ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረበ ሕቶ
ጐይታና ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣምላኽ ምዃኑ ዘረድእ ሓጺር ጽሑፍ ኣዳልዉ። ምስክር፡ ብኣፍ ክልተ ወይ ሠለስተ እዩ ዝጸንዕ እሞ፡ ኣብ ጽሑፍኩም፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ጥቕሲ ካብ ብሉይ ኪዳን፣ ከምኡ’ውን ክልተ ወይ ሰለስተ ጥቕሲ ኸኣ ካብ ሓድሽ ኪዳን፡ ከም ዝህሉ ግበሩ። ጉጅለ 1ን ጉጅለ 3ን ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ፡ ጉጅለ 2ን ጉጅለ 4ን ድማ ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ዝምልከት ዕየዩ።
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
ኣብ ትንቢተ ኢሳያስ 9፡6 «ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙ’ውን ግሩም መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።» እዚ ትንቢት’ዚ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም» ተብሂሉ ከም ዝስመ እዩ ዜረድእ። ኣምላኽነቱን ዘለኣለማውነቱን ድማ ብግሁድ የረጋግጸልና። ብተመሳሳሊ ኣብ ትንቢተ ኢሳያስ 7፣ 14 ድማ «እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። እዚ ማለት ድማ ትርጉሙ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ገሊጽዎ ከም ዘሎ፡ «ኣምላኽ ምሳና» ማለት እዩ። እዚ ጥቕሲ’ዚ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ብስጋ ዝተገልጸ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ይዛረብ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 1፣1-3 «ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ይብል። “ቃል” ክብል እንከሎ “ወዲ” ማለቱ እዩ። “እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ” ብምባል ከኣ ብግሁድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ኣረጋገጸ። ኣብ ቍ.14 “እቲ ቃል ስጋ ኾነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” ይብል። እቲ ስጋ ሰብ ዝለበሰ እግዚኣብሔር ወዲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምውላዱ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስ ኣቦ፡ ብቕድምና ብማዕርነት ብኣምላኽነት ዝነበረ እዩ።
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 20፡28 ከኣ፡ ቶማስ “ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጹዓን እዮም፡ በሎ» ይብል። ቶማስ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምልኾ ከሎ፡ ክርስቶስ፡ ከምኡ ኣይትበል፡ ኣነ ጐይታን ኣምላኽን ኣይኮንኩን፡ ንዓይ ዚግባእ ስም ኣይኮነን፡ ብምባል ኣይተቓወሞን። እንታይ ደኣ “ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ” እዩ ዝበሎ። እዚ ድማ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ጐይታን ኣምላኽን ከም ዝኾነ የረድእ።
ካልእ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ዮሃንስ 5፡20 ድማ፡ «እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ በዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሃበና፡ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ በዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ” ይብል። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ፡ “ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ” እናበለ፡ ክርስቶስ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዝኾነን ኣብኡ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝርከብን ክንፈልጥ ይነግረና።
ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ
ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ብመሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን
መንፈስ ቅዱስ ኣካላዊ ህላዌ ዘለዎ መለኮታዊ ኣካል ዝውንን ኣምላኽ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 1፡ ፍቕድታት 1-2ን ከምኡ’ውን 26ን ዘለኣለማውን ፈጣርን ምዃኑ ከምዚ ዝስዕብ ንነብብ። «ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። . . . መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ» ይብል። መንፈስ ቅዱስ፡ ፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሱ ወሃቤ ህይወት’ውን ምዃኑ፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ 33.4 ንረኽቦ ኢና። «መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል እዩ ህይወት ዝሀበኒ» ብምባል ድማ ይገልጸልና።
መንፈስ ቅዱስ ኣካላዊ ህላዌ ዘለዎ መለኮታዊ ኣካል ዝውንን ኣምላኽ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ኣብ (2ይ ቈረ 13፥14፡ 3፥17፡ ማቴ 28፥19-20፡ ምስ ኣቦን ወድንን ብሓባር ተጠቒሱ’ሎ።
ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡ 5፥3-4 «ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ካብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ክትሓብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ። ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ» ክብል ከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ፡ «መንፈስ ቅዱስ» ተባሂሉ፡ ቀጺሉ ግና «ኣምላኽ» ተባሂሉ ከም ዝተጸውዐ ንርኢ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ 6፡8-10: «ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ። ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን» ዝብል ቃል፡ ኣብ ግብረ ሃዋርያት ክዝንቶ ኸሎ፡ «ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም» ብምባል ነቲ ሓሳብ ደጊምዎ ኣሎ (ግብ28፡26-27)። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ «እግዚኣብሄር» እተባህለ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና «መንፈስ ቅዱስ» ክብሎ ከሎ ንርኢ።
ጉጅለ ሠለስተ ዝመለስዎ
ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን
«ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ» (ኢሳይያስ 9:6)። እቲ ዝውለድ ህጻን፡ ሓያል ኣምላኽ (El Gibbor) ተባሂሉ ኪስመ እዩ ዝብል ትንቢት፡ እዚ ስም እዚ፡ ስም እግዚኣብሄር ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ዝምስክር እዩ።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኢ ካልእ ጥቕሲ ድማ፡ «ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ» ዝብል’ዩ፡ (ሚክያስ 5:2)። ኣብ ቤት-ልሄም ብስጋ ዝውለድ ክነሱ፡ መበቈሉ ግና ካብ ዘለኣለም እዩ። መጀመርታ ዘይብሉ ዘልኣለማውነት ድማ፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ነዚ ባህርይ እዚ ብምውናኑ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ተጋህደ።
«ኣማኑኤል» ትርጉሙ ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ (ማቴ 1:23) እዚ ድማ ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ምምጽኡን፡ ከምቲ «ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ» ዝብል ዝተጻሕፈ፡ (ማቴ 18፡20) ከምኡ’ውን ከምቲ «እንሆ ኸኣ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ» ዝብል ቃል መብጽዓኡ (ማቴ 28፡19-20)፡ ጐይታና ኢየሱስ -- ኣማኑኤል- ኣምላኽ ምሳና ምዃኑን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኩሉ ቦታ ብምልኣት ከም ዘሎ’ውን (Omnipresent) ምዃኑ የመልክት። «ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ» ዝብል ድማ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነግረሉ፡ (ኢሳይያስ 7:14)።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ዘለኣለማዊ ስልጣንን ኣምልኾን ዝቕበል እዩ። «ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ» (ዳን7:13-14)።
ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንምርኣይ፡ «ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና» ዝብል ክንጠቅስ ንኽእል፡ (ዮሃ 1:1-3, 14)።
ካብ ወንጌል ዮሃንስ ከይወጻእና፡ «ቶማስ መሊሱ ኸኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ» ዝብል ንረክብ፡ (ዮሃ 20:28)። ጐይታና ኢየሱስ፡ ነቲ «ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል» ዝብል ሕጊ (ዘጽ 20፡7) እናፈለጠ፡ ነዚ ኣምልኾ እዚ፡ ስቕ ኢሉ ምቕባሉ፡ ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጽ።
ካልእ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን «ብዛዕባ ወዱ ግና፥ ኣታ ኣምላኸይ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻ’ውን በትሪ ቕንዕና እያ» ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረድእ ቃል እዩ፡ (እብ 1:8)
ኣብ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ’ውን «ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን» ብምባል፡ ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ኣግሂዱልና ኣሎ፡ (ፊሊጲ 2:6)። ብተመሳሳሊ፡ «እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ» ዝብል ጽሑፍ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ንነብብ፡ (2:12-13)። ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ’ውን «ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን» ብምባል፡ ብሩኽ ኣምላኽ ምዃኑ ኣግሃደልና፡ (ሮሜ 9:5)።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ንሱ ፈጣሪ ምዃኑ’ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጻሒፉልና’ሎ። «ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ» (ቆሎሴ 1:16-17)። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ’ውን፡ «ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን» ብምባል መስኪሩ’ሎ፡ (ዮሃ 1:3)።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ንሱ ፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወሃቤ ህይወት’ውን ምዃኑ ኸኣ ተጻሒፉልና ኣሎ። «ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይ’ውን ዚምንዝዔን የልቦን» (ዮሃ 10:28)። ህይወት ዘለኣለም ክህበን ዘኽእሎ ዘሎ፡ ንሱ ዘለኣለማውንን ዘይልወጥን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። «ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ» (እብ 13:8)። «ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ» ዝብል ከኣ ኣብ ራእይ ዮሃንስ 1:17-18; 22:13 ተጽሒፉ ኣሎ።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ
ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ብመሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን
መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑን ብባህሪኡ ምስ ኣብን ወድን ማዕረ ምዃኑን ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣብ ሓዲስ ኪዳንን ብዝተፈላለየ መገዲን ብንጹርን ተጻሒፉ ንረኽቦ።
1. ኣምላኻዊ ስራሕ ይሰርሕ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪገብሮ ዚኽእል ምፍጣር እዛ ዓለም ብዝነበሮ ተራ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ክንርዳእ ንእኽል፡ (ዘፍ 1፡2, ኢዮብ 33፡4)
2. መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኵሉ ቦታ ብምልኣት ዝርከብ ምዃኑ፡ እዚ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ዝዀነ ባህርይ ኣሎዎ፡ (መዝ 139፡7)። ኵሉ ይፈልጥ፡ መዓሙቕ ኣምላኽ ከይተረፈ ይምርምር (1ቈሮ 2:10) ከምኡ’ውን ዘለኣለማዊ ኢዩ፡ ኣብቲ ብክርስቶስ ዚዀነ ኣምላኻዊ ናይ ድሕነት መደብ ከኣ፡ «ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ» ብምባል፡ ካብ ኣብ ድሕነት ሰብ፡ ምስ ኣብን ወልድን ሕቡር ምንባሩ ንነብብ፡ (እብ 9፡14)።
3. ኣብቲ ጐይታ ንሃዋርያት ዝሃቦም ዓብዪ ተልእኾ፡ ኣመንቲ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቑ ብምባል ንስም መንፈስ ቅዱስ፡ ማዕረ ኣቦን ወድን ጠቒስዎ ንረኽቦ፡ (ማቴ 28፡19)።
4. ንመንፈስ ቅዱስ ምሕሳው ንኣምላኽ ምሕሳው ምዃኑ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሃናንያ “ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡” ብምባል መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ተዛሪቡ ኢዩ። (ግብ 5፡1-2)። ከምኡ’ውን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሕና ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ማለት ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ምዃንና፡ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ፡ ( 1ቈሮ 3:16, 1ቈሮ 6፡19)።