6ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረበ ሕቶ
2 ዮሃ 1. 7-9
”ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። ምሉእ ዓስቢ ትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።”
ብኣዝዩ ሓጺር ሓሳብ፡ ሓደ ሕጡበ-ጽሑፍ (ፓራግራፍ) እንተበዝሐ ኸኣ ክልተ ሕጡበ-ጽሑፋት ጌርኩም፡
ሀ. ብሥጋ መጸ፡ ዝብል ምህሮ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ (ጉጅለ 1ን ጉጅለ 4ን)
ለ. ብሥጋ ኣይመጸን፡ ዝብል ምህሮ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ (ጉጅለ 2.ን ጉጅለ 3ን) ጸሓፉ።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ጐይታና ኢየሱስ፡ ብሥጋ መጸ/ተገልጸ ዝብል ምህሮ፡ ከመይ ዘበለ ምህሮ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ ንዝብል ሕቶ፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዝብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ” ብዝብል ከነብርሆ ንኽእል፡ (1ጢም 3-16)። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ’ውን “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዝብል ንነብብ (ማቴ 1- 23)። ጐይታና ኢየሱስ፡ በጃ ሓጢኣት ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ክመውት ሰለ ዝነበሮ፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ሥጋን ደምን እንተዘይህልዎ ነይሩ፡ እቲ ንይቕረታ ብግዲ ዘድሊ ምፍሳስ ደም ኣይምተኻእለን። ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን እተጻሕፈ፡ “ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዝጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደም’ውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ” (እብ 9-22)። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ ድማ፡ ንሱ፡ ፍጹም ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍጹም ኣምላኽ’ውን ምዃኑ ንምርኣይ፡ "ኣቡኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብሥጋ ሐዲርዎ እዩ” በለ (ቈሎ2.9)።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
ጐይታና ኢየሱስ ብሓቀኛ ሥጋ ሰብ ኣይመጸን ዝብል እምነት፡ ዶሴቲዝም ብዝብል’ዩ ዝፍለጥ። ዶሴቲዝም፡ ካብ ግሪኽ ዝተረኽበ ቃል ኰይኑ፡ “ዶከይን” ካብ ዝብል ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ "ምምሳል" ወይ "ምግላጽ" ዝብል እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ብታሪኽ ምስ Gnosticism (ኖስቲዝም)ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ሥጋዊ ዓለም ከም ክፉእ ወይ ትሑት ስለ ዝቑጸር፡ ብሥጋ ንኣምላኽ ከተኽብሮ ኣይክኣልን እዩ ዝብል እምነት ዘሎዎ ሰረተ-ሓሳብ ድማ እዩ። ኩሉ ብሥጋ ዝፍጸም፡ ወላ መውስቦ’ውን ከይተረፈ፡ ርኽሰት እዩ ዝብል መረዳእታ ኸኣ ነበሮም። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ኣብ ካልአይቲ መልእኽቱ፡ "ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ" በለ።
ሰረተ እምነቶም ንምምጓት ዝጥቀሙሉ ጥቕስታት ድማ፡ "መልክዕ ባርያ ሒዙ፡ ብመልክዕ ሰብ ተወሊዱ። ብመልክዕ ሰብ ድማ ተረኺቡ..." (ፊልጲ 2፡7–8፡) ስለዚ፡ መሲሉ ደኣ እምበር፡ ብሓቂ ሥጋስ ኣይለበስን፡ ይብሉ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሮሜ 8.3 "ንወዱ ብመልክዕ ሓጢኣተኛ ሥጋ ብምልኣኽ..." ስለ ዝብል፡ ብመልክዕ ደኣ እምበር ብሓቂ ኣይኰነን፡ ዝብል መርትዖ የቕርቡ።
ዮሃንስ 4፡24፡ "ኣምላኽ መንፈስ እዩ" ስለ ዝብል፡ ብሓቂ መለኮታዊ ኣካል ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ኣካል ክሕዝ ስለ ዘይክእል፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ሰብ ዚመስል መንፈስ ደኣ እምበር፡ ብሥጋ ዝተገልጸ ኣይኰነን ብምባል ይምጉቱ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
"ጐይታና ኢየሱስ ብሥጋ ኣይመጸን" ዝብል ምህሮ፡ ጽልዋ ናይ Gnosticism ማለት ግዑዝ ነገር እኩይን ርኹስን፡ መንፈሳዊ ነገር ግና ሰናይ እዩ ዝብል ስነ-ሓሳብ ዝነበሮም ምህሮ እዩ። እዚ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይን መጀመርታ ካልኣይ ክፍለ ዘመን (ከባቢ 70–150 ዓ.ም) ብግልጺ ዝተራእየ ስሑት ምህሮ እዩ። ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝኾነ፡ ነገራዊ ወይ ሥጋ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ድማ ይብሉ። እዚ ስሑት ምህሮ’ዚ፡ ብሃዋርያ ዮሃንስ ብግልጺ ተነጺጉ እዩ፤ ንኣማናዊ ሥጋዌ ምምጻእ ክርስቶስ ዝኽሕድ ካብ ምህሮ ክርስቶስ ዝርሓቐን መንፈስ ጸረ-ክርስቶስ ዘሎዎን ብምባል ድማ ኰነኖ፡ (ዮሃ 1፡14፣ 1 ዮሃ 4፡2–3፣ 2 ዮሃ 1፡7)።
ካብዚ ሓሳብ ዝተበገሰ Docetism፡ ካብ ግሪኽ "dokeĩn" ዝብል ቃል ዝመጸ "ምምሳል" ማለት እዩ። ስጋዌ ኢየሱስ ምትሃታዊ ድኣ እምበር ኣማናዊ ኣይነበረን ዝብል ምህሮ ግኖስቲክ ተረኽበ። ዶሴቲዝም ብሰፊሑ ክልተ መልክዓት ትምህርቲ ኣሎዎ።
ቀዳማይ ካብ Marcionism፡ ክርስቶስ ኣዝዩ መለኮታዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣማናዊ ስጋ ኣይነበሮን፤ ጐይታና ኢየሱስ ንሰብ መሲሉ ጥራይ እዩ፡ ብሓቂ ከማና ሥጋን ደምን ኣይነበሮን፤ ርኹስ ስለ ዘይኮነን ስጋን መንፈስን መጻረርቲ ስለ ዝኾኑን፡ ጐይታንና ኢየሱስ ብሓቀኛ ሥጋ ኣይመጸን ይብሉ።
ካልኣይ ኣብ Cerinthianism (ናይ ምፍልላይ ግኖስቲካዊ ኣረኣእያ) ድማ፡ ኢየሱስ ብሓቂ ሰብ ነይሩ፡ "ክርስቶስ" ግን ኣብ ጥምቀቱ ብመልክዕ ርግቢ ናብኡ ዝወረደ፡ ተኣምራት ክገብር ሓይሊ ዝሃቦ፡ ኣብ መስቀል ቅድሚ ሞቱ ካብኡ ዝተፈልየ መለኮታዊ ኣካል እዩ ይብሉ።
እዚ ትምህርቲ ኣማናዊ ሥጋ፡ ስቓይ፡ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ስለ ዝኽሕድ፡ ንመሠረታዊ ናይ ድሕነትና ትምህርቲ ዝጻረር፤ ኣዝዩ ሓደገኛን ግጉይን ትምህርቲ ኰይኑ፡ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ (325 ዓ.ም) ተዀነነ።
ጉጅ ለ 4 ዝመለስዎ
“ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ መጸ” ዚብል ምህሮ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከየቋረጸ፡ ብሓቂ ሰብ ዚዀነሉ ምሥጢር ዚምህር ምህሮ ኢዩ። ንሱ (ጐይታና ኢየሱስ) ንድሕነትና ብእግዚኣብሄር ኣቦ ተላኢኹ (ዮሃ 3፡16፤ ገላትያ 4፡4) ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ (ሉቃ 1:35) ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካብ ድንግል፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ (ኢሳ 7፡14፤ ሉቃ 1፡31–33፤ ሮሜ 1፡3)። ብዘይካ ሓጢኣት ብዅሉ መዳይ ከማና ሰብ እኳ እንተዀነ፡ (እብ 4፡15)፡ ምሉእ ብምሉእ ድማ ኣምላኽ ነበረ እምበር ኣምላኽነቱሲ ኣይሓደገን (ዮሃ 1፡1, 14፤ ቆሎሴ 2፡9)። ብስጋዌኡ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ መንጎና ተረኽበ፡ ነቲ ኣማኑኤል፡ “ኣምላኽ ምሳና” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ድማ ፈጸመ፡ (ማቴ 1፡23)።
ኣምላኽ ሰብ ዚዀነሉ ዕላማ፡ ጐይታና ኢየሱስ ንርእሱ ከም ፍጹም መስዋእቲ ኣቕሪቡ ንህዝቡ ከድሕን(ማቴ 1፡21፤ እብ9፡26)፡ ከምኡ'ውን ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ከፍርስ (1ዮሃ 3፡8)፡ ነበረ።