መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 7
ንጉጅለ ሓደን ክልተን ዝቐረቡ ሕቶታት
1) ስለምንታይ እዮም መምህራን ዝያዳ ካልኦት ሰባት ብኣምላኽ ፍርዲ ዚዋሃቦም፧
2) ፈረስ ንኽትቆጻጸሮ፡ ልጓም ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ ትብል፧
3) ልሳንን ሓውን እንታይ ዘዛምድ ባህርይ ኣለዎም፧
4) ካብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ዘለዋ ሜላ፡ ጥዑምን መሪርን ማይዶ ኪወጽእ ይኽእል እዩ፧
5) ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ስለምንታይ እዮም መምህራን ዝያዳ ካልኦት ሰባት ብኣምላኽ ፍርዲ ዚዋሃቦም፧
ያእቆብ 3:1 ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። ጐይታና ኢየሱስ ክምህር እንከሎ ተዛረብቲ ጥራይ ዘይኮነስ ተግበርቲ ክንከዉን እዩ ዝነግር ነይሩ።ማቴዎስ 5:19 እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ሮሜ 2:20-24። እዘን ጥቅስታት ተራ ናይ መምሃራን ፍልይ ዝበለ ከም ዝኾነ እየን ዘርእያና። መምህር ፍልጠት ኣለዎ; ነቲ ፍልጠት ውን ንኻልኦት የመሓላልፎ: ከምዚ ግበር ወይ ኣይትግበር እናበለ ዉን ሰባት የረድእ። እምበኣር መጽሓፍቅዱስ ከምዝብለና ድምር ናይ እዞም ኩሎም ሮቛሒታት ንሓደ መምህር ዝያዳ ፍርዲ ከምዘለዎ እዩ።
2.ፈረስ ንኽትቆጻጸሮ፡ ልጓም ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ ትብል፧
ልጓም ንሓደ ፈረስ ናብ ዝደለኻዬ ኣንፈት ተአንፍተሉ: ፍጥነት ትቆጻጸረሉ ኮታስ ነቲ ፈረስ ከም ዝደለኻዬ ንኸኸደልካ ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ። ስለዚ ብዘይ ልጓም እቲ ፈረስ ከምዝደለኻዮ ኣይኮነልካን ስለዝኾነ ሚኢቲ ሚኢታዊት ኣድላይት እያ።
3.ልሳንን ሓውን እንታይ ዘዛምድ ባህርይ ኣለዎም፧
ያእቆብ 3:5-6ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ንእሽተይ ሓዊ ንብዙሕ ነገራት ከተንድድ ከምትኽእል; ልሰንና ዉን ዓቢ ጥፍኣት ክትገብርን ንብዘሎ ሰብነትና ከተርክሶ ትኽእልያ።ምሳሌ 18:21 ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።
4. ካብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ዘለዋ ሜላ፡ ጥዑምን መሪርን ማይዶ ኪወጽእ ይኽእል እዩ፧
ኣይፋል፡ ኣይከኣልን።
5. ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ጉጅለ 1 ኩላትና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክልቲኡ ከም እነፈልፍል መስኪርና። ኣብ ገለ ግዜ ምስጋና ኣብ ገለ ግዜዉን ናይ ምረት ከምንዛረብ; ኣምላኸ ክረድኣና ናይ ምስጋና ጥራይ ክገብረና ከኣ ድሌት ኣለና።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1) ስለምንታይ እዮም መምህራን ዝያዳ ካልኦት ሰባት ብኣምላኽ ፍርዲ ዚዋሃቦም፧
መምህር ዝበሃል ተማሂሩ ዝምህር'ዩ፡ ብኹሉ ዝምህር ማለት ብግብርን ብቓልን ምስ ዝኸውን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክምዕዶ እንከሎ፡ ‘’ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም።’’ ኢልዎ(1 ጢሞቴዎስ 4:12) እንበኣር መምህር ዝያዳ ካልኦት ሰባት ፍርዲ ዝወሃቦ ንብዙሓት ሓደው ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡- ዕዉር ንዕዉር እንተመርሖ፡ ናብ ጉድጓድ ይወድቁ፡ ወይ ውን ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡- ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ። ስለዚ መምህር ንርእሱ ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት ከድሕን ወይ ከጥፍእ ስለ ዝኽእል'ዩ። ስለዚ ከኣ እዩ እንዳ ፈለጠ ክጋገ ከሎ፡ ብመንጽር እቲ ዝፈልጦ ተሓታትነቱ ዝዛይድ።
2) ፈረስ ንኽትቆጻጸሮ፡ ልጓም ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ ትብል፧
ፈረስ ኣብ ትሕቲ ደቂ ሰባት ዝግዛእ እንስሳ ዘቤት'ዩ፡ ፈረስ ንደቂ ሰባት ንብዙሕ ምኽንያት ከገልግል ይኽእል። እዚ ማለት ግን ፈረስ ብዘይ ልጓም ምንም ኣብ ትሕቲ ደቂ ሰባት ኮይኑ ከገልግል ከምዘይኽእል ርጉጽ'ዩ። ፈረስ ብዘይ ልጓም እንተደኣ ተወጢሕናዮ ብሰሪ ዘይምቁጽጻርና ብዙሕ ሳዕቤን ከውርደልና ይኽእል'ዩ። ልጓም ምስ ዝህሉ እዩ እምበኣር ጠጠው ከነብሎን፡ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከነማእዝኖን ንኽእል። ልጓም ምስ ዘይህልዎ ግን ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ ሓደገኛን ኣዕናውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ልኽዕ ከምቲ መኪና ፍሬኖን ናይ ኣንፈት መቆጻጸሪ እንተዘይብላ ኣብ ሓደጋ ኣቅዲቃ ካብ ጥቅማ ጉድኣታ ዝበዝሕ ማለት እዩ።
3) ልሳንን ሓውን እንታይ ዘዛምድ ባህርይ ኣለዎም፧
ልሳንን ሓውን ብኣሉታን ብኣወንታን ዘዛምድ ባህርይ ኣለዎም። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ ንእሽቶይ ሓዊ ክንደይ ዓብዪ ዱር ተንድድ፡ ብዙሕ ሳዕቤን እውን ተውርድ። ልሳን ውን ንእሽቶይ ክንሳ ንብዘሎ ኣካላትና ናብ ሞት ትወስዶ፡ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ናብራና ብሰሪ ልሳንና ዘይምግዛእ ንብዙሕ ሰብ ንጐድእ ክሳብ ናብ ሂወት ምሕላፍ እውን ነብጽሕ። ሓዊ ብጥንቃቐ እንተ ተጠቂምናሉ፡ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ንኹሉ ዕለታዊ ምግብና መስርሒ ይኾነና፡ ኣብ ጸልማት እንተኾነ ውን መብራህቲ ይኾነና።
ልሳን’ውን ኩሉ ቃላትና ብጥንቃቐ እንተኣውጻእናዮ ንብዙሓት ንድሕነት ትኸውን፡ ንብዙሓት ዝተቆጥዑ ንምዝሓል ትኸውን። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ፡ ‘’ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቃል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም።’’ ስለዚ ልሳንን ሓውን ብዙሕ ናይ ባህርያት ምምስሳል ኣለዎም።
4) ካብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ዘለዋ ዔላ፡ ጥዑምን መሪርን ማይዶ ኪወጽእ ይኽእል እዩ፧
ኣይፋሉን! እንተኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ'ዚ ኣነጺሩ ተዛሪቡ ኣሎ፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፥ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ሓንቲ ዔላ እሞ ኸኣ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ዘለዋ ክልተ ዝመቐረቱ ማይ ከተውጽእ ኣይከኣላን'ዩ። ስለዚ ያእቆብ ንዔላ ከም ልብና ጌሩ መሲሉ ይዛረብ ኣሎ፡ ካብቲ ንጹህ ልብና ከመይ ኣቢሉ መርገም ክወጽእ ይኽእል፡ ካብቲ ጠዋይ ልብናስ ከመይ ኣቢሉ ቅኑዕ ዘረባ ክወጽእ ይከኣሎ እዩ ዝብለና።
5) ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ሓደ ሰብ እታ ልሳኑ ሓንቲ ክንሳስ፡ ዘረብኡ እንተ ንምስጋና ወይስ ንመርገም ክጥቀመላ ልሙድ ምዃኑ ርዱእ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ከመስግን ከሎ በቶም ንእኡ ዝጸልዉ ነገራት ስለ ዝጽሎ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ሰብ ናይ መርገም ቃላት ክጥቀም ከሎ፡ ንዕኡ ውን ዝጸልዎ ስለ ዘሎ እዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 4፡24 ከም ዝብለና፡ ‘’ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ።’’
ንጉጅለ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝቐረቡ ሕቶታት
1) ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
2) ሓይሊ ናይ እቲ ፈረስን ሓይሊ ናይ እቲ ልጓምን ብኸመይ መነጻጸርካዮ፧
3) ሰብ ንብዙሕ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ብምሕረት ብኣምላኽ ገዚኡ ክነሱ ንልሳኑ ኪገዝኦ ዘይምክኣሉ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧
4) ዝዀነ ዘርኢ ብመንጽር እቲ ዘለዎ ፍረ ኣዛሚድካ ክትርእዮ ከሎካ፡ በቲ ሓፈሻዊ ሓቂ ብኸመይ ምገለጽካዮም፧
5) ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1) ኩላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ቅዱስ ሃዋርያ ያእቆብ ኩላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ክብል ከሎ፥ ንነብሱ ሓዊሱ እዩ ነቲ መሰረታዊ ሓቂ፥ ማለት ኩሉ ሰብ ንሓጢኣትን ጌጋን ዝተቃልዔ ምኻኑ ዝሕብር። ፍጹምን ጉድለት ዘይብሉን ሰብ የለን ማለቱ እዩ። ሮሜ 3፥23 ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም፣ 1ይ ነገ 8፥46 ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፣ ምሳሌ 20፡9 ካብ ሓዚኣተይ ነጺሄ ኪብል ዚኽእል መን እዩ? 1ይ ዮሃ1፥8
ሓጢኣኣት የብልናን፣ አንተ በልና፣ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፣ እታ ሓቂውን ኣባና የላን፣ ዮሃ 15፣5 ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትክእሉን ኢሉም፣ ምስ ዝብሉ ጥቅስታት ዝሰማማዕ እዩ። ኣመንቲውን ብሓሳብን ቃላትን ተግባርን ይስሕቱ ተረዲኦም ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘድልዮም ክርድኡን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሕትናን ጥንቃቀን ንክመላለሱ ይምህር። ብፍላይ ብልሳንና ክንዕንቀፍ ከም እንክእልን፣ መልሓስ ሓያልን ሓደገኛን ምኳና ይገልጽ። ንሓጢኣትና ምክኑይ ንምግባር ዘይኮነስ፣ ዝወደቐ ባህርይ ምህላውና ፈሊጥና ቃልስን ኣብ እምነትና ምዕባይን ምልዋጥን ከምዘድልየና ንምዝክኻር እዩ። ብፍላይ መምሃራን ብቃላቶም ምስ ዝስሕቱ ንብዙሓት ስለ ዝጸልው፣ ዝያዳ ጥንቃቔ ንክገብሩ የጠንቅቕ።
2) ሓይሊ ናይ እቲ ፈረስን ሓይሊ ናይ እቲ ልጓምን ብኸመይ መነጻጸርካዮ?
ፈረስ ኣዝዩ ሓያል፣ ብዙሕ ጽዕነት ተሰኪሙ ክጎይን ቁምነገር ክገብርን ዝክእል ዓቢ እንስሳ እዩ። ሓይሉ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ዝከውን ግን ኣዕናውን ረብሓይ ዘይብሉን ይከውን።
ልጓም ብሓጺንን ናይ ቆርበት ገመድን ዝተሰርሔት ንእሽቶ መሳርሒት እያ። ልጓም ብግቡእ ምስ እንጥቀመላ ብንእሽቶኣ ነቲ እንስሳ ናብ ዝደለየቶ ኣንፈት ናይ ምምራሕ ሓይሊ ኣለዋ። ብተመሳሳሊ መልሓስ ከም ልጓም ንእሽቶ እያ፣ ግን ንኹሉ ህይወትና ማለት ዝምድናታትና፣ ክብርና፣ መጻኢና ንጽቡቅ ይኹን ንሕማቅ፣ ናይ ምምራሕ ኣዝዩ ዓቢ ተራን ሓይልን ኣለዋ። ከምቲ ንፉዕ ናይ ኣፍራስ ተቐዳዳማይ ንፈረሱ ብግቡእ ንምምራሕ ልጓም ተጠቂሙ ዝዕወት ንሕና’ውን፡ ንመላእ ኣካላትና ከም ዝድለ ንምቁጽጻር ንመልሓስና ክንመልካን ብግቡእ ክንጥቀመላን ኣለና። ካብዚ ምንጽጻር እንርድኦ፡ ንእሽቶ ልጓም ንሓያል ፈረስ ትቈጻጸር። ንእሽቶ መልሓስ ንብምልኡ ኣካላትና ትጸልዎ። ንልጓምን መልሓስን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብጥበብን ክእለትን ክንጥቀመለን ይግባእ።
3) ሰብ ንብዙሕ ፍጥረት ኣምላኽ ብምሕረት ብኣምላኽ ገዚኡ ክነሱ ንልሳኑ ኪገዝኦ ዘይምክኣሉ እቲ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ?
እዚ ንልቢ ሰብ ምስ ክእለቱ ምንጽጻር እዩ። ንፍጥረት ናይ ምግዛእ ክእለት (ንኣብነት ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፥ ስልጠና እንስሳታት) ኣምላኽ ብምሕረቱ፡ ብመልክዑ ፈጢሩ፥ ንሰብ ዝሃቦ ናይ ኣእምሮን ኣካላትን ክእለት እዩ ዝፍጸም፡ (ዘፍ1-28)። ሰብ ንፍጥረታት ንምግዛእን ነዚ ሓይልን ጥበብን መሳርሒታት እዩ ዝጥቀም።
ንመልሓስ ምግዛእ ግን ንልብን ሓጢኣትን ምቁጽጻር እዩ ዘመልክት። መልሓስ ኣብ ልቢ ዘሎ እያ እትገልጽ። ን ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ(ማቴ 15፡18, 12፥34-35 )።
ንመልሓስ ምግዛእ ንልቢ ምስትውዓል ስለ ዝኾነ፥ ሰብ ብዓቅሙ ክገብሮ ዝክእል ኣይኮነን። ምክንያቱ "ልቢ ሰብ ጎራሕን ኣዝዩ ሕሱምን ዘይተስተውዕሎን እዩ (ኤርምያስ 17፥9)።
እግዚኣብሄር ግና ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱን ፍረ ግብሩን ንኽህቦ፣ ንልቢ እምርምሮ፣ ንኾላሊት ከኣ እፍትኖ ኣዩ (ኤር 17፡10)። ስለዚ ኣምላኽ ጥራይ ካብ ሓጢኣት ኣጽርዩ ንሰብ ልቡ ክልውጠሉን ብመንፈሱ ኬሔድሳን ክመልኣን ዝካል። ኣመንቲ መልሓሶም ዘይቆጻጸሩ፣ ብጸጋ ኣምላክ ከምቲ ዝድለ ስለዘይዓበዩን፣ እቲ ሓጢኣተኛ ባህሪኦም ስለ ዝጸልዎምን ኣዩ።
ሃዋርያ ያእቆብ መልሓስ ሓዊ፣ ንኣካል ተርክስን ተንድድን፣ ብግሃንብ ዝነደደት፣ ሓደ ሰብ ክገዝኣ ዘይተካእሎ፣ ዘይትዓርፍ እክይቲ፥ ዝቀትል ሕንዚ ዝመልኤት ኢያ ኢሉ ምግላጹ እግዚኣብሄር ጥራሕ ንልብና ለዊጡን መንፈሱ ሂቡን ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ከምዝገበረና ተረዲእና ምስ ንዓቢ ጥራሕ ኢና ክንቆጻጸራን ንበቅዕ ንምባል ኣዩ። (ህዝቅኤል 36፡26 ዳዊት 51፡10፣ 2ቆሮ 5፡17፣ ገላትያ 5፡22-23።)
4) ዝዀነ ዘርኢ ብመንጽር እቲ ዘለዎ ፍረ ኣዛሚድካ ክትርእዮ ከሎካ፡ በቲ ሓፈሻዊ ሓቂ ብኸመይ ምገለጽካዮም፧
ኩሉ ዘርኢ ከምቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ፥ ካብቲ ዝፈሪ ኦም፥ ከከም ዓይነቱ እዩ ፍረ ዝፈሪ (ዘፍ 1፥11)። እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይ፥ እቲ ኽፉእ ኦም፥ ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ዓይነት ፍረ ንባህርይ ናይቲ ዘርኢ ከም ዝገልጽ፡ ቃላትና ሓሳብና ተግባራትና፡ ንዓይነት ልብንና ይገልጽ፡ )ማቴ7.17)። ዘርኢ ወይኒ ዘሪእካ፡ ፍረ ወይኒ ትረክብ፡ ዘርኢ በለስ ዘሪእካ ፍረ በለስ ትረክብ። ሰብውን ነቲ ዝዘርኦ ኪዓጽዶ እዩ፥ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ። እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና፥ ካብቲ መንፈስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ (ገላ 6፥7-8)። መልሓስ ዝዛረቦም ቃላት ከም ዘርኢ እዮም። ሰብ ብልሳኑ ፍቅሪ፥ ሓቂ፥ ምትብባዕ ብምዝራእ፥ ሰላም ዘለዎን ንኣምላኽ ደስ ዝብልን ህይወት ይፈሪ። ብእንጻሩ ድማ ሓሶት፥ ቅንኢ፥ ሕሜታ፥ ጸርፊ፥ ዝዘርእ፥ ጽልኢ፥ ግጭት፥ ቂምታ ንጥፍኣትን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅን ፍረ ይፈሪ።
ከምቲ ኦም ብፍሪኡ ዝፍለጥ፥ ሰብውን ጽባቐን ክፍኣትን ልቡ፥ ብልሳኑ ይፍለጥ (ሉቃ 6፥44-45)። ከምቲ ኣብ ፍረ ኦም ዝጻረር ዘርእን ፍረን ዘየሎ፡ ኣብ ሰብ ንጐይታን ንኣቦን ዝምርቕ፣ ነቲ ብምስሉ እተፈጥረ ሰብ ግና ዝረግም ልሳን፥ ጌጋን፥ ምስሉይ ባህርን ዘለዎ እዩ።
5) ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ጉጅለ 3 ኣብ ዝሃብዎ ናይ ነፍስወከፎም ዒላ ምስክርነት፥ ብጸጋ ኣምላኽ፥ ይቅረ ንምባል፥ ሕርቃንካ ምቁጽጻር፥ ዕርቂ፥ ልግሲ፥ ንካልኦት ወንጌል ንምስባኽ ዘሎና ፍቅርን፥ ርኡይ ለውጥን ዕቤትን ከም ነርኢ፥ እንተኮነ ግን ምስ ደቅና፥ መሳርሕትና፥ ቤተሰብና ኣብ ንገብሮ ርክብ፥ ዝያዳ ስራሕ ከም ዘድልየና ተሰማሚዕና። ከምቲ ንኣምላኽ ነመስግነሉ መጠን፥ ምስ ሰባት ዘለና ዝምድናውን ሸለል ከይንብል፥ ትዕግስቲ ከነዕብን፥ ጨውን ብርሃንን ምኻንና ክንዝክርን ኣለና ተብሃሂልና።
ከምቲ ቃል ኣምላኽ፥ "ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።" (ዳዊት 19፡14)፥ "ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።" (ዳዊት 141፥3)። "እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።" (ኤፌ 4፥29)፥ 'ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።" (ቆሎሴ 4፥6)፥ 'ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።" (ምሳሌ 18፥21)፥ "ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።" (2 ተሰ 5፥11)፥ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ኤፈ 4፥15፥ ኵራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ስለ ዘይገብር፡ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብን፡ ንዅራን ደንጓዪ ይኹን።( ያቆብ 1፥19-20) ወዘተ ዝብለና ብምዝካር ብጸጋን መንፈስን ኣምላኽ ዒላና ቀጻሊ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ምዓልታዊ ክንጽዕርን ብክርስቶስ ክንዓብን ከምዘለና ተማሂርና።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
1) ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
መክ፣7፡20 ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ክንብል ከለና፣ ፍጥረትና ድኹም ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ቅኑዕ ንምግባር ድኹማት ኢና መዝ፣103 ፍጥረትና ይዝክር ሓመድ ምዃንና ውን ይዝክር እዩ ይብል፣ ብግብርና፣ ብቓላትና ብሓሳብና ኩሉ ግዜ ካብ ምግጋይ ኣይንዓርፍን ኢና፣ ስለዚ ድማ`ዩ ዳዊት ደጊሙ ኣብ 19፡14 ቃላት ኣፉን ሓሳባት ናይ ልቡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ክኸውን ዝጸለየ ምኽንያቱ ልቢ ወዲ ሰብ ሕሱምን ጎራሕን ስለ ዝኾነ ብብዝሒ ንስሕትን ኣብ ሓጥያት ንወድቅ።
2) ሓይሊ ናይ እቲ ፈረስን ሓይሊ ናይ እቲ ልጓምን ብኸመይ መነጻጸርካዮ፧
እዮ፡39፡19ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ? ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፣ ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ።21ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ።22ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ።23ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።24እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።25መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።እዚ ዓይነት ሓይሊ ዘለዎ እንስሳ ብሓንቲ ቀጣን ገመድ ክምእዘን ዘገርም እዩ፣ እዚ ከኣ እቲ ልጓም ኣብ መንጎ ኣስናን እቲ ፈረስ ኮይኑ commnucation ዝፈጥር መሳርያ እዩ። ልጓም ሓይሊ የብሉን ንሓይሊ ናይ ሓያል እንስሳ ውን ብሓይሊን ኣይኮነን ዘማእዝኖ፣ ብጥበብ በቲ ዝፈጥሮም communication የማእዝን።
3) ሰብ ንብዙሕ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ብምሕረት ብኣምላኽ ገዚኡ ክነሱ ንልሳኑ ኪገዝኦ ዘይምክኣሉ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧
ያዕ፣3፡2 ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። ሃዋርያ ያእቆብ ጽሒፍዎ ከም ዘሎ መንፈሳዊ ብቕዓት ካብቲ ኣገዳሲ ንርእስና ክንገትኣሉ ንኽእል እዩ ፣ብከመይ ኢና እዚ መንፈሳዊ ብጽሕና ከ ንረኽቦ ቃል ኣምላኽ፣ (መዝ119.11) ንዓኻ ምእንቲ ከይብድልሲ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቆርክዎ፣ ምስ ቃል ኣምላኽ እኹል ግዜ ዘይምህላው ልሳንና እትውጽኦ ቃል ኣምላኻዊ ኣይከውንንስለዚ ክገትኣ ዝኽእል ልጓም የብላን። ብፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘይምፍራይ፣ ርእስኻ ምግታእ ሓንቲ ካብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እያ፣ ብዘይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ልሳንና ክንገዝእ ኣይከኣለናን እዩ። ምሳሌ፣10፡19: ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።
4) ዝዀነ ዘርኢ ብመንጽር እቲ ዘለዎ ፍረ ኣዛሚድካ ክትርእዮ ከሎካ፡ በቲ ሓፈሻዊ ሓቂ ብኸመይ ምገለጽካዮም፧
ጐይታና ኢየሱስ ``ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ።ማቴ፡12፡33 ኢሉ ከም ዝነገረና ንሕና ክልተ ሰባት ክንከውን ከምዘይብልና ኢና ንመሃር፣ ጽቡቕ ፍረ ክህልወና ከኣ ይግባእ ከምቲ ሓንቲ ተኽሊ ብመጠን እቲ ዝተኸልናዮ ፍረ ትህበና ንሕና ውን ዉሉድ ኣምላኽ እንተ ኮንና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ንፈሪ፣ ማለት በዘራርባና ብ ኣካይዳናን ፍረና ክልለ ይኽእል፣ ከምቲ ጎይታ ባዕሉ ውን ዝበሎ ``ብፍረኹም ከለለይኹም እዮም’’ ሉቃ፣6፡4 ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ።
5) ናትካ ዔላ (ልሳን) እንታይ እያ እተፈልፍል፧ ጥዑም ማይ (ናይ ምስጋና ቃላት) ወይስ መሪር ማይ (ናይ መርገም ቃላት)፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ ኢኻ፧
ምስክርነት ናይ ጉባኤ፣ በቲ ኣብ ጸጽባሕ እንረኽቦ ህያው ቃል ኣምላኽ ኣካይዳና እንዳተለወጠ፣ ልሳንና ውን በቲ ቃል ሓቂ ተረቲዓ መርገም ካብ ምዝራብ እንዳገደፈት ናብ ምልኣት ክርስቶስ ንዓቢ ከም ዘለና ተዘራሪብና፣ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ኤፌ፣4,29