መጽናዕቲ መልእኽቲ ያእቆብ፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 12
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
1) ያእቆብ ስለምንታይ እዩ ንትዕግስቲ እዮብ ከም መምሃሪ ናይ ትዕግስቲ ገይሩ ዜቕርቦ ዘሎ፧
መጽሓፍ እዮብ፡ ብጥንታውነቱ፡ ብሰሓብነቱ፡ ብተዘካርነቱ፡ ልሉይ መጽሓፍ እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ «ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን» ዝብል ኣምር ድሕሪ ምጽሓፍ’ዩ፡ ንትዕግስቲ እዮብ ከም መረዳእታ ጌሩ ዝጠቕሶ። ሰብ፡ ኵሉ መሊኡሉ ከሎ እኳ፡ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ምሃብ ኣብ ዘይግሃሉ ህሞት፡ ኣቦና እዮብ ግና፡ ውሉዱ፡ ጥሪቱ፡ ጥዕና’ውን ከይተረፈ ርእዩ ስኢኑ ክንሱ’ዩ፡ «ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ» ዝብለና፡ (እዮ1.20-21)።
2)፣ ስለምንታይ እዩ ማሕላ ሓጢኣት ኰይኑ፧
«ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል» ተባህለሎም (ማቴ5.33)። «ንስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሓሉ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ» ዝብል’ውን ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን፡ ንረኽቦ (ዘሌ19.12)፣ ጐይታና ኢየሱስ ድማ፡ “ከቶ ኣይትምሓሉ” ቢሉ መሃረ፡ (ማቴ 5:35)። “ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ።”
3)፣ ኣብ ጸበባ ከም ዘሎ ወይ’ውን ብጸበባ ይሓልፍ ከም ዘሎ ዝርድኦ ክርስቲያን። ቃል ኣምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝነግሮ ወይ ዝምዕዶ፧
ክጽሊ። “ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ» (ያእ5.13)። ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ፡ ነቲ ዝነበረ ሓሳረ-መከራ ንምርሳዕ፡ ተጋደልቲ ኣብ ደርፍን ሳዕስዒትን ይዝፍዘፉ ነበሩ። ክርስቲያን ኣብቲ ዝዝመሮ ጊዜ ብሓጐስ ክዝምር፡ ኣብቲ ዝንብዖ ጊዜ ድማ ብልቢ ክነብዕ ይግብኦ። ጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ምዝርራብ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ቅድሚ ኣምላኽ እንሓብኦ ክህልወና ኣይግባእን’ዩ።
4)፣ እግዚኣብሄር ንጸሎትካ ሰሚዑ ክምልሰልካ እንተ ዀይኑ ክትነብሮን ከተማልኦን ዘሎካ ነገር እንታይ እዩ፧
ናይ እምነት ጸሎት ክንጽሊ፡ ቅድሚ ኹሉ ተነጊሩና ዘሎ እዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ከም እተስልጥ ዝጠቐሰ ቅዱስ ያእቆብ፡ ናብራ ጻድቕ ክንነብርን ክንገብርን ይላቦ። ሓጢኣትና ክንእመን፡ ስለ ሓድሕድና ክንጽሊ፡ ብእምነት ክንጽሊ፡ ስልጣን መራሕቲ ማሕበር ክንርዳእ ወዘተ የድልየና።
5)፣ ስለምንታይ እዩ ሰብ ካብ ሓቂ ዚርሕቕ፧
ከም ኣዳምን ሄዋንን ተሓቢሉ፡ ከም ዴማስ ተፈቲኑ፡ ከምቶም ነቶም ቓል ሰሚዖም ርእሶም ዝጥብሩ እምበር ዘይገብሩ ምስ ዝኸውን ወዘተ። ሰብ ካብ ሓቂ ክዘብል ከም ዝኽእል፡ እንተዘቢሉ ኸኣ ናብ ብዝሒ ሓጢኣት ከም ዝጥሕል፡ ካብዚ ጥቕሲ እዚ ክንምሃር ንኽእል።
6)፣ ዓስቢ ናይ ካብ ሓቂ ምርሓቕ እንታይ እዩ፧
ካብ ሓቂ ብዝረሓቕካ መጠን ኣብ ሓሶት ኢኻ እትጥሕል። ሓቂ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክኸውን ከሎ፡ ሓሶት ድማ እቲ ንሓሶት ኣቦኣ ምዃኑ ተነጊሩና ዘሎ፡ ሰይጣን እዩ። ሓቂ (ወልድ) ዘሎዎ፡ ህይወት ኣሎዎ፡ ሓቂ (ወልድ) ዘይብሉ ህይወት የብሉን።
7)፣ መዝሙር ምስ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ድዩ ዚቝጸር ወይስ ኣይኰነን፧
ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ “ሕጉስ እንተሎ” ደኣ በለ እምበር፡ “ውህበት መዝሙር እተቐበለ” ስለ ዘይበለ፡ መዝሙር ምስቶም ኣብ 1ቈረ 12 ተዘርዝሮም ዘለዉ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይተጠቕሰ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን ክንብል ኣይከኣለናን። ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እንርእዮ፡ ብሓደ መዳይ፡ “ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ» ክብል ከሎ (መዝ 96፡1) ብኻልእ መዳይ ድማ ዘመርቲ ዝብሃሉ ብፍሉይ ዘገልግሉ ምንባሮም ንርኢ ኢና። «ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናት ናብ ኣገልግሎቶም፡ ንሌዋውያን’ውን በብመዓልቲ ኸም ዚግባእ ኬመስግኑን ኣብ ቅድሚ ኻህናት ኬገልግሉን ኣመዘዞም፡ ነቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ከም ክፍልታቶም ኣብ ደደገ ኺሕልዉ ኣቘሞም፡ እዚ ኸኣ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምኡ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ» ይብል (2ዜና8.14)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣብቲ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃሉ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ «ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣሎዎ፡ ራእይ ኣሎዎ፡ ቋንቋ ኣሎዎ፡ ትርጉም ኣሎዎ፡ ኵሉ ንምህናጽ ይገበር» ብምባል፡ መዝሙር፡ ውህበት ምዃኑ ይጠቅስ (1ቈረ14.26)።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
1)፣ ያእቆብ ስለምንታይ እዩ ንትዕግስቲ እዮብ ከም መምሃሪ ናይ ትዕግስቲ ገይሩ ዜቕርቦ ዘሎ፧
እዮብ፡ እቲ ብዙሕ ሃብቱን ደቁን ብሓደ ግዜ ከም ዝሰኣነ፡ ድሒሩ’ውን በዓልቲ ቤቱ፡ ንእግዚኣብሄር ክሒዱ ክመውት ትደፋፍኦ ምንባራ፡ እዚ ጥራይ’ውን ዘይኮነ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኸኣ ኣዝዩ ዘሳቒ ሕማም ከም ዝሓመመን ገልዒ ሒዙ ይሓኮ ከም ዝነበረን፡ ኣብዚ ህሞት እንከሎ ግና እዮብ ነቲ ሰናይ ምስ ገበረሉ ዘመስግኖ ኣምላኽ፡ ክፉእ ምስ ኣጓነፎ ኸኣ ብሓጐስ ተቐቢልዎ፡ ስም ኣምላኽ ክባርኽ ከሎ ንርኢ። ስለዚ ኸኣ ቓል ኣምላኽ፡ “እዮብ በዚ ዅሉ ብኸንፈሩ ኣይሓጥአን” ይብለና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብትዕግስቲ ምስ እንጽበዮ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከም ዝህበና፡ ብዛዕባ እዮብ ወይ ውን እቶም ዝተዓገሱ ብጹኣን ንብሎም፡ ምናልባሽ እንተዘይዕገሱ ኔሮም፡ እቲ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ምዃኑ ንኽምህረና'ዩ፡ (መሳፍንቲ 16፥23-25)።
2)፣ ስለምንታይ እዩ ማሕላ ሓጢኣት ኰይኑ፧
እግዚኣብሔር ብርእሰይ መሓልኩ፡ ክብል ስለ እንሰምዖ፡ (እብ 6፥16-20)ማሕላ ብመሰረቱ ሓጢኣት ኣይኮነን። ማሕላ ሓጢኣት ዝኸውን ግና ብዝኾነ ይኹን ፍጡር ክትምሕል እንከለኻ፡ ወይ’ውን እቲ እትምሕለሉ ዘለኻ ግብሪ ሓሶት ምስ ዝኸውን፡ ነቲ እትምሕለሉ ዘለኻ ኣምላኽ ስለ እተጽርፎ እዩ። ካልእ’ውን ከም ክርስትያን፡ እቲ፡ እወና "እወ" እቲ፡ ኣይፋልናን ከኣ "ኣይፋልን" ክንብል እዩ ዝነግረና። ካብኡ እንተሓሊፉ ግና፡ ካብቲ ክፉእ ምዃኑ፡ እቲ ንዛረቦ ቃል ሓቂ እንተኾነ ብብዙሕ እንዳመሓልና ምርሃጽ ከም ዘየድልየና ይነግር።
3)፣ ኣብ ጸበባ ከም ዘሎ ወይ’ውን ብጸበባ ይሓልፍ ከም ዘሎ ዝርድኦ ክርስቲያን። ቃል ኣምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝነግሮ ወይ ዝምዕዶ፥ 4)፣ እግዚኣብሄር ንጸሎትካ ሰሚዑ ክምልሰልካ እንተ ዀይኑ ክትነብሮን ከተማልኦን ዘሎካ ነገር እንታይ እዩ፧
መልሲ ቁጽሪ 3፡4
ብመሰረት መጽሓፍ ያእቆብ፡- ሓደ ሓሳረ መከራ ዝጸግብ ሰብ፡ ሓንቲ ምርጫ ኣላቶ። ንሳ ኸኣ ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ምቕራብ እያ። ኤልያስ ከምዚ ኸማና ድኹም ሰብ'ዩ ዝነበረ፡ ጸሎቱ ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝተሰምዐ ንርኢ፡ ስለዚ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ብትሕትና ክንቀርብ፡ ዝኾነ ዝገበርናዮ ክንጸባጽብ ዘይኮነስ፡ ዘይግብኣና ምዃኑ ክንእመን፡ ብሓጢኣትና’ውን ክንእመን ይግብኣና፡ ንጸሎት ክንነቅሕ ዘኽእለና ሓይሊ’ውን ካብኡ ስለ ዝኾነ።
5) ስለምንታይ እዩ ሰብ ካብ ሓቂ ዚርሕቕ፧ 6) ዓስቢ ናይ ካብ ሓቂ ምርሓቕ እንታይ እዩ፧
መልሲ ቁጽሪ 5፡6
♡♡♡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ሓቂ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ(ዮሃ 14፡6) ካብ ሓቂ ምርሓቕ ማለት ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቕ ማለት'ዩ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ሓቂ ዘርሓቖም ምስ ሓቂ ዝተሓወሰ ሓሶት'ዩ። ተመን ነቲ እግዚኣብሄር ዝነገሮም ሓቂ ምስቲ ናይ ርእሱ ሓሶት ክነግሮም እሞ ካብ ሓቂ ክዝንብሉ ውን ክኢሎም። ንሕና ደቂ ሰባት ሓቂ እንብሎ እሞ መወዳእታኡ ሞት፡ውን ኣሎ፡ (ምሳሌ 14:12) “ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ”)። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ነታ ሓቂ እንዳፈለጥናያ ከይንእዘዛ ይገብሩና'ዮም። በቲ ናቶም ጸቕጢ ንእግዚኣብሄር ከይንእዘዞ ይገብረና፡ ውጽኢቱ ኸኣ ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ሓቂ ምስ ረሓቕዋ ሞት ክሞቱ ንርእዮም፡ ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ፡ ሓደ ካብ ሓቂ እንተዘንበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተመለሶ ካብ ሞት የድሕኖ ስለዚ ዓስቢ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ሞት'ዩ።
7)፣ መዝሙር ምስ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ድዩ ዚቝጸር ወይስ ኣይኰነን፧
ኣይኮነን፡- ኩላትና'ዶ ደኣ ክንዝምር ይከኣለና'ዩ ዝብል ሕቶ ክለዓለና ንቡር'ዩ። እንተኾነ፡ መዝሙር ካብቶም ዓሰርተው ሸሞንተ ውህበታት ኣይኮነን። ናብዛ ዓለም ክንመጽእ እንከለና ሒዝናዮ ንመጽእ ውህብቶ ኣሎ። ብክርስቶስ የሱስ ምስ ኣመንና ዝወሃበና ውህበት ጸጋ ኸኣ ኣሎ።ክልቲኡ ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እኳ ዝወሃበና እንተኾነ እቲ ዜማን፡ ድምጽን እቲ ንእግዚኣብሄር ምድራስን ፈላሊና ምርኣይ ከድልየና'ዩ፡ ኣብነት ደረፍቲ እንተርኢና ጥዑም ድምጽን ጥዑም ዜማን ክዝይሙ ይኽእሉ'ዮም ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣሎዎም ክንብል ግን ኣይንኽእልን፡ ዘማራይ ዳዊት ብመንፈስ ዘሚሩ፡ ጸልዩ፡ ተነብዩ፡ ኣመስጊኑ እንድዩ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ'ዶ ኣይኮነን፧!
ኩሉ መዝሙር ንእግዚኣብሄር ዝተዘመረ ኣይኮነን፡ ኩሉ ዜማ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ግና ብርግጽ ንስሙ ንምውዳስ ቃሉ ብመንፈሱ ክገልጸልካ ይከኣሎ'ዩ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1) ያእቆብ ስለምንታይ እዩ ንትዕግስቲ እዮብ ከም መምሃሪ ናይ ትዕግስቲ ገይሩ ዜቕርቦ ዘሎ፧
ያእቆብ 5፣10-11 “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም፥” ብምባል እዩ ካብኡ እንምሃሮ ክልተ ነጥብታት ዝጠቅስ።
ቀዳማይ "ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም"፥ ኢሉ ኣመንቲ ንዘጋጥሞም ሽግር ኣብ ኣምላኽ ብእምነት ተወኪሎም፣ ብትዕግስቲ ንምስጋሩ፣ ካብ ትዕግስቲ እዮብ ንኽምሃሩ እዩ። ካልኣይ ድማ "ነቶም እተዓገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡…" ብምባል፡ ድሕሪ ትዕግስቲ ዘሎ ብጽእናን፣ እግዚኣብሄር ብለውሃትን ድንጋጸን መወዳእታና ኣብሊጹ ዓወት ከም ዝህበና፣ ንኽምህረና እዩ።
እዮብ፣ ኣብ ጥዕናኡ፥ ደቁ፥ ሃብቱ ዝበጽሖ ፈተናታት ተጻዊሩ፥ ካብ ኣዕሩኽቱን ሰበይቱን ዘጋጠሞ ብድሆታት ተዓጊሱ፥ ንኣምላኽ ከይነቐፈ፣ «ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን።» ብምባል (እዮብ 13፣15) ብእምነት ምጽዋሩን፥ ከም ሰብ ዘይተመለሰ ሕቶታት ዋላ እንተነበሮ፥ ብእምነት ሕቶታቱ ምቕራቡን ምሕዛኑን ንርኢ። እዮብ ድሕሪ ስቓዩ፥ ዕጽፊ ሃብቲ፥ ካብ ሃገር ምሉእ መልክዔኛታት ኣዋልድ፥ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸኒሑ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ርእዩ፥ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ፡ ይብለና (እዮብ 42፡16–17)። ስለዚ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 15፥4 "ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ" ዝብለና፡ ካብ ኣቦና እዮብ ከኣ ትዕግስትን ኣብ እምነት ምጽናዕን፣ ለውሃትን ድንጋጸን እግዚኣብሄርን ንምሃር። ሃዋርያ ያእቆብ ንእዮብ፣ ኤልያስ፣ ኣብርሃምን ረሃብ ኣብ መልእኽቱ ኣብነታት ጌሩ ምቕራቡ፣ ነቲ ንኣስታት 1500 ዓመታት ብኣስታት 40 ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ፣ ሓደ ሓሳብን መለኮታውን መልእኽቲ ዝሓዘ ምዃኑ ክንርዳእ ስለ ዝደለየ እዩ።
2) ስለምንታይ እዩ ማህላ ሓጢኣት ኰይኑ፧
ኣብ ብሉይ ኪዳን ማሕላ ንኣምላኽ ከም መንጎኛን እንተጠሊምካ ከም ዝሓተካን ንምስክር ምጥቃም ልሙድ ነበረ። እዚ ድማ፡ ሰብ፡ ሓቂ ንኽዛረብን ቃል ንዝኣተዎ ንኸይጠልምን ሓጋዚ እዩ ኔሩ። ብሓሶት ምምሓል ድማ ሓጢኣት እዩ፡ (ዘለ19፣12, ማቴ 5፣33)።
ገለ ኣብነታት ምስ እንርኢ፡ ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ ነዕጽምቱ ናብ እስራኤል ምስኦም ክማልእዎ ኣምሓሎም፡ (ዘፍ 50፡25)/። ማሕላኦም ድማ ኣብ ዘጸኣት 13፡19 ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ፈጺሞሞ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ሰበይቲ ካብ ከነኣናውያን ከየምጽኣሉ ንጊላኡ ኣምሓሎ፡ (ዘፍ 24፡2-3, 9) እቲ ጊላኡ ድማ ማሕላኡ ፈጸመ፡ (ዘፍጥረት 24፡12, 42)። ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ “ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ” (1ሳሙ 20፡42)።
እዚ ድሕሪ ምባል፡ እሞ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ጐይታ ኣብ ማቴ 5፣33-37 ሃዋርያ ያእቆብ ድማ ኣብ ያእቆብ 5፣12 ክርስትያናት ክምሕሉ ከም ዘይብሎም ዝእዝዝ፧ ዝብል ከነልዕል ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣብ ብሉይ “ዝቐተለ” ዝነበረ እሞ ጐይታና ግና፡ “ንሓዉ ዚቝጥዖ” ብዝብል ዘትረሮ፣ ከምኡ’ውን ከምቲ “ኣይትዘሙ” ንዝነበረ ድማ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ፍጻሜ ሕጊ እንታይ ምኻኑ ዝምህር፣ እቲ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከቶ ኣይትምሐሉ፣ ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ፡ ብምባል፣ ክርስትያን ኩሉ ግዜ ቅንዕናን ሓቅን ክዛረቡ ስለ ዝግብኦም ዘረብኦም ንኽእመኑ፡ ማሕላ ከም ተወሳኺ መረጋገጺ ከድልዮም ከም ዘይብሉ ይምህረና። ኣመንቲ ዝብልዎን ዝገብርዎን ሓደ ክኸውን ከም ዘለዎን፡ ምስሉይነትን ምጥርጣርን መለለይኦም ክኸውን ኣይግባእን። ማሕላ ኣብ መዓልታዊ ዝርርብካ ምጥቃም ከነወግድ ኣለና።
3) ኣብ ጸበባ ከም ዘሎ ወይ’ውን ብጸበባ ይሓልፍ ከም ዘሎ ዝርድኦ ክርስቲያን። ቃል ኣምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝነግሮ ወይ ዝምዕዶ፧
ሃዋርያ ያእቆብ ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብዶ አሎ፧ ይጸሊ። ኢሉ ኣዩ ሓጺር መምርሒ ሂቡና (ያእቆብ 5፣13)። ጸሎት ማለት ብውልቂ፣ ንዝሓመመ፡ ብሽማግሌታት ማሕበር፣ ምእንቲ ንሓድሕድኩም ብምባል ይምዕድ። ንሓይሊ ጸሎት ንምብራሕ ድማ፣ ንኣብነት ሕሙም ካብ ሕማሙ ይሓዊ ጥራሕ ዘይኾነ፣ ሓጢኣቱውን ከም ዝሕደገሉ፣ ከምኡውን ኤልያስ ምስ ጸለየ፣ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኢሉ ንኣገዳስነት ጸሎት የብርህ። (ያእቆብ 5፣17-18) ኣብ 1ጴጥሮስ 5፡7 ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ፡ ይብለና።
4) እግዚኣብሄር ንጸሎትካ ሰሚዑ ክምልሰልካ እንተ ዀይኑ ክትነብሮን ከተማልኦን ዘሎካ ነገር እንታይ እዩ፧
እቲ ዝጽለየሉ ዘሎ እምነት ዘለዎን፣ ሓጢኣቱ ዝእመንን ክኸውን የድሊ። እቲ ዝጽሊ ድማ ብጽድቅን ቅድስናን ንኣምላኽ ክልምን ይግባእ። ሃዋርያ ያእቆብ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። ይብለና ያእቆብ 5፣16። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ 2 ዜና መዋእል 7:14 እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ ይብል። ዘማራይ ዳዊት’ውን “ኣብ ልበይ እኩይ ሃቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ፡” ኢሉ ጽሓፈ፡ (መዝ 66:18)። ስለዚ ጸሎትና ንኽስማዕ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጽላይ፡ (1ዮሃ 5፡14-15)፣ ንኣምላኽ ምእዛዝ፣ እምነት ምህላው (ማር 11፣24፡) ትሑትን ዝንሳሕ ቅኑዕ ልብን ሃሊና ክንነብር ይግባእ።
5) ስለምንታይ እዩ ሰብ ካብ ሓቂ ዚርሕቕ፧
እቲ ሓቂ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ (ዮሃ 14፡6)፣ ቃል ኣምላኽ እዩ (ዮሃ 17፡17)፣ ወንጌል እዩ (ቆሎሴ 1፡5፤ ኤፌሶን 1፡13)። ሕጊ/ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ (መዝሙር 119፡151)፣ መንፈስ ቅዱስ እዩ (ዮሃ 16፡13)። እቲ ክሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ ባዕሉ እዩ (ቲቶ 1፡2 ሮሜ 3፡4)። ሰብ ካብ ሓቂ ዝርሕቅ ድማ፣ ብሓጢኣት ስለ ዝታለል፣ (እብ 3፡13)፣ ብትምህርቲ ሓሶት ስለ ዝታለል (2ጢሞ 4፡3–4)፣ ንዓለም ስለ ዘፍቅር (1ዮሃ 2፡15–17)። ስኣን ፍልጠት (ሆሴ 4፡6)፣ ብትዕቢት (ምሳሌ 16፡18፤ ያእቆብ 4፡6)፣ ከምኡውን ጽልዋ ሰይጣን ንሰብ ካብ ሓቂ የርሕቆ (2ቆሮ 11፡3፤ ዮሃ 8፡44)።
6) ዓስቢ ናይ ካብ ሓቂ ምርሓቕ እንታይ እዩ፧
ሃዋርያ ያእቆብ ነቲ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚምለስ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዝድሕንን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድንን፡ ይፍለጥ ካብ በሎ፣ እቲ ካብ ሓቂ ርሒቑ፣ ዘይንሳሕ ሰብ፣ ብኣንጻሩ ብሓጢኣቱ ከም ዝመውት፣ ማለት ቍጥዓ ኣምላኽ ከም ዝበጽሖን፣ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ፣ ባርያ ሓጢኣትን ሰይጣንን ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ተሰ 1፣8 ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። ይብለና።
7) መዝሙር ምስ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ድዩ ዚቝጸር ወይስ ኣይኰነን፧
እዛ ሕቶ ንጉጅለና ንነዊሕ ስዓታት ከም ንዘራረብን: ቃል ኣምላኽ ከም ንፍትሽን ጌራ: ክሳብ መወዳእታ እወ ወይ ኣይኮነን ጥራሕ ኢልና ብሕብረት ክንውስን’ውን ኣይክኣልናን። ኣብ ያእቆብ 5፡13 «ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር» ይብል። መዝሙር ከም ውህበት መንፈስ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ኣብ ኤፌሶን 4፡11-13፡ ሮሜ 12፡6-8፡ ወይ 1ቆሮ 12፡4-11 ኣይተጠቕሰን። እንተኾነ ንቤተ ክርስትያን ንምህናጽ፣ ንምምሃር፣ ንኣምላኽ ንምውዳስን ምምስጋንን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ከምቲ 1 ሳሙኤል 16፡23 ዳዊት በገና ወቂዑ፣ ንሳኦል ካብ ኽፉእ መንፈስ ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ ዝብል: ከምኡ’ውን ኣብ ቆሎሴ 3፡16፡ «ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።» ዝብለና፣ መዝሙር ብዜማ፣ ግጥሚ፣ መሳጢ ድምጽን መሳርሒ ሙዚቃን ኣብ እምነትካ መንፈሳዊ ሓይሊ ከም ዝህብን፣ ትምህርቲ ወንጌል ንምትሕልላፍ ወጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ንርዳእ።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
1፣ ስለምንታይ እዩ ኣቦና ያዕቆብ ንትዕግስቲ እዮብ ከም መምሃሪ ናይ ትዕግስቲ ጌሩ ዘቕርባ ዘሎ፧
ብዙሓት ቅዱሳን ከም ዝተፈተኑን፣ ንፈተና ሓሊፎም’ውን “ብጹኣን” ከም ዝተባህሉን ነቢብናን ሰሚዕናን አሎና። ሓደ ካብኣቶም ድማ አቦና እዮብ ኢዩ። ምናልባት ናይ አቦና ኢዮብ ፍልይ ዘብሎ እንተልዩ ግና፣ እቲ ፈተናኡ፣ ብዙሕ ዓይነት ስለ ዝነበረ ኢዩ። ማለት ሰብ ብዝተፈላለየ ነገራት ይፍተን ኢዩ፣ ንገሊኡ ምስ ሓለፎ ድማ ይርህዎ። ናይ አቦና ኢዮብ ግና፣ እቲ ሓደ ምስ ሓለፈ ካልእ ድማ ይጸንሖ፣ ሕጅስ ተወዲእለይ ይኸውን ክብል ድማ ካልእ ሓድሽ ይመጾ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ እቶም ከጸናነዕኡኒ ይኸእሉ ኢዮም ኢሉ ተስፋ ዝገበረሎም መቅርቡ ከይተረፉ ዝፈተንዎን፣ ካብ አምላኹ ክፈልይዎ ብምድፈኦምን ዝያዳ ከቢድ ይገብሮ። ስለዚ እምበኣር ኢዩ፣ነዚ ኩሉ ሓሊፉ ተዕግስቱን እምነቱን ስለ ዘርኣየ፣ ምመሃሪ ክኸውን ዝተሓረየ። አሕዋተየ በበይኑ ዝዓይነቱ ፈተና እንተበጻሓኩም፣ ነዚ ውን ከም ሓጎስ ቁጸርዎ ዝብል ጽሑፍ ክፍጽም ንርእዮ። ስለዚ ኢዮብ፣ ፍረ ተዕግስቲ ከመይ ከም ዝኾነት ስለ ዘርኣየና፣ሓሳብ አምላኽ ክሳብ ዝፍጸም ፍጹም እምነት ዝመሃረና፣ እግዚኣብሄር ከመይ ምሕረተኛን እሙንን ምኳኑ ስለ ዘፍለጠና ኢዩ ከም አብነት ተጠቂሱ። ያዕ. 1.12፣ ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። (ራኢ 2፥10፣ ያቆ. 1፣12)
2፣ ስለምንታይ እዩ ማሕላ ሓጥያት ኮይኑ?
እዛ ሕቶ እዚአ፣ ዝተፈላለየ ሓሳብ ኢያ አለዓዒላትልና። ማለት፣ አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ማሕላ ሓጥያትዩ ዝብል አይረኸብናን፣ ብሓሶት አይትምሓል ዝብልና ኢና ረኺብና። ስለዚ ነዚ ሓሳብ እዚ ከም ሕቶ ገዲፍና፣ ብኻልእ ሸነኹ ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ሪኢናዮ። አብ ወ. ማቴ፤ 5፣33_37 ከምዚ ኢሉና አሎ። ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጉሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ፣ ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።
ካብዚ ሓሳብ እዚ ብምብጋስ እምበኣር ኢና፣ ወዲ ሰብ ብዝገብሮ ኩሉ ክምሕለሉ ዝኽእል ነገር ከም ዘይብሉ ብምግንዛብ፣ ክምሕል ከም ዘይብሉ ንመሃር። ምኽንያቱ እቲ ማሕላ ዋላ ቀጥታ ሓጥያትዩ ዝብል ሓሳብ አይንርከብ፣ ናብ ሓትያት ዝወስድ ርሒብ መንገዲ ከም ምኳኑን አብ ፍርዲ ውን ከእትወና ከም ዝኸእልን ምርዳእ አገዳሲ ኢዩ። ነዚ አብነት ዝኾነና ሄሮዶስ፣ ነታ ጓል ሓው፣ ነቲ ዝደለየቶ እንታይ ምኳኑ ከይፈለጠ ብምትእምማን ዝደለየቶ ህያብ ክህባ ከምዝኽእል ብርእሰተኣማንነት ምሒሉላ ነበረ እሞ፣ ድሒሩ ምስ ፈለጦ ግና፣ አዝዩ ዘሰንብዶን ክገብሮ ውን ይደሊ ከምዘይነበረን ተረደአ። ኮይኑ ግና ምእንቲ ማሕልኡ ክብል ንነገሩ ከም ዝፈጸሞ ንርኢ። ስለዚ ማሕላ ዋላነቲ ርግጸኛ ኢየ ኢልካ ትምከሓሉ ሓቅኻ፣ ዘይሓሰብካዮ ነገር ሒዝልካ ክመጽእ ከም ዝኸእልን አብ ሓጢአት ውን ከም ዘውድቀካን ምርደእ ይከኣል። ስለዚ ከም ክርስትያን መጠን፣ ክትእመን ኢልካ፣ ምምሓል ከምዘየድሊ፣ ወይ ውን አዚኻ ትተአማመነሉ ሓቂ ዋላ እንተኾነ፣ እወ ወይ አይኮነን ብምባል ዳአ እምበር፣ ናብ ትምክሕትን፣ ጃህራን፣ እመኑንን ዝወስድ ማሕላ ምምሓል ከም ዘየድሊ ንመሃር። (ማቴ 5፡33፣ማቴ. 14፣ ያዕ. 5፣12)።
3፣ አብ ጸበባ ዘሎ ክርስትያን፣ ወይ ብጸበባ ይሕልፍ ከም ዘሎ ንዝርደኦ፣ ቃል አምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኢዩ ዝምዕዶ፧
መፍትሒ ኩሉ ጸሎት ኢዩ፣ ስለዚ ብእምነት ደው ምባልን፣ ከየባተኽካ ምጽላይን፣ አብ እግዚኣብሄር ተወኪሉ፣ምሕረቱ እና ዘከረ ብትዕግስቲ ክጽበን ኢዩ ዝግበኦ። ምኽንያቱ አቦና ያቆብ ከምዚ ኢሉና አሎ፣ ዝጸበቦ አሎዶ ይጸሊ፣ ዝተሓጎሰ አሎዶ ይዘምር። ቀጺሉ ውን፣ እቲ ዝልምንሲ ከይተጠራጠረ ዳአ ይለምን፣ ይብለና። ፊሊ 4፡6 ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። ሮሜ 12፡12 ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።
4፣ እግዚኣብሄር ንጸሎትካ ሰሚዑ ክምልሰልካ እንተኮይኑ፣ ክትገብሮን ከተማልኦን ዘለካ እንታይ ኢዩ፧
አብ ሚክ. 6፣8 ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፣ ይብለና። እግዚአብሄር አምላኽና ካብ ሰብ ዝደልዮ ምንም እኳ እንተዘየለ፣ ናዓና መእንቲ ክሕሸና ግና፣ ጽቡቅ መንገዲ ክንሓሪ እሞ ብሂወት ክንነብር ነጊሩና፣ ቡኡኡ ድማ ብዙሕ በረከትን ሰናያትን ከም ዝህበና አተስፍዩና። ስለዚ፣ ከም ፍቃዱ ምንባርን፣ ከይተጠራጠርካ ምጽላይን ብእምነትን ብምስጋናን ደው ምባልን የድልየና። 1ይ የው. 3፡22 ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ያቆ. 5፥15፣ እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ፣ ይብለና።
5፣ ስለምንታይ ኢዩ ሰብ ካብ ሓቂ ዝርሕቕ፧
መንገድን ሓቅን ሂወትን አነ ኢየ በለ ጎይታና፣ እምበአር ሓቂ ጎይታናን አምላኽናን ኢየሱ ክርስቶስ ኢዩ ዝከውን ዘሎ፣ እሞ ስለ ምንትይ ኢዩ ሰብ ካብ አምላኽ ዝርሕቅ ከም ማለት ኢዩ። ብዝኾነ አብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንረኽቦ፣ ሰባት ካብ ሓቂ ወይ ምስ ጐይታ (እምነት) አለና እናበሉ ውን ንሓቂ ጎስዮማ ዝሓልፉ ክትረእይ ከለኻ፣ እቲ ምኽንያት ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካቡኡ ድማ፣ ንሰባት ስለ ዝፈርሑ፣ ንዝና ወይ ሃብቲ ክብሉ፣ ካብ ንኣምላኽ ንሰባት ስለ ዝእዘዙን ዘቀድሙን። ከምቲ አብ ሮሜ 1፣24 ዝብለና፣ ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም፣ ይብለና።
6፣ ዓስቢ ካብ ሓቂ ምርሓቕ እንታይ`ዩ፧
አቀዲምና ከም ዝገለጽናዮ፣ ሓቂ ጎይታና ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ካብ ሓቂ ወይ ጎይታ ምርሓቅ ውጽኢቱ ሞት ኢዩ። 1ይ ቆሮ፤ 3፣13 14፣ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። ስለዚ ወዲ ሰብ አብ ሓሶት እንተጸኒዑ፣ ዓስቡ ይቅበል፣ አብ ሓቂ እንተጸኒዑ ውን ዓስቡ ይቕበል ኢዩ።
7ይ ሕቶ መዝሙር ህያብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ፧
እዛ ሕቶ እዚአ ውን ውድእቲ መልሲ ክንህበላ አይካአልናን፣ ማለት መዝመኡር ምስቶም ህያባት መንፈስቅዱስ ተባሂሎም ተጠቂሶም ዘለው አይተጠቅሰን፣ ግን ካአ መዝሙር ካብ አምላኽ ዝወሃበካ ውህብቶ ከም ምኳኑ ዝበዛሕና ተሰማሚዕናሉ። ምኽንያቱ ኩሉ ጽቡቅ ውህበት፣ ካብ ላዕሊ ኢዩ ከም ዝተባህለ። ኮይኑ ግና፣ ምዝማር ብዙሕ ሰብ ክዝምር ይኸእል ይኸውን፣ ግና ኩሉ ካብ አምላኽዩ ክንብል አይንደፍርን፣ ብፍላይ ትሕዝትኡን ኩነታቱን ርኢኻ። ብኻልእ ሸነክ ድማ፣ ኩልና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ተቀቢልና ከም ዝኾንና መጠን፣ እቲ ውህበት ብርግጽ ናይ አምላኽ ኢዩ፣ ምናልባት ፣ በዚ ጸጋ እዚ ከገልግል ዝተዋህቦ ሰብ አሎ፣ ከምቲ ካልእ አገልግሎታት ማለትዩ። ስለዚ ምናልባሽ ናይ ኩሉ ሰብ ውህብቶ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ከም ህያብ ግን ጸጋ አምላኽ ምዃኑስ ተረዳዲእና። ብሓፈሻ መዝሙር አብ ብሉይ ኮነ አብ ሓድሽ ካብቶም ዓበይቲ አገልግሎታት ሓደ ከም ምዃኑ መጠን፣ ህያብ መንፈስ ቅዱስ አይኮነን ምባል ዝከኣል አይኮነን።
ወስብሓት ለእግዚአብሄር!