ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

ዝቐረበ ሕቶ

ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት አብርሃም ዝኣተው ሰለስተ ኣጋይሽ ኣመልኪትና፡ ካብ ዝተመሃርናዮም ሰለስተ ኣረኣእያታት፡ ንሓደ ኣረኣእያ መሪጽኩም፡ ሓጺር ጽሑፍ ኣቕርቡ።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ምብጻሕ እቶም ሠለስተ ኣጋይሽ፡ (ዘፍ 18–19)፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 17 ዝተገብረ ግዝረት ዝመጽእ ብምዃኑ፡ ኣገዳሲ ፍጻሜ ይገብሮ። እቲ ግዝረት ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝተገብረ እዩ፣ እምነት ኣብርሃም ንምድልዳልን ተስፋኡ ኸኣ ንምፍጻምን ድማ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተገልጸሉ።

ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (c. 296–373 AD)፣ ቅዱስ ባስልዮስ ዓብዪ (c. 330–379 AD)፣ ቅዱስ ጎርጎሬዎስ ዘእንዚናዙ (c. 329–390 AD)፣ ቅዱስ ጎርጎሬዎስ ዘኒሳ (c. 335–395 AD)፣ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ (c. 347–407 AD)፣ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (c. 306–373 AD)፣ ከምኡ'ውን ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ (c. 376–444 AD) ዝርከብዎም ኣቦታት፡ እቲ ክስተት፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ዝገልጽ ምዃኑ፡ ይኣምኑን ይምህሩን ነበሩ።

ዝሓለፈ ከም ዝረአናዮ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ሠለስተ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ። ጉጅለና፡ “እቶም በጻሕቲ፡ ሥላሴ እዮም” ንዝብል ኣረኣእያ ኢና ከነቕርብ።

እቲ ኣብቲ ጽሑፍ እንረኽቦ ምስጢር፡ እቲ ሓደ እግዚኣብሄር፡ ብሠለስትነት ዝተራእየ ምዃኑ እዩ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብምሉእነት ዝተገልጸ ትምህርቲ ሥላሴ፡ ነቲ መለኮታዊ ምሥጢር ሓድነትን ሠለስትነትን እግዚኣብሄር ዘብርህ፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ኣንፈትን ምልክትን ዝህብ መግለጺ ድማ እዩ።  እቲ ብተደጋጋሚ ዝቀያየር ስያመታትን ኣጸዋውዓን፡ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ሓደ ክውንነት ከም ዝንጸባርቕ የርእየና። ኣብቲ ጽሑፍ፡ "እግዚኣብሄር" ዝብል ስያመ፡ ነቲ መለኮታዊ ባህርያቱ የጉልሕ፣ "ሰባት" ነቲ ዝርአ መልክዖም ይገልጽ፣ "መላእኽቲ" ዝብል ድማ ከም ተልእኾኦም ዝፍጽሙ ልኡኻት ምዃኖም የመልክት።

ዘፍጥረት 18፡ "እግዚኣብሄር ተገልጸሉ" ብምባል ይጀምር (ዘፍ 18፡1)፤ ኣብርሃም ግን "ሰለስተ ሰባት" ረኣየ (ዘፍ 18፡2)። ኣብ ዘፍ 18፡3 ኣብርሃም ብንጽል "ጐይታይ" ኢሉ ይዛረብ፣ እዚ ንሓደ ዘመልክት ቃል እዩ፤ ቀጺሉ ግና "እእጋርኩም ክትሕጸቡ" ብምባል ከኣ ብብዙሕነት ይዛረብ (ዘፍ 18፡4)። ኣብ ዘፍ 18፡5 ንሠለስቲኦም ማዕረ ክብሪ ይህቦም፣ ምግቢ የዳልወሎም፣ ንሱ ድማ ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ በልዑ (ዘፍ 18፡4–8)። እዚ ኩነታት እዚ፡ ሓድነትን ብዙሕነትን ብሓባር ይገልጽ።

ኣብ ዘረባ’ውን ብተመሳሳሊ፡ "ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ" ብምባል ብብዙሕነት ይዛረቡ (ዘፍ 18፡9)፤ ከምኡ'ውን "ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት ክምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ" ብምባል ከኣ ብንጽል ይዛረብ፡ (ዘፍ 18፡10, 13)። እዚ ምቅይያር ናይ "በልዎ"ን "በለ"ን ዝብሉ ቃላት፡ ብግልጺ፡ ሓድነትን ብዙሕነትን ስለ ዘመልክት፡ ንሥላሴ ዘግህድ ምዃኑ የርእየና።

ድሒሮም እቶም ኣጋይሽ ናብ ሶዶም ክብገሱ ከለዉ፡ "እቶም ሰባት" ተባሂሎም ይጽውዑ (ዘፍ 18፡16, 22)። ኣብ ዘፍ 18፡22 ከኣ ብግልጺ ምክፍፋል ይረአ፡ "እቶም ሰባት ካብኡ ተመሊሶም ናብ ሶዶም ከዱ፣ ኣብርሃም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተረፈ" ይብል። እቶም ክልተ፡ (ወልድን መንፈስ ቅዱስን) ተላኢኾም ናብ ሰዶም ከዱ፡ እቲ ሓደ ግና (ኣብ) ምስ ኣብርሃም ተረፈ። እዚ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተገልጸ ስራሕ ሥላሴ ኣቐዲሙ የመልክት፡- ኣቦ፡  ኣብ ሰማይ ዘሎ እዩ (ማቴ 6፡9፣ ዮሃ 14፡2)፣ ወልድ፡ ዝተላእከ እዩ (ዮሃ 3፡17፣ 5፡36፣ 8፡42፣ 17፡18)፣ መንፈስ ቅዱስ’ውን ተላኢኹ ይመጽእ፡ (ዮሃ 14፡26፣ 15፡26፣ 16፡7)። ከምቲ ክልቲኦም ናብ ሰዶም ተላኢኾም ዝኸዱ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተላእኩ ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል።

ኣብ ዘፍጥረት 19፡ እቶም ናብ ሰዶም ዝኸዱ ክልተ፡ "መላእኽቲ" ተባሂሎም ኣለው (ዘፍ 19፡1)። ሎጥ ንኽልቲኦም "ኣቱም ጐይተተይ" ኢሉ ይዛረቦም (ዘፍ 19፡2)፤ ድሒሩ ግና ንሓደ ጥራሕ "ጐይታይ" ብምባል ከኣ ይልምን (ዘፍ 19፡18–19)። እዚ`ውን ንሓድነትን ንብዙሕነትን ብተመሳሳሊ ይገልጽ።

እቶም መላእኽቲ ሓደ ግዜ "ንሕና ነዛ ከተማ ኸነጥፍኣ ኢና" ብምባል ብብዙሕነት ይዛረቡ (ዘፍ 19፡13)፤ ሓደ ግዜ ድማ "ኣብኣ ኸይበጻሕካ ገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ" ብምባል ብንጽል ይዛረብ (ዘፍ 19፡21–22)። ኣብ መወዳእታ ግና፡ "እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ" ይብል (ዘፍ 19፡24)። እዚ፡ "እግዚኣብሄር ካብ እግዚኣብሄር" ዝብል ጽሑፍ፡ መለኮታዊ ፍርድን መቕጻዕትን ዝገልጽ ኰይኑ፣ ሠለስተ መለኮታዊ ኣካላት፡ ብፍጹም ሓድነት ከም ዝሰርሑ የመልክት። እቲ ሓደ (ኣብ ኣብ ሰማይ ኰይኑ) ፍርዲ ይእዝዝ፡  ወልድን መንፈስ ቅዱስን (ኣብ ምድሪ ተላኢኾም) ይፍጽምዎ - ኩሉ ከም ሓደ መለኮታዊ ተግባር። እቶም "ንሕና ከነጥፍኣ ኢና" ዝበሉ "መላእኽቲ" ምስቲ፡  "እግዚኣብሄር ካብ እግዚኣብሄር" ዝብል ጽሑፍ ብምንጽጻር፡ ፍጡራት ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ክንምልከት ንኽእል።

እቶም ሠለስተ ኣጋይሽ፡ ሓንሳብ እግዚኣብሄር፣ ሓንሳብ ጐይታይ፣ ሓንሳብ መላእኽቲ ተባሂሎም ምጽዋዖምን፣ ብሓድነትን ብዙሕነትን ዝቀያየር ቋንቋ ምጥቃሙን፡ ኰነ-ኢልካ ንምስጢረ ስላሴ መንገዲ ንምኽፋት ዝተመርጸ መግለጺ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘፍጥረት፡ "ንፍጠር" ከምኡ'ውን "ንዑ ንውረድ" ዝብል ንሥላሴ ዝገልጽ ኣበሃህላ፡ (ዘፍ 1፡26፣ 11፡7)፣ እዚ’ውን፡ ነቲ ድሒሩ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር ዝተገልጸ ሓድነትን ሠለስትነትን ኣምላኽ፡ ኣቐዲሙ ዘብርህ ኣበሃህላ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስ’ቲ ኣብ ኢሳ 6፡3፣ ራእይ 4፡8፣ ማቴ 28፡19–20፣ 2 ቈረ 13፡14 ዘሎ ምስክርነት ይሰማማዕ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ እግዚኣብሄር «መልኣኽ» ተባሂሉ ዝተገልጸሉ፡ ኣብ ዘፍ 16፡13፣ ዘጽ 3፡2–6 ወዘተ’ውን ንርኢ ኢና።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ጉጅለና፡ ነቲ «ጐይታን + 2 መላእኽትን” ዝብል ኣረኣእያ ኢና ከነቕርብ። እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 18-19 ዘሎ፡ ሊቃውንት፡ ንዘመናት ዝኣክል፡ ነናቶም ትንተና ከም ዝሃቡሉ ጠቒስና፡ ክሳዕ ሕጂ'ውን እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ንቤተክርስቲያንና ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍላ ዘሎ ምዃኑ ኸኣ ዘኪርና።

ኣብ ዘፍጥረት፣18፥1-2፡ ኣቦና ኣብርሃም፡ «ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ። ሠለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ።»  ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ከም እንርእዮ፡ ኣብ ፍቕዲ 3፡ “ጐይቶተይ፡ ኣብ ቅድሜኹም መጐስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡» ዘይኰነስ፡ ከም ንሓደ ጌሩ እዩ «ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ መጐስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡» እዩ ዝብል። ኣብ ፍቕዲ 4 ግና “እእጋርኩም ክትሕጸቡ» ብምባል ከኣ ብሠለስትነት ክገልጾም ከሎ ንርኢ።

እታ ምሉእ ትሕዝቶ ምዕራፍ 18፡ ከም ሓደን ከም ካብ ክልተ ንላዕልን እናገበረ እዩ ዝገልጾም። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 18፥16 “እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ኣእጋሮም ኣቕንዑ፡ ኣብርሃም'ውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ” ምስ በለ፡ ኣብ ፍቕዲ 22፡ ኣብርሃም ምስ እግዚኣብሄር ይዛረብ ከም ዝነበረ ይነግረና። “እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ከደ። ኣብርሃም’ውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ” ድማ ይብል(ዘፍጥረት 18፥33)።

ድሕር’ዚ ኣብ ምዕራፍ 19፡ እቶም «ሰባት» ክብሎም ዝጸንሐ፡ ክልተ መላእኽቲ ምዃኖም ብንጹር ይነግረና፣ “እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ» ድማ ይብል፡ (ዘፍጥረት 19፥1) ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኸኣ “ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ” ይብል፡ (ዘፍጥረት 19፥24)። እቲ ምስ ኣብርሃም ዝዛረብ ዝነበረ ጐይታ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዲንን ሓውን ከውርድ ከሎ ኢና ንርኢ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ናብ ሶዶም ዝኸዱ፡ ክልተ መላእኽቲ፡ እቲ ምስ ኣብርሃም ዝተረፈ ድማ ጐይታ (እግዚኣብሄር ወልድ) ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

እዚ ይኹን እምበር፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 1፥18 “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን” ስለ ዝብል፡ ኣምላኽ ብባህሪኡ፡ ኽረአ ዘይኽእል ምዃኑ ዘቲና። እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ “ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዝበሎ’ውን ጥቕስ ኣቢልናዮ ሓሊፍና፡ (እብ 13፥2)።

ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ

እቶም ንኣብርሃም ኣብ ድዋታት መምሬ ዝተገልጽሉ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ምስ ክልተ መላእኽቲ እዮም ነይሮም ንዝብል ኣረኣእያ ኢና ክንገልጽ። እቶም ምስ ጐይታ ዘነበሩ ሰባት 2 መላእኽቲ ምዃኖም፡ ኣብ ዘፍጥረት 19 ቁ. 1ን 2ን የነጽረልና። «እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ» ድማ ይብል።

ኣቐዲሙ ኣብርሃም ኣብ ምዕራፍ 18 ስለ ዝሰገደሎም ጥራይ፡ እቶም ንኣብርሃም ዝተገልጹሉ፡ «ሥላሴ እዮም» ክንብል ኣይንኽእልን፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 ከም እንርእዮ፡ ሎጥ’ውን ነቶም ክልተ መላእኽቲ ሰጊዱሎም እዩ፡ (ዘፍ19 ቁ.2ን 3ን)። ሎጥ “ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ” ዝብል ዘሎ፡ ምስጋዱ እዩ ዘመልክት። ብዛዕባ ኣብርሃም ከኣ «ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ» ይብል፡ (ዘፍ 18.2)።

መላእኽቲ ኣይበልዑን እዮም ዝብል ክቐርብ ንዝኽእል ሓሳብ ድማ፡  ኣብ መዝሙር ዳዊት 78:24-25 «ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና አዝነመሎም፣ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም። ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፣ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም» ዝብል ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቶም ኣጋይሽ፡ ምስ ኣብርሃም ከም ዝበልዑ፡ ምስ ሎጥ’ውን ከምኡ ከም ዝገበሩ፡ «(ሎጥ) ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም እንሆ፡ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩም’ውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፥ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ንሓድር፡ በሉ። ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተዉ። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣዲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ» ብምባል ተጻሒፉ’ሎ (ዘፍ19.2-3)።

እቶም መላእኽቲ፡ ሓይሊ ዘለዎም፡ ካብ እግዚኣብሄር 'ውን ከም ዝተላእኩ፡ “ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም” ይብል (ዘፍጥረት 19:11)። ኣብ ዘፍጥረት 19:13 ድማ «ነዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ፡ ጭራሕ ምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና፡» ብምባል፡ ልኡኻት ምዃኖም ከኣ ይሕብሩ። ብኻልእ መዳይ፡ እቲ መልኣኽ ንሎጥ «ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡» ምባሉ (ዘፍ 19.22)፡ ነቲ ዘለዎ ድሩትነትን፡ ብፍጹም ፍቓዱ ከም ዘይመላለስን የርኢ። ስለዚ ኸኣ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ መልኣኽ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ኵሉ ነገር ካብ እግዚኣብሄርን ብእግዚኣብሄርን ከም ዝውሰንን ዝፍጸምን፡ ንኸርእየና፡ “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ” ይብል። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ዘፍ. 18:22 «እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ» ብምባል፡ እቶም ዝኸዱ፡ ክልተ መላእኽቲ ከም ዝዀኑ፡ እቲ ምስ ኣብርሃም ዝተረፈ ድማ ጐይታ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ከነስምረሉ ዘለና ግና፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፡ 6:46 «ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ» ዝብለና፡ ንእግዚኣብሄር ብምልኣት ርኢናዮ ፈሊጥናዮ ክብሃል ዝከኣል ከም ዘይኰነ እዩ።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

እቶም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝኣተዉ፡ ጐይታን ክልተ መላእኽትን ምዃኖም ዝገልጽ ኣረኣእያ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እቶም ክልተ መላእኽቲ፡ ድሕሪ እቲ ርክብ፡ ናብ ሰዶም ከዱ (ዘፍ 18.16 ከምኡ’ውን ዘፍ 19.1) ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ (ዘፍ18.22) ምእንቲ ሰዶም የማልድ ነበረ (ዘፍ18.23)።

ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ድዋታት መምሬ ኰይኑ፡ ነዞም ሰለስተ ሰብኣይ ምስ ረኣየ፡ ግብጻዊ ኣቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ ከም ዝገልጽዎ፡ ብርግጽ ሰለስቲኦም፡ ብሓደ ግርማን ክብርን ኣይነበሩን። ብዘይ ጥርጥር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ፡ ካብቶም ክልተ መላእኽቲ፡ ብኽብርን ግርማን፡ ልዕሊኦም ደሚቑ ነይሩ ክኸውን ኣሎዎ። ምናልባሽ’ውን እቶም ክልተ መላእኽቲ፡ ደድሕሪኡ ይኸዱ ኔሮም ይዀኑ። ስለዚ ኣቦና ኣብርሃም፡ ንጐይታ፡ ከም ወኪል ናይቲ ጉጅለ ጌሩ፡ ብንጽል ክዛረብ ከሎ ንሰምዖ። ግብጻዊ ፓትርያርክ፡ ቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ ኣብ መግለጺኦም፡ ንመረዳእታ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን፡ ምስ ክልተ ወተሃደራት እንተረኺብካ፡ ነቲ ብዓል ስልጣን፡ ብዛዕባኡን ከምኡ’ውን ነቶም ክልተ ምስኡ ዘለዉን ዘጠቓለለን ጌርካ ኢኻ እትዛረብ። ስለዚ ድማ ኣብርሃም ከምዚ በለ፡ ”ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ። ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ” በለ። ብዝተኻእለ፡ «ኦ ጐይታ ነዞም ምሳኻ ዘለዉ ክልተ’ውን፡ ክትፈቕደሎም እሞ፡ ማይ ይምጻእ፡ ኣእጋርኩም ከኣ ክትሕጸቡ፡» ንምባል’ዩ፡ ኣቦና ኣብርሃም፡ እንሓንሳእ ብንጽል፡ ካልእ ጊዜ ድማ ብብዙሕ ዚዛረብ ኔሩ።

ከም ዝተጠቕሰ እምበኣር፡ እቶም ሰለስተ፡ ጐይታ ምስ ክልተ መላእኽቲ እዮም። እቶም ክልተ መላእኽቲ፡ ናብ ሰዶም ከይዶም (ዘፍ 19.1) እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ምስ ኣብርሃም ተረፈ። እቲ ምስ ኣብርሃም ዝተረፈ ሳልሳይ፡ ጐይታ ባዕሉ ምንባሩ፡ ንጹር’ዩ፡-

እቶም መርትዖታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

 • ንኣብርሃም፡ ”ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በሎ፡ (ዘፍ18.10)። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ፡ ንሱ፡ ጐይታ ምዃኑ ዘመልክት፡ ብዙሕ ጥቕስታት ኣሎ። (ዘፍ፣ ምዕ 18 ቁጽርታት፣ 17፣ 20፣ 22፣ 25ን 26ን)።

እቶም ክልተ፡ መላእኽቲ ምዃኖም ድማ፣ ዋላ’ኳ አብ ምዕ 18፣ ቁጽሪ  16 ን 22ን ክልተ ጊዜ ከም ሰባት ተጠቒሶም እንተረኤናዮም፡ አብ ዘፍ 19፣ 1 ግና፡ መላእኽቲ ምዃኖም ተገሊጹ አሎ። ስለዚ እቶም ክልተ ንሰዶም ከይዶም፡ እቲ ሳልሳይ ግና፡ ሳራ ክትወልድ ምዃናን ከምኡ ኸኣ ናይ ኣብርሃም ኣማላድነት ብዛዕባ ሰዶም ንኽሰምዕ፡ ምስ ኣብርሃም ንምዝርራብ ከም ዝተረፈ ንርኢ።

ከም ሓሳብ፡ ኣብ ጉጅለና ዝተላዕለ፣ አቦና አብራሃም ከ ምስ አምላኽ ይዘራረብ ምንባሩ ይፈልጥ ዶ  ኔሩ፡ አብ ዝብል፡ «እወ ብርግጽ፡ ይፈልጥ ኔሩ ኢዩ» ክንብል ክኢልና ኣለና። ከምኡ ዝበልናሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብርሃም ምእንቲ ሰዶም ክልምን ከሎ፣ ነዚ ኩሉ ክገብርን ከይገብርን ዝኽእል፡ ሓደ አምላኽ ምዃኑ አጸቢቑ ከም ዝፈልጥ ስለ ዝተረዳእና እዩ።

ካልእ፡ ከምቲ አብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ተጻሒፉ ዘሎ፣ ምቕባል አጋይሽ ከመይ ዓብዪ ጸጋ ምዃኑን፣ ገሊኦም ድማ ሰባት ኢሎም መላእኽቲ ከም ዝተቐበሉን ርኢና አሎና። ሎጥ’ውን ሰባት መሲልዎም ኢዩ ነቶም መላእኽቲ ዝተቐበሎም።ንምጥቕላል፡ ሰብ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘሎ፡ ንምቕባል ጋሻ ድሕር ክብል ከም ዘይብሉ ኢዩ ዝመኽረና። ካቡኡ ንንየው ዘሎ ግና፣ እቶም ዝኣተዉ፡ መላእኽቲ ድዮም፣ አምላኽ ባዕሉ ድዩ ዝብል ክትዕ፡ እቲ ዅሉ ዝኽእል አምላኽ ይፈልጥ። ሓንትስ ንሕና ግዳ ንምቕባል አጋይሽ ክንተግህ ጽዉዓት ምዃንና ጥራይ ንፍለጥ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር