ምጅማር ምህሮ ኣዕማደ ምሥጢር
ኣብዚ ጠዊቕኩም ተመዝገቡ
ምህሮ ቅዱስ መጽሓፍ፡ "ሓደ ስጋ ሓደ መንፈስ . . . ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽ" እዩ ዝብል፡ (ኤፌ 4.4-6)። Center for Study of Global Christianity ከም ዝግምቶ ግና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ልዕሊ 45,000 - 47,000 ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነት ክርስትና ኣለዋ። በብጉጅለ እንተጠርኒፍናየን፡ ኣስታት 200 ጉጅለታት ከም ዝዀና ኸኣ ይግለጽ። እተን ዝያዳ ፍሉጣት ዝዀና ጨናፍር ክርስትና (ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ፡ ኣንግሊካን፡ ሉተራን፡ ባፕቲስት፡ ሜቶዶስት፡ ተሓድሶ/ፕረስፒተርያን፡ ፔንተኮስታል ወዘተ እየን)።
እተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ጸጋ ኣምላኽ ዝግለጸሎም 7 ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ኣለዉ፡ ክብላ ከለዋ፡ ድሒሩ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ፕሮተስታንታዊ ምንቅስቓስ፡ ንኽልተ (ጥምቀትን፡ ቍርባንን ጥራይ) ተቐቢሉ፡ ነተን 5 ነጸገን። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ርድኢታት እናተመጠጠ፡ ከም ሳልቬሽን ኣርሚ ዝኣመሰሉ ቤተ እምነት፡ ዋላ ሓደ ምስጢር ዝብሃል የለን፡ ጸጋ ኣምላኽ ብዘይርአ ደኣ እምበር፡ ብዝርአ ዝግለጽ ኣይኰነን ብምባል ንዅሉ ነጺጎም ዝነብሩ'ውን ተላዕሉ። እዚኣቶም ቅዱስ ቍርባን ይኹን፡ ጥምቀት ማይ ይኹን’ውን የብሎምን።
ብሥላሴ ዘይኣምኑ፡ ከም እኒ The Church of Jesus Christ of Latter-day saints ዝኣመሰሉ ብሓደ መዳይ፡ ሥላሴነት ኣምላኽ፡ ኣብ ብሉይ ከም ኣቦ፡ ኣብ ዘመነ ትስብእት፡ ከም ወልድ፡ ኣብ ዘመነ ድሕሪ ዕርገት ድማ ከም መንፈስ ቅዱስ ደኣ ተገልጸ እምበር፡ ኣምላኽ ሰለስትነት ዘይብሉ ሓደ እዩ ዝብል ርድኢትን እምነትን ዘሎዎም’ውን ኣለው።
መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧ መዝሙር 11:3
ሕብረት ኦ.ተ.ቤ. ብምህሮ እተን ቀዳሞት 3 ዓለም-ለኻውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን፡ (ኒቅያ 325፡ ቍስጥንጥንያ 381፡ ኤፌሶን 430) ብምህሮ 5 ኣዕማደ ምሥጢርን ብምህሮ 7 ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን፡ ዘየወላውል ጽኑዕ እምነት ዘሎዎ ሕብረት እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንነፍስ ወከፍ ክፉት እኳ እንተዀነ፣ ኣባል ሕብረት ኦ.ተ.ቤ. ዝዀነ ዘበለ ብፍላይ ግና፡ ሠረተ-እምነቱ ኣዕሚቝ ምእንቲ ክፈልጥን ብዝመጽእ ንፋስ ድማ ንየው-ነጀው ምእንቲ ከይድፋእን፡ ነፍስ ወከፍ ምዝጉብ ኣባል ክሳተፎ ዘሎዎ ትምህርቲ እዩ።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ፡ ሓሙስ 18 ታሕሳስ 2025 ሰዓት 21.30 ብሽወደን (ሰዓት23.30 ብኤርትራ)።
ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ!