መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 10
ዝቐረቡ ሕቶታት
1. ንሓድሕድካ ምንቕቓፍ ወይ ምሕማይ ወይ ምፍራድ፡ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን
2. ትምክሕቲ ጃህራ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚጸልኦ፧ ወይ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧
3. መደባትካ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ፧ ብህይወት’ውን እንተ ኣሎና” ኣብ ዝብል ቃል መሰረት ዲኻ ትሃንጾ ወይሲ ባዕልኻ ኢኻ መሰረቱ፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ።
4. ሰብ ነቲ ዝፈልጦ ሰናይ ነገር ዘይመግበሪኡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን፧
5. ቃል ኣምላኽ ንመን እዩ “ሓጢኣተኛ” ኢኻ ዝብሎ ዘሎ፧ ዓስቡ’ኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
1. ንሓድሕድካ ምንቕቓፍ፡ ምሕማይ ወይ ምፍራድ፡ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን
እቲ «ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን» ዝብል ዘሎ ክፋል፡ ክንጽረልና ኣይከኣለን። «ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ» ዝብል ሓሳብ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ገሚትና (ገላ2.11)። ንሕጊ ኣምላኽ ኣብ ክልተ መቒልና ክንርእዮ ንኽእል፣ እቲ ቀዳማይ ክፋል ፍቕሪ እግዚኣብሄር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ፡ ፍቕሪ ብጻይ እዩ። ምንቕቓፍ፡ ምሕማይ፡ ወይ ምፍራድ፡ ሓጢኣት ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ ዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ስለ ዝጥሕስ እዩ። «እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊ’ውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ካብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን» (ያእ4.11)
ጳውሎስ ንኬፋ፡ ምእንቲ ክሃንጾን፡ ካብ ጌጋ ኸኣ ምእንቲ ክመልሶን እዩ ገጽ ንገጽ እተቓወሞ እምበር፡ ምእንቲ ከፍርሶ፡ ሓደው ምእንቲ ከንእሶ ኣይኰነን። ትሕዞ መልእኽቲ እዛ ጽሕፍቲ እምበኣር፡ ነፍስ ወከፍ፡ ወገን እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ንብጻዩ ምሕላይ ክፈልጥ፡ ንብጻዩ ዝሃንጽ፡ ዝጠቅም ደኣ ክገብር እምበር፡ ወገን ዲያብሎስ ኰይኑ፡ ንብጻዩ ዝጐድእ፡ ዝሃሲ፡ ዘነኣእስ ከይገብር ዘጠንቅቕ እዩ።
2. ትምክሕቲ ጃህራ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚጸልኦ፧ ወይ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧
ንትምክሕትን ጃህራን ዝወልዶ፡ ርእሰ-ትውክልቲ እዩ። ኣብ ርእስኻ፡ ኣብ ክእለትካን ጥበብካን ኮታ ኣብ ብቕዓትካ ትምርኰስ እንተዄንካ፡ ንስኻ ንቦታ እግዚኣብሄር ብምትካእ፡ ገባር ኵሉ፡ ከኣሊ ኵሉ፡ ፈላጢ ኵሉ ትኸውን ኣለኻ። «እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡ’ውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ» (ኤር17.5)። ኵሉ ካብኡ፡ ኵሉ ድማ ብእኡ እዩ እሞ፡ «ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧» (1ቈረ4.7)። «ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ» (2ቈረ10.18)።
3. መደባትካ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ፧ ብህይወት’ውን እንተ ኣሎና” ኣብ ዝብል ቃል መሰረት ዲኻ ትሃንጾ ወይሲ ባዕልኻ ኢኻ መሰረቱ፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ።
ንቕድም እቲ ጽሑፍ፡ «ጐይታ እንተፈቐዶ ብህይወት’ውን እንተ ኣሎና» ዘይኰነ «ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕና’ውን እንተ ኣሊና» ብዝብል ብቕኑዕ ክጸሓፍ ከም ዝግብኦ ተዘራሪብና። ብዝተረፈ፡ ኣብ ህይወት ክብ ለጠቕ ስለ እንብል፡ ኵሉ ጊዜ ከምኡ ኢና እንነብርን እንገብርን ክንብል ከም ዘይከኣለና ድኻምና ተኣሚንና። ኣብቲ ዕለታዊ ጸሎትና፡ «ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን» ስለ እንብል፡ ብቐንዱ ኸኣ መደባትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህይወትና’ውን ናቱ ክትከውን ዝሓረና ስለ ዝዀንና፡ ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ፡ «ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕና’ውን እንተ ኣሊና» ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ክንቃነ ከም ዝግብኣና ጠቒስና።
4. ሰብ ነቲ ዝፈልጦ ሰናይ ነገር ዘይመግበሪኡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን፧
ነቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 7 ዘሎ ዘኪርና። «ፍቓድሲ አሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦ፡ እፈልጥ አሎኹ» (ሮሜ7.18-19)። ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ከም ዘላን፡ እቲ ውዱቕ ኣዳማዊ ባህርይ’ውን ለቢስና ክሳዕ ዘሎና፡ ነቲ እንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ ክንገብሮ’ውን እንደሊ ግናኸ ምግባሩ ዝሰኣነና ኴንና ንርከብ። ጨንፈር፡ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ እንተዘይጠቢቑ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከም ዘይክእል፡ ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ጠቢቕና ብዙሕ ፍረ ክንፈሪ ኣምላኽ ይርድኣና!
5. ቃል ኣምላኽ ንመን እዩ “ሓጢኣተኛ” ኢኻ ዝብሎ ዘሎ፧ ዓስቡ’ኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
«እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ» (ያእ4.17)። «ሓጢኣት ይኾኖ» ምባልን፡ «ሓጢኣተኛ» ምባልን ከም ዝፈላለ ጠቒስና። ብርግጽ፡ ሓጢኣት ዝገበረ ዘበለ፡ ሓጢኣተኛ እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም፡ “ሓጢኣተኛ” ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝፈልጦ እንተዘይገበሮ፡ “ሓጢኣት ይኾኖ” ብዝብል’ዩ ተጽሒፉ ዘሎ።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1. ንሓድሕድካ ምንቕቓፍ ወይ ምሕማይ ወይ ምፍራድ፡ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ሕሜታ፣ ምፍራድ ወይ'ውን ምንቕቓፍ፡ ሓጥያት ዝዀነሉ ምኽንያት ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ እዩ። “እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ"፡ ከም ዝበሎ(ያእ4፥11)፣ እዚ ድማ ኣብ ካልእ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተኣዘዘ እዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዝቐርብ ሸለልትነት ዝመልኦ፡ ንዕቀት ዝመልኦ፡ ነቐፌታዊ፡ ጸለመ ዝመልኦ ክስታት ይኹንን እዩ። “ብዛዕባ ሓዉ ክፉእ ዝዛረብ ... ንሕጊ ኣምላኽ ክፉእ ይዛረብ” ስለዚ እዩ ክኣ ሓጢኣት ዝኸውን። ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን ዝብል ዘሎ ብትኽክል እታ ሕቶ እንተ ተረዲኢናያ፣ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ዘይፍቀድ እንተ ኮይኑ ከመይ ድኣ ጴጥሮስን ጳውሎስን ፈሪዶም ትብል እንተ ኮይና እታ ሕቶ! እዚ ያእቆብ ዝብሎ ዘሎ ፍርድን ከም ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ይ ጢሞቴዎስ 1፥20 “ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን” ዝበሎ እዚ ዓይነት ፍርዲ ጳውሎስ ካብ ማሕበር ኣምላኽ ክፍለዩ እሞ ብስጋ መከራ ምስ ጸበቦም ብዝሓሸ ተናሲሖም ክምለሱ እምበር ንዅነኔ ኣይኮነን ዝፈርዶም ዘሎ። ወላ ነቲ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ” ኢሉ ኣሎ፡ ኣብ [1ይ ቈረ፣5 1-5] ኣብታ ካልአይቲ መልእኽቱ ግና እንደገና ናብቲ ማሕበር ከም ዝተጸምበረ ይነግረና።
2. ትምክሕቲ ጃህራ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚጸልኦ፧ ወይ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧
“ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ” (ያእ4፥16) “ምምካሕ”፦ ብዛዕባ’ቲ ዝጽበይዎ ንግዳዊ ዓወታት ብትዕቢት ምጅሃር። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉን ንኹሉን ከም ዝቈጻጸሮ ፈሊጥና፡ ፍቓዱ ኣብ ክንዲ ምሕታት፡ ንኣምላኽ ኣብ መደብና እንተ ዘየእቲናዮ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡” ስለ ዝብለና (ያእ 4፥14) እዚ ኽኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጹሉእ እዩ። ንህይወትናን ሞትናን እውን ከይተረፈ ኣይንቈጻጸሮን ኢና። ነዚ ፈሊጥና ልዕሊ ኩሉ ትሑታት ክንከውን ይግባእ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣዝዩ ልዑል ምሕሳብ ሓጢኣት እዩ።
3. መደባትካ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ፧ ብህይወት’ውን እንተ ኣሎና” ኣብ ዝብል ቃል መሰረት ዲኻ ትሃንጾ ወይሲ ባዕልኻ ኢኻ መሰረቱ፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንቓል ኣምላኽ ከም ቃል ኣምላኽ ተቐቢልኻ ኣብኡ ተሰሪትኻን ደልዲልካን ንጐይታ ምንባር እዩ፣ እምበኣር እቲ ቐንዲ ሽግር፡ ሃዋርያ ያእቆብ ዝነቕፎም ዘሎ እቲ ናይ ዓመታዊ ውጥኖም ኣብ ክእለቶምን ዓቕሞምን ተወኪሎም ንኣምላኽ ኣብ መደቦም ከእትውዎ ኣይኽኣሉን ነዚ እዩ፣ ነቲ ጽባሕ ዝኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም “ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕና’ውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ” (ያእ 4፥15-16)። ከም ኣመንቲ፡ ኣብ ህይወትና ንርእዮ ድኽመታት ኣሎ እንዶ፣ ኩሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ንብል ኢና፣ ነዚ ግን ካብ ልምዳዊ ኣበሃህላ ወጺእና ብሓቂ ንኣምላኽ ዝኸውን ህይወት ክህልወና ኣምላኽ ይርደኣና። ጐይታ ኢየሱስ ብዛዕባ ነቲ ጽባሕ ዝኸውን ክንገብሮ ዘለና ከምዚ በለ፣ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” (ማቴ 6፥34)።
4. ሰብ ነቲ ዝፈልጦ ሰናይ ነገር ዘይመግበሪኡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን፧
እቲ ቐዳማይ ኣዳም፡ ካብታ ኣይትብልዓያ ዝተባህለ ኦም ክበልዕ ዝገበሮ፡ ኣብቲ በጺሕዎ ዝነበረ ፍልጠት፡ ከይጸንዕ ብምኽሪ ዲያብሎስ ስለ ዝተታለለ እዩ። ስለዚ እምበኣር ሰብ ነቲ ዝፈለጦ ሰናይ ዘይመግበሪኡ፡ በዛ ናይዛ እክይቲ ዓለም ተጠሊፎም ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈለጥካዮ ሰናይ ነገር ምግባር ብኣንጻሩ ይከዱ ደቂ ሰባት። ሰናይ ምግባር እንፈልጥን ምስ ዘይንገብሮን ንኣምላኽ ዘየሐጉሶ እዩ። “ሰናይ ንምግባር” ንኣምላኽ ኣብ መደባትካ ምእታው የድሊ። ንኣምላኽ ምግዳፍ ሕማቕ ውጥን ጥራይ ኣይኮነን፤ “ሓጢኣት'ውን እዩ”። እቲ እንገብሮ ሕማቕ ነገራት ብምግዳፍ ማዓልታዊ ሰናይ ምግባር ካብቲ ልምዳዊ ማለት ነቲ ሰናይ፣ ፈሊጥዎ ዘሎ እሞ ኽኣ ዘይገብሮ ዘሎ ክወጽእ ይኽእል እዩ። ሓጢኣት ንኣምላኽ ዘየሐጉስ ዝኾነ ነገር እዩ። “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” (ዮሃ 13፥17)።
5. ቃል ኣምላኽ ንመን እዩ “ሓጢኣተኛ” ኢኻ ዝብሎ ዘሎ፧ ዓስቡ’ኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
እታ ጥቕሲ 17 ኣብቲ ቀዳማይ ሕታም፡ "ሓጢኣት ይዀኖ" እያ ትብል፣ ኣብ ካልኣይ ሕታም ግና እቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ሠናይ ነገር ዚፈልጥ፣ ግና ዘይገብሮ፣ ንሱ "ኃጢኣተኛ እዩ" ይብል (ያእ4:17)። ሰናይ ዝፈለጠ ኣማኒ ግን ዘይነብሮ እንተ ዀይኑ፡ ኃጢኣት እዩ ዝገብር፣ ዓስቢ ዘይምእዛዝ ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ምፍላይ እዚ ኸኣ ሞት ምዃኑ፡ ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ፍጥረት ኣዳምን ሄዋንን፡ ይነግረና እዩ፡ (ዘፍ3፡14-24) ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ፡ "ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ" በለ፡ (ሮሜ6.22)።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1.ንሓድሕድካ ምንቕቓፍ ወይ ምሕማይ ወይ ምፍራድ፡ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣይፈረዱን።
ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ምዝራብ ወይ ምፍራድ፡ ሓጢኣት እዮ። ምኽንያቱ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ክንለብሶ ዝደልየና ትሕትናን ፍቕርን ስለ ዝዀነ። ንነብስኻ ኣልዒልካ፡ ጻድቕ፣ ወሃቢ ሕጊ፣ ፈራዲ ጌርካ፥ ብትዕቢት፡ ማዕረ ኣምላኽ ትሰርዓ። ንሕጊ ትሓምን ኣብ ሕጊ ትፈርድን (ያእ4፣11)። ነቶም ንኣከዳድና ርእዮም ኣድልዎ ዝገብሩ፣ “ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን” ተባህሉ (ያእቆብ 2፡1–4)። ኣምላኽ ጥራሕ ልብን ሃቐናን ሰብ ዝፈልጥ፣ ቅኑዕ ፈራዲ ምዃኑ ትዝንግዕ። ሓጢኣተኛ ምዃንካ ትርስዕ። ንሓድሕድካ ምፍራድ፡ ነቲ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅር” ዝብል ንጉሳዊ ሕጊ ምፍራስ እዩ። (ያእ 2፣8)። ንሓደ ኣካል ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ትሃንጽ፣ ተፍርስ። ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ብቓልን ብግብርን ከይፈረዱ ኣርኣያ ኰይኖም፥ ኣመንቲ ብፍቕርን ትሕትናን ክመላለሱ እምበር ክፈርዱ ከም ዘይብሎም’ውን ምሂሮም። ንኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብግልጺ ኣሪምዎ (ገላትያ 2፥11-14)። ኣመንቲ ካብ ፍርድን ጸለመን ክቑጠቡ፥ ኣብ ሮሜ 14፡4 ከምኡ’ውን 14፡10–13፡ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝፈርድ፡ ነሕዋትና ክንፈርዶም ከም ዘይብልና የዘኻኽረና። ንዝተጋገዩ ድማ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ኢሉ ይምዕድ (ገላትያ 6፣1) ብተመሳሳሊ ጴጥሮስ ኣብ 1ጴጥሮስ 2፡1, 3፡8-10, 4፣8 ኣመንቲ ንዅሉ ኽፍኣትን ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ሕሜትን ከርሕቕዎን፣ ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም ኢሉ የተባብዕ። ጐይታውን ነቶም እምነቶም ስለ ዝጐደለት ንሕማም ባርያ ዝነበሮ ሰብ ምሕዋዩ ዝስኣኑ፥ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወሎዶ፥ ክሳዕ ምዓስ ምሳካትኹም ክነብር እየ ኢሉ፥ እምነቶም ከዕብዩ ምሃሮም (ማቴ 17፥17)።
2.ትምክሕቲ ጃህራ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚጸልኦ፧ ወይ ስለምንታይ እዩ ሓጢኣት ኰይኑ፧
ትምክሕትን ጃህራን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣብ ክንዲ ኣብ ኣምላኽ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከም እትምርኰስ ጌሩ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቐካን ካብኡ ዝፈልየካን ሕማቕ ሰይጣናዊ ባህርይ እዩ። ትዕቢት: ትሕትና ዘይምህላው እዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ከም ትብል ይገብር። ኣምላኽ ከም ዘድልየካ ከይተስተውዕልን ምስ ዕላማኡ ከም ዘይትሰማማዕን ጌሩ ምስ ኣምላኽ ዘለካ መንፈሳዊ ዝምድና ስለ ዝሃሲ። ኣምላኽ ንትምክሕትን ጃህራን ይጸልኦ። ሃዋርያ ያእቆብ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም (ያእ4፣6)፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። በለ (ያእቆብ 4፡10)፣ ነቶም ንሂወቶምን ንግዜን ከም ዝቆጻጸሩ ኾይኖም ንኣምላኽ ረሲዖም መደባት ጸውጽኡ ድማ፣ ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። ኢሉ መደባትካ ኣብ ምውጻእ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምምርኳስ ቅኑዕ ምዃኑ ይምህር፡ (ያእ4፡13-16)። ጎይታ ብምስላ፥ ሃብታም ሰብኣይ ብልቡ እክሉን ሃብቱን ዝእክበሉ ቦታ ኣዳልዩ፥ ንነፍሱ፥ ንብዙሕ ዓመታት ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ ምስ በላ፥ ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ ይብል። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ፥ ኢሉ መሃረ። (ሉቃ12:16-21)።
3.መደባትካ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ፧ ብህይወት’ውን እንተ ኣሎና” ኣብ ዝብል ቃል መሰረት ዲኻ ትሃንጾ ወይሲ ባዕልኻ ኢኻ መሰረቱ፧ ብምስክርነት ኣሰንዮ።
ኣብ ጉጅለና ኹላትና ከም ክርስትያን መጠን፥ ኣብ ኣምላኽ ጽግዕተኛ ምዃንና እንዳሓሰብና ክንነብር ዕላማና ምዃኑን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መደባትና ኣብ ኢዱ ምዃኑ ብምእማን ‘ጐይታ እንተፈቐዶ፣ ብህይወት’ውን እንተኣሎና ንብል ኢና። ከም ሰብ መጠን ግና ፍጹማት ስለ ዘይኰንና፣ ነዚ ሓረግ ንርስዓሉን፣ ከም ርጉጽ ጌርና መደባት እነውጽኣሉን ግዜ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ምሙርኳስ ከም ዘድልየና ክንዝክር ይግብኣና እዩ። ልዕሊ ብቓላት ነዚ ሓረግ ብቓላት ምድግጋም፥ ንኣምላኽ ከኽብርን ልዕል ከብልን ዝብህግ ቅኑዕ ልቢ ምህላው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ ምስ እንኸውንን ኣብ እምነትና እናዓበና ምስ እንኸይድን፣ ጐይታ እንተፈቐዶ፣ ብህይወትውን እንተኣሎና ኢልና እነውጽኦ መደባት ዝያዳ ቕኑዕ ይኸውን።
ምስክርነት፣ ብዙሓት ኣብ ጉጅለና፥ ምስ ኣመንቲ ኣብ ዝገብርዊ መደባትን፥ መደቦም ኣም ምዕጻውን "ጐይታ እንተፈቐዶ ንሕናውን እንተ ኣሊና" ኢሎም መደባት ሰሪዖም ከም ዝፋነው መስኪሮም።
4. ሰብ ነቲ ዝፈልጦ ሰናይ ነገር ዘይመግበሪኡ እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን፧
ደቂ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ክገብርዎ ከም ዘለዎም ዝፈልጥዎ ሰናይ ንምግባር ዝሽገርሉ ምኽንያት፡ ድኹም ስጋዊ ባህርይ ሰብን ህላወ ሓጢኣትን እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ሰናይ ክገብር ዝደሊ መንፈስን ናብ ርእሰ ፍትወትን ሓጢኣትን ዝስሕብ ስጋን ዘሎ ውሽጣዊ ውግእ ብምህላው እዩ፡ (ሮሜ 7፡15-20)። ካልእ ምኽንያት ድማ ድኻም ናይ ድሌትካ ምቁጽጻርን፥ ነብስካ ምግታእ ዘይምኽኣልን እዩ። ቅኑዕ ምዃኑ እንዳፈለጥካ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ብቕጽበት ድሌታትካ ክትፍጽም ኢልካ፥ ብኸባቢኻን ልምድታትን ተጸሊኻ ስለ እትፍተን፥ ነቲ ስጋዊ ኣረጊት ባህርይካ ስለ ዘይሞትካ፡ ምስ መንፈስካ እናተዋጋእካ ምፍጻሙ ትስእን። ምስ ግዜ ግና ብመንፈሳዊ ዕብየትን ጸሎትን፥ ተሓታትነት ከም ዘለካ ተረዲእካ፥ ነቲ እንፈልጦ ሰናይ ንምግባር፥ ብጸጋ ኣምላኽ፥ እምነት ጉዕዞን ቃልስን ምዃኑ ተረዲእካ፡ ብዝያዳ ቀጻሊ ትዓብን ሰናይ ትገብርን።
5. ቃል ኣምላኽ ንመን እዩ “ሓጢኣተኛ” ኢኻ ዝብሎ ዘሎ፧ ዓስቡ’ኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
ብመሰረት ያእቆብ 4፥11-17፥ ቃል ኣምላኽ ሓጢኣተኛ ዝብሎ፥ ከምቲ ኣብ ብያእቆብ 1፥23-24 ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንገጹ ብመስትያት ርእዩ ዝርስዖ እዩ ዚመስል ዝብሎ። ነቲ ብሕሜትን ክፉእ ዘረባን ኣብ ካልኦት ዝፈርድ (ያእቆብ 4፣11–12)። ነቲ ብዛዕባ ጽባሕ ዘይፈልጥ ከሎን፥ ሂወቱ ከም ትኪ ተራእያን እትበንን ከላ፥ ንፍቃድ ኣምላኽ ረሲዑ፥ ንግዜን ንህይወቱን ከም ዝቈጻጸር ኰይኑ ብትዕቢት ናይ ነዊሕ ግዜ መደባት ዘውጽእ፡ (ያእቆብ 4፣13–16)። ነቲ ሰናይ ምግባር እናፈለጠ፡ ሸለል ዝብል (ያእ4፣17) እዩ ሓጢኣተኛ ዝብሎ። ዓስቡ ወይ ሳዕቤን ድማ፥ መንፈሳዊ ድኻምን ካብ ኣምላኽ ምርሓቕን ሞትን የኸትል። ንኻልኦት ስለ ዝብድል፥ ሕማቕ ዝምድናታት ይህልዎ፣ መንፈሳዊ ፍረ ኣይፈርን። ምስ ዝንሳሕ ግና ብጸጋ እግዚኣብሔር ይቕረ ክብሃሎን ናብ ኣምላኽ ክምለስን ይኽእል።