ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ንምሥጢረ ሥላሴ ዝገልጽ

ኣብ  ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 6 ዘሎ ምግላጽ፡ ንምህሮ ምሥጢረ ሥላሴ ዘርእየና እዩ። ”በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት፡ ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” (ኢሳ6.1) ኣብዚ ”ተቐሚጡ” ዝብል ቃል፡ ንሓደ ኣካል  ከመልክት እንከሎ፥ ትሕት ኢሉ ግና ”እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኵላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ” ብምባል፡ ንሠለስትነቶም፡ ማለት ንኣብ ንወልድ ንመንፈሰ ቅዱስ ከመ ዘምልክት ክንርዳእ ንኽእል። መሊሱ ኸኣ፡ ከም ሓደ ኰይኑ፡ ንሓድነት ብዝገልጽ ኣዘራርባ፡  "ንመን ክልእኽ፧" ክብል ንሰምዖ’ሞ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ከም ካብ ሓደ ንላዕሊ ምዃኑ ንኸርኢ’ውን "መን ክኸደልና፧" ድማ ይብል። እቲ "ክልእኽ" ዝብል፡ ንሓደ፡ እቲ  "ክኸደልና "ዝብል ከኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምዃኑ፡ ብንጹር ንርእዮ።  

ንምሥጢረ ቍርባን ዝገልጽ

ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 16 ”ማና” ብዝብል ተገሊጹ ዘሎ፡ ቃል፡ ንቕዱስ ቍርባን  ከም ዘመልክት ተዘራሪብናሉ። ”ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፥ እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ዀኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡ እናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ” (ዘጸ 16.4)። ኣብ ፍቕዲ 15 ድማ፡ ”ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን እሞ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ። ሙሴ ኸኣ፥ እዚ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሀበኩም እንጌራ እዩ” በሎም።  እዚ እንጌራ እዚ እምበኣር፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ፡ ክሳዕ ከንኣን ዘብጽሕ፡ ምስሊ ወይ ጽላሎት ናይቲ  ደሓር ክግለጽ ዝነበሮ ዘልኣለማዊ ህይወት ዝህብን ንዘለኣለም ዘንብርን ብልዒ ሓቂ፡ እዚ ማለት ከኣ፡ ስጋን ደምን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ፡ ኣብ ዮሃንስ 6:50 -53 ”ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ይብል።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ንምሥጢረ ስላሴ ዝገልጽ

ኢሳይያስ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። እቲ ሓደ ሱራፌል ድማ፡ «ቅዱስ»፡ «ቅዱስ»፡ «ቅዱስ» እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ” ብምባል ጸሓፈ (ኢሳ 6፡1-3።) ዝተራእዮ ሓደ እግዚኣብሄር ክንሱ፡ ክምለኽ ከሎ ግና፡ ”ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ” ዝብል፡ ሠለስተ ግዜ ዝድገም ምዃኑ፡ ንሥላሴ ዘመልክት እዩ። እቲ «ቕዱስ» ዝብል ቃል፡ ሓደ ምዃኑ፡ ንሓድነት፡ እቲ ሰለስተ ግዜ ምድግጋሙ ድማ፡ ንሠለስትነት፡ ማለት ሓደ ግዜ ንኣብ፡ ካልኣይ ጊዜ ንወልድ፡ ሣልሳይ ጊዜ  ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጽ። ሠለስቲኦም ኣካላት፡ ብማዕረ «ቅዱስ» ዝብል ቃል ከም ዝገልጾም ንርዳእ።

ንሓደ ቃል፡ ክልተ ግዜ ምድጋም፡ ንኣገዳስነት ናይ መልእኽቲ ዝገልጽ እዩ። ንኣብነት ጐይታ፡ ኣብ ዮሃ 6፡47 ”እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ይብል። ሠለስተ ግዜ ምድግጋም ድማ፡ ፍጽምናን ምሉእነትን ይገልጽ። ቅድስና ኣምላኽ ደረት ኣልቦን መዳርግቲ ዘይብሉን ልዕሊ ርድኢት ደቂ ሰባትን እዩ። እምብኣር ብዝበለጸ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ብምልኣት፡ ቅዱስ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።

ኢሳ 6 ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምጥቃሱ ኸኣ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ መሊሱ ዝያዳ የብርሆ። ኣብ ዮሃ 12፡41 ኢሳይያስ ክብሪ ክርስቶስ ከም ዝረኣየ፣ ማለት እቲ  ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ እግዚኣብሄር ወልድ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ግ.ሃ 28፡25-27 ድማ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 6 ዝዛረብ፡ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይሕብር። ስለዚ ኢሳይያስ 6 ናይ ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ምዕራፍ እዩ።

ኣብ ራእይ 4፡8  ንኢሳይያስ 6 ብዘንጸባርቕ ሰማያውያን ፍጡራት ብቐጻሊ «ቅዱስ» «ቅዱስ» «ቅዱስ» እንዳበሉ ንኣምላኽ ምምላኾም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ውዳሴን ዘይልወጥን ቅድስና ኣምላኽን ዘርኢ እዩ።

ኣቦ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል” (ራእ 4፡8-11)፡ ወልድ፡ ከም ዝተሓርደ ገንሸል (ራእ 5፡6-14) ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ዝተገልጸ (ራእ 1፡4፤ 3፡1፤ 4፡5) ኰይኖም ይምለኹ። ስለዚ፡ «ቅዱስ» ዝብል ቃል፡ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ፡ ሓደ ኣምላኽ ሠለስተ ኣካላት ምዃኑን፡ ሰለስተ ግዜ "ቅዱስ" ምባል ድማ፡ ነቲ ሥላሴያዊ ባህርይ ኣምላኽ ይገልጽ።

 ንምሥጢረ ጥምቀት ዝገልጽ

ኣብ 2ነገ 5  ዘሎ ታሪኽ ምንጻህ ንእማን፡ ንምሥጢረ ጥምቀት ዘመልክት እዩ። ንእማን ሓለቓ ሰራዊት፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ዝሃቦ፡ ዓብዪን ክቡርን፡ ብርቱዕ ጅግና ሰብ ክነሱ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ። እቲ ብሃብትን ዝናን ዘይሓዊ ሕማሙ፡ ንሓጢኣት ይውክል (ሮሜ 3፡23፤ ኢሳ 59፡2)። ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ ንኸሕውዮ፡ ናብ ንጉስ እስራኤል ምስ መጸ፡ እቲ ንጉስ ”ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ” በለ። ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንንእማን፡ ልኡኽ ሰዲዱ ንኽሓዊ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ግዜ ክሕጸብ ነገሮ። መጀመርታ ምስ ክብሩ ዘይከይድ፡ ዕሽነት ዝመስል ኰይንዎ፡ ኰርዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ ኣኽቢሩ፡ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ፡ ዜሕውዮ እዩ መሲልዎ ዝነበረ። ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ምስ ጠሐለ ግና፡ ስጋኡ፡ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየ’ውን፡ ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምጥማቑ፥ ታሪኽ ንእማን ሃንደበት ዝጋጠመ ኣይኰነን። ጥምቀት፡ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ንእማን ንሓደ ኣማኒ ካብ መንፈሳዊ ሕማሙ ዘድሕን’ውን እዩ፡ (1ጴጥ 3፡21, ቲቶ 3፡5)። ኣማኒ፡ ከም ንእማን ንቓል ኣምላኽ ክእዘዝ ይግባእ፡ (ያእቆብ1፡22-25)። ከምቲ ንእማን ብመለኮታዊ ሓይሊ፡ ኣብ ማይ ዝሓወየ፡ ጥምቀት’ውን ንኣማኒ ካብ ሓጢኣት የንጽሆን፡ ካብ ሞት ናብ ሓድሽ ህይወት የሰጋግሮን፡ (ሮሜ 6፡3-4፤ ቆሎሴ 2፡12)።

ድሕነት ሰብ፡ ጻዕሪ ሰብ ዘየድልዮ ብጸጋ ኣምላኽ ዝጅምርን ዝፍጸምን ምዃኑ ብሩህ እዩ፡ (ኤፌሶን 2፡8-9)።ጥምቀት ከኣ፡ በቲ ደጋዊ ምጥሓል፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ፡ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ለውጢ ዝገልጽ፡ ምዃኑ ንርዳእ። ንእማን፡ ሶርያዊ ምዃኑ፡ ምድሓን፡ ንኣህዛብ’ውን ከም ዘጠቓልል ይምህረና።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

ንምሥጢረ ሥላሴ ዝገልጽ

ሓደ ጊዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ 3 ጊዜ “ቅዱስ፡ ቅዱስ ቅዱስ” ዝበሎ ምኽንያት፡ ንሠልስትነቶምን ሓድነቶምን አብ ሓደ ግዜ ዝገልጽ ከም ዝዀነ ንርዳእ። - ኢሳይያስ 6፥3: “እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኵላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ” አብዚ ሓሳብ እዚ፣ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ፡

  • ሠለስተ ጊዜ ምድግጋሙ ናይ ኣካል ሠለስትነት፣ ፍጹምነት፥ ምሉእነት፥ ሓድነትን የመልክት

  • ሓደ ዓይነት ቃል (ቅዱስ) ምዃኑ ኸኣ ናይ ባህርይ ሓድነት የመልክት

ራእ.ዮሃ. 4፥ 8: “እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን፡ ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡” ይብሉ።

ንምሥጢረ ሥጋዌ ዝገልጽ

ማቴዎስ 1 - 23 “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። “ኣምላኽ ምሳና ኰነ” ክብል ከሎ ምናልባት፣ እግዚኣብሄር ኣብ ኦሪት ብዝተፈላለየ መልክዕ ይግለጽ ኔሩ ኢዩ። አብ ቤት መቕደስ፣ ብባሕሪ ኤርትራ አብ ምስጋር፣ ብዓንዲ ደበናን ሓውን፣ ብንፋስን ብዝተፈላለየ መገድን፡ ህላውነቱ ይገልጸሎም ኔሩ። አብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፣ ነቲ ወራሲ ዅሉ ዝዀነ ሓደ ወዱ ብምልኣኽ፡ ብዘየጋጊ መገዲ ምሳና ኰነ። ብሥጋ ብዝረአ፣ ምሳና ኰነ። ከምቲ ዝበሎ ድማ፡ “እነሆ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ” ብምባል፡ ንዅሉ ግዜ ምሳና ከም ዝዀነ የረድአና። ኢሳ 7 :14 “ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ”።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ንምሥጢረ ስላሴ ዝገልጽ

ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 6 ዘሎ ምግላጽ፡ ንምህሮ ምሥጢረ ሥላሴ ዘርእየና እዩ። ”በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት፡ ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” (ኢሳ6.1) ኢሳይያስ ንጉስ ዑዝያ ምስ ሞተ ንጐይታ ረኣዮ እዚ ኸኣ ሓደ ዓብዪ መራሒ ዝነበረ ምድራዊ ንጉስ እኳ እንተ ወደቐ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ኣምላኽ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኰይኑ ረኣዮ፣ እዚ ኸኣ ልዑላውነቱን ቅድስናኡን ዝገልጽዩ። ሞት ዑዝያ ነቲ ምድራዊ ኣትኵሮ ወይ "መዐንቀፊ" ኣወገደ፣ እዚ ኸኣ ኢሳይያስ ነቲ ዝለዓለ ሰማያዊ ዝፋን ኣምላኽ ንኺርእዮን ነቲ ነባሪ ሓይሊ ኣምላኽ ንኺርድኦን ኣኽኣሎ እዩ። ትሕት ኢሉ ውን 3 ሳዕ ቅዱስ ፣ ቅዱስ ፣ ቅዱስ ኢሉ ደጋዲሙ ኩላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ ኢሉ ኣድሃየ ይብለና።

እቶም ሰራፌል ኣብዛ ሓረግ እዚኣ ኺጭድሩ ኸለዉ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እዮም ዚመጹ ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኸም ዚገዝእ ድማ የረጋግጹ ። እታ "ብዘላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ እያ" እትብል ሓረግ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ እንተ ጠመትና ምልክታት ክብሪ ኣምላኽ ክንርኢ ኸም እንኽእል ድማ ትሕብረና።

እዚ ሰለስተ ሳዕ ምድግጋም እዚ ኣምላኽ ካብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ምዃኑ ዝገልጽን፣ ግርማን ፍጽምናን ዕቤት እግዚኣብሄርን ድማ ዝገልጽን እዩ። ንቅድስና ሥላሴ – ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እውን የመልክት። ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ትብል ቃል ድማ ንምልኣትን ቅድስና እግዚኣብሄር ኣቦን፣ ወደን፣ መንፈስ ቅዱስን ዘንጸባርቕ እዩ።

ንትንሣኤ ሙታን ዝምልከት

ወንጌል ማቲዎስ 12,40 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። ዮናስ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ ጸንሐ። ጐይታና ኢየሱስ ከኣ ሓሙስ ምሸት ምስ ተታሕዘ፡ ዓርቢ ተሰቒሉ፡ ክሳዕ ሰንበት ኣብ መቓብር ተሓልዩ ። እዚ ድማ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን የጠቓልል። ልክዕ ከምቲ ዮናስ ናብ ባሕሪ ምስ ተደርበየ ንዅሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ዘድሓኖም መስዋእቲ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ምድሓን ከም ዘምጽኣሎም ይምህረና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

Next
Next

ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር