መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ6
ንጉጅለ ሓደን ክልተን ዝቐረቡ ሕቶታት
1. እምነት ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
2. ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡላት እንብሎም ሰባት፡ እቶም “እምነት ጥራይ” ዘለዎም ድዮም ወይሲ እቶም “ግብሪ ጥራይ” ዘለዎም ሰባት እዮም፧
3. ሰብ፡ "ኣምላኽ፡ ሓደ በይኑ ምዃኑ" ጥራይ ብምእማኑ፡ ዜውህቦ (ዚረኽቦ) ምድሓን ኣለዎ’ዶ ትብል፧
4. ንእምነትካ ምልኣት ዘውህቦ እንታይ እዩ፧
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
1. እምነት ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ፡ ከርእየና ደልዩ ዘሎ ትርጉም እምነት፡ እታ ብጐይታና ኢየሱስ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ እምነት፡ ኣድልዋ ዘይብላ፡ ኪንዮ ዘረባን ፈኸራን ሓሊፋ ድማ ብግብሪ እትንበርን ብግብሪ ኣቢላ ኸኣ ፍጻሜ እትረክብን ከም ዝዀነት እዩ። እምነት ከም ፍረ መንፈስ ኰይና ተገሊጻ’ላ (ገላ 5፡22)፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ድማ ምርዳእ ምዃና ኸኣ ኣብ እብራውያን 11.1 ተነጊሩና ኣሎ።
2. ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡላት እንብሎም ሰባት፡ እቶም “እምነት ጥራይ” ዘለዎም ድዮም ወይሲ እቶም “ግብሪ ጥራይ” ዘለዎም ሰባት እዮም፧
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ፡ ነጻ ምርጫ ዘሎዎ ጌሩ’ዩ ፈጢርዎ። እምነት-ኣልቦ ኰይኑ፡ ግብሪ ጥራይ ክገብር ዝፍትን ሰብ እንተሎ፡ ቃል ብቓሉ ኣብ ባርነት፡ ሓደው ኣብ መሪር መግዛእቲ እተቘርነ ሰብ ማለት’ዩ። ብኣንጻር እዚ፡ እምነት ኣሎኒ እናበልካን ከምኡ እናመሰለካን፡ ግናኸ እታ እምነትካ ኸኣ ብግብሪ ዘይትግሃድ እንተዀይና ድማ፡ ህያው ዘይኰነትሲ፡ ምውትቲ እምነት እያ እትህልወካ እሞ፡ እዛ እምነት እዚኣ ኸኣ ንኣምላኽ ከተስምር ኣይትኽእልን’ያ። እቶም ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡላት እንብሎም እምበኣር፡ እቶም ብምሉእ ልቦም፡ ንኣምላኽ ክስዕቡ ዝኣምኑን፡ ኣብ እምነት ከም ዘለዉ ዜርኢ ድማ፡ ብፍረ መንፈስ እተሰለሙን እዮም።
3. ሰብ፡ "ኣምላኽ፡ ሓደ በይኑ ምዃኑ" ጥራይ ብምእማኑ፡ ዜውህቦ (ዚረኽቦ) ምድሓን ኣለዎ’ዶ ትብል፧
ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ዝኣምኑ፡ ሰዓብቲ እምነተ እስልምና ኣለዉ፡ ሰዓብቲ እምነተ-ኣይሁድ’ውን ኣለዉ። ”ምድሓን” ብዝምልከት ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንኮ መገዲ ከም ዘላ እዩ ዝምህር። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን ደገ ድማ እታ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢላ እትርክብ እምነት እያ። ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ምእማን፡ ጽቡቕን ግቡእን እኳ እንተዀነ፡ ኣጋንንቲ’ውን ክገብርዎ ዝኽእሉ ምዃኖም ግና፡ ሃዋርያ ያእቆብ ጽሒፉ’ሎ። ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ምእማን፡ መሰረታዊ እምነተ-ክርስትና’ዩ። ”ግናኸ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ክትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ እታ እምነትካ፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ ዕርቂ ወዘተ፡ ተኣዝዞን፡ ፍረ መንፈስ ክትፈሪ ኸኣ እትኽእል ምዃና ግና ርግጸኛታት ክንከውን የድልየና።
4.ንእምነትካ ምልኣት ዘውህቦ እንታይ እዩ፧
ያእቆብ ብዛዕባ ምልኣት እምነት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እታ ህያውን ምውትን ክትከውን እትኽእል እምነት ይዛረብ ከም ዘሎ ኣስተብሂልና። ግብሪ ዘይብላ እምነት፡ ጐደሎ እምነት ዘይኰነትሲ፡ ምውትቲ እምነት እያ። ስለዚ እምብኣር፡ እቲ ንእምነትና ህያው ዝገብራ፡ ትርጉም ዜልብሳ፡ ህላውነታ ዘርእየና ወዘተ፡ እታ ኣላትና እንብላ እምነት፡ ገዛእ ርእሳ ብግብሪ ኣቢላ ምስ እትግለጽ ምዃኑ ተዘራሪብናሉ። እምነት ብባህሪኣ፡ ትውለድ፡ ትዓቢ፡ ከምኡ’ውን ፍረ ትፈሪ እያ። ከምቲ ሓደ ተኽሊ ንኽዓቢ ብርሃን ጸሓይ፡ ማይን ሓመድን ዘድልዮ፡ እታ ብቓል ኣምላኽ እትውለድ እምነትና ኸኣ፡ ብጸሎት፡ ብቓል ኣምላኽን ብሕብረት ኣሕዋትን፡ ብግብሪ ከም እትዓቢ ጠቒስናዮ።
ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ
1. እምነት ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
እምነት ማለት ከምቲ ኣብ እብራውያን ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ከኣ ምርዳእ እያ፡ (እብ 11:1)። ካብኡ ሕልፍ ብዝበለ፡ ያእቆብ ዝገለጾ ዘሎ እምነት፡ ኣጋንንቲ’ውን ከም ዝኣምኑን ከም ዝንቅጥቀጡን እዩ። ስለዚ እታ ዝገልጻ ዘሎ እምነት፡ ንእግዚኣብሄር ኣሚንካ እቲ ዝእዝዘካ ትእዛዝ ብምሉእ ልብኻ ንፍቓዱ፡ ከም ፍቓዱ ጌርካ ምፍጻም'ዩ። ኣብ ዓለምና ዝተፈላለየ እምነት ኣሎ፡ እቲ መዓልታዊ ናብራና እንነብሮ ግና፡ እቲ ውሽጥና ኣሚንናሉ ዘለና'ዩ።
2. ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡላት እንብሎም ሰባት፡ እቶም “እምነት ጥራይ” ዘለዎም ድዮም ወይሲ እቶም “ግብሪ ጥራይ” ዘለዎም ሰባት እዮም፧
እምነትን ግብርን ከም ሓንቲ ሳንቲም ናይ ክልተ ገጽ፡ ክፈላለያ ዘይኽእላ'የን፡ ሓንቲ ሳንቲም ፍርቂ ገጻ ላሕጺጽካ ነታ ፍርቂ ዝቕበለካ ኣይትረክብን። ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኣብ ወንጌል፡ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል” በለ፡ (ማቴዎስ 7:24)። እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ ነቲ ዝኣመንካዮ ኢኻ ኣብ ናብራኻ ብግብሪ እትነብሮ እሞ፡ እንታይ ትሰምዕ ኣለኻ ምፍላጥ፡ ኣገዳሲ'ዩ። እምበኣርከስ፡ ግብሪ፡ ውጽኢት እምነት እያ።
3. ሰብ፡ "ኣምላኽ፡ ሓደ በይኑ ምዃኑ" ጥራይ ብምእማኑ፡ ዜውህቦ (ዚረኽቦ) ምድሓን ኣለዎ’ዶ ትብል፧
ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ፡ ኣጋንንቲ’ውን ከምኡ ከም ዝኣምኑን ከም ዝንቅጥቀጡን ልዕል ኢልና ገሊጽናዮ ኢና። እዛ ምንቅጥቃጥ’ውን ከይተረፈ ዘሎዋ፡ “እምነት ጥራይ” ግና ከተድሕኖም ኣይከኣለትን። ካብ ክርስትና ወጻኢ ዘለዉ ኣብያተ እምነት’ውን፡ ኣምላኽ ከም ዘሎን ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ይኣምኑ እዮም። ይኹን ደኣ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 17፥3 “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ዝብል፡ ሰብ ክድሕን ብግዲ በቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝለኣኾ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን ኣለዎ።
ካብኡ ሕልፍ ብዝበለ’ውን ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ።ናይ ምድሓንና ግብሪ ካልእ ግብሪ ንምድሓን ምውሳኽ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና መንገዲ ምውጻእ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ( ገላትያ 2፥16) ገሊጽዎ ኣሎ።
4.ንእምነትካ ምልኣት ዘውህቦ እንታይ እዩ፧
ሓዋርያ ያእቆብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ከንቱ ምዃና ገሊጽዎ ኣሎ። ግብሪ ውጽኢት እምነት ምኻኑ’ውን ርኢና ኣለና። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ኣመንናዮ፡ ብግብርና ድማ ከም ፍቓዱ ኴንና ክንመላለስ ከለና፡ እታ እምነትና ምልኣት ትረክብ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመነ እሞ ጽድቂ ኮይኑ ተቖጽረሉ ዝበሎ፡ ኣብርሃም፡ ነቲ ሓደ ወዱ ክሳብ ምስዋእ ከም እትኣዘዘ ኢና እንምልከት። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 5:16፡ “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝብለና፡ ብናብራና ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ንዕኡ ባህ ዘብሎ ኣካይዳ ክህልወና ንሰባት’ውን ንምስክር ክንከውን፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ እዚ’ዩ።
ንጉጅለ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝቐረበ ሕቶታት
1. ያእቆብ ክንደይ ዓይነት እምነት እዩ ጠቒሱ ዘሎ፧
2. ኣቦና ኣብርሃም ብእምነት ድዩ ጸዲቑ ወይስ ብግብሪ፧
3. ስጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ምዃኑ ምስቲ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ብኸመይ መዛመድካዮ፧
4. ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ኪስመ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ኣለዎ ትብል፧
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1. ያእቆብ ክንደይ ዓይነት እምነት እዩ ጠቒሱ ዘሎ፧
ሃዋርያ ያእቆብ ሰለስተ ዓይነት እምነት ጠቒሱ’ሎ።
ሀ. ግብሪ ዘይብላ እምነት (ምውትቲ እምነት) (ያእቆብ 2፥14-17)፥ ሰብ እምነት ኣላትኒ ይብል፥ ፍቕርን ሓልዮትን ግና የብሉን። ንኣብነት ዝውሃብ ከለዎ ንዝጠመየ ዘይሕግዝ። እዛ ዓይነት እምነት እዚኣ ከተድሕኖ ኣይትኽእልን እያ፡ (ማቴ 7፥21, 1 ዮሃንስ 3፥17-18።)
ለ. ናይ ኣጋንንቲ እምነት፥ ኣምላኽ ምህላው ይኣምኑ ግን ኣይእዘዙን። ከምቲ ጐይታ "ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧" ዝበሎም (ሉቃስ 6፥46)።
ሐ. ህያው እምነት፥ እምነት ምስ ግብሪ፥ ንኣምላኽ ብምእዛዝን ፍቕርን እትፈርን ሓቀኛን እተድሕን እምነት እያ። ንኣብነት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ንመስዋእቲ ብእምነት ኣቕረበ፡ (ዘፍ 22)፥ ረሃብ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብእምነት ሓገዘት (እያሱ 2)። ህያውን ሓቀኛን እምነትን ብፍሪኣ ትፍለጥ፡ (ገላትያ 5፥6, እብራውያን 11፡ ዮሃንስ 15፥8)። እዛ ግብራዊት እምነት እዚኣ ከተድሕኖ ትኽእል እያ።
2. ኣቦና ኣብርሃም ብእምነት ድዩ ጸዲቑ ወይስ ብግብሪ፧
ጽድቂ እትብል ቃል ብእንግሊዝኛ righteousness (ያእቆብ 2፣23) ከምኡ’ውን justified (ያእቆብ 2፣24) ዝብላ ክልተ ትርጉም ወኪላ ኣላ። ንጽድቂ (righteousness) ኰይኑ ተቘጽረሉ ማለት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል፣ ቅኑዕ ኰይኑ ተረኽበ ማለት’ዩ። ሰብ ብግብሪ ከም ዝጸድቕ (justified) ማለት ድማ ብግብሪ ጌሩ እምነቱ ከም ዘመስክር፣ ዘረጋግጽ፣ ዜርኢ ማለት እዩ። ስለዚ ጽድቂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ቅኑዕ ወይ ቅቡል ምዃን፣ ከምኡ’ውን እምነት ሓደ ሰብ ሓቀኛ ምዃና ንምርግጋጽን ምርኣይን ንምግላጽ እያ ተጻሒፋትልና ዘላ።
ኣብርሃም ገና ይስሃቅ ወዱ ከይተወልደ ኸሎ’ዩ፡ ብእምነት ጸዲቑ ዝብለና፡ (ዘፍ 15፡6, ሮሜ 4፡2-3)። እታ እምነቱ ህያው ምንባራ ግና ብግብሩ ጌሩ ሓቀኛ ምዃና ኣርእዩን ኣረጋጊጹን፡(ዘፍ 22፡12, ያዕ 2፡22-23)። እምነትን ግብርን ኣይነጻጸላን እየን። እምነት ሱር እያ፤ ግብሪ ድማ እምነት ህያው ምዃና እተርኢ ፍረ እያ። ማለት እታ ዘይትርኤ እምነት ብግብሪ እያ እትርኤ፡ (ያእ 2፣18)። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብርሃም ብእምነት ጸደቐ፡ እታ እምነቱ፡ እተጽድቕ ምዃና’ውን ብግብሪ ኣርኣየ። እምነቱ ካብታ ምውትን፣ እምነት ኣጋንንትን ፍልይቲ ምዃና ንኣምላኽ ብምእዛዙ ተመስኪሩሉ።
3. ስጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ምዃኑ፡ ምስቲ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ብኸመይ መዛመድካዮ፧
ስጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ምዃኑ ክብል ከሎ፡ ንሓደ ሬሳ ድዩ ወይስ ነቲ ንኣምላኽ ብዘይምእማኑ ብመንፈሱ ምውት ዝዀነ እዩ፡ ዝብል ሕቶ ኣልዒልና ተዘራሪብናሉ። ርኡይ ፍልልይ ድማ ኔሩና። ስጋ፡ መንፈስ እንተዘይብሉ ህይወት ዘይብሉ ሬሳ እዩ። እምነት ድማ፡ ግብሪ እንተዘይብላ፡ ህይወት ዘይብላ ንጽድቂ’ውን ዘይትጠቅም ምውትቲ እምነት እያ። ሰብ ብመንፈሱ ምውት እንተዀይኑ’ውን፣ ንኣምላኽ ከይ ኣመኖ ህይወቱ እንተተወዲኡ፡ ዝጠቕሞ የብሉን፣ ብቓላትካ፡ እኣምን እየ ምባል’ውን ብንስሓ እንተዘይትዓሪኻ፡ ፋይዳ የብሉን።
ኣካላት ሰብ፡ ብቕርጹን ኣቃውማኡን ስሓቢ ክመስል ይኽእል’ዩ። እስትንፋስ ህይወት እንተዘይብሉ ግና፡ ስጋ ንበይኑ ዝጠቕሞ የብሉን። ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ፥ ንኣምላኽ እኣምን እየ እንተበለ፡ ቅኑዕ ክገብር ከም ዘለዎ እንተፈለጠ፥ ቤተ ቤተክርስትያን’ውን እንተተመላለሰ፥ መጽሓፍ ቅዱስ እንተንበበ፡ ግናኸ ንኣምላኽ ዘይእዘዝ፥ ዘየፍቅር፥ ዘይፈሪ እንተኾይኑ፥ ልክዕ ከምቲ መንፈስ ዘይብሉ ስጋ፡ እታ እምነቱ’ውን ምውትቲ እያ።
እምነትን መንፈስን ዝመሳሰልሉ ካልእ ድማ፡ ክልቲኦም ዘይርኣዩን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ዝርከቡን ምዃኖም እዩ። ስጋን ግብርን ግና ዝርኣዩ እዮም። ህያው ስጋ የስተንፍስን ይንቀሳቀስን፥ ምስ ካልኦት ሰባት ይዋሳእን። ህያው ግብሪ ድማ ብፍቕሪ፥ ምትሕግጋዝ፥ ለውሃት፥ ንኣምላኽ ባህ ብዘብል ህይወት ይግለጽ። ስለዚ መንፈስ ኣብ ሰብ ምህላዋ ብስጋ፣ እምነት ድማ ቅንዕቲ ምዃና ብግብሪ ርእሳ ትገልጽ።
4. ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ኪስመ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ኣለዎ ትብል፧
ሓደ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ከም ናይ ኣቦና ኣብርሃም ብህያው እምነት፡ ተኣዚዙ ምስ ኣምላኽ ክመላለስ ኣለዎ። ከምቲ ሓደ ሰብ ምስ ዝፈትዎ ዓርኩ ግዜ ዘሕልፍ፥ ምስ ኣምላኽ ንጸሎትን ቃሉ ንምስማዕን ግዜ ክህብ ኣለዎ (ኤርምያስ 33፥3, ያእቆብ 4፥8)። ውሑዳት ኣብነታት ንምጥቃስ፥
ሀ. ኣቦና ኣብርሃም ብእምነት ካብ ዓዱ ተሰዲዱ፥ ንይስሃቅ ወዱ’ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከተንስኦ ከም ዝኽእል ብምእማን፡ ክስውኣሉ ፍቓደኛ ኰነ” (ዘፍ 22፣12, እብ 11፡17-19, ያእቆብ 2፡23)።
ለ. ኣዕሩኽ ዳንኤል፡ ኣምላኽ ካብ ሓዊ ከድሕኖም ከም ዝኽእል ብምእማን፣ ንንጉስ "ንኣማልኽትኻ ኣይነገልግሎምን ኢና" ብምባል ኣበዩ፡ (ዳንኤል 3፡17-18)
ሐ. ዮሴፍ ብሰበይቲ ጐይታኡ ምስ ተፈተነ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በለ፡ (ዘፍጥረት 39፡9)።
መ. ዳዊት ንጎልያድ "ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ" ብምባል ስም ኣምላኽ ብእምነት ኣኽበረ። (1ሳሙ 17፡45)። ሓደ እዋን፡ ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ ድማ፡ "ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።" ከምኡውን "ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” በለ (ዳዊት 51፡4,10)። ልዕሊ ኹሉ ግና፡ ዳዊት፡ ኣምላኽ ከይኣዘዞ፡ ንኣምላኽ ቤት ክሰርሓሉ ደለየ፡ (2 ሳሙ 7፡1-2)።
ሰ. “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱ’ውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ” ስለ ዝብል፡ ብኸምዚ’ውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ምዃንና ከነርኢ ንኽእል፡ (ምሳ 19፡17)።
ረ. “ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” እውን ይብለና እዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ ብምፍጻም ከኣ ኣዕሩኹ ምዃንና ከነርኢ ንኽእል፡ (ዮሃ 15፡14)።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
1. ያእቆብ ክንደይ ዓይነት እምነት እዩ ጠቒሱ ዘሎ፧
ብመሰረት መልእኽቲ ያዕቆብ፣ እምነት አብ ሰለስተ ከፊሉ መረዳእታ ሂቡ አሎ።
እቲ ቀዳማይ፡ እምነት ዘለዎም ግብሪ ግና ዘይብሎም ተባሂሎም ተጠቒሶም አለው። ኣብነት፡ "ንስኻ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣለኻ፡ ኣጋንንቲ’ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም፡” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ እዚኦም ኣብ ድሕነት ዝበጽሑ ኣይኰኑን።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ግብሪ ዘለዎም ግና እምነት ዘይብሎም እዮም። እዚኦም ድማ፡ " ከምቲ ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ አይክኣልንዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ከም ዘሎን ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ከም ዝህቦምን፡ ክኣምን ይግብኦ እዩ፣ ዝተባህለ እዩ (እብ፣11፣6)። ስለዚ መጀመርያ እምነት ኢዩ ዝቕድም፣ ዳሓር ነታ ዝኣመንካያ ድማ ብግብርኻ ምስ እተሰንያ፡ ምልኡነት ትረክብ ማለትዩ።
እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ቅብልቲ እምነት ተባሂላ ዝተገልጸት እያ። ንሳ፡ እምነትን ግብርን ብሓደ አጣሚራ ትጐዓዝ። “እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ከም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራ’ውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ” ብምባል፣ እምነትን ግብርን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ከም ምዃነን የረድእ፡ (እብ. 11፣ ያእ፣ 2)።
2. ኣቦና ኣብርሃም ብእምነት ድዩ ጸዲቑ ወይስ ብግብሪ፧
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ፡ ብዛዕባ ኣብርሃም፡ "እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራ’ውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽ’ውን ተባህለ"፥ ይብል። ስለዚ ነቲ ዝኣመኖ ብግብሪ ስለ ዘርኣዮ፡ ዕዉት ኰይኑ። አቦና አብርሃም ጌና ካብ መጀመርታ ክጽዋዕ ከሎ፣ ነቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ቦታ፣ ብእምነት ሕራይ ኢሉ ተአዚዙ ከደ። ነቲ ድሕሪ ክንደይ ዓመት ዝረኸቦ ወዱ ድማ፣ ትእዛዝ አምላኽ ኰይንዎ፣ ንምስዋኡ ድሕር አይበለን፣ እዚ ድማ ንኣምላኽ ምምእዛዝ፣ ንእምነትካ ብግብሪ ምስናይ፡ ማዕረ ኽንደይ አገዳሲ ከም ዝዀነ ይምህረና። እዚ ግና ምስቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ዝጋጮ አይኰነን።
“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን” (ኤፌ. 2፣8)። ገለ ሰባት ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝጋጮ ክመስሎም ይኽእል ይኸውን እዩ። እዚ ግና፣ ከምቲ አቦና ያእቆብ ኢልዎ ዘሎ፣ ነቲ ዝጠመየ ሓው፣ ኪድ ጽገብ፣ ኪድ ሙቕ እንተበሎ፣ እዚዶ ክጠቕሞ ይኸእል እዩ፡ ዝበሎ፣ ነቲ እትኣምኖ ካብ ዘይትገብሮስ እንታይ ጥቕሚ አሎዎ፧! ካልኣይ አብ እምነትካ ምዕባይን ምውሳኽን ከም ዘድሊ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ አብ 2ይ ጴጥ. 1 ገሊጹ አሎ። አቡኡ እንተ ዘይዓቢናን እንተ ዘይተኾስኪስናን ግና፡ ምንድልሃጽ ከም ዘሎ ይነግረና (2ይ ጴጥ. 1)። ስለዚ አብርሃም ብእምነት ድዩ ጸዲቑ ብግብሪ ንዝብል ሕቶ፡ በታ ብግብሪ ጌራ ዝዓየየት እምነት እዩ ጸዲቑ፡ ዝብል እዩ መልስና።
3. ስጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ምዃኑ ምስቲ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ብኸመይ መዛመድካዮ፧
ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ኢዩ፡ እምነት ድማ ብዘይ ግብሪ ምዉትቲ ኢያ ዝብል ሓደ ኢዩ። ኣዳም ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህላ ምስ በለዐ፡ ብመንፈስ ሞተ፣ ማለት ካብ ኣምላኽ ተፈልየ። ስጋን መንፈስን ተፈላልየን ማለት’ዩ። ስለዚ እዚ ሞት እዚ፡ ምስቲ እምነት ብዘይ ግብሪ ምዉቲ ኢያ ዝብል ይመሳሰል ኢዩ። ዝምድና ስጋን መንፈስን ከምቲ እምነትን ግብርን ብሓደ ዝኸይድ ኢዩ። ነቲ ሓደ ሓሊና ነቲ ሓደ ሸለል እንተበልናዮ፡ ምሉእነት ከም ዘይብሉ ንርዳእ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ፡ “እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ"።” መንፈስና ወይ ስጋና ጥራይ ዘይምባሉ፣ ዝምድና ስጋን መንፈስን ማዕረ አገዳስነት ከም ዘለዎ’ዩ ዘርእየና። ቀጺሉ’ውን፣ እታ ዘይተመርዓወት ግና፣ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ ዝበሎ፣ ዝምድና ስጋን መንፈስን አዝዩ አገዳሲ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል።
4. ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ኪስመ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ኣለዎ ትብል፧
መጀመርያ፡ ዓርኪ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ክንርኢ። ዓርኪ ክኾነካ ወይ ክትኮኖ ንእትደሊ ሰብ፣ ንቕድም ትላለዮ፣ ትፈልጦ፣ ባህርያቱ ተጽንዖ፣ ዘሐጉሶን ዘየሕጉሶን ፈሊኻ ትፈልጦ። ብድሕሪኡ ዘሎ፡ ዓርክኻ ክኸውን ምስ ወሰንካ፡ ባህርያቱን ድልየታቱን ስለ እትፈልጥ፡ ከይተጉህዮ ወይ ከይትጎድኦ ኢኻ እትጽዕር። ምኽንያቱ ትፈትዎ ዓርክኻ ክሕጐሰልካ፡ አብ ጸገምካ ድማ መኻፍልትኻ ስለ ዝዀነ፡ ትሕልዎን ትከናኸኖን ደኣ’ምበር፡ ሕማቕ አይትገብሮን ኢኻ። “ዓርኪ አምላኽ” ክንብሃል ከኣ ልክዕ ከምኡ ዝበለ ዝምድናን ምፍላጥን ክህልወና ይግባእ። “ዓርኪ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዝተገልጸ ኣቦና ኣብርሃም እዩ። ንሱ ኸኣ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ስራሕ፡ ወይ በቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ምፍላጥ፣ ፍቕሪ፡ ታኣዛዝነት፡ ሕያውነት፡ እምነትን ግብርን ወዘተ ኢዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ሕጽር ብዝበለ፡ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ክስመ፡ ከም ናይ ኣብርሃምን ንዕኡ ዝኣመስሉ ቅዱሳንን ዝነበርዎ ህይወት ክነብር ይግብኦ እዩ።