ ማቴ. 5 ዘሎ፣ ምእንቲ ጽድቂ፣ ዝጠምዩ፣ ዝስደዱ፣ ዝሰእኑ፣ ዝግፍዑ ብጹኣን እዮም ይብል። አብ መዝ. 119.1 ከኣ ”ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም” ይብለና። አብ ወንጌል ሉቃስ’ውን፡ ”ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም በለ” ይብል። ካብዚ ብምብጋስ እምበአር፡ ብጹእ ማለት፣ ንቃል አምላኽ ዝሰምዕ፣ ዝእዘዝን ዝሕልዎን ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል (ሉቃ.11፣28)።
5. ኣምልኾ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
አምልኾ ማለት፣ ንሓደ ነገር ርእስኻ ምግዛእ፣ ምምላኽ፣ መእዛዝ፣ ምውፋይ፣ ምፍቃር፡ ዘሎካ ምሃብ፡ ህይወትካ’ውን ክሳዕ ምሃብ፡ ማለት ኢዩ (ሉቃስ 16 – 13)። ቅድሚ ሙሴ አብ ዝነበረ አምልኾ፣ አቦና አብርሃም፣ መሰውኢ ሰሪሑ መስዋእቲ የቕርብ ነበረ (ዘፍ.12፣7-8)። ካብ ሙሴ ክሳዕ ክርስቶስ፣ ብሕግን ስርዓትን አብ ድንካን ምርኻብ፣ ድሕሪኡ ክአ አብ ቤት መቅደስ ብካህናት ዚምራሕ፣ ብመዝሙር፣ ንባብን ጽሎትን አምልኾ ይፍጸም ነበረ። አብ እምልኾ ክርስትና ውን ከሙኡ፣ ብስብከት፣ ቅዳሴ (ግብ.ሃ 20፣7) ምንባብ ቃል አምላኽ፣ ጸሎትን መዝሙርን (ያዕ 1፣22፣ 1ጢሞ 2፣8 ኤፌ. 5፣18-19) ብካልእን ይፍጸም። ብሓፈሻ አምልኾ ንእግዚአብሄር አምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፣ ብኹልንትናኻ ምፍቃርን ፍቃዱ ምግባርን (ማር. 12፣30-31፣ ማቴ 7 ፣21) ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃርን እዩ። እቲ ሐቅኛ አምልኾ ካብ ልቢ ዝፈልፈለ እምበር ብቦታን ግዜን ዝውሰን አይኮነን። ዮሃ (4፣20-24)። ስለዚ አምልኾ ክበሃል ከሎ፣ ንአምላኽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ንኻልእ ነገር ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ንአብነት፣ ንጣኦት፣ ንገንዘብ፣ ...ወዘተ።
6. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ ከመይ እዩ ትብል፧
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ ኢዩ(1ይ ተሰ. 4.3-7)። እዚ ማለት ሂወትካን አነባብራኻን ካብቶም ካልኦት አህዛብ ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዘለዎ የረድእ። ከምቲ እዚኣቶምሲ እምበር ናይ ክርስቶስ ኢዮም ተባሂሉ ዝተመስከሩሎም፣ ከሙኡ ውን አካይዳኻን ኩለንትናካን ንክርስቶስ ብምምሳል ካብ ርኽሰት ትሕሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ውን ከምዚ ኢሉ አሎ። ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም፣ ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ አብ ቅድሚ እግዚአብሄር ክትመላለስ ከለኻ፣ ብጥንቃቐን፣ ርዝነትን፣ ፍርሃት አምላኽን፣ ብምድራዊ ዘይኮነስ ብሰማያዊ ጥበብ፣ ንእምነትካ ድማ ዝያዳ ብፍቕርን ግብርን ከተሰንዮ ከለኻ፡ አብ ቅድሚ አምላኽ ቅቡልን ንጹህን ይኸውን። ካብ ኩሉ ድማ ንልብኻ ምሕላው፡ አብ 2ይ ዜና እቶም ዘመርቲ ክዝምሩ ምስ ተዳለዉ፣ ከካበየናይ ዓሌት ምዃኖም ከይረኣዩስ ልቦም ቀዲሶም ነበሩ ይብለና። እዚ ዘረዳአና ድማ ንልባትና ካብ ክፉእ ዘበለ ክንሕልዎ ክንጋደል ከም ዘለና የረድእ። ከምዚ ዝኣመሰለ አካይዳ ድማ አብ ቅድሚ አቦ ንጹህ አምልኾ ክንብሎ ንከእል።
7. ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው፡ ብኸመይ ኢኻ ትርድኦ፧
እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ (ቲቶስ 2፣12-13)። ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን (2ይጴጥሮስ 2 – 20)። ስለዚ መሊስና ብእኡ ተጠሊፍና መታን ከይንወድቅ ብጸሎትን ብቓል አምላኽን ገጽ እግዚአብሄር እናደለና ብመንፈስ ኽንመላለስ ይግብአና። አቦና ዳዊት እብ መዝሙሩ ከምዚ ኢሉ አሎ፣ (መዝ 119፣57) ጐይታየ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ በልኩ። አብ ቆሎሴ 2፣20-22፣ እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። አብ ቆለሴ ውን ከምዚ ኢሉ አሎ፣ ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ (ቆሎ.3፣8/10)። ስለዚ ብኸምዚ ህይወትና ካብታ ርኽስቲ ዓለም እናሓለና ክንነብር ዝተጸዋዕና።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
4. ብጹእ ማለት፡ ብጸጋ ኣምላኽ ብምንባርን ቃሉ ብምእዛዝን እንረኽቦ ሓቀኛ ሓጎስን ጽቡቕ ህይወትን ይገልጽ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽድቂ ኣምላኽ ተመላሊስና ንረክቦ ዘልኣለማዊ መንፈሳዊ ዓወት እዩ። ሮሜ 4፣6,8 ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ/ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። ያእቆብ 1፣12 ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ (ያቆብ 1፣12)፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ምሉእ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር ሰማዒ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ፣ በለ (ያእቆብ 1፣25)። ጐይታ’ውን ንደቂ መዛሙርቲ ዮሃንስ «ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ»፣ በሎም። (ማቴ 11፣6)። ስለዚ ብጹእ ምዃን ማለት፡ ንኣምላኽ ብምእዛዝካ ካብ እግዚእብሄር ተዋሂብካ እተስተማቕሮ በረኸት፣ ጽድቅን ሞገስን ሓይልን፣ ሓቀኛ መንፈሳዊ ዓወትን ማለት እዩ።
5. ኣምልኾ ብልብኻ፡ ቃላትካ፡ ተግባርካ፡ ህይወትካ ንኣምላኽ ጥራይ ምኽባር ማለት እዩ። ግዜ፣ ቦታ ዘይግድቦ፣ ንኣምላኽ ስለቲ ዕቤቱ፣ ኩሉ ዝኽእል ብምዃኑ ኣሚንና፡ ብፍርሃትን ኣኽብሮትን ፍቕርን ብውሽጥካ ኩሉ ፍቓድካ ንዕኡ ምርካብ እዩ። ንኽብሩ ብመዝሙርን ውዳሴን (መዝሙር 95፡1–2፣ ኤፌሶን 5፡19)፣ ጸሎትን ምስጋናን (ፊሊጲ 4፡6፤ እብራውያን 13፡15)፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምምብርካኽን ኣእዳውካ ምልዓልን (መዝሙር ዳዊት 95፡6፤ መዝሙር 63፡4)፡ ንኻልኦት ምሃብን ምግልጋልን (ምሳሌ 3፡9፤ እብራውያን 13፡16)፡ ንኣምላኽ ብቕድስና ምምእዛዝ (1ሳሙ 15፡22፣ ሮሜ 12፡1)፣ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብምግባር (1ቆሮ 10፡31)፣ ንስርዓትን ባህልን ኢልካ ብከናፍርካ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብልቢ ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ምምእዛዝን ምስጋድን (ዮሃ 4፡23-24, ኢሳ 29፡13, ማቴ 15፡8-9)፡ ብቕንዕና፣ ምሕረት፣ ፍትሒ፣ ብትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምምልላስ (ሚክ 6፡8፣ ያእቆብ 1፡27)። ኣምልኾ ብውልቅን ሕብረትን፣ ንሓድሕድካ ብምግልጋልን ውን ይፍጸም እዩ።
6 . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ንጹህን መንቅብ ዘይብሉን ኣምልኾ፣ ንባህርያትካ ብቕድስና ፍቕርኻ ድማ ብግብሪ ምንባር ማለት ንዘኽታማትን መበለታትን ምሕጋዝ፣ ንእሱራት ምብጻሕ እዩ። (ያእቆብ 1፡27)። ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ኣምልኾ እዚ ነቲ ፈቃርን ምሕረት ዝመልኦን ልቢ ኣምላኽ (ኢሳ 1፡17፤ ሚክያስ 6፡8)፡ ቅድስናኡን ፍጽምናኡን (ሮሜ 12፡1፤ 1ጴጥሮስ 1፡15፤ ማቴ 5፡48)፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሓቀኛ ኣምልኾ (ዮሃ 4፡23-24) ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ። ስለዚ እዩ ቃል ኣምላክ፣ “ንዝተሸገረ ሓው ዘይድንግጽ ፍቕሪ ኣምላኽ የብሉን (1ዮሃ 3:17)፣ ነቶም ናቱ ምናዳ ንስድራቤቱ ዘይሓሊ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ እዩ” ዝብለና (1ጢሞ 5፡8)።
7. ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፡ ከመይ እዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብኣንጻሩ፡ ዘይንጹህን ርኹስን ኣምልኾ ምህላውን እዩ ዘመልክት። ንቕድም ኽልቲኡ ንርኣዮ፦
ሀ. ንጹህ ኣምልኾ፡ ግዳማዊ ርህራሄ ኣለዎ። "ዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጭንቀቶም ምሕብሓብ" እዚ ብፍቕራዊ ተግባር ዝግለጽ ኣምልኾ ይውክል። ግብራዊ፡ ብዘይ ርእሰ ፍትወት፡ ናብቶም ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሰብ ዝቐንዐ ዝገልጽ እምነት እዩ። ንኣብነታት፤ · ንግዳም ሓደራት ብፍቕሪ ምሕጋዝን ምኽባርን፡ ስድራ ንዘይብሎም ቈልዑ ምእላይ።· ንብቝጠባ ዝተሸገራ መበለታት ገንዘባውን ሞራላውን ድጋፍ ምግባር፣ ስድራ ንዘይብሎም ሕሙማትን ኣረጋውያንን ምብጻሕ፣ ፍትሒ ንዝሰኣኑን ንውጹዓትን ብሓልዮት ምጉስጓስ ወዘተ።
ለ. ርኹስ ኣምልኾ፦ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዘይብሉ ንኹሉ ሸለል ዝብል። ዘረባ እምበር ተግባር ዘይብሉ ኣምልኾ፥ መንፈሳዊ ቃላት ይጥቀም እምበር፥ ንእምነት ናብ ዝጭበጥ ፍቕሪ ዘየርኢ እዩ። ኣብነታት ርኹስ ኣምልኾ፣ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ድኽነት ሸለል እናበልካ፡ ንሓደ ህንጻ ንምምዕራግን ንምሕዳስን ሚልዮናት ወጻኢታት ምግባር። ንሓደ ዝተጸገመ ሰብ ክትሕግዞ እናኸኣልካ፥ ክጽልየልካ እየ ኢልካ ብምፍናው ዘይምሕጋዙ ምምራጽ። ኣብ ስነ-መለኮታዊ ክትዓትን ትምህርታዊ ንጽህናን ምትኳር፡ ንኻልኦት ብትሪ ምቅዋም እምበር፡ ንዝሳቐዩ ሰባት ዘይምግዳስ ወዘተ። ጐይታ ንፈሪሳውያን "ብሕጊ ዕሽር ይወስዱ፥ ግናኸ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ሕጊ ማለት ፍትሕን ምሕረትን እምነትን ሸለል ምባሎም፥ “ግቡዛት” ብምባል ነቐፎም፡ (ማቴ 23፡23)።
2. ንጹህ ኣምልኾ፡ ውሽጣዊ ንጽህና እዩ። "ብዓለም ከይተበከልካ ንነብስኻ ምክልኻል" እዚ ብውልቃዊ ቅድስና ዝግለጽ ኣምልኾ እዩ። ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ባህሊ ሓጢኣታዊ ክብርታትን ቅዲታትን ተፈልዩ ኣብ እምነት ዝቅጽል እዩ። ኣብነታት ንጹህ ኣምልኾ፤ ኣብ ንግዲ ምትላል ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ቅንዕና ምምራጽ። ጾታዊ ርክብ ከም ብሕጊ ዓለም ፍቑድ ኣብ ዝዀነሉ ባህሊ፥ ጾታዊ ጽሬትን ተኣማንነትን ምህላው። ኣብዛ ብነፍሰ ፍትወትን ስስዐን ዝተዋሕጠት ዓለም፥ ትሕትናን ዕግበትን መንፈስ ምዕባይ። ሕሜታ፡ ጸለመ፡ ብልሽው ዘረባ ምንጻግ።
ብኣንጻሩ ርኹስ ኣምልኾ፡ መንፈሳውነት ተባሂሉ ዝተሸፈነ ዓለማዊነት እዩ። እዚ ንእግዚኣብሔር ኢልካ ብሓቂ ኣብ ክንዲ ምልዋጥ ምስ ናይ ዓለም ክብርታት እትሰማማዕ ኣምልኾ እያ። እምነት ንውልቃዊ ረብሓ፡ ክብሪ፡ ወይ ንሓጢኣታዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ንምምኽናይ ትጥቀመሉ። ኣብነታት ርኹስ ኣምልኾ፤ ንእምነት ምስ ንዋታዊ ሃብትን ዓወትን ኣትኣሳሲርካ ከም ዓለም ክትህብትም ምድላይ" መራሒ ቤተክርስትያን ከለካ፥ ፖለቲካዊ ስልጣንን ጽልዋን ከም ቀዳማይ ዕላማ ምድላይ። ኣብ ሜድያ ዝግበር ክትዓት፡ ንክርስትያን ንክትጣበቕ፥ ዓለማውን ከፋፋልን መርገጺ ሒዝካ፡ ብቝጥዐን ንዕቀትን ምዝራብ። ሃይማኖት ተጠቒምካ፡ ብትዕቢት ከምቲ ሌዋዊ ንሳምራዊ ወዲቑ ዝፈንፈኖ፣ ንጽልእን ምግላልን ምትብባዕ። ነዚ ክልቲኡ ብምጥሓስ’ውን። ከምቲ ፈሪሳዊ ዝጸውምን ዕሽር ዝህብን፣ ግናኸ ጸሎቱ ግና ርህራሄ ስለ ዝጐደሎ፣ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ኰይኑ ዝጽሊ ዝነበረ ኣካቢ ቀረጽ፡ ብንዕቀት ዝምልከት እዩ፡ (ሉቃ 18፡9-14)። ስለዚ ንጹህ ኣምልኾ፡ ንኣምላኽ ዝኸውን ልቢ ውሽጣዊ ንጽህና፥ ብልቢ ንሰባት ግዳማዊ ርህራሄ ምህላው ይግለጽ።
7. ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው ማለት፡ ብቕድስና ንእግዚኣብሄር ተኣዚዝካ ምንባር፣ ካብ ሰባት ከይተነጸልካ፣ ዓለማዊ ትምኒት ተቓዊምካ፣ ካብ ሓጢኣተኛ ቅዲ ናይዛ ዓለም ልብኻን ህይወትካን ምሕላው (1ዮሃ 2፡15–17)፣ ብምሕዳስ ሓሳብካ ምልዋጥ (ሮሜ 12፡2)፣ ብኹልንትናካ ቅዱስ ምዃን(1ጴጥ 1፡15–16)፣ ልብኻ ምጽራይ (ማቴ 5፡8)፣ በቲ ውሉድ ኣምላኽ ጌሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዓወት ዝህበካ ክርስቶስ ብእምነት ምምልላስ (1ዮሃ 5፡4) ማለት እዩ።
ንጉጅለታት 1-2 ዝቐረቡ ሕቶታት
1. እግዚኣብሄር ክልተ ኣእዛን ሓደ ከኣ ኣፍ ገይሩ ኪፈጥረና ምኽኣሉ ብመንጽር “ምስማዕ” ን“ምዝራብን” ክንሓስብ ከሎና እቲ ዕላማኡ ንምንታይ ይኸውን ትብል፧
2. ስለምንታይ እዩ ሰብ ግዳይ ሰይጣን ዜዳለዎ ርኽሰትን ክፍኣትን ዚኸውን፧
3. ዓስቢ ናይ እቶም ንቓል ኣምላኽ ብኽልተ ኣእዛኖም ዚሰምዕዎ ግን ከኣ ዘይእዘዝዎ (ዘይገብርዎ) እንታይ እዩ ትብል፧
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
እግዚኣብሄር ክልተ ኣእዛንን ሓደ ከኣ ኣፍን ገይሩ ኪፈጥረና ምኽኣሉ፡ ብመንጽር “ምስማዕ” ን “ምዝራብን” ዓሊሙ’ዩ ዘብለና፡ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣይነግረናን እዩ። ልሳን ግና ንእሽቶ ክንሳስ ግናኸ ከምቲ ቍልዒ ሓዊ ባርዕ ከልዕል ዝኽእል፡ ልሳን’ውን ከምኡ ብዙሕ ከተበላሹን ከተዕኑን ከም እትኽእል፡ ሃዋርያ ያእቆብ ጽሒፉ’ሎ (ያእ3.5)። ብዝሒ ዘረባ ኣብ ዘሎዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣበሳ ኣይሰኣኖን እዩ እሞ፡ ካብ ምዝራብሲ፡ ጽን ምባል ይበልጽ። ጽን ኣብ እንብለሉ ህሞት፡ ብዙሕ ከነስተውዕል ስለ እንኽእል፡ እቲ ጽን ምባልና፡ ብዙሕ ንኸይንዛረብ ይሕግዘና እዩ። ኣብ መዝሙር 62.11 ኸኣ ”ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ” ይብል። ስለዚ’ዩ ቅዱስ ያእቆብ ከኣ፡ ነፍስ ወከፍና ንምስማዕ ቅልጡፋት ክንከውን፡ እዚ ማለት ከኣ ብጥንቃቐን ጽን ብምባልን ክንሰምዕ ከም ዝግብኣና፡ ዝምህር። ኣብቲ ብዝሕን ዋሕድን ክፍለ ኣካላት ዘይኰነ ግና፡ ኣብቲ ኣቓልቦን ኣድህቦን ከነድህብ ከም ዘለና ክንርዳእ ኸኣ ኣገዳሲ’ዩ። ልቢ፡ ሓንቲ’ያ፣ ሓንቲ ልቢ ስለ ዘላትና ኢና እንዕሹ ክንብል ግና ኣይከኣለናን እዩ።
2. ስለምንታይ እዩ ሰብ፡ ግዳይ ናይቲ ሰይጣን ዜዳለዎ ርኽሰትን ክፍኣትን ዚኸውን፧
ሃዋርያ ያእቆብ ”ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ብምባል ጽሒፉ’ሎ፡ (ያእ1.25)። ሰብ፡ ግዳይ ናይቲ ሰይጣን ዘዳለዎ መፈንጥራ ዝኸውን እምበኣር፡ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ሕጊ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ከፊላዊ ኣጠማምታ ስለ ዝህልዎ፡ ኣብቲ ቃል ስለ ዘይጸንዕ፡ ንመልእኽቲ እቲ ቃል ስለ ዝርስዕ ወዘተ እዩ። ነቲ ቃል ብግርህነት እንተተቐበሎን ኣብ ግብሪ እንተኣውዓሎን ግና፡ እታ ነፍሱ ብረድኤትን ሓለዋን ኣምላኽ፡ ከም ዑፍ ካብ መፈንጥራ ሃዳናይ ኣምሊጣ ብህይወት ትነብር።
3. ዓስቢ ናይ እቶም ንቓል ኣምላኽ ብኽልተ ኣእዛኖም ዚሰምዕዎ ግን ከኣ ዘይእዘዝዎ (ዘይገብርዎ) እንታይ እዩ ትብል፧
ዘይምእዛዝ ማለት፡ ምሕጣእ ማለት’ዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ድማ ሞት ምዃኑ፡ ሃዋርያ ያእቆብ ኣቐዲሙ፡ ”ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ” ብምባል ጽሒፉ’ዩ፡ (ያእ1.15)። ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን፡ ከም እንርእዮ ድማ፡ ”ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ እንተወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶምስለ ዚሰቕልዎ፡ ብግህዶ’ውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ” ይብል (እብ6.4-6)። ኣብ ትንቢት ኤርምያስ’ውን ”ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም” በለ፡ (ኤር 5.25)። እምበኣርከስ፡ እቶም ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ዘይእዘዝዎ፡ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 7 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝስርት እሞ፡ ፈተና ምስ መጸ ከኣ ብኸቢድ ኣወዳድቓ ዝወድቕ፡ ብእኡ ክንምስሎም ንኽእል ኢና።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1. ኣምላኽ ክልተ ኣእዛንን ሓደ ኣፍን ዝሃበና፡ ካብቲ እንዛረቦ ንላዕሊ ንኽንሰምዕ ዘሎና ኣገዳስነት ንምምልካት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ'ዚ ብተደጋጋሚ የጕልሖ። ያእቆብ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ... ኩኑ" (ያእቆብ 1:19) ኢሉ ይምዕደና። መጽሓፍ ምሳሌ ድማ "ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ" (ምሳሌ 18:13) ብምባል የጠንቅቕ። እዚ ድማ ቅድሚ ዂሉ ቃል ኣምላኽ ብትሕትና ንምስማዕ፡ ንሓድሕድና ድማ ብፍቕሪ ንምስምማዕ ከም ዝተዋህበና የረድኣና። ከምቲ ነብያት ዝመስከርዎ፡ ህዝቢ እስራኤል መብዛሕትኡ ግዜ "እዝኒ ከለዎም ዘይሰምዑ" ምንባሮም የርኢ (ኤርምያስ 5:21, ዘካርያስ 7:11)። እዚ ድማ ናብ ትሪ ልብን ካብ ኣምላኽ ምርሓቕን መሪሕዎም። እምነት ካብ ምስማዕ እዩ፦ ጳውሎስ "እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕ ድማ ብቓል ክርስቶስ እዩ" (ሮሜ 10:17) ይብል። ስለዚ፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ኣእዛንና፡ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዜብጽሕ ቃል ወንጌል እንቕበለሉ ቀንዲ መገዲ እዩ። እቲ ብስጋዊ እዝንና እንሰምዖ ቃል፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዚትርጎምን ኣብ ልብና ምስ ዚሰርጽን እዩ ህያው ዚኸውን። ኢየሱስ "መንፈስ ቅዱስ... ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም እዩ" (ዮሃ 14:26) በለ። ስለዚ፡ ሓቀኛ ምስማዕ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ምትሕብባር እዩ። *ጐይታና ኢየሱስ እውን ፍጹም ኣብነት ምስማዕና እዩ፦ ጐይታና ኢየሱስ፡ ኵሉ ምድራዊ ህይወቱ ነቲ ካብ ኣቦኡ ዝሰምዖ ብምእዛዝ እዩ ኣሕሊፍዎ (ዮሃ 5:19)። ንሱ ፍጹም ኣብነት ናይቲ ቅድሚ ምዝራብናን ምግባርናን ድምጺ ኣምላኽ እንታይ ይብለኒ ኣሎ ኢልና ጽን ምባል እዩ።
እምበኣር፡ ኣምላኽ ክልተ ኣእዛን ዝሃበና፡ ንብዙሕ ምዝራብ ከነወግድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እኳ ደኣ ነቲ ብቓል ክርስቶስ ዚመጽእ እምነት ክንቅበል፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ጽን ክንብል፡ ከምኡ'ውን ንኣብነት ጐይታና የሱስ ክንስዕብ እዩ።
2. ስለምንታይ እዩ ሰብ ግዳይ ሰይጣን ዚኸውን፧
ሰብ ግዳይ ሰይጣን ዚኸውን፡ ነቲ "ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃል" (ያእቆብ 1:21) ብምስማዕ ጥራይ ስለ ዚተርፍ እምበር፡ ስለ ዘየስተውዕሎን ስለ ዘይገብሮን እዩ። ከምቲ የሱስ ኣብ ምስላ ዘራኢ ዝገለጾ፡ እቲ ፍረ ዚፈሪ፡ ነቲ "ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ" እዩ (ማቴ 13:23)። እቲ ዘስተውዕል ሰብ ጥራይ እዩ ነቲ ቓል ተቐቢሉ ዚእዘዞን ካብ ርኽሰትን ክፍኣትን ዚሕሎን። እዚ ዘይምስትውዓል'ዚ እዩ ንሄዋን ንትእዛዝ ኣምላኽ ገዲፋ ንፍሕሶ ሰይጣን ጽን ክትብል ዝደረኻን፡ ሳዕቤኑ ድማ ውድቀት ኰነ (ዘፍጥረት 3:4-6)
*መንነትካ ዘይምፍላጥ፡ ከም ኣመንቲ ሓድሽ ኪዳን ቀንዲ ሽግር ናይ ኣመንቲ እዚዩ፥ ዘይምፍላጥ መንነትናን ዘይምጥቃም መንፈሳዊ ኣጽዋርናን። ዘይምፍላጥ ሓድሽ መንነትና ኣብ ክርስቶስ፦ ኣማኒ፡ "ካብ ስልጣን ጸልማት" ከም እተናገፈን ናብ "መንግስቲ ፍቁር ወዱ" ከም ዝተሰጋገረን ዘይምፍላጡ፡ ንሓሶት ሰይጣን ቦታ ይህቦ (ቈሎሴ 1:13)። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣማኒ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን፡ ግናኸ ብዘይ ፍልጠትና፡ ከምቲ ገና ኣብ ትሕቲኡ ዘሎና ጌርና ንነብር።እዚ እቲ ዞዓበየ ጸገም ኢዩ። ሰብ ንመንነቱ እንተፈሊጡ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ናብራ’ዩ ዝነብር!!!
*ዓወት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዘይምስትውዓል፦ ውግእና፡ ዓወት ንምምዝጋብ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ክርስቶስ ዝተዓወቶ ዓወት ተበጊስና እንገብሮ እዩ። ኢየሱስ "ንድያብሎስ ብሞቱ ሰዐሮ" (ዕብ 2:14)፡ "ኣጽዋሩ ገፊፉ ድማ ኣሕፈሮ" (ቈሎሴ 2:15)። ነዚ ዝተፈጸመ ዓወት ብእምነት ናባና ኣሜን ምስ ዝኸውን፡ ሓይሊ ሰይጣን ይዳኸም።
*ኣጽዋር ኣምላኽ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዘይምልባስ፦"ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ" ክንለብስ ተኣዚዝና ኣሎና ኤፌ6፥11። እዚ ኣጽዋር'ዚ ብፍላይ ድማ "ሰይፊ መንፈስ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ" ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ዘይኰነስ፡ ብእምነትን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዚስራሕ።
ስለዚ፡ ሰብ ግዳይ ሰይጣን ዚኸውን፡ ቃለ-ኣምላኽ ስለ ዘየስተውዕል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ ሓድሽ መንነትን ስልጣንን ስለ ዘይፈልጥ፡ ንዓወት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ናቱ ገይሩ ስለ ዘየስተውዓሎን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኣጽዋር ኣምላኽ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብንቕሓት ስለ ዘይጥቀመሉን እዩ።
3. ዓስቢ እቶም ሰሚዖም ዘይእዘዙ
ዓስቢ ዘይምእዛዝ ካብቲ ዝኸፍአ ናብቲ ዝኸፍአ እዩ ዚወስድ። ንኣምላኽ ዘይምስማዕ ካብኡ ይፈልየና (ኢሳ 59:2)፡ ኣብ ህይወትና ድማ በረኸቱ የስእነና። ከምቲ ኣብርሃም ብምእዛዙ "ብዘርእኻ ኵሎም ኣህዛብ ኪባረኹ እዮም" ዝብል ዓስቢ ዝተቐበለ (ዘፍ 22:18)፡ እቶም ዘይእዘዙ ግና ኣብ ትሕቲ "ቁጥዓ ኣምላኽ" እዮም ዚወድቁ። ኣብ መወዳእታ፡ "ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ" (ሮሜ6፥23)።