መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ9
ንጉጅለታት 1ን 2ን ዝቐረቡ ሕቶታት
ምንጪ ናይ እቲ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ዘጋጥም ባእሲ እንታይ እዩ፧
ንዓለም ምፍቃር፡ ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ ክብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ንኣምላኽ ካብ ምቅራብን ምግዛእን ወጻኢ ንዲያብሎስ ትጻረረሉ መገዲ ኣሎ ድዩ፧
ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1. ምንጪ ናይ እቲ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ዘጋጥም ባእሲ እንታይ እዩ፧
ምንጪ ዅሉ ሓጥያት፡ እቲ ኣቦ ሓሶት ዝዀነ ዲያብሎስ እዩ። ደቂ ሰብ ንፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ጥሒሶም ብኽፉእ ትምኒት ተደሪኾም ከምቲ ያእቆብ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ዝበሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን” (ያእቆብ 1፥14)። ብተመሳሳሊ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ'ውን፡ "እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ" ይብል (ማቴ፣13፡25)። ሃዋርያ ያእቆብ'ውን ኣብ (ምዕራፍ 4:1) ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧” ብምባል እቲ ምንጪ ሓጥያት ካበይ ሙኳኑ ይገልጽ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ "ፍትወት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝጋጮ ምዃኑ ይገልጾ። እዚ ውሽጣዊ ውግእ፣ ልዕሊ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌታት እናሰዓቡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ባእሲ ይፈጠር።
2. ንዓለም ምፍቃር፡ ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ ክብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ስርዓት ዓለም፡ ብልሹውን ንኣምላኽ ዝጻረርን ስለዝኾነ፡ ዓለማዊ ድሌታት (ከም ህቡብነት፣ዝና፣ ሃብቲ) ልዕሊ ፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ነዚ ነገር ርእስኻ እንተ ኣግዝኢካ፡ ጸላኢ ኣምላኽ ኢኻ ትኸውን ዘለኻ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተገሊጹ ዘሎ፡ ንኽልተ ጐይቶት ክትግዛእ ዝከኣል ኣይኰነን፡ [ማቴዎስ 6:24] ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። “እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።” [ናብ ሰብ ሮሜ 8፥6-7]
3. ንኣምላኽ ካብ ምቅራብን ምግዛእን ወጻኢ ንዲያብሎስ እትጻረረሉ መገዲ ኣሎ ድዩ፧
ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ስለ ሓጥያትና ዝተገልጸ ጐይታ ኣርኣያ ናይ ህይወትና እዩ። ሐዋርያ ጴጥሮስ'ውን ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም: ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾሞሉ እቲ ፈታኒ ክፍትኖ ከሎ ጐይታ ዝሰዓረሉ ብቃል ኣምላኽ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል ኣሎ እንዳ በለ ብቃል ኣምላኽ ጌሩ ክስዕሮ ኢና ንርኢ። (ማቴዎስ፣4:1-11) ንዲያብሎስ ምቕዋም፦ እዚ ማለት ኣንጻር ፈተናን ሓሶትን ካብ ኣምላኽ ክስሕበካ ዝፍትን ዝኾነ ይኹን ነገር ጸኒዕካ ደው ምባል ከም ኣብነት፡ ንሓሶት ሰይጣን ንምምካት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምጥቃም ክኸውን ይኽእል። ብጸሎት ምትጋህ፡ መዝሙር ምስማዕ ምስ ኣሕዋት ምሕባር ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ነገራት ንሰይጣን ምቕዋሙ የኽእለካ እዩ፡ በዚ ድማ ድያብሊስ ክሃድም እዩ፦ ንኣምላኽ ተኣዚዝካ ደው ምስ እትብል ዲያብሎስ ካባና ይርሕቅ። “ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ” ( ኤፌሶን 6፥13)።
4. ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
ያእቆብ 4:10 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ፣ ኢሉ ኣሎ። ትሕትና ምህላው ናይ ሓደ ኣማኒ ኣርኣያ እዩ። እቲ ብትሕትና ዝመላለስ ድማ እግዝኣብሄር ልዕል ከም ዘብሎ ብዙሕ ጥቅስታት ይነግረና እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት ብምባል ኣምላኽ ነቲ ሰብ ብኽብሪ ከልዕሎ እዩ። “ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ”[ወንጌል ማቴዎስ 23፥12]።
ብዛዕባ ትዕቢትን ትሕትናን ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ጐይታ የሱስ፣ ብምስላ ከምዚ በለ፦ “ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ዝደየቡ።” እሞ “እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።” “እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።” “ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ” (ሉቃስ 18፥9-14)።
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
1. ምንጪ ናይ እቲ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ዘጋጥም ባእሲ እንታይ እዩ፧
ምንጪ ናይ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ባእሲ ፍትወት ስጋና እዩ። “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን” ይብለና (ያእቆብ 4፡1)።
2 ንዓላም ምፍቃር፥ ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ ኽብል ከሎ እንታይ ማለት’ዩ፧
ገዛኢ እዛ ዓላም እዚ ሰይጣን ምኻኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ፥ ስለዚ ንዓለም እንተ ኣፊቂርካ፥ ንእግዚኣብሔር ድማ ትጸልኦ ኣለኻ ማለት’ዩ ምኽንያቱ ዓላም ብዝተፈላለየ ንስጋና ደስ ዝብለና ነገር እንዳርኣየት ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ክትፈለና ስለ እትኽእል። ንኣብነት ኣብ ሮሜ ( 8፥6) እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።
3. ንኣምላኽ ካብ ምቅራብን ምግዛእን ወጻኢ ንዲያብሎስ እትጻረረሉ መገዲ ኣሎ ድዩ፧
ንኣምላኽ ካብ ምቅራብን ምግዛእን ዉጻኢ ንድያብሎስ ትጻረረሉ መገዲ ኣሎ ኣይንብልን፥ ግን ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ከለኻ፡ ብኽልተ ልቢ ዘይምምጻእ፥ ማለት ብምሉእ ልብኻ፥ ብቅድስና፥ ብሓቅን፥ ብጽድቂን ምምልላስ ማለት ኣይ ዉዑይ ኣይዝሑል ዘይምዃን።
4. ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ዝመላለሱ ይጻረሮም፥ ነቶም ብትሕትና ዝመላለሱ ኸኣ ጸጋ ይህቦም። ያእቆብ 4:6፤ ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። ከምኡ’ዉን ኣብ ምሳሌ “ንሰብ ትዕቢት የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ” ይብል ( ምሳ 29፥23)።
ንጉጅለታት 3ን 4ን ዝቐረቡ ሕቶታት
ሃረርታ ናይ እዞም ክርስቲያናት እዚኦም ጽቡቕ (ጐይታ ዝሕጐሰሉ) ድዩ ነይሩ ወይሲ ክፉእ (ጐይታ ዝጉህየሉ)፧
“ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ክልተ ልቢ ዘለዎ ክርስቲያን ከመይ ዝበለ እዩ፧
ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1. ሃረርታ ናይ እዞም ክርስቲያናት እዚኦም ጽቡቕ (ጐይታ ዝሕጐሰሉ) ድዩ ነይሩ ወይሲ ክፉእ (ጐይታ ዝጉህየሉ)፧
ሃረርታኦም ክፉእ እዩ ኔሩ። ብፍትወት ስጋ ምፍልላይንን ባእስን፥ ናይ ልቢ ቅትለትን ቅንእን፥ ንስጋዊ ዕግበቶም ኢሎም ዝጽልዩ፥ ፍቕሪ ዓለምን ምስ መንፈስ ኣምላኽ ዝጻረር ትምኒት ክልተ ልቢ ነበሮም። ኣብ ክንዲ ዝዕበዩ፥ ትሕት ክብሉ፥ ንኣምላኽ ተገዚኦም ንድያብሎስ ክጻረሩ፥ ብንስሓ ካብ ሓጢኣቶም ብተግባርን ሓሳብን ካብ ልቢ ክነጽሁ ብምምካር፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ምስ ዝብሉ፥ ንሱ ጸጋ ሂቡ ልዕል ከም ዘብሎም ሃዋርያ ያእቆብ ኣብ ፍቕዲ 11 “ኣሕዋተይ” ብምባል ይምህር። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 5፡16-17፡ ሮሜ 7፥23 ከምኡ’ውን ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ 1ዮሃ 2፡16 ሃረርታ ናይ ስጋ ምስ ድሌት መንፈስ ዝጻረር ምዃኑ ይምህሩ።
እዚ ዓለማዊ ባህርያት ኣብ ብዙሓት ክርስትያናት ዘጋጥም ምዃኑን ንዓና ኢሉ ዝተጻሕፈ ከም ዝመስልን ኣብ ጉጅለና ተዘራሪብናሉ። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ገዲፍና፡ ብንጹህ ልቢ ንፍቓድ ኣምላኽ ክንግዛእ ከም ዘለና ተሰማሚዕና።
2. “ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
እዚ ነቲ ናይ ኣምላኽ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ቅዱስ ቀናእ ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ። ብምሉእ ልብና ብተወፋይነት ንዕኡ ጥራሕ፥ ምሉእ ብምሉእ ክንደልዮ ይቐንእ። ልብና ንኣምላኽን ንዓለማዊ ነገራትን ክትመቓቐል ኣይደልን እዩ። ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ ክብል ከሎ ነቲ ንሰብ ኡፍ ኢሉ ህያው ነብሲ ብምግባሩ ኣብ ሰብ ዝርከብ መንፈስ ወይ ንመንፈስ ቅዱስ ዘመልክት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ጉጅለና ተዘራሪብናሉ። ብቕንኢ ምሕላው ዝብል ብመንፈስና ናቱ ክንከውን ከም ዝደልየና ዝገልጽ እዩ።
ኣብ ዘጽኣት 34፥14 "እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።" ከምኡ’ውን ኣብ ዘካርያስ 8፥2 "ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ ኣሎኹ፣ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ ኣሎኹ፣ ይብል እዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት" እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ይገልጽ።
3. ክልተ ልቢ ዘለዎ ክርስቲያን ከመይ ዝበለ እዩ፧
ልቡ ዝተኸፋፈለት፥ ናብ ኣምላኽን ዓለምን ዝጥምት፥ ዘይቀዋሚ ልቢ ስለ ዘለዎ ዝጠራጠር፥ ኣብ ግዜ ፈተና ኣብ እምነቱ ዘይጸንዕ እዩ። ክልተ ዝልቡ ክርስትያን፥
ሀ. ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን፡ ካብ ጐይታ ገለ ኣይቅበልን፡ (ያእቆብ 1፥6-8)
ለ. ፈታው ዓለም ምዃን ስለ ዚደሊ፡ ጸላእ ኣምላኽ እዩ፡ (ያእቆብ 4፥4)።
ሐ. ንክልተ ጎይቶት ማለት ንኣምላኽን ንገንዘብን ክግዛእ ዘይኮነሉ እዩ፡ (ማቴ 6፥24)
መ. ንሓጢኣን ኣእዳው ምሕጻብ ነታ ኣብ ክልተ ዝተከፋፈለት ልቡ ምንጻህ ዘድልዮ እዩ፡ (ያእቆብ 4፥8)
4. ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
ከምቲ ኣብ ብያእቆብ 4፥6 "ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ዝብል። ኣምላኽ ንትሑታት የፍቅሮም፥ ጸጋ ይህቦም(1 ጴጥ 5፥5፡ ያእቆብ 4፥6)፥ ልዕል የብሎም(ያእቆብ 4፥10)፥ ቀረብኦም እዩ (ያእቆብ 4፥8)፥ ይጥምቶም(ኢሳይያስ 66፥2)፥ የክብሮም እዩ (ሉቃስ 14፥10-11)። ኣብ ምሳሌ 3፥34 ድማ "ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።" ይብል። እዚ ምጽራርን ምልጋጽን ኣምላኽ ንዕቡያት ሰባት ኣብ ነብሶም ክትኣማመኑ ከለው፥ ዓቅሚ ከም ዘይብሎምን ድኹማት ምዃኖምን፥ ከም ዝርድኦም ይገብሮም ማለት እዩ። ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ይህቦም (ሮሜ 1፥28)። ቃል ኣምላኽ "ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት" ይብል (ምሳሌ 16፥18)። ኣምላኽ ንዕቡያት ዝጻረረኦም፡ ድኻሞም ኣስተብሂሎም ብንስሓ ናብኡ ክምለሱ ስለ ዝደሊ እዩ።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
1. ሃረርታ ናይ እዞም ክርስቲያናት እዚኦም ጽቡቕ (ጐይታ ዝሕጐሰሉ) ድዩ ነይሩ ወይሲ ክፉእ (ጐይታ ዝጉህየሉ)፧
ሃረርታ እዞም አብ መለእኽቲ ያዕቆብ ተጠቂሶም ዘለው፣ ማለት፣ ሃረር ትብሉ፣ስለ ዘይረኸብኩም ድማ ትቀትሉ፣ ክፉእ ትምነዩ እሞ ሓንቲ እኳ አይትረኽቡን፣ ተባሂሎም ዘለው፣ ጎይታ ዝሕጎሰሉ ዘይኮነስ፣ ዝጉህየሉ ኢዮም። ምኽንያቱ፣ እቲ ንሕና ሃረር ክንብሎኦ ዝተጸዋዕናስ፣ መጀመርታ ንቃሉ፣ ዳሓር ኩሉ ይውሰኸና ማለትዩ (ማቴ. 6፣33)። ስለዚ አምላኽ ነቶም ዘይልምንዎ እኳ ዘድልዮም ስለ ዝፈልጥ፣ ከይለመንዎ ዘድልዮም ይህቦም ኢዩ፣ እሞ ንዓና ነቶም ብሰናይ መንገዲ እንልምኖ ዳአ ክንደይ አብዚሑ ዘይባርኸና። ስለዚ ብሰናይ ሃረርታ እምበር ብክፉእ ሃረርታ ዝሕጎስ አይኮነን።
2 “ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ። (ዘጻአት 34፣14)። ብዓብይኡ ድማ አብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ እግዚአብሄር አምላኽ ቀናእ አምላኽ ኢዩ እሞ፡ አብ ቅድመይ ካልኦት አማልኽቲ አይሃልውኻ ዝብል። ካብዚ ብምብጋስ፣ ነቲ አብ ናይ ቀደም ትርጉም ዘሎ ሓሳብ፣ ማለት፣ አምላኽ ነቲ አባና አሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፣ ብቕንኢ ኢዩ ዝሕልዎ፣ ዝብል፣ ምስዚ ሓሳብ እዚ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ተረዳዲእና። ገሌና ድማ፣ ነቲ አብ ናይ ሓድሽ ትርጉም፣ ማለት፣ ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ ንዝብል ድማ ምናልባት በቲ ክሳዕ ቅንኢ ዶ ሃረር ይብል ኢዩ፣ ክብል ከሎ፣ እቲ አባና አሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ ክንወድቅ ስቕ ኢሉ አይርእየናን ኢዩ፣ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ። ብሓፈሻ ግና እግዚአብሄር፡ አባና ደቁ፡ ቀናእ ከም ዝዀነን ኩሉ ዝሓስቦ ድማ ሓሳብ ዳሓን እምበር፡ ካልእ ከም ዘይኰ ተረዳዲእና።
3. ክልተ ልቢ ዘለዎ ክርስቲያን ከመይ ዝበለ እዩ፧
ኣብ ምዕ. 1 ያዕቆብ 1፣ 6_8 “እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ” ይብል’ዩ። አብ ምዕራፍ 4 እውን፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ” ስለዚ ክልተ ልቢ ዘለዎ ሰብ፣ አብ መትከሉ ዘይጸንዕ፣ ብኽፉእ ትምኒት ዝልምን፣ ዝጠራጠር፣ አይውዑይ አይዝሑል ዝኾነ፣ ናብ ክልተ ወገን ዝሕንክስ፣ ወዘተ።
4. ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ከምኡ ከኣ ብትሕትና ዚመላለሱ ከመይ እዩ ዝርእዮም፧
“ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡” ይብል (ያዕቆብ 4፣6)። አብ መልእኽቲ ጰጥሮስ’ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ አሎ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑ’ውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባ’ውን፡ (1.ጴጥ. 3፣10)።