ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረበ ሕቶ
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ ኣብ ገላትያ 2.9 ”ኣዕኑድ” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ።
ሀ. ”ኣዕኑድ” ክብሎም ከሎ፡ እንታይ ማለቱ’ዩ፧
ለ. ትርጉምን ኣገዳስነትን ዓንዲ እንታይ ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ
2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሥጢር ተባሂሉ ካብ ዝተጠቕሰ፡ ክልተ ኣብነት ብምርቋሕ፡ ስለምንታይ ምስጢር ከም እተባህለ ኣሕጽር ኣቢልኩም ጽሓፉ
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ንያቆብን ኬፋን ዮሃንስን ኣዕኑድ ክብሎም ከሎ፡ ንሳቶም ንቤተ ክርስቲያን ብሓቀኛ ትምህርቲ፣ ብመንፈሳዊ ስልጣንን ብሕይወት ምስክርነትን ዝደግፉ መራሕቲ ማለቱ እዩ። ጳውሎስ፡ ሃዋርያነቱን ካብኦም ኣይተቐበሎን (ገላ 1፡11–12)፣ ግናኸ ነቲ ኣምላኽ ብኢድ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገብሮ ዝነበረ ብምርኣይ፡ ሃዋርያነቱን ንቕኑዕነት እቲ ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽትን ብምርግጋጽ፡ ኣዕኑድ ምንባሮም ኣርኣዩ። ያዕቆብ፡ ከም መራሒ ቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም፣ ብጥበብን ምርግጋእን ይመርሕ ነበረ። ንኣህዛብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምቕባል ቕኑዕ ምዃኑ፡ ኣብቲ ጉባኤ ናይ መወዳእታ ቃል ብምሃብ ኣብ ውሳኔ ተራ ተጻዊቱ፡ (ግብ 15፡13–21)፣ ከምኡ’ ውን ንጳውሎስ ብሓድነት ተቐቢሉ (ግብ 21፡18–19)።
ጴጥሮስ (ኬፋ)፡ ኣምላኽ ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ብእኡ ምስባኽ ጀሚሩ። ናይ መጀመርታ ወንጌል ስብከቱ ን3000 ኣይሁድ ናብ እምነት ኣምጺኡን (ግብ 2፡14–41)፣ ንኣህዛብ ምስ ኣይሁድ ሓደ ምኻኖም ደገ ከፊቱን (ግብ 10፡34–48)። ኣብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ንጸጋ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ንድሕነት እኹል ምዃኑ ብግልጺ መስኪሩ (ግብ 15፡7–11)።
ዮሃንስ፡ ከም ቀረባ ወዲ መዛሙር፣ ናይ ጐይታ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ተኣምራት ክርስቶስ ንምዕዛብ ተሳቲፉ (ማር 5፡37፣ 9፡2)። ሰብ ብኸመይ ህይወት ከም ዝረክብ ድማ ብንጹር ጽሒፉ (ዮሃ 20፡31፣ 1 ዮሃ 1፡1–3)።
ለ. ትርጉምን ኣገዳስነትን ዓንዲ እንታይ ምኻኑ፣ ኣሕጽር ኣቢልኹም ግለጹ
ዓንዲ ንሓይሊ፣ ጽንዓት ምርግጋእ ይውክል። ህንጻ ብዘይ ኣዕኑድ ኣይጸንዕን፤ ከምኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ሓቀኛ ትምህርትን መንፈሳዊ መራሕትን ኣይትጸንዕን። እዞም ሰለስተ ሰባት፡ ብህይወቶምን ብትምህርቶምን ነታ ቤተ ክርስቲያን ንኽትጸንዕን ክትቅጽልን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም።
2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ምስጢር ተባሂሉ ካብ ዝተጠቕሰ፣ ክልተ ኣብነት ብምርቋሕ፣ ስለምንታይ ምስጢር ከም እተባህለ ኣሕጽር ኣቢልኩም ጽሓፉ።
ሀ. ምስጢር ኣምልኾ 1 ጢሞቴዎስ 3፡16
“ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።”
ክርስቶስ ብስጋ ምግላጹ (ስጋዌ) ምስጢር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘለኣለማዊ፣ ደረት ኣልቦ፣ ፈጣሪ ኣምላኽ ናብ ውሽጢ ፍጥረቱ ኣትዩ፡ ስጋ ሰብ ለበሰ። እዚ ልዕሊ ዓቕሚ ምርዳእ ሰብኣዊ ኣእምሮ እዩ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ እዚ ምስጢር እዚ ኸኣ መሰረት ምድሓንና እዩ። ከምቲ ኣብ 2 ጴጥ 1፡4 ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ ዝብለና፣ ኣምላኽ ሰብ ዝዀነ፡ ንሕና ውሉዱ ኴንና ንዘልኣለም ብህይወት ምስኡ ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ፡ ብኣእምሮ ሰብ ዘይብጻሕ፣ ብምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እትርድኦን ብእምነት እትቅበሎን ስለ ዝዀነ፡ ምስጢር ተባሂሉ።
ለ. ምስጢር ኣምላኽ (1 ቆሮ 4፡1)
”ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና።” ምስጢር ኣምላኽ ምምጋብ ብዓቢኡ ንወንጌል ምስባኽ ስለ ዝዀነ፣ ሓደ ኣብነት ቅዱስ ቍርባን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብዓይኒ ዝርኤ እንጌራን ወይንን ክነሱ፣ ሰብ ብኣእምሮኡ ክርድኦ ብዘይክእል መገዲ፡ ብሓይሊ ኣምላኽን ዘይርኤን መስርሕን ሓቀኛ ስጋን ደምን ክርስቶስ ይኸውን። ብምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ትርድኦን ብእምነት ትቕበሎን ሓቂ ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ ቁርባን ምስጢር እዩ፡ (1 ቆሮ 11፡23–26፣ ዮሃ 6፡53–56)።
ሐ. ምስጢር ክርስቶስ (ኤፌ 3፡4)
ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ መደብ ኣምላኽ ብምሳሌን ትንቢትን ጥራይ ተሓቢሩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣህዛብ ምስ ኣይሁድ ብማዕረ ክወርሱ ምዃኖም ግልጺ ኣይነበረን። ስለዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳኑ ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌል’ውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ” ይብል (ኤፌ 3፡5-6)። ስለዚ፡ ቀደም ዘይተገልጸ ስለ ዝነበረ፣ ምስጢር ተባህለ።
መ. ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ (1 ቈረ 2፡6-7)
ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ሓቂ ስለ ዝኾነ፡ ብስጋዊ ኣእምሮ ክትርድኦ ኣይከኣልን። ክርስቶስ ንህይወትካ ለዊጡ፣ ውሉድ ኣምላኽን ወራሲ መንግስቲ ኣምላኽን ከም እትኸውን ዝገብር፣ ውሽጣዊ ስለ ዝዀነ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ ኢኻ ክትርድኦ እትኽእል። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ‘’ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና’’ ይብል፡ (1 ቈረ 2፡9-10)። ስለዚ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገልጾ እምበር፣ ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓስበ ስለ ዝዀነ፡ ”ምስጢር” ተባህለ።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን አዕኑድ ክብሎም ከሎ፡ አብ ልዕሊኦም ብዝነበሮ መረዳእታን አኽብሮትን፡ ከም ምዃኖም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ጸጋ እግዚኣብሄር ከም ዝተዋህቦን ንአገልግሎት ከም ዝተመረጸን ኣፍልጦ ንምሃብ ብቕዓት ስለ ዝነበሮምን፡ ”ኣዕኑድ” ዝብል ቃል ተጠቕመ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ጢሞ 3፥1-7 ከምኡ’ውን ኣብ ቲቶስ 1፥5-9 መራሕቲ ቤተክርስቲያን ክህልዎም ዝግባእ ባህርይ ይገልጽ። ነዞም ”ኣዕኑድ” ዝብሎም ዘሎ ድማ፡ እቲ ናይ ምምራሕን ምስካምን ሓላፍነት ዝነበሮም ብቕዓት ንምምስካር፡ ”ኣዕኑድ” ክብል ሰመዮም።
ኣብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ማለት ኣብ ግብረ ሃዋርያት 15 ከም እንርእዮ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ይዛረብ፡ ጳውሎስን ባርናባስን ምስክርነት ይህቡ፡ ያእቆብ ግና ናይ መወዳእታ ውሳነ ይገልጽ። እዚ ኸኣ፡ እዞም ሰለስተ፡ ብሓቂ ”ኣዕኑድ መሪሕነት” ምንባሮም እዩ ዜርኢ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” ክብሎ ከሎ፡ (ማቴ 16፡18)፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ምምስራት ቤተ-ክርስቲያን፡ ልዑል ሓላፍነት ከም ዝነበሮ፡ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ትርጉምን አገዳስነትን ዓንዲ
ዓንዲ ንሐደ ነገር ንምስካም ወይ ንምጻር ዝትከል እዩ። አዝዮም ዓበይቲ ዝዀኑ ህንጻታት ንምጽናዕን ንምድጋፍን፡ ሓደ ትኽ ዝበለ ተሰካሚ፡ እዚ ማለት ከኣ ”ዓንዲ” ይዳሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንደቂ እስራኤል መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሐዊ አብ በረኻ መርሖም፡ (ዘጸ13፣21)። ከም ተወሳኺ፡ ኩነታት ሰማይ (እዮ 26፣11) አእጋር መላእኽቲ (ራእ 10፣11) ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን (1ጢሞ 3፣15) መንነት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን (ገላ 2፣9) እዚ ዅሉ በዕኑድ ተገሊጹ ንረኽቦ።
2. አብ መጽሐፍ ቅዱስ፡ ”ምሥጢር” ተባሂሉ ካብ ዝተጠቕሰ፡ ክልተ አብነት ብምርቋሕ፡ ስለምንታይ ምስጢር ከም ዝተባህለ፡ ኣሕጺርኩም ጽሓፉ፡-
ሀ. ምስጢር ኣምልኾ
ምስጢር ኣምልኾ ማለት፡ ሰብ ንኣምላኽ እናምለኸ፡ ዝፍጽሞ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እዩ፤ እዚ ኣምልኾ ግና ብኣእምሮ ጥራይ ፍጹም ክንርድኦ ኣይንኽእልን፡ ስለዚ ድማ ”ምስጢር” ይብሃል። ኣምልኾ፡ እምነትን ትሕትናን ዝሓትት፡ ከም ውጽኢት ከኣ፡ ኣብ ህይወት ሰብ፡ ምስጢራዊ ለውጢ ዘምጽእ ስለ ዝዀነ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ”ምስጢር” ንብሎ።
”መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ” ይብል፡ (ሮሜ 8፣26-27)።
ስለምንታይ “ምስጢር” ተባሂሉ፧
ብሓጺሩ፡ ኣምልኾ፡ ካብ ሰብኣዊ ኣእምሮና ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ብዝርአ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ ብቐንዱ ብእምነት ዝግበር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 3፣16 ”እቲ ብስጋ ሰብ ተገልጸ ብመንፈስ ጸደቐ ብመላእኽቲ ተራእየ፡ አብ ሞንጎ አህዛብ ተሰብከ፡ አብ ዓለም ተአመነ ብኽብሪ ዓረገ ዝብል ናይ እምነት ምስጢር ብርግጽ ዓቢይ እዩ” ይብል።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን ኣዕኑድ ብምባል ገሊጽዎም ዘሎ፣ እዞም ኣቦታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ጐይታና ኢየሱስ ንሰለስቲኦም ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ፈልዩ ክገልጸሎም ከሎ ንርኢ ኢና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብርሃነ መለኰቱ ኣብ ዝገለጸሉ፡ ነዞም ኣቦታት እዚኦም ሒዙ’ዩ ናብቲ ከረን ዝደየበ። “ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም” [ማቴዎስ 17፥1; ሉቃስ 9፣28] ኣብ ጌተሰማኒ ክጽሊ ምስ ከደ'ውን፡ ብፍሉይ ነዞም ሰለስተ ሃዋርያት ጥራይ ከም ዝተማልኦም ወንጌላዊ ማቴዎስ ነጊሩና’ሎ፣ “ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ” [ወንጌል ማቴዎስ 26፥37] ጓል እቲ መራሕ ቤት ጸሎት'ውን ከሕውያ ናብ ቤቱ ክኣቱ ከሎ ዝተማልኦም ነዞም ሰለስተ ኣቦታት እዩ፣“ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን” ብምባል ከኣ ይነግረና፡ [ወንጌል ማርቆስ 5፥37]
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብዚ ብምብጋስ፡ ነዞም ኣቦታት፡ ”ኣዕኑድ” ብምባል ይገልጾም፡ (ገላትያ 2:9)። እዚ መበሊኡ ኸኣ፡ ካብቲ ብዙሕ ዝተዘራረብናሉ፦
፨ ሰለስቲኦም ልዕሊ ኩሎም ሃዋርያት ናይ ምስጢር ኣቦታት ከም ዝነበሩ።
፨ ከም ሽማግለታት ኣቦታት ኣብ እየሩሳሌም ኮይኖም ዘገልጉሉ ከም ዝነበሩ፣ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 1:18-19) (ግብሪ ሃዋርያት 12፣2-3) ተገሊጹ ኣሎ።
፨ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርእዮ፡ ቀዳማይ ተዛራቢ ከም ዝነበረ ኢና እንርኢ። ሃዋርያ ዮሃንስ ወዲ ዘብዴዎስ'ውን ጐይታ ዘፍቅሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝያዳ ንጐይታ ዝቐረበ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ወንጌሉ ኣስፊርዎ ኣሎ፡ (ዮሃ21:7)
ስለዚ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዞም ኣቦታት ”ኣዕኑድ” ብምባል ዝገልጾም።
ለ፣ ትርጉምን ኣገዳስነትን ዓንዲ እንታይ ምዃኑ፣ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ፣
ዓንዲ፡ ንሓንቲ ቤት፡ ካብቲ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ዓንዲ፡ ኣብ ማእከል ገዛ ቈይሙ፡ እታ ቤት ብዝመጸ ንፋስ ንየው ነጀው ንኸይትብል፡ ኣደልዲሉ ዝሕዝ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ትርጉም ከኣ፡ ዓንዲ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመሃርናዮ፡ ዘይልወጥ ባህርን ሓይልን እግዚኣብሔር እዩ ዘመልክት እዩ፡ (መዝ፣75:3)።
ሕቶ ቍ2
ሀ. ምስጢር ኣምላኽ
ቈሎሴ 2፥2-3 ”ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።
ንዓና ነቶም ውልድነት ኣምላኽ እተቐበልና ዘበልና፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ተዋሂቡና’ሎ (ማቴ 13፥11)። ነብያት ብዛዕባ እዚ ምስጢር ተነበዩን መርመሩን፡ ”እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስን በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም” (ጴጥሮስ 1፥10-12)። ነቶም ንጐይታና ኢየሱስ ከም መድሓኒኦም ዘይተቐበልዎ ዘበለኡ ኵሎም ግና እቲ ምስጢር ድሕነት፡ ሕጂ’ውን ንዕኦም ምስጢር እዩ።
ለ. ምስጢር ኣምልኾ (1 ጢሞ 3፡16)
1. ብስጋ ተገልጸ፡- ኣምላኽ ብስጋ ተገሊጹ ክበሃል እንከሎ ብእምነት ክንቅበሎ እንተዘይኴንና ኣብ ኣእምሮና ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና።
2. ብመንፈስ ጸደቐ፡- ሓጢኣት ኣይገበረን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሱሩ’ውን ሓጢኣት ኣይሓስብን ነበረ።
3. ንመላእኽቲ ተራእየ፡- ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መላእኽቲ ብመለኰቱ ይፈልጥዎ እዮም፡ ከም ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ምድሪ ክመላለስ’ውን ርእዮሞ'ዮም።
4. ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡
5. ኣብ ዓለም ተኣምነ፡
6. ናብ ክብሪ ዓረገ፡-
ሃዋርያት ንኹሉ ፍጥረት ወዲ ኣዳም፡ ወንጌል ሰቢኾም፡ ብስራት ወንጌል’ውን ንኹሉ ንህዝብን ኣህዛብን ኣብጺሖም እዮም።
ጐይታና የሱስ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ከኣ ይግዝእዎ ኣለዉ።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ፥ ንያቆብን፣ ኬፋን፣ ዮሃንስን፣ ”ኣዕኑድ” ብምባል ዝገለጾም፡ ቀዳሞት ሃዋርያትን፤ መራሕቲን ከምኡ’ውን መስረትቲ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝነበሩ እዩ። ኣዕኑድ ንመሪሕነት እዩ ዘመልክት።
ለ) ዓንዲ ማለት ከም ሓወልቲ ትኽ ኢሉ ዝቐዉም እዩ። ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት፥ ቤተ ክርስቲያን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ገጠራት ሃገርና ዝርከብ ህድሞ፡ ከም ኣብነት እንተጠቒስና፡ ኣገዳስነት ዓንዲ ብቐሊሉ ክርድኣና ይኽእል’ዩ። ዓንዲ፡ ዝቘመ ዝስከም ወይ ዝድግፍ ማለት’ዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝረአናዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፡ መዓልቲ ብንዲ ደበና፣ ለይቲ’ዉን ብዓንዲ ሓዊ፥ ይመርሖም ብምንባሩ፡ ዓንዲ ንመሪሕነት’ውን ክውክለልና ይኽእል’ዩ። ዓንዲ፡ ንጽንዓት’ውን የመልክት እዩ። ከምቲ እቲ ዓንዲ ጸኒዑ ንህንጻ ደው ዘብል፡ ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ሓያል፥ ጽኑዕ፣ ኩሉ ከሓልፍ ንሱ ግና በይኑ ዘይሓልፍ ምዃኑ’ውን የመልክተልና።
ሕቶ ቁ 2
ሀ) ምስጢር ኣምላኽ ( ቈሎ 2፣2) እንታይ ማለት እዩ፧ ስለምንታይ ምስጢር ተባሂሉ፧
”ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡” ምስጢር ኣምላኽ ማለት፥ ክርስቶስ ማለት እዩ። ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ንደቂ ሰብ ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ ኣምላኽ ጥራይ ክገልጾ ዝኽእል ስለ ዝዀነ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ስጋ ለቢሱ ንምድሓና ክግለጽ ከሎ፡ እቲ ዘይረአ ጸጋ ኣምላኽ፡ ተገልጸ። ስለዚ ድማ ምስጢር ይብሃል።
ለ. ምስጢር መጋቢነት( ኤፌ 3.9 )እንታይ ማለት’ዩ፧ ስለምንታይ ምስጢር ተባሂሉ፧
ኤፌሶን 3:9፤ እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነት’ውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። ምስጢር መጋቢነት ማለት፥ እቲ ኣብቲ ኩሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ጥራይ ተሰዊሩ ዝነበረ ብርሃን፥ እዚ ማለት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብመገዲ ሃዋርያቱን፥ መምህራኑን ኣቢሉ፡ ናብ ኩሉ ዓለም ተገልጸ ማለት’ዩ። ንኣብነት ሃዋርያ ጳዉሎስ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ጐይታና ኢየሱስ ሃንደበት ተገሊጹ፡ ምስጢር ድሕነት ነገሮ። በቲ ጐይታ ዝገለጸሉ ድማ ወንገል ናብ ኩሉ ዓለም ከም ዝባጻሕ ገበረ። ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት እምበኣር፡ ብዛዕባ ሰማያውን ኣምላኻውን ምስጢር ስለ ዝምህርን ዝምግብን እዩ።