መጽናዕቲ መልእኽቲ ያዕቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ5
ንጉጅለታት 1ን 2ን ዝቐረቡ ሕቶታት
1. ስለምንታይ እዩ ያእቆብ ኣድልዎ ንኸይንገብር ዝነግረና፧
2. እግዚኣብሄር ንሃብታምን ንድኻን ብኸመይ እዩ ዝርእዮም፧ (ብመንጽር እቲ ዘለዎም ምድራዊ ትሕዝቶ ማለት እዩ)።
3. ክፉእ ሓሳብን ኣድልዎን ብኸመይ ተዛምዶ፧
4. ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1: ስለምንታይ እዩ ያእቆብ ኣድልዎ ንኸይንገብር ዝነግረና፧
ኣድልዎ ማለት ዘይቅኑዕ ፍርዲ ምሃብ ማለት እዩ። ያእቆብ ኣድልዎ ከይንገብር ዝነገረና ድማ፡ ኣድልዎ መገዲ ውድቀት ስለ ዝዀነ እዩ። ጐይታ ንዕኡ ክንመስል እዩ ዝደልየና፣ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝነግረና ኸኣ፡ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የብሉን እዩ ዝብል (ሮሜ 2፡11)። ኣብ ያእ 2:1 ውን ‘’ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።’’ ይብለና። ኣድልዎ ኣይትግበሩ ክብል ከሎ ከኣ ያእቆብ ንኹሉ ሰብ ብሓደ ብዘይ ምፍልላይ ከምቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ዝሞተ ከም ኣመንቲ ድማ ንኹሉ ሰብ ብዘይኣፈላላይ ምርኣይ ይግባእ። ኣብ ምዕራፍ 2 ውን ያእቆብ ንኻልእ ሰብ ምፍራድ ምስ እምነትና ዘይቃዶን እዩ ብምባል ካብቲ ኣድልዎ ምርኣይ ሓጢኣት ክቑጠቡ የጠንቅቕ።
2: እግዚኣብሄር ንሃብታምን ንድኻን ብኸመይ እዩ ዝርእዮም፧ (ብመንጽር እቲ ዘለዎም ምድራዊ ትሕዝቶ ማለት እዩ)።
እግዚኣብሄር ንኹሉ ፍጥረቱን ብማዕረን ብዘይ ኣድልዎን እዩ ዝርእዮም። ነዚ ዝገልጸና ሓሳብ ድማ፡ ኣብ ዮሃ 3፡16 ”ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ፡ ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” እዩ ዝብለና። ኣብዚ መልእኽቲ ከም እንርእዮ፡ ኩሉ፡ ማለት ሃብታም፡ ድኻ ከይፈላለየ ብማዕረ ንምድሓን ዘብቅዕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ኸኣ ሃብታም ይኹን ድኻ፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ሓደ እዩ።
3: ክፉእ ሓሳብን ኣድልዎን ብኸመይ ተዛምዶ፧
ምንጪ ክፉእ ሓሳብ፡ ሰይጣን እዩ። ኣድልዎ ድማ ውጽኢት ናይቲ ክፉእ ሓሳብ እዩ። ኣድልዎ ካብ ክፉእ ግብሪ ዝመጽእ ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣት እዩ፣ ያእ 2፡9 እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።
4: ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ፧
ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወተሉ ምኽንያት፡ እቶም ተበዲሎም ዝነበሩ ግናኸ ዝምሕሩ ዘበሉ፡ ሓለፋ እቲ ዝመሓርዎ ምሕረት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሕረት ስለ ዝረኽቡ እዩ። ኣብ ያእ 2፡13 ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ እዩ ዝብሎም። በንጻሩ ኸኣ ምሕረት ንምግባር እንዳ ኸኣሎስ ግናኸ ዘይምሕር ድማ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ምዃኑ ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ ይነግረና። ያእ 2፡13 ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዘይብሉ ፍርዲ ኪኾኖ እዩ ዝብለና። ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ፡ (ማቴ 7፡1-2)።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ስለምንታይ እዩ ያእቆብ ኣድልዎ ንኸይንገብር ዝነግረና፧
ኣብ መጽሓፍ እዮብ 34፡19 ኤሊሁ፡ ከምዚ በለ ”ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓትት ርእዩ ኣየድሉን፡ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።” ስለዚ ድማ ያእቆብ ”ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሓዙ” ብምባል ጸሓፈ (ያእ2.1)።
እቲ ”ንጉሳዊ ሕጊ” ብምባል ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ ተገሊጹ ዘሎ፡ እቲ ”ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝብል ትእዛዝ’ዩ። ብጻየይ ከ መን’ዩ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክምልስ ከሎ፡ ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ እዩ ዝጠቅስ (ሉቃ10.25-37)። ፍቕሪ፡ መደምደምታ ሕጊ ስለ ዝዀነት፡ ብዘሎ ኦሪትን ነብያትን ከኣ ኣብቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮን ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮን ዝብል ትእዛዝ ተጠቕሊሉ ምህላዉ፡ ጐይታ ነጊሩና’ሎ። ማቴዎስ 22.40፡ ”ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” በለ። እግዚኣብሄር ገጽ ርእዩ ኣየዳሉን እዩ። እቶም ናቱ ዝበልና ኸኣ ኣድልዎ ክንገብር ኣይግብኣናን። ስለዚ’ዩ ያእቆብ፡ እምነት ብዘይ ኣድልዎ ሓዙ” ብምባል ጽሒፉ ዘሎ (ያእ2.1)።
2. እግዚኣብሄር ንሃብታምን ንድኻን ብከመይ እዩ ዝርእዮም፧ (ብመንጽር እቲ ዘለዎም ምድራዊ ትሕዝቶ ማለት እዩ)።
ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ይትረፍ ብሃብትን ድኽነትንሲ፡ ብዓሌትን ሕብርን’ውን ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። ኣብ 1ነገ 8 ከም እንርእዮ፡ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ንጉስ ሰሎሞን ተቐበለ፡ ”እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውኤ”። ኣብ ወንጌል ማርቆስ 12.41-44 ከም እንርእዮ ድማ ”ብዙሓት ሃብታማት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ኵሎም ዝበዝሕ ከም ዘውደቐት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣ ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም” ዝብል ከኣ ንነብብ።
3. ክፉእ ሓሳብን ኣድልዎን ብኸመይ ተዛምዶ፧
ኣድልዎ፡ ብስዕራረ ወገንነት ቄናን ሚዛንን ተደሪኹ፡ ”እከለ ካብ እከል ይሓይሽ” ብምባል ዝፈርድ’ዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ስእነት ፍቕሪ ዝውለድ ምዃኑ ከነስተብህል ንኽእል። ስለዚ ድማ፡ ኣድልዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ኰይኑ ይርከብ። ሃዋርያ ያእቆብ፡ ነቶም ድኻን ሃብታምን ቢሎም ዝፈላልዩ ንምግናሕ፡ ”ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ዶ ኣይኰነን፧ ብኽፉእ ሓሳብ ዶ ኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ይብሎም (2.4)።
4. ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ
ፍርዲ የማነ-ጸጋም ዘይብሉ፡ ኵነኔ እዩ። ክቐንንን ትኽ ክብልን ከኣ ይኽእል። ምሕረት ግና እቲ ብሕጊ ዝግብኣ’ኳ ከይሓተተት፡ ”ይቕረ” እዚ ማለት ከኣ ”ይትረፍ” እትብል’ያ። ስለዚ’ዩ ሃዋርያ ያእቆብ፡ ”ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ” ዝብል (ያእ2.12-13)። ፍርዲ ክምካሕ እንተዀይኑ፡ እቲ ዝግብኣካ ስለ ዝህበካ’ዩ። ምሕረት ግና፡ እቲ ዘይግብኣካ ስለ እትህበካ፡ ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
ንጉጅለታት 3ን 4ን ዝቐረቡ ሕቶታት
1. ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ እንታይ እዩ ኣዳልይሎም ዘሎ፧
2 ብእምነት ሃብታም ምዃንን ብኣረኣእያ ዓለም ድኻ ምዃንን ብኸመይ ተተሓሕዞ፧
3. ስለምንታይ እዮም እቶም ሃብታማት ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዚጸርፍዎ፧
4. ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1. ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ እንታይ እዩ ኣዳልይሎም ዘሎ፧
ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ፣ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኪወርሱ ሓርይዎም፡ (ያእቆብ 2፣5, 2ጢሞ 4፣18)፣ ብምልኣት ምእታው ናብ ዘልኣለማዊ መንግስቲ ክርስቶስ ክውሃቦም እዩ፡ (2ጴጥ 1፣11)፣ ኣኽሊል ህይወት/ጽድቂ ተነቢሩሎም ኣሎ (ያእቆብ 1፣12, 2ጢሞ 4፣8)፣ ዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ርስቲ ተኣርኒብሎም ኣሎ (1 ጴጥ1፣3-4)፣ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ ነገር ኣዳሊሎም ኣሎ (1 ቆረ2፣9)። ኸምኡ’ውን ነቶም ዘፍቅርዎ ኣምላኽ የፍቅሮምን፣ ይርከበሎምን እዩ (ምሳሌ8፣17)፣ ኣምላኽ ቀረባኦም እዩ (ያእ 4፡8)፣ ጥበብ ብልግሲ ይህቦም (ያእ 1፡5)፣ ልዕል የብልሎም (ያእ4፡10)፣ ብዙሕ ጸጋ ይህቦም (ያእ 4፡7-8)፥ ኵሉ ንሰናዮም ይድግፎም (ሮሜ 8፣28)። ንዘፍቅርዎን ቃሉ ዝሕልውን ኣቦ የፍቅሮምን ማሕደር ይገብረምን (ዮሃ 14፡23)፣ ብዓብዩ ድማ "ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ" ኢሉ፣ ጐይታ ነም ዘፍቅርዎ ዘበሉ ኩሉ ግዜ ከም ዘፍቅሮም ቃል ኣቲሎም ኣሎ፡ (ዮሃ15፡9)።
2 ብእምነት ሃብታም ምዃንን ብኣረኣእያ ዓለም ድኻ ምዃንን ብኸመይ ተተሓሕዞ፧
ሀ. ብእምነት ሃብታም ምዃን፥ ኣብ ኣምላኽ ድልዱልን ህያውን እምነት ምህላው፥ ከቢድ ፈተናታት ምጽዋር፣ ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝን ኣብ መብጽዓታቱ ምምርኻስን እዩ። ሓቀኛ ሃብቲ ብገንዘብ ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሄር ብዘለና ርክብ ዝርከብ ሓጐስን ሰላምን እዩ ዝዕቀን። ያዕቆብ 2፡5 “ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧” ምባሉ፥ እግዚአብሔር ንድኻታት “ንስኻትኩም ብኣይ ሕሩያትን ክቡራትን፥ ብመንፈስ ሃብታማትን ኢኹም፣ ዓለም ከም ውሑድ ዘለኩም ክትርእየኩም ትኽእል እያ፣ ኣነ ግና ከም ወረስቲ መንግስተይ እየ ዝርእየኩም” ከም ዝብሎም ንርዳእ።
እምነት እቲ ዝበለጸ ሃብቲ እዩ ምኽንያቱ ናይ ዘልኣለም ህይወት እንወርሰሉ መገዲ ስለ ዝዀነ። ኣቦና ኣብርሃም፥ በቲ "ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ"፡ ዝበሎን ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎ’ውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖን ኣምላኽ፡ ስለ ዝኣመነ እዩ ብእምነት ሃብታምን ጻድቕን፥ ህያው ኣቦና ኮይኑ ዝነብርን ዘሎ፡ (ሮሜ 4፡13-24)። ብእምነት ሃብታም ምኻን፥ መዝገብካ ኣብ ሰማያት ብተኣዛዝነትካ፥ ልግስካ፥ ፍቕርካ ጌርካ ምኽዛን ማለት እዩ፡ (ማቴ 6፡19–21)።
ለ. ብዓይኒ ዓለም ድኻ ምዃን፥ ብመነባብሮ ትሑት ደረጃ፡ ዝርኤ ንብረት ወይ ኣብ ሰባት ጽልዋ ዘይብልካ ጌሮም ክርእዩኻ ከለው እዩ። ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ክብረትካ ብሃብትን ብሓይልን ብደጋዊ ዓወትን እያ እትዕቅኖ። ኣምላኽ ግን ንልቢ እዩ ዝርኢ (1ሳሙ 16፡7)።
ጐይታ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ "ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” በለ (ማቴዎስ 5:3)። ነቶም ብምድራዊ ድኽነት ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብ ጭቆና መግዛእቲ ሮማ ንምግልጋል ፍትሒ ክረክቡ ናብ ኣምላኽ ዘማዕድው ዝነበሩ፥ ሰማያዊት መንግስቲ ናትኩም እያ፥ ኢሉ ተስፋ ሃቦም። ምድራዊ ድኽነትና ኣምላኽ ከም ዘድልየና ብዕምቆት ዘፍልጠና እንተኾይኑ፥ ኣምላኽ ብትሑት ልብና ባህ ይብሎ ምዃኑ ንርዳእ።
ስለዚ ብእምነት ሃብታም ብኣረኣእያ ዓለም ድኻ ምዃን፥ ኣብዛ ግዝያዊ ዓለም ምስ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ክብርኻ ምንባር፥ ካብ ምድራዊ ሃብቲ ንጽድቂ ዋጋ ክትህብ ምምራጽ እዩ። ጐይታ "ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧" ኢሉ ምድራዊ ሃብቲ ሓቀኛ መንነትን ውሕስነትን ከም ዘይህብ ኣጠንቀቐ፡ (ማርቆስ 8:36)። እቲ ብእምነት ዝሃብተመ ሰብ ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ግን እቱ ኣዝዩ ዝዓበየ ነገር ማለት፥ ሰላም ኣምላኽ፡ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣምላኽ ብቐረባ ናይ ምምልላስ ሓጐስ ኣለዎ
3. ስለምንታይ እዮም እቶም ሃብታማት ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዚጸርፍዎ፧
እቶም ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዝጸርፉ ሃብታማት፥ ኣመንቲ ድዮም ኣይኮኑን ኢልና ተዘራሪብናሉ። ኣመንቲ እንተኾይኖም፥ ንድኻታት ብዝገብርዎ ኣትሓሕዛ ብግብሮም ከም ዝጸርፍዎ፥ ዘይኣመንቲ እተኾይኖም ድማ፥ ንእምነት እቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝግዝኡ ንምቍንጻብ፥ ብኣፎም ከም ዝጸርፍዎ ግምት ሂብና። ሃብታማት ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዝጸርፉ፥ እቲ ዝተዋህቦም ሃብቲ፥ ይኹን ካልእ ክእለት (Talent)፥ ኣምላኽ ንኽብሩ ንኽጥቀመሉ ዝሃቦ መክሊት ምዃኑ ብዘይ ምስትውዓሎምን ጽባሕ ንግሆ እግዚብሄር ከም ዝሓቶም ዘይምርዳእን ክኸውን ይኽእል፡ (ማቴ 25፥14-15፡፡ 1 ጴጥ 4፥10)። ምድራዊ ሃብቲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ከም ዝኸብዶምን ዘዔሽዎን ኣብ ማቴ 19፥23-24, ማርቆስ 4፥18-19, 1 ጢሞ 6፥9-10, ሉቃስ 12፥16-21 ወዘተ ይምህረና እዩ። ጐይታ "ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን።..." ኢሉ ማቴ 6፥24። ኣብ ምሳሌ 30፥8-9 ውን "ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፡ ከይብል፡... ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ...።" ከምኡ’ውን ኣብ ሆሴእ 13፥6 "ብመጠን መጓሰዪኦም ጸገቡ፣ ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፣ ስለዚ ረስዑኒ።" ብምባል ሃብቲ ናብ መንፈሳዊ ምኽሓድ፥ ትዕቢት፥ ንኣምላኽ ምርሳዕን ከውድቀካ ይኽእል። ሃብታማት ንምድራዊ ሃብቲ፡ ሓይልን ውሕስነትን ዝህቦም መሲልዎም፥ ልዕሊ ኣምላኽ ስለ ዘፍቅርዎ እዮም ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዝጸርፍዎ።
4. ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ፧
እግዚኣብሄር በቶም ንኻልኦት ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ባህ ይብሎ እዩ፡ (ያእቆብ 2፡13 “ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ፡ ከምኡ’ውን ግበሩ” ይብል። ጐይታውን “መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” በለ (ማቴ 5፡7)። ኣብ ክንዲ ፍርዲ ምሕረትን ርሕራሔን ምግባር፣ ንባህሪ ኣምላኽ የንጸባርቕ ምኽንያቱ ንሱ "እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።" (ዳዊት 103፥8)። ኣብ ሚክያስ 7፥18 ድማ "ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን" ይብል። ጐይታ ድማ “ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ” ኢሉ ቃል ኣትዩልና እዩ፡ (ሉቃ 6፡36-37)። ዝምሕር ምሕረት ዝረክብ፣ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝዀነ፥ መስፈሪ መፍረዲኡ፥ "ብዝፈረድናሉ ፍርዲ ይፈርደና (ማቴ 7፥1-2, 18፥21-35)፥ ምሕረት ተጌርና፥ ምሕረት ንረክብ (ማቴ 5፥7)
እግዚኣብሄር እንተ ፈረድና ይፈርደና፥ ምሕረት ተገበርና ድማ ምሕረት ይገብረልና። ምሕረት ድማ ንልቢ ኣምላኽ ስለ ተንጸባርቕ እያ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እትዕወት።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
1. ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ እንታይ እዩ ኣዳልይሎም ዘሎ፧
ብመሰረት ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስና፣ ያእ፣1፡12 ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ። 1ቆረ፣2,9 ውን ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል። ነቶም ዘፍቅርዎ ኣኽሊል ህይወትን ሰናይ ዘበለ ኩሉ ውን ኣብዛ ምድሪ ኣለዎም፣ ሮሚ፣8፡28, ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና።
ጳውሎስ ውን ንጢሜቴዎስ ብዛዕባ ገድሉ ክጽሕፈሉ ከሎ፣ 2ጢሜ4፡8 ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዘፍቅሩ ኩላቶም ድማ’ዩ ይብል።
2. ብእምነት ሃብታም ምዃንን ብኣረኣእያ ዓለም ድኻ ምዃንን ብኸመይ ተተሓሕዞ፧
ክልቲኦም ዝምድና ኣለዎም፣ ተስፋ፣ ትውክልቲ፣ ትሕትና፣
ሃብታም ብእምነት ተስፋኡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ድኻ ብዓለም ውን ዘለዎ ስለ ዘይብሉ ናብ ኣምላኽ እዩ ዝጥምት፣ ዕብ፣11 ኩሎም ናይ እምነት ኣቦታት ኢልዎም ዘሎ ነቲ ዘይርአ ርጉጽ ብምግባር ነቢሮም እዮም።
ትውክልቶም ኩሉ ግዜ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ድኻ ናይ ዕለት እንጌራ እዩ ዝልምን ንጽባሕ ኣይብልን፣ ሃብታም ብእምነት ውን ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ያዕቆብ እዩ፣ መዝ፣146፡5 ኣምላኽ ያዕቆብ ረዲኤቱ፣ ተስፋኡ ከኣ ኣብ እግዚኣብሔር እዩ።
ትሕትና/ትሑትነት፣ ክልቲኦም ህዱኣት እዮም፣ እቲ ሓሳብ ክርስቶስ ስለ ዘለዎ፣ እቲ ድኻ ከኣ ዘለዎ ስለ ዘይብሉ ትሕትናን ትሑትነትን ኣለዎም።
3. ስለምንታይ እዮም እቶም ሃብታማት ነቲ ክቡር ስም ክርስቶስ ዚጸርፍዎ፧
· ሉቃ፣16፡13-14ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ኣይክእልን እዩ...ንእምላኽን ንሰብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ነቲ ሓላፍን በራስን ሃብቲ ሒዞም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርቡ ግን ዕራቆም ስለ ዝኾኑ፣ 14, እቶም ሃብታማት ፈሪሳውያን እዚ ኩሉ እንዳ ሰምዑ የላግጹ ነበሩ።
· ካብ ነቲ ዘይሓላፊ ቃል ነቲ ሓላፊ ሒዞም ስለ ዘለዉ፣ እቲ ቃል ሓቂ ውን ስለ ዝረትዖም፣ ከምቲ ጎይታ ወይልኹም ኣብዛ ምድሪ ሕንቂቕኩም ዘለኩም ኢሉ ዝግስጾም።
4. ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ እትዕወት ብኸመይ እያ፧
· ማቴ፣5፡7 መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም፣ ካብ ፍርዲ ንላዕሊ ምሕረት ክንገብር ከለና፣
· ማቴ፡18፡21: ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧ በሎ።22: የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።
· ከም ጎይታና የሱስ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም ዝበለ እሞ ምሕረት ውን ዝተገብረልና፣ ይቕረ ዝብል ልቢ እዩ ነቲ ፍርዲ ዘህድኦ።
· ኤር፣3፡22 ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ንኹራ ደንጓይ ዝኾነ ኣምላኽና፣ ካብ ኩራኡ ምሕረቱ ስለ ዝዓዘዘ ካብ ፍርዱ ምሕረቱ ስለ ዝበዝሐ ኢና ዘለና፣ ስለዚ ምሕረት ከም ዝረኸብና መጠን ምሕረት ንህብ።