መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 11

ንኣርባዕቲኤን ጉጅለታት ዝቐረቡ ሕቶታት

 1.ባህርይ ናይ እዞም ሃብታማት ሰባት እንታይ እዩ ነይሩ፧

2.እቲ ዝመጾም ዘሎ መከራ እንታይ ዓይነት መከራ’ዩ፧

3.ትዕግስትን እምነትን ናይ ሓረስታይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

4.ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

5.ጠንቂ ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

6.ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

 

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

1. ባህርይ ናይ እዞም ሃብታማት ሰባት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ፡ ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ ኣብ ዝብል፡ ብቂ፡ ስስዐ የርእየና። “ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ” ክብል ከሎ ኸኣ፡ ዓመጽቲ ምንባሮም የርእየና። “ከም ብመዓልቲ ማሕረዲ’ውን ልብኹም ኣስቢሕኩም” ክብል ከሎ ኸኣ ትዕቢቶም የርእየና።

2. እቲ ዝመጾም ዘሎ መከራ እንታይ ዓይነት መከራ’ዩ፧

እቲ “መከራ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መግደራ” እዩ ዝብሎ። “ዋይ ዋይ” እናበልካ ክትበኪ ዝገብር ምዃኑ ድማ ክንርዳእ ንኽእል። ስስዐ፡ ዓመጽን ትዕቢትን፡ ከም ሓዊ ኰይኑ ንስጋኦም ከም ዝበልዖ ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹልና’ሎ። ኣብ ምድሪ ሐንቂቖም፡ ጥዒምዎምን ተድላኦም ዝወድኡን ስለ ዝዀኑ፡ መወዳእታኦም ዘሰክሕ ፍጻመ፡ ከም ዝኸውን፡ ከም ንመረዳእታ፡ ካብ ወንጌል ሉቃስ 16.19-25፡ ዛንታ እቲ፡ ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ፡ ሃብታም ሰብኣይን፡ ዛንታ እቲ ኣልኣዛር ዝስሙ ብቝስሊ ተወሪሱ ዝነበረን ጠቒስና። ”ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ” ከም ዝበሎ ኸኣ ዘኪርና።

3. ትዕግስትን እምነትን ናይ ሓረስታይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

“ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ክልቲኡ፡ ማለት፡ ምጽባይን ምዕጋስን ተጠቒሱ’ሎ። ሓረስታይ፡ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ኣይኰነን ዝጽበን ዝዕገስን። ካብ ምሕራስን ምልስላስን መሬት ጀሚርካ፡ ክሳዕ ምዝራእን ምድኳዕን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳዕ ምጽህያይን ምጕሳይን፡ ብዘይካ’ዚ’ውን ክሳዕ ምዕጻድን መኼዳን ወዘተ ብግብሪ እናተሳተፈ እዩ፡ ብእምነት ዝጸበን ዝዕገስን። እዚ ኸኣ ንሕመረት መልእኽቲ ያእቆብ ዜርእየና ትሕዝቶ እዩ።

4. ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ “ተዐገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ” ብዝብል’ዩ መሊስዎ ዘሎ፡ (ያእ5.8)። ሰብ ዕድመን ተመኩሮን ክነግሩና ከም ዝኽእሉ፡ ትዕግስቲ ብትዕግስቲ’ዩ ዝጥረ። ንኽትዕገስ ከኣ፡ ዘይወላወልን ጽኑዕ ዝእምንቶኡን ልቢ ክህልወካ የድሊ። ትዕግስቲ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ብምፍጣር፡ ብጸሎት፡ ብቓል ኣምላኽ፡ ብሕብረት ኣሕዋት፡ ህድእ ኢልካ ብምጽባይ እዩ ዝጥረ።

5. ጠንቂ ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

እዛ “ምጕርምራም” ተብሂላ ዘላ፡ “ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ፡” ካብ ዝብል ዝተወስደት ክትከውን ከም እትኽእል ተረዲእና (ያእ5፡9)። ተመስገን ዘይምባል፡ ብዘሎካ ዘይምዕጋብ፡ እተጸበኻዮ ዘይምርካብ፡ ኣመል ምስ መግነዝ ከም ዝብሃል ከኣ ብማይ-ቀጠነ ወዘተ ከተጕረምረም ከም እትኽእል ተዘራሪብና።

6. ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ነታ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረንቶስ 10፡1-11 ዘቕረባ መረዳእታ፡ ንሕና’ውን ሓንቲ ካብተን መረዳእታታት ጌርና ኣቕሪብናያ ኣለና። ኣቦታትና ትሕቲ ደበና እዮም ኔሮም። ደበና፡ ክብሪ እግዚኣብሄር’ዩ ዚገልጽ። ኵላቶም ባሕሪ ከም እተሳገሩ፡ ስለዚ ኸኣ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ከም ዝተጠምቁ፣ ኵላቶም፡ ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ፡ ማለት ክርስቶስ፡ እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ከም ዝሰተዩ፡ እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ’ውን ከም ዝበልዑ፡ ዚበዝሑ ካባታቶም ግና ንኣምላኽ ባህ ከም ዘየበልዎ እሞ ስለዚ ኸኣ ኣብ በረኻ ከም እተወድኡ ምስ ገለጸ፡ ”ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም። ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበና’ውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” ብምባል ኣጠንቀቐ። ሳዕቤን ምዕዝምዛም፡ ጥፍኣት’ዩ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

1. ባህርይ ናይ እዞም ሃብታማት ሰባት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ሃብቲ ብባህሪኡ ሓጥያት ኣይኮነን፡ ሓጥያት ዝኸውን ከምዚ ሃዋርያ ያዕቆብ ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹም’ውን ብልዒ በሊዕዎ። ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹም’ውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም አሎኹም። እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶ’ውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ፡” ኢሉ ገሊጽዎም ዘሎ ፡ እምነቶም ኣብ ገንዘቦም ዝዀኑ፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ዓመጽቲ (ገበትቲ)፡ ንድኻን ዝተጸገመን ዘይሕግዙ ስሱዓትን ምስ ዝኾኑ ኢዮም።

2. እቲ ዝመጾም ዘሎ መከራ እንታይ ዓይነት መከራ’ዩ፧

እቲ ዝመጾም መከራ: ትንቢታዊን ፍርድን ዝመስል ኮይኑ: ንሳቶም ብዘይ ሓሰብዎ መንገዲ: ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል:  "ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም" ኢሉ ዝተዛረበና ( ሉቃ 6:24-25): ዕጫኦም ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ኢዩ ክኸውን። ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ንነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ (ማርቆስ 8፥36)

3. ትዕግስትን እምነትን ናይ ሓረስታይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

"ሓረስታይ ኣማኒ እዝጊ" ዝብል ብህሎ ወለድና ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ሓቂ ኢዪ። ሓረስታይ ገና ማይ ክዘንብ ድዩ ኣይዘንብን ከይፈለጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑ ኢዩ ማሕረሱ ዝጅምር። ከም ንፈልጦ ስራሕ ማሕረስ ከቢድ፡ ዓቕልን ትዕግስትን ዝሓትት  ስራሕ እዩ። ነቲ ንማሕረስ ተዳሊዩ ዘሎ መሬት፡ ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ክሳብ ዝኸውን ኣጻፊፉ ከዳልዎ፥ ብድሕሪኡ’ውን ዘርኢ ዘሪኡ እናዀስኰሶን፥ ካብ ጸሃያይ ይኹን ካብ ባልዕ፥ እናተከናኸንን ክሳዕ ኣብ ፍረ ዝበጽሕ፡ ከባቢ ዓመት ዝኸውን፥ ብትዕግስቲ ይጽበ። ስለዚ ትዕግስትን እምነትን ሓረስታይ "ከምዚ እዩ" ኢልካ ብቕልል ዝበለ ሓሳባት ዝግለጽ ኣይኮነን።

4. ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ትዕግስቲ ኣምላኽ በብቕሩብ ዝልመድ ኢዩ። ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ዝኸውን ንእግዚኣብሄር ምስ ዝኣምኖ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ እምነት፡ ካብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ይነግረና፡ (ሮሜ 10፥17). ትዕግስቲ ሓደ ካብ ባህሪ ኣምላኽ ኢዩ፡ ስለዚ ንኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ምፍላጥ፥ ተማቓሊ ባህርያቱ ኢኻ እትኸውን እሞ፥ ባህሪ ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ተረዲእካ ክትኣምኖን ክትስዕቦን ይግባእ።  

5. ጠንቂ ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ጠንቂ ናይ ምጉርምራም፥ ናብ ኩነታትካን ነገራትካን ምጥማት፥ ወሃብን ከላኢን እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘይምግንዛብ፥ እምነት ምጉዳል፥ ተመስገን ዘይምባል ወዘተ እዩ።

6. ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ውጽኢት ወይ ሳዕቤን ናይ እዞም ኩሎም ከኣ ሓጎስካ፡ ግዜኻ፡ሰላምካ ብዓቢኡ ክኣ ግዜካ የኽሰረካ።

 ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

1. ባህርይ ናይ እዞም ሃብታማት ሰባት እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቶም ኣብ ያዕቆብ 5፡1-6 ተጠቒሶም ዘለዉ ሃብታማት፡ ሃዋርያ ያእቆብ፡ ከምተን ቀጺለን ዘለዋ ጥቕስታት፡ ኣሕዋተይ ስለ ዘይብሎም፡ ዘይኣመንቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉን፣ እዛ መልእኽቱ ናብ ኣመንቲ ስለ ዝተጻሕፈት ሃብታማት ኣመንቲ’ውን ኔሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክልተ ኣርኣእያ ኣሎ። ባህሪኦም ድማ፣ ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ኣብ ሰማይ መዝገብ ምእካብ፣ ልዕሊ ዘድልዮም ምድራዊ ሃብቲ ዝእክቡ (ማቴ. 6፡19-21)፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሶም ንሰራሕተኛታት ደሞዝ ዝኽልክሉን ዘታልሉን (ዘዳግም 24፡14-15)፡ ከምቲ ንኣልኣዛር ዘይደንገጸሉ ሃብታም ሰብኣይ፣ ንኣምላኽ ሸለል እናበሉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍትወት ስጋን ባህታን ዝነብሩ (ሉቃስ 16፡19-31)፡ ከምኡ’ውን ነቶም ብሰንኪ እምነቶምን ድኽነቶምን ክቃወምዎም ዘይክእሉ ጻድቃን፡ ዝገፍዑን ዝቐትሉን: እዮም ኔሮም (ያእቆብ 5፣6)። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 14፡31 "እቲ ንድኻ ዚጭቍን፡ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ" ዝብል፡ ሃብቶም ኣብ ክንዲ ንበረኸት ንምግፋዕ ዝጥቀምሉ፣ ኣብ ክንዲ ንፈጣሪኦም ዘኽብሩ፣ ብግብሮም ዝጸርፍዎ እዮም ኔሮም። ሃዋርያ ያእቆብ፡ ኣምላኽ ነቲ ዘይፍትሓውነቶም ከም ዚርእዮን ከም ዚፈርዶምን የጠንቅቕ።

 2. እቲ ዝመጾም ዘሎ መከራ እንታይ ዓይነት መከራ’ዩ፧

ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነቶም ጨቆንቲ ሃብታማት፡ ሃብትኩም ንስጋኹም ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ ምባሉ፣ ኣምላኽ ከም ዝፈርዶም ንርዳእ። ሃብቶም ኣብ ክንዲ ዘድሕኖም፣ ንሓጢኣቶም መርትዖ ይኸውን። ኣውያት እቶም ውዕለቶም ዘይተኸፍሉ ዓየይቲ፡ ናብ ኣምላኽ ስለ ዝበጽሔ፡ ኣምላኽ ሕኒኦም ክፈዲ እዩ።  ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዝገብርዎ ግፍዒ ኩሉ ጸብጻብ ክህብሉ እዮም።  ኣብ ሉቃስ 6፡24-25 ኣቱም ሃብታማት ወይለኹም ኢሉ መጠንቀቕታ ዝህብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሉቃስ 16፡19–25 ኣብ ምድሪ ኵሉ መዓልቲ ዚሕጐስ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ: ድሕሪ ሞቱ ግና፣ ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ: በዚ ሃልሃልታ’ዚ እስቀ አሎኹ እንዳበለ: ብጣዕሳ ክልምን ንርእዮ። ስለዚ እግዚኣብሄር ነቶም ንሃብቶም ብዘይግቡእ ዝጥቀሙን ንኻልኦት ዝጐድኡን፣ ካልኦት እናተሳቐዩ ጥዒምዎም ሃብቲ ዝእክቡ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንማሕረድ ነብሶም ከም ምስባሕ ምዃኑ፣ እግዚኣብሄር ንጨቋኒ ሕነ ከም ዝፈዲ፣ ከቢድ ፍርድን ኩነኔን ከም ዝበጽሖም ንርዳእ።

3. ትዕግስትን እምነትን ናይ ሓረስታይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

ሓረስታይ ንነዊሕ ግዜ ይዕገስ፣ ምድሪ ፍሪኣ ክሳብ ትህብ ይጽበ፣ ተስፋ ከይቈረጸ ተጊሁ ይሰርሕ። ንዝናብ ይኹን ምብቋል ዘርኡ ክቈጻጸሮ ከምዘይክእል እናፈለጠ፣ ብእምነት ይሓርስን ይዘርእን። ኣብ ልዑላውነት ኣምላኽ ተኣማሚኑ፣ ብተስፋን ትጽቢትን ብጽንዓት ቀውዒ መጺኡ፣ ፍሪኡ ክእክብ ይጽበ። ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ይገብር እምበር ኣይጭነቕን። ጐይታውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምሳሌ ሓረስታይ ክምስላ ከሎ፣ ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ፡ ይበቍል ይዓቢ’ውን: እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺዱ ይሰድድ። በለ (ማሪቆስ 4፣26-29)። ሓረስታይ ብትዕግስቲ ይጽበ፡ ብተኣማንነት ይሰርሕ፡ ምህርቱ ንኽሓፍስ ድማ ኣብ ኣምላኽ ይውከል።

4. ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ሓደ ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን፣ ልቡ ንኣምላኽ ክፉት ክኸውን ኣለዎ፡ ንግዜን ኩነታትን ኣምላኽ ከም ዝቈጻጸሮ ክኣምን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ክገብር፣ ንምጽኣት ጐይታ ብሃንቀውታን ተስፋን ጸኒዑ ክጽበ ይግብኦ(ያእቆብ 5፡7-9, ዳዊት 27፡14)። ፈተናታት ምስ ዘጋጥምዎ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዘምጽእሉ ክርዳእ ኣለዎ (ያእ 1፡2-4)። ትጽቢቱ ኣብ ኣምላኽ ክገብር ይግብኦ (ኢሳ 40፡31)። ንስጋኡ ምእዛዝ ገዲፉ: ብመንፈስ ክመላለስ ኣለዎ (ገላትያ 5፡22)። ኣብ ኣምላኽ ብቐጻሊ ክውከል: ብቓል ኣምላኽን ጸሎትን ሕብረት ምስ ኣሕዋትን ክዓቢ: ንኣምላኽ ዘሔጉስ ህይወት ክመርሕን ዘመስግንን ክኸውን፣ ናይ ባህሪ ለውጢ ጌሩ: እምነቱ ብቕድስና ንኣምላኽ ብምእዛዝ:  ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ክኸውን ይኽእል (ራእይ 14:12)።

5. ጠንቂ ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ምጉርምራም ካብ ዓቕሊ ጽበት፡ ርእሰ ፍትወት፡ ፍርሕን ዘይምእማንን ብመገዲ ኣምላኽ ዘይምዕጋብ ይመጽእ። ድኻምን ስእነትን ምህላው፣ ተስፋ ምቑራጽ፡ ወይ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ዘይምልስ ምስ ዝመስለካ፣ ፈተናታት ምስ ዝኸብደካ፣ ኣብ ኣምላኽ ዘይምውካልን ኣብ ንሓድሕድካ ሕርቃንካ ከተውጽእ ምፍታንን፣ ንነብስኻ ምስ ካልኦት ምውድዳር፣ ብክርስቶስ ጨውን ብርሃንን ምዃንካ መንነትካ ዘይምዝካር፣ ኣብ ክንዲ ንመንፈስካ ንፍቓድ ስጋኻ ክትፍጽም ምፍቃድ’ውን ጥንቂ ምጉርምራም ክኸውን ይኽእል እዩ። ብቕንኢ ዘጉረምርም ድማ ኣሎ። ንኣብነት ኻልኦት ሰራሕተኛታት ውሑድ ስዓታት ሰሪሖም ክንሶም፣ ማዕሪኦም ውዕለቶም ምቕባሎም ዝርኣዩ ሰባት ኣዕዘምዘሙ (ማቴ 20፣11)። ፈሪሳውያን ንጐይታ ምስ ሓጥኣን በሊዑ ቢሎም ኣዕዘምዘሙ (ሉቃስ 5፣30)። እስራኤል ኣብ በረኻ ምስ ጠመዩ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎም። እግዚኣብሄር ድማ ስጋን እንጌራን ብምሃብ: ውሃቢ ኩሉ ነገር ምዃኑ ኣፍለጦም፡ (ዘጽኣት 16:1-12)።

6. ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ሳዕቤን ምጉርምራም መለኮታዊ ፍርዲ እዩ። ያዕቆብ ኣብ ነንሕድሕድና ከነጉረምርም ከለና፡ ነቲ ከም ነፍስና ከነፍቅሮ ዝግብኣና ብጻይና ነሕርቕን፣ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ሃስያ ንገብርን ጥራይ ዘይኰንናስ፥ ንነፍስና ናብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣሕሊፍና ከም ንህባን: ኣምላኽ ንኩሉ ምጉርምራምና ከም ዝፈልጦን ዝፈርዶን "ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ።" ኢሉ የጠንቅቕ (ያእቆብ 5፡9)። ምጉርምራም፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ ከም ንህበሉ ዝረስዔ ልቢ ዝመልስ ተግሳጽ ኣምላኽ ከስዕብ ይኽእል። ምጉርምራም እስራኤል ሞት ኣስዒቡ (ዘሁ 14፡26-30፡ 1 ቆሮ 10፡10)። ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ምባሉ፣ ምጉርምራም መንቅብን ሕፍትን ኮይኑ ብጐይታ ከም ዝፍረድ ንርዳእ (ፊልጲ 2፡14-16።)

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

1. ባህርይ ናይ እዞም ሃብታማት ሰባት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ባህርይ እዞም “ሃብታማት” ተብሂሎም አብ መልእኽቲ ያዕቆብ ተገሊጾም ዘለው ክርስትያን፣ ሕንቁቓት፣ ንነፍሰይ ይጥዓመኒ በሃልቲ፣ ዘየማቕሉ፣ ገንዘብ ባሮቶም ዝወስዱ ዓመጽቲ፣ ገንዘቦም መሪቱ ዝበልዖ ዝሰአነ በቃቃት፣ ዝፈርዱን ንጻድቕ ዝቐትሉን ወዘተ እዮም ኔሮም (ያእ. 5፣1-6)

2. እቲ ዝመጾም ዘሎ መከራ እንታይ ዓይነት መከራ’ዩ፧

ካብዚ አብ ቁጽሪ ሓደ ተገሊጹ ዘሎ ባህርይኦም ብምብጋስ እምበኣር፣ ናይ ዝኾነ ነገር ሳዕቤን ከም ዘለዎ መጠን፣ እዞም ሃብታማት ድማ ብዝዘርእዎ ናይ ዓመጻ ግራት፣ ፍረኡ ጥፍኣት ኢዩ። አቱም ሃብታማት፣ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዝመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ፣ ሃብትኹም መሽሚሹ፣ ንኽዳውንትኹም ውን ብልዒ በሊዕዎ፣ ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፣ እቲ ምምራቱ ኻአ ኪምስክረልኩም ኢዩ። ንስጋኹምውን ሓዊ ክበልዖ ኢዩ ይብል። ስለዚ ዓስቢ ሓጥያት ሞት ኢዩ ከም ዝበልና፣ ናይ እዚ ኩሉ ዓመጽን ክፉእን ግብሪ ድማ፣ ዓስቡ ከምኡ ክኸውን ብግዲ ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ ክጽሕፈሉ ከሎ፣ ይኣኽለኒ ዝሰፈኖ አምልኾ፣ ዓቢ ረብሓ ኢዩ ከም ዝበሎ፣ ቀጺሉ’ውን እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኩሉ ክፍኣት ኢዩ ከም ዝብል፣ ናይዚ ኩሉ ውጺኢት ድማ፣ ናይ ዘለአለም መቕጻዕቲ ከም ዝዀነ ወሲኹ ይነግረና፡ ( 1ይ ጢሞ. 6)። አብ (ሉቃ. 23፣16, 24) «ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረ’ውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛር’ውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ» ይብለና።

3. ትዕግስትን እምነትን ናይ ሓረስታይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

 እቲ ትሑት ሓረስታይ፣ እቲ አማኒ፣ እቲ ብትዕግስቲ ዝጽበ፣ እቲ ብብኽያት ዝዘርእ ብዕልልታ ዝዓጽድ፣ እወ ንሱ ናይ እምነትን ትዕግስትን አብነት ኢዩ። እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። አብ መክብብ’ውን ከምዚ ኢሉ አሎ። “መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፡ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።” ሓረስታይ እምበኣር ህያው አብነት ኢዩ። እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም፣ ይብለና። ስለዚ እምበኣር፣ ፍረ ትዕግስቲ መወዳእትኡ ጥዑም ኢዩ። ነቶም ብትዕግስቲ ዘይጽበዩ ግና፣ ከምቲ እስራኤላውያን፣ ትዕግስቲ ሲኢኖም አብ ቅድሚ አምላኽ ዘጉረምረሙ እሞ፣ ነታ ምድሪ ዘይወረስዋ፣ ከምኡ ድማ፣ ትዕግስቲ እንተዘይብልና፣ ናብቲ ክንኣትዎ ዝግባአና ከይኣተና ክንተርፍ ከም እንኽእል ኢዩ ዘዛኻክረና፡ (መክ. 10፣4፣ ያእ. 5)።

4. ሰብ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ሃብታም ንኽኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ሰብ ብትግስቲ አምላኽ ሃብታም ክኸውን ክህልዎ ዘለዎ፣ ቀዳማይ እምነት ኢዩ። አብ እምነቱ ድማ፣ ተስፋ፣ ሃዲእካ ንኣምላኽ ክዓይ ምጽባይ ክለማመድ ናይ ግድን ይኸውን። ካልኣይ ድማ፣ መወዳእታኻ ብምሕሳብ፣ ስለምታይ ትዕገስ አለኻ፣ ወይ ንኹሉ እትገብሮ ነገር፣ ስለ ምንታይ ትገብሮ አለኻ ብምሕሳብ፣ ትዕግስቲ ንኽትለማመድ ይሕግዘካ ኢዩ። ከመይ ንኹሉ እንገብሮ ዝዝክርን፣ ዘዘክርን አምልኽ ስለ ዘለና፣ ንኹሉ እንገብሮ ዓስቢ ዝህብ ከም ዘለካ ምዝካርን፣ እቲ ግዝያዊ ሽግር ድማ ዘለኣለማዊ ዓወት ከም ዘምጽእ ምእማንን ምዝካርን፣ ትዕግስቲ ንምግባር ሓጋዚ ይኸውን። ከመይ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል ኢዩ፣ እቲ ክሳብ መወድእታ ዝዕገስ፣ ክድሕን ኢዩ ( ማቴ. 24፣ ዕብ. 6፣ መዝ፣ 37)።

5. ጠንቂ ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ጠንቂ ምጉርምራም፣ እምነት ምጉዳል፣ ዘይምዕጋብ፣ ሓሳብካ ዘይምግባር፣ ዘይምዕጋስ ወዘተ ኢዩ። እስራ ኤላውያን ብዙሕ ግዜ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ነበያትን አጉረምረሙ፣ ብእኡ ድማ ብዙሕ ግዜ ተቐጽዑ። እቲ ጠንቂ ድማ፣ ከምቲ ሓሳቦም አብቲ ናቶም ግዜ ስለ ዘይተፈጸመ፣ እዚ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን እናረኣዩ እኳ፣ ክሳዕ ክንድ’ዚ የጉረምርሙሉ ነበሩ። ደቂ እስራኤል ከኣ፤ እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና፡ እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና፡ በልዎም። ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርእዩ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጕረምርሙልናስ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ በልዎም። (ዘጻ. 16)

6. ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ናይ ምጉርምራም እንታይ እዩ፧

ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ፣ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ፣ ከም ዝብለና፣ እዞም ሰባት እዚኦም ውን ብሰንኪ ዘይምእዛዞም፣ ብሰንኪ እምነት ምጕዳሎም ተቐጺዖም ኢዮም። ብዓቢኡ ድማ ናብታ ክኣትውዋ ዕድል ተዋሂብዎም ዝነበሩ ከንኣን፣ ከይኣተዉ ተረፉ። ስለዚ፣ ኩሉ ግዜ ንንገብሮ ነገር ሳዕቤኑ ፈሊጥና ክንገብሮ፣ ወይ ከይንገብሮ የዘኻኽረና። ኩሉ ነገር መወዳእታ አለዎ፣ ስለዚ እቲ ንሓጥኣንን ጻድቃንን ዝፈርድ አምላኽ ድማ፣ ከምኡ ዘዝግብኣና ዓስቢ ክህብ ምዃኑ ፈሊጥና፣ ከመይ ብጥንቃቐ ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ይምዕደና፡ (ዘጻ. 16፣ ዘሁ. 1፣ ሮሜ 14)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 12

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 10