መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 8

ንጉጅለታት 1ን 2ን ዝቐረቡ ሕቶታት

1.                 ባህርያት ናይ ኣስተውዓልን ለባምን ሰብ እንታይ እዮም፧

2.                 ትሕትና እንታይ ማለት እዩ፧ ዓስቢ’ኸ ኣለዎ ድዩ፧

3.                 ያእቆብ ንምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዚገልጻ፧

4.                 ክርስቲያን ክነሱ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧ ስለምንታይ፧

5.                 ያእቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝዀነት ማለት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ እዩ ዝገልጻ፧

6.                 ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ተሓሲሞም ንሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዚገብሩ፧

 ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ

  1.   ባህርያት ናይ አስተውዓልን ለባምን ሰብ እንታይ እዮም፧

ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ኣብ ፍቅዲ 13 ገሊጽዎ ከም ዘሎ “ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ” ዝብል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ’ውን ንጉስ ሰሎሙን፡ ”እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፡ (ምሳሌ 2፥6)። ስለዚ እምበኣር፡ ባህርይ እዚ ለባምን ኣስተውዓልን ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ እዩ፣  እዚ ዓይነት ኣማኒ ከኣ በቲ ኣብኡ ዘሎ ጸጋ፡ ብልቦና ተመሊኡ ብምስትውዓል  ኣብ ጉዳይ ግብራዊ ናብራ ብውሕሉል ኣገባብ፡ ኣዝዩ ዝሃብተመ ብተግባሩን ብዘረብኡን ንዓለም መኣዛ ክርስቶስ ዝኸውን እዩ፡(2ይ ቆሮ2፡15)።

2. ትሕትና እንታይ ማለት እዩ፧ ዓስቢ’ኸ ኣለዎ ድዩ፧

ጐይታና ኢየሱስ “ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” ዝበሎ፡ (ዮሃ 13፥14-15) እቲ ሓቀኛ ትሕትና ከምዚ እዩ። እቶም ንኣሽቱ ንዓቢ ሰብ ከምኡ ክገብሩ ንቡር እዩ፣ ስለዚ ትሕትና ማለት ካብ ዘለኻዮ ደረጃ፡ ውርድ ኢልካ፡ ብትሕትና ከተገልግል ከለኻ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣርኣያ ትሕትና እዩ። “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ” (ፊልጲ 2፥7) ትሕት ኣብ ምባል ዘሎ በረኸት፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ጸሎታ “ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንእተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም” ብምባል ጠቒሳቶ’ላ፡ (ሉቃ 1፥52)። ጐይታና ኢየሱስ ከኣ፡ ”ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ገለጸ፡ (ሉቃ 18:14)። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” (1ይጴጥ5፥6) እዚ ዓይነት ትሕትና ክኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ ዓስቢ ኣለዎ፡ ካብ ኣምላኽ ከኣ ጸጋን በረኸትን ይበዝሓልካ።

3.  ያእቆብ ነታ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዚገልጻ፧

 “ቕንእን ሻራን ዘለዋ፡  ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን እያ፡” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ (ያእ 3፥15-16)።

4.  ክርስቲያን ክነሱ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧ ስለምንታይ፧

ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ "ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ" ዝበሎ፡ (ገላ 2:20) ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ'ውን "እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይ’ውን ኣይትንክዮን እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና” ዝበሎ፡ (1ይ ዮሃ 5፣18)፡ እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ከምዚ ዝበለ፡ ካብታ ሰይጣናዊት ጥበብ ኽህልዎ ዝከኣል ቅዲ ህይወት ሒዙ ክመላለስ ይግብኦ። ክርስትያን ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዝሃለወ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመሃርናዮ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና፡ (ያእ 3፥2)። ምስሓት ማለት ድማ፡ ካብ ምኽሪ ኣምላኽ ወጺእካ፡ ኣብቲ ዘይተጸዋዕካሉ ዕላማ ክትረከብ ከለኻ ማለት’ዩ። ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ምስ ገለጸሎም “ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ” ዝብል፡ (ማቴ፣16፥22) ሽዑ፡ ጐይታና ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ”ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፥ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ” (ማቴ 16፥23) ስለዚ ሓደ ክርስትያን ኣብቲ ኩፉእ ምክሪ ድያብሎስ ክወድቕ ይኽእል’ዩ። ብንስሓ እንተተመልሰ ግና ዳግም ክትንስእ ይከኣሎ እዩ፡ (ምሳሌ 24:16)

5. ያእቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝዀነት ማለት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ እዩ ዝገልጻ፧

“እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ” (ያእ 3፥17) ብምባል እዩ፣ ዝገልጻ።

6. ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ተሓሲሞም ንሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዚገብሩ፧

ምኽንያቱ እቲ ሰማያዊ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ጥበብ ንኣመንቲ እዩ ዝመጽእ፡ ነዚ ምርጫ ምግባር ከኣ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ውሕስነት ዘልኣለማዊ ህይወት ፈሊጥካ ንዕኡ ምርጫ ምግባር ንዘልኣለም ኣብ ቤቱ የንብረካ። “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣ’ውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና” ስለ ዝብል (ፊልጲ 3፥20)፡ እታ ምድራዊት ጥበብ ሰይጣናዊት እያ፣ እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ካብ ኣምላኽ እያ፣ ስለዚ ምርጫና ንሰማያዊ ጥበብ ንገብር ሕብረትና ምስ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘልኣለማዊ ንክኸውን እዩ። "ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን" (መዝ 73፣25)።

ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ

1.       ባህርያት ናይቲ ኣስተውዓልን ለባምን ዝብሃል ሰብ እንታይ እዮም፧

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ዝመሃሮ፡ ለባምን ኣስተውዓልን ዝብሃል ሰብ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ሰሚዑ ዝገብሮ ማለት’ዩ። ንሱ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ለባም ሰብኣይ ይመስል። ብቓላት ሃዋርያ ያእቆብ ከኣ፡ ሰናይ ኣካይዳ ዘሎዎ፡ ለዋህ፡ ጥበበኛ፡ ሰብን እዝግን ዝምስክርዎ፡ ፍረ ዘሎዎ ማለት’ዩ። ባህርያት ናይ ኣስተዉዓልን ለባምን ሰብ እዞም ዝስዕቡ እዮም;

ሀ. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ። ምሳ 9:10

ለ. ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ። ገላ5:22-23

ሐ. ሰናይ ኣካይዳ ዘለዎ: ለዋህን ጥበበኛን እዪ። ያዕ 3:13

  2. ትሕትና እንታይ ማለት እዩ፧ ዓስቢ’ኸ ኣለዎ ድዩ፧

ትርጉም ትሕትና ብንጹር ንምርዳእ፡ ንትርጉም እቲ ኣንጻሩ ዝዀነ ትዕቢት ክንዝክር ንኽእል ኢና። ትሕትና ማለት ኣርኣያ ጐይታና ኢየሱስ ተኸቲልካ ብተኣዝዞን ብፍቕርን ምንባር ማለት’ዩ። መንነትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣለሊኻ ምፍላጥ፡ ንኻልኦት ቅድሚ ገዛእ ርእስኻ ምሕላይ ከኣ የጠቓልል። ዓስቢ ትሕትና፡ ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ 4፡6 ከም እንርእዮ፡ ”ኣምላኽ ንዕቡያት ይቃወሞም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” እዩ ዝብል። ኣብ ምሳሌ 22.4 ድማ ”ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ይብል።

3.      ያእቆብ ነታ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ተብሂላ ዘላ ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዚገልጻ፧

“ቕንኢ፡ ሻራ፡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ዘሎዋ” ብምባል’ዩ ገሊጽዋ ዘሎ፡ (ያእ 3:15-16)። እቲ ቕንኢ ተባሂሉ ዘሎ፡ ሕስድና፡ እቲ ሻራ ተብሂሉ ዘሎ ምፍልላይን ዝርግርግን፡ እቲ ምፍራስ ስርዓት ተብሂሉ ዘሎ፡ ከምቲ ኣብ ቈሮንቶስ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብዘይ ስርዓት ክትመላለስ ምድላይ፡ እኩይ ግብሪ ተብሂሉ ዘሎ ኸኣ መግለጺ ዘየድልዮ፡ ኣንጻር ሰናይ ግብሪ ምንጣፍ ማለት’ዩ።

4.ክርስቲያን ክነሱ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧ ስለምንታይ፧

ሓጺር መልሲ፡ እወ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ንነብብ። ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዐንቀፊ ኢኻ በሎ” (ማቴ16.23) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ፡ ብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኽህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ኪትንስእ ከም ዝግብኦ፡ እዩ ዝገልጸሎም ኔሩ። ጴጥሮስ ከኣ ተጣቢበ ክብል፡ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።

ሃዋርያ ያእቆብ’ውን ነዚ ተሓቲቱ ዘሎ ክፍሊ ክጽሕፍ ከሎ፡ ”ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧” ብምባል’ዩ ዝጅምር። ”ኣብ ማእከልኩም” ምባሉ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣመንቲ ማለቱ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ስለዚ፡ እወ፡ ክርስቲያን ክንሱ፡ እታ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እትብሃል ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል’ያ። ስለዚ እኳ’ዩ፡ ”እቲ ደዉ ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ዝብል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ (1ቈረ10.12)።

5. ያእቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝዀነት ማለት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ እዩ ዝገልጻ፧

”ንጽህቲ፡ ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን” ብምባል ገሊጽዋ’ሎ፡ (ያእ 3:17)። ምስ ሓፈሻዊ ምህሮ መልእኽቲ ያእቆብ ክንኣስራ እንተደሊና፡ መልእኽቲ ያእቆብ ኣብታ ህያው እትብሃል፡ ህላወኣ ኸኣ ብምጥባር ዘይኰነስ ብግብሪ እትግሃድ እምነት ስለ እተተኵር፡ እታ ሰማያዊት ጥበብ ድማ፡ ”ጽቡቕ ፍረ ዝመልአት” ብዝብል ክንገልጻ ንኽእል። ኣብ ጉጅለና እታ ”ሰማዕ” እትብል ባህርይ’ውን ተዘራሪብናላ። ምኽሪ ተነጊሩካ፡ ከም ኣብ እዝኒ ዅሉ ኣብ እዝንኻ’ውን ክበጽሕ’ዩ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕ እንተዀንካ ነቲ ምኽሪ ክትጥቀመሉ ኢኻ። ሰማዕ እንተዘይኴንካ ግና፡ ከምቶም ካልኦት ሰሚዖም ለውጢ ዘየምጽኡ፡ ንስኻ’ውን ክትፈሪ ብዘይ ምኽኣልካ፡ ሰማዕ ክትከውን ኣይከኣልካን ማለት’ዩ። ሰማዕ ማለትሲ፡ ሰሚዑ ዝእዘዝ ማለት’ዩ።

6. ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ተሓሲሞም ንሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዚገብሩ፧

ኣብ ጉጅለና፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ተገልቢጣ ቀሪባ ከም ዘላ ኣስተብሂልናላ፣ ኣዳማዊ ሰብ ብባህሪኡ፡ ነታ ምድራዊት፡ ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ’ዩ ምርጫኡ ዝገብር። ስለምንታይ ነቲ ሰማያዊ ጥበብ ይሕሰሙ ንዝብል ሕቶ ግና፡ ቅድሚ ዅሉ እቲ መስሓቲ ነዒንቶም ስለ ዝጋርድ’ዩ። ኣምላኽ፡ ከይትሞቱ ኣይትብልዑ ቢሉ ንዝኣዘዞ፡ እቲ መስሓቲ ግና፡ እንተበሊዕኩም ከም ኣምላኽ ክትኰኑ ኢኹም ብምባል ጠበረ። ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ድማ፡ ሰብ ንምኽሪ ኣምላኽ ተሓሲሙ፡ እንሆ ብፍቓድ ገዛእ ርእሱ፡ ነታ ምድራዊት፡ ስጋዊትን፡ ሰይጣናዊትን ጥበብ ይመርጽ ኣሎ። ሰብ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ፡ ካልኦት መጽሓፍትን ሓሳባትን ክሰምዕ ይውዕልንን ይሓድርን። እሾኽ ዘሪእካ፡ ስርናይ ክዕጸድ ስለ ዘይከኣል ከኣ፡ ምርጫ ሰብ፡ ምድራውን ስጋውን ክኸውን ባህርያዊ ኰነ።

 ንጉጅለታት 3ን 4ን ዝቐረቡ ሕቶታት

1.                 ሰናይ ኣካይዳ ብኸመይ እዩ ዚግለጽ፧

2.                ትሕትና እንታይ ማለት እዩ፧ ዓስቢ’ኸ ኣለዎ ድዩ፧

3.                ያእቆብ ንምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዚገልጻ፧

4.                ክርስቲያን ክነሱ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧ ስለምንታይ፧

5.                ያእቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝዀነት ማለት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ እዩ ዝገልጻ፧

6.                ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ተሓሲሞም ንሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዚገብሩ፧

 ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

1. ሰናይ ኣካይዳ ብኸመይ እዩ ዚግለጽ፧

ንእግዚኣብሄር ብምእማንን ምፍቃርን ብእትገብሮ ጽቡቕ ግብርታት ንኣብነት፡ ከም ንብጻይካ ምህናጽ (ሮሜ 15፣2-3)፣ ብመንፈስ ቅዱስ ሰላም ኣብ ህይወትካ ምርኣይ (ሮሜ 14፣16-17)፣ ንፍቕሪ ምስዓብ፣ ንኽፍኣት ምፍንፋን እዩ፡ (ሮሜ 12፣9)። ጐይታ "ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም" በለ፡ ( ዮሃ10፣32)፣ ንኣመንቲ ድማ "ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ" ይብለና (ማቴ 5፥16)። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ "ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፣ ኣቲም ኣሕዋተይ፣ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ ብኹሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፣ በሎም" ይብል (ግብ 23፣1)። ያእቆብ 3፡13 ድማ “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።” ይብል። ስለዚ ሰናይ ኣካይዳ ብግብሪ፡ ንባህርይ ክርስቶስ፡ ማለት ለውሃቱ፥ ፍቕሩ፥ ጽድቁ ዜርኢ ህይወት፣  ብመንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ፍጥረት ምዃንካ መግለጺ፣ ንጐይታን ሃዋርያትን ዘንጸባርቕ ኣካይዳ፣ ብጥበብ ኣምላኽ ዝነብር፥ ህይወት ሓደ ኣማኒ ምስ ቃል ኣምላኽ ብግብሪ ከም ዝሰማማዕ መርትዖ እዩ። ነቶም ብትዕግስቲ ሰናይ ዝገብሩ ኣመንቲ፡ ህይወት ዘልኣለም ተዳልዩሎም ኣሎ፡ (ሮሜ 2፣7)።

 2. ትሕትና እንታይ ማለት እዩ፧ ዓስቢ’ኸ ኣለዎ ድዩ፧

ትሕትና ንገዛእ ርእስኻ ትሑት ኣረኣእያ ምህላው፡ ንኣምላኽ ምንጪ ኩሉ ምዃኑ ምፍላጥ፡ ንኻልኦት ድማ ካብ ነብስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ እዩ። ሓቀኛ ትሕትና ንዓይ ይጥዓመንን ውዳሴን ኣይደልን፡ (ፊልጲ 2፥3)። ትሕትና ብለውሃትን ህድኣትን ብፍቕሪ ምጽዋር እዩ፡ (ኤፌሶን 4፥2)። ጐይታ ኣብነት ትሕትና ምዃኑ "ኣነ ለዋህ እየ፥ ልበይ’ውን ትሑት፣ ኣርዑተይ ፈኵሽ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፣ ኣርዑተይ ጹሩ፣ ኻባይ’ውን ተምሃሩ፣ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም" በለ (ማቴ 11፡29-30)። ትሕትናኡ ድማ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ብግብሪ ኣርኣየ፡(ዮሃ 13)፥ ከምኡ’ውን ኣምላኽ ክነሱ፥ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል ተኣዘዘ (ፊሊጲ 2፥6-8) ትሕትና ከም ጐይታ ንኣምላኽን ከም ቃል ኣምላኽ ንዝእዙዝኻ መራሕትን ምምእዛዝ እዩ።

እወ!  ትሕትና ብርግጽ ዓስቢ ኣለዎ። ምስ ሰባት ፍቕርን ሰላምን የምጽእ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ንክርስቶስ ካብ ኩሉ ልዕል ዝበለ ስም ዝሃቦ፣ ንትሑታት ኣመንቲ’ውን ልዕል የብሎም፡ (ያእቆብ 4፡10 ፊልጲ 2፡8-9, ማቴ 23፡12 1ጴጥ 5፡5-6)።)፣ ጸጋ’ውን ይህቦም (ያእቆብ 4፡6)።

 3. ያእቆብ ንምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዚገልጻ፧

ቅንኢ፥ ሻራ፥ ምፍራስ ስርዓትን እኩይ ግብርን ዘለዋ ኢሉ ይገልጻ፡ (ያእቆብ 3፡15-16 1 ቆረ 3፥3)። ምድራዊት እያ ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ብኽብሪ ኣምላኽ፥ ብሰብኣዊ ዓወት፡ ሃብቲ፥ ስልጣን፥ ውዳሴ ሰብ ባህ ስለ ዝብላ። ስጋዊት እያ ምኽንያቱ ብመንፈስ ቅዱስ ዘይኰነስ፥ ብናይ ሰብ ድሌታትን ስምዒታትን ትድረኽ እያ። ሰይጣናዊት እያ፡ ምኽንያቱ ትዕቢትን ንርእሰይ ይጥዓመኒ፣ ናይ ሰይጣን ባህሪ ተንጸባርቕ እያ። ምድራዊት ጥበብ ናብ ዕንወት፥ ትዕቢት፥ ሓጢኣት ትመርሕ ስለ ዝኾነት ክርስትያናት ክብህግዋ ኣይግብኦምን።

 4. ክርስቲያን ክነሱ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧ ስለምንታይ፧

እወ፥ ሓደ ክርስትያን ምስ ኣምላኽ ብቐረባ ዘይመላለስ እንተዀይኑ፥ ብምድራዊ ጥበብ ክጽሎ ይኽእል እዩ። ያእቆብ ንኣመንቲ እዩ "መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን" ዝብል፡ ( ያእ 3፡14)። ኣመንቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ርድኢት ክምርኰሱን ውልቃዊ ክብሪ ክደልዩን ከለዉ፣ ኣብ ግዝያዊ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ጥበብን ክወድቁ ይኽእሉ። ሓቀኛ ክርስቲያን ግና፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ክመላለስ ከሎ፡ ትምኒት ስጋ ኣይፍጽምን እዩ፡ (ገላትያ 5፡16-17)። ጥበብ ኣምላኽ ምስ ዝደሊ፡ ይውሃቦ (ያእ 1፡5)፣ ከምኡ’ውን ብምሕዳስ ሓሳቡ ይልወጥ እዩ። (ሮሜ 12፡2)። ክርስትያናት ኪዕንቀፉ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዓለማዊ ጥበብ ተመሪሖም ክነብሩ ግን የብሎምን። እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ መንፈስ ኣምላኽ ናብ ንስሓን ቅኑዕ መንገድን ኪመርሖም ከሎ ክሰምዕዎን ክምእዘዝዎን ይግብኦም።

 5. ያእቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝዀነት ማለት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ እዩ ዝገልጻ፧

 ኣብ ያእቆብ 3፡17 ሰማያዊት ጥበብ ምልእቲ ምኻና ንምርኣይ፣ ብሸውዓተ ባህርያት ዘርዚሩ እዩ ዝገልጻ።

 1. ንጽህቲ - ሓጢኣት ክትገብር ዘይትደሊ፥ ብሓሳብን ተግባርን ቅድስናን ቅንዕናን ትደሊ።

 2. ሰላማዊት – ስኒትን ምስምማዕን እምበር ምጉትን ንዝምድናታት ዝፈሊ ተግባርን የብላን።

 3. ልእምቲ – ሓልዮትን ሕያውነትን ተውጽእ ልሳን እምበር፥ ትረትን ቁጥዓን የብላን።

 4. ሰማዕ – ክትሰምዕን ክትመሃርን ፍቓደኛ እምበር፤ ድርቅናን ነጻጊትን ኣይኮነትን።

 5. ምሕረትን ሰናይ ፍረን ዝመልአት – ይቕረ ንምባልን ንርህራሄን ድሉውቲ።

 6. ብዘይ ዝሬት – ፍትሓዊት፥ ብዘይ ኣድልዎን ጽልእን።

 7. ብዘይ ግብዝና – ብሓቅን ቅንዕናን፡ ብዘይ ምስሉይነት እያ ኢሉ ገሊጽዋ።

እዚ ናይ ሓቀኛ ክርስትያን ህይወት፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ምህላው፣ ንካልኦት ከም ዘፍቅር፣ ፍትሓዊ፣ ዕጉስ፣ መኽበሪ ምዃኑ መርትዖ እዩ።

 6. ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ተሓሲሞም ንሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዚገብሩ፧

ሰባት ሰማያዊ ጥበብ ዝደልዩ፥ ህይወቶም ብሓቅን ዕላማን ኣምላኽ ክትምራሕ ስለ ዝደልዩ፥ (ዮሃ 17፥17)፥ ኣብ ክንዲ ኣብ ልቦንኦም ምጽጋዕ፥ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመኑ። (ምሳሌ 3፥5)፣ ምድራዊ ጥበብ ዕሽነት ምዃኑ ብምስትውዓል እዩም (1 ቆረ 3፥18-20)። ከምቲ ጐይታ "እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ" ዝበለ (ሉቃስ 10፥42)፥ ማንም ኻብኦም ክወስዳ ዘይክእል ነባሪት ሰላም፥ ትዕግስቲ ከምኡ’ውን ናይ ዘልኣለማዊ ህይወት ዝረኽቡላ ጥበብ ምዃና፣ ብምስትውዓል፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ ረብሓ፥ ካብ ክብረት ነፍሶም ንኣምላኽ ምኽባር፣ ስለ ዝመርጹ እዩ።

  ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

  1. ሰናይ ኣካይዳኻ ብከመይ እዩ ዝግለጽ፧

ምንጪ ኩሉ ጽቡቕ ኣብነትና ዝኾነ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከመይ ኢልና ክንከይድ ከም ዘለና ነጊሩና እሎ፣ ማቴ፣5፡16 ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። እቶም ብብርሃን ክርስቶስ ንመላለስ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ካብ ክርስቶስ ተቐቢልና ኢና ማለት ሓሳብ ክርስቶስ ስለ ዘለና ሓሳብ ክርስቶስ ከኣ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ሰላም ኩሉ መገዲ ጽድቂ ብጠቕላላ ኣብኡ ኣሎ፣ ፊሊ፣2፡ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ንሕና ኣመንቲ ኣብነትን መርኣያን ናይ ሓድነትን ሰላምን ክንከውን ኢና ተጸዊዕና እምበር ናይ ፍልልይን ሻራን ኣይኮነን፣ እቲ ሰናይ ኣካይዳ ድማ ነዚ ነገር ኣይውክልን፣ ኣብ ንሓድሕድና ዘለና ፍቕሪ ወላ ውን ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብምርኣይ እዩ ሰናይና ዝግለጽ።

ሮሜ፣14፡16 መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብ’ውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ።

2. ትሕትና እንታይ ማለት እዩ ዓስቢ’ከ ኣለዎ ድዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሕትና ማለት ካብ ኣብ ርእስኻ ንላዕሊ፡ እምንቶኻ ኣብ ኣምላኽ ጌርካ ምኻድ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብ ርእስኻ ዝዀነ ምንም ከም ዘይብልካ ምእማን፡ ማለት ኰይኑ፡ ከምቲ ኣብ 1ጴጥ፣ 5፡6 እተጻሕፈ፡ ንሱ ብግዜኡ ልዕል ከብለኩም እዩ እሞ ኣብ ትሕቲ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” ብዝብል ከኣ ክንርድኦ ንኽእል። ካልእ ትሕትና ማለት ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ መምህር ክነሱ ከም ኣገልጋሊ ኮይኑ እተመላለሰ፡ ከምኡ ኴንካ ምምልላስ ማለት’ዩ። ብኻልእ መንጽር፡ ትሕትና ማለት፡ ብዘይ ኣንነት ምምልላስ ክንብሎ’ውን ንኽእል ኢና። ነቶም ኩሎም ሓያላትን ዕቡያትን ከም ዘዋረዶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ከም ዝሃቦም ንርኢ።

ዓስቢ ትሕትና፣ ምሳ፣224 ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ። ካብ ክብረት ዝዓብን ካብ ሃብቲ ዝበልጽን እንታይ ኣሎ፧ እዚ ግና ዕስቢ ናይ ትሕትና ደኣ እምበር ናይ ፍልጠትን ብልሕን ኣይኰነን። ማቴ፣20፡ ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን። ዓስቢ ናይ ትሕትና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ እዩ (ያእ፣4፡6, ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ እዩ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ግን ጸጋ ይህቦም እዩ።

3. ያእቆብ ነታ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ጥበብ ብኸመይ ዝበለ ባህርይ እዩ ዝገልጻ፧

ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን፡(ያእ፣3፡15)።

* ናይ ምድሪ ወይ ናይ ሰይጣን ጥበብ ሻራን መሪር ቅንእን ኣብ ንሓድሕድካ እዩ፣ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ እተተኵርን ብብሕታዊ ህርፋን እትምራሕን ጥበብ ካብ ኣምላኽ ኣይመጸትን።

* ሰብእውነት ዘይብላ፣ ኣብ ንሓድሕዳ ትነቃቀፍ እምበር ንካልእ ዘይትብጆ፣ ዘይቅኑዕ ልቢ ሒዛ ትጎዕዝ ጥበብ እያ።

* ከምኡ ውን ብሰይጣን እትምራሕ ጥበብ እያ ክንብል ንኽእል፣ 2ቆረ፣11፡14 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። መሪር ቅንእን ባእስን ዘበለ ካብ ሰይጣን እዩ፣ ክብረት ርእስኻ ወይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘብል ኵሉ ምድራዊ ጥበብ እዩ፣ ሰይጣን’ውን እንተኾነ መልኣኽ ከሎ ብቕንኢ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኡ ምስ ተንስአ እዩ እዚ ውድቀት እዚ መጺእዎ።

4. ክርስትያን ክነሱ ምድራዊትስ ስጋዊትን ጥበብ ክትህልዎ ትኽእል ድያ፧

ክርስትያን ኮይኖም ብጥበብ እዛ ምድሪ ዝመላለሱ ኣለዉ። ከም ኣብነት፡ ሰብ ቆረንቶስ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያኖም ፍልልይን ውዱቕ ስነ ምግባርን ካልእ ብዙሕ ስጋዊ ነገርን ከም ዝነበሮም ጠቒሱ’ሎ። ”ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ” (1ቈረ1.10)። ሰብ ቆረንቶስ ብዙሕ ዝፈረስ ስርዓትን ልምድን ከም ዝነበሮም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ነቲ ሰማያዊ ጥበብ ዝኾነ ክርስቶስ እንድሕር ዘይለበስናዮ እዚ ጽሑፍ እዚ’ውን ኣባና ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ያእቆብ’ውን ኣብ መንጎኦም ኣድልዎ ስለ ዝነበረ እዩ ኣብ ምዕራፍ 2 ብዛዕባ ድኻን ሃብታምን ዘለዎም ኣድልዎ ዝጸሓፈ። ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንነብር ብስጋ ኽንመውት ኣሎና። ቅንኢ ናብ ብዙሕ ካልእ ሓጢኣት እዩ ዚመርሕ። ክርስትያናት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ ብዓለማዊ ባህግታት ኪገዝኡ ግና የብሎምን ።

5. ያዕቆብ ነታ ካብ ላዕሊ ዝኾነት ሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ ይገልጻ፧

* ``ንጽህቲ’’ እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ቅንዕናን ስነ - ምግባራዊ ቅንዕናን ዜጠቓልል እዩ ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ጥበብ ካብ ኣምላኽ ክንቅበል እዩ ዘለና፣ ዕብ፣12፡14 ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን። ከምኡ ውን እታ ልግሚ ዘይብላ ፍቕሪ ካብ ንጹሕ ሕሊና እያ ይብል ጳውሎስ ስለዚ ብሓቒ ንጽህትን ቅንዕትን እያ።

* ሰላማዊት’’  ሰማያዊት ጥበብ ኩሉ ግዜ ንሰላም እትናፍቕን ንሰላም እተበራትዕን እያ፣ ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

* ልእምቲ’’ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣማኒ ንዅሉ ዓይነት ማህሰይቲ ዀነ ጸገምን ብለውሃትን ብትሕትናን ብትዕግስቲ ኺጻወሮ ይኽእል እዩ ንኹሉ ጽልኢ ወይ ሕነ ምፍዳይ ባህጊ የብሉን ። ሰማያዊት ጥበብ ከም ክርስቶስ ንኹሉ እንዳ ተጻወረት ብፍቕሪ ምስዓብ እዩ፣ እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም

* ሰማዕ፣ ምሕረት እትፈቱ’’  ይቕሬታ ዝተመልአ ልቢ እትውንን ጥበብ እያ ``መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም።

 6. ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምድራዊ ጥበብ ሓዲጎም ሰማያዊ ጥበብ ምርጫኦም ዝገብሩ፧

ኣብ እብራውያን 11 ተገሊጾም ዘለዉ ኩሎም ናይ እምነት ሰባት፣ ጣዕሚ ናይዚ ምድሪ ሓዲጎም መወዳእታኦም ንምጽባቕ ኢሎም ዓለምን ፍትወታን ጥበባን ጽባቐኣን ከም ዝመነኑ ይነግረና፣ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ከምኡ’ውን ኣሳፍ ኣብ መዝ፣73 ራህዋ ረሲአን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም፣4ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣11ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ። ናይ ምድሪ ጥበብ ካብ ኣምላኽ ፈልዩ መወዳእታኻ የኽፈኣልካ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ምዕራፍ ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ። ይብል ስለዚ መወዳእታና ክጽብቕ እንተኾይኑ ናብ ኣምላኽ ምቕራብን ድሕሬኡ ምጥባቕን የድልየና።

ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ኩሉ ዘመኑ ዝተመሃሮ ዝነበሮ ክብሪን ጠንጢኑ ናብ ዕስቢ ዓወት ይጎዪ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ ኣብ ፊሊ፣3, ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡14ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።15እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም። መወዳእታና ክጽብቕ እንተዀይኑ፡ ነታ ሰማያዊ ጥበብ፡ ንሳ ኸኣ ምሕረት እትፈቱ፣ ሰላማዊትን ንጽህትን፡ ንዓኣ ንሓዝ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 7

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ6