7ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

ዝቐረበ ሕቶ

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰደን ዝብሉ፡ ከም መጫበጢ ዘቕርብዎ ሓሳብን ዘቕርብዎ ጥቕስን እንታይ ምዃኑ፡ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብርግጽ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ከም ዝወሰደ፡ ሕጽር ብዝበለ መገዲ ኣረድእ።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

እዞም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰድን ዝብሉ፡ ጐይታና ኢየሱስ ፈጺሙ ሥጋ ዝበሃል ኣይለበሰን ካብ ዝብል፡ ክሳዕ ሓድሽ ዝተፈጥረ ሥጋ’ዩ ለቢሱ ዝብል፡ ዝዝርጋሕ፡ ዝተፈላለየ እምነት’ዩ ዘሎዎም። ዘቕርብዎ መጫበጢ ድማ፦

1. ጐይታና ኢየሱስ ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ እንተወሲዱ፡ ሓጢኣት ክሓልፎ ኢዩ። ሓጢኣት ዝሓለፎ እንተዀይኑ ድማ፡ ብቑዕ መስዋእቲ በጃ ሓጢኣት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

2. ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልኣይ ኣዳም ተባሂሉ’ሎ። ልክዕ ከምቲ ኣዳም፡ ጐይታና’ውን ኣበር ኣልቦ ዝዀነ፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ሥጋ ኢዩ ዘለዎ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘቕርብዎ መጫበጢ፦

1. ሮሜ 8፡ 3 …..”ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ” ካብ ዝብል፡ ከምኡ’ውን ካብ ፊሊጲ 2፡7 ድማ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ” ካብ ዝብሉ ጥቕስታት፡ “ብምስሊ ሓጢኣተኛ ሥጋ” ከምኡ’ውን “ሰብ’ውን መሰለ” ስለ ዝብልሲ፡ እቲ ሥጋ ክርስቶስ፡ ንሥጋ ሰብ ደኣ ይመስል ነበረ እምበር፡ ብልክዕ ሥጋ ሰብ ግና ኣይኮነን ዝብል መብርሂ ኸኣ ይህቡ። ብተወሳኺ፦

2. 1ቈሮ 15፡47 - እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ” ስለ ዝብል፡ ጐይታና ድማ፡ ሰማያዊ ዝዀነ ሓድሽ ሥጋ ደኣ እምበር፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ኣይወሰደን” ዝብል መደምደምታ ይሕዙ። ብዘይካ’ዚ፦

3. እብራ 10፡5 “ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ሥጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡” ካብ ዝብል ከኣ፡ “ሥጋ ኣዳሎኻለይ” ስለ ዝበለ፡ ሓድሽ ሥጋ ተዳልዩሉ ዝተፈጥረ ደኣ እምበር፡ ሥጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይለበሰን፡ ብምባል ይምጒቱ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ከም ዝወሰደ

ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ መጀመርታ፡ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ዘርኢ ሰበይቲ (ዘፍ 3፡15) ከምኡ’ውን ካብ ዘርኢ ኣብርሃምን ዳዊትን (ኤር 23፡5) ከም ዝውለድ ይነግሩ ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ድንግል ማርያም ከም ዝተጠንሰ (ሉቃ 1፡35) እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ካብ ሰበይቲ ከም ዝተወልደን ( ገላ 4፡4) ካብ ዘርኢ ዳዊት ምዃኑን፡ (ሮሜ 1፡3) ኣብ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ፍጻሜ ረኺቡ ንርእዮ። ጐይታና ኢየሱስ ብሥጋን ደምን ከም ዝሓበረናን ብዅሉ ንኣና ኽመስል ከም እተገብኦን ዝሕብር ክፍሊ፡ ኣብ እብ 2፡14-17 ንረኽቦ። ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ ብሉይ ኪዳን (ዘሌ 25፡25, ሩት 4) ተበጃዊ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ’ዩ ክኸውን ዘሎዎ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ተበጃዊና ንምዃን፡ ብሥጋን ደምን ክዛመደና ስለ ዝነበሮ፡ ነዚ ንምፍጻም ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ሥጋ ወሲዱ ተዛመደና።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ሀ) እቶም፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰደን ዝብሉ ወገናት፡ ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ እንተበልና፡ ከምቲ ኣብ ሮሜ 3፥23፡ ”ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ዉን ስኢኖም” ዝብሎ፡ ንጐይታና ኢየሱስ፡ ሓጥያተኛ ንገብሮ ኣለና፥ ካብ ሓጥያት’ውን ከድሕነና ኣይክእልን እዩ፡ ንብል ኣለና ማለት እዩ፡ ይብሉ።  ከምኡ’ዉን ነቲ ኣብ እብራዉያን 10፥5 ዘሎ፡ ”ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡” ስለ ዝብል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝለበሶ ሥጋ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ብተኣምር ዘዳሎዎ ሥጋ ደኣ እምበር፡ ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ኣይኰነን ይብሉ። ከም ኣገላልጻም፡ ኣቦ፡ ንማርያም፡ ማህጸና ጥራይ እዩ ተጠቂሙሉ ይብሉ።

ለ) ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ከም ዝወሰደ፡  

ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ”ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡” ይብል። እዚ ማለት እቲ ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ርእሲ ተመን ዝጭፍልቕ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ክንርዳእ ንኽእል። ከምኡ’ዉን ኣብ ኢሰያስ 7፥14፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዝዉለድ ኣቐዲሙ ብትንቢት ይገልጸልና። ”ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ፡ (ኢሳይያስ 7:14)።

ኣብ ወንገል ዮሃንስ 1፥1 ድማ፡ ”ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ” ይብል። ከምኡ’ዉን ዮሃንስ ( 1፥14) እቲ ቓል ሥጋ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መልእዎ  ከኣ ኣባና ሓደረ” ይብል። ካብዚ ከም እንርደኦ፡ እቲ ቓል (ኣምላኽ) ምስ ሥጋ ከም ዝተዋህደ እዩ። ማለት፡ ከይተለወጠን፥ ከይተፋለሰን እቲ ቓል፡ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ፥ ሰብ ከኣ ኣምላኽ ኮይኑ፥ ዝተግሃደሉ ምሥጢር እዩ፡ ንብል ኣለና ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ’ዉን ኣብ ወንገል ሉቃስ፡ 1፡ 28-35 ዘሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:16፤ ”ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ” ይብል።

ከም መደምደምታ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋ እንተ ዘይወስድ ነይሩ፡ ንዓና’ዉን ኣይመድሓነናን ነይሩ። ማለት፡ ብጀካ ሓጥያት እምበር፥ ኩሉ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ፡  ነይርዎ እዩ። ንኣብነት ይሕጐስ፥ ይሓዝን፥ ይበልዕ፥ ይሰቲ ወዘተ። ፍጹም ሰብ፡ ፍጹም ኣምላኽ ኰይኑ ተመላሊሱ፡ ገንሸል ፋሲካና ኰይኑ፡ ምእንቲ ሓጥያትና፡ ኣብ መስቀል፡ በጃ ኮይኑልና። ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን ኣሜን።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ሀ. እቶም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ኣይወሰደን ዝብሉ: ከም መጫበጢ ዘቕርብዎ፡ “ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ፡” ዝብል ጥቕሲ’ዩ፡ (ሮሜ 5፥12)። ክርስቶስ ካባና፡ ሥጋ እንተ ወሲዱ፡ ናይቲ ዝነበረ ውርሻ ተኻፋሊ እዩ ክኸውን፡ ዝብል ስግኣት ከኣ፡ ከም ቀዳማይ ዘቕርብዎ ስግኣት እዩ። እቲ ቀዳመይ ዝረቝሕዎ ጥቕሲ፡ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ዓስራይ ምዕራፍ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መዝሙር ኣርብዓ ዘሎ እዩ፣ “ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ሥጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡”

 ካብዚ ሓሰብ ብምብጋስ፡ ከምቲ “ኣብርሃም ኣቦና ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ካራ ወሰደ፡ እግዚኣብሄር  ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለ’ውን ኣይትግበሮ፡ ኢሉ ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ” ዝብለና፡ [ኦሪት ዘፍጥረት 22፥1-19]. ነቲ ድዑል እቲ፡ ኣምላኽ ዘዳለዎ እንካብ ኰንነ፡ ሥጋ  ክርስቶስ ኸኣ ከምኡ፡ ኣምላኽ ዘዳለዎ እምበር፡ ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ኣይኰነን፡ ብምባል የቕርብዎ።

ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 15፥47 “እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ” ካብ ዝብል ሓሳብ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ማለት ኣዳም፡ መሬታዊ እዩ! እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ንሱ ካብ ሰማይ እዩ ስለ ዝብል፡ እቲ ክርስቶስ ዝለበሶ ሥጋ፡ ካብ ሰማይ ዝመጸ እዩ፣ ናትና ሥጋ ግና ኣይወሰደን ይብሉ።

ለ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ እንተ  ዘይወስድ፡ ወንጌላዊ ማቴዎስ፡ ዘርኢ ወለዶ ክርስቶስ ኢየሱስ ምዝርዛር ኣይመድለዮን፣ “መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም” [ማቴ 1፥1] ምባሉ፡ ክርስቶስ ብሓቂ ካብ ዘርኢ ዳዊት ምዃኑ እዩ ዘረድኣና። ክርስቶስ ካብ ዘርኢ እስራኤል “ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም ዝኾነ።” ካብዚ ዓሌት እዚ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን።” (ሮሜ 9፣4-5) ኣብ ሮሜ 1ይ ምዕራፍ'ውን “ብዛዕባ ወዱ፡ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ከም እተወልደ፡” ይገልጸልና። ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ'ውን ዘርኢ እታ ሰበይቲ ርእስቲ እቲ ተመን ዝጭፍልቕ ክርስቶስ የሱስ ንሱ ብስጋ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ሙኳኑ ይንጽረልና። “ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበር’ውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ” ይብለና፡ [እብራውያን 2፥11-12]። 

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

እቶም “ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰደን” ዝብሉ፡ ዶሴቲዝማዊ ሓሳባት ዘለዎም ኰይኖም፣ ኢየሱስ ሓቀኛ ሰብ ኣይኰነን፣ ሰብ ዝመስል ጥራይ እዩ ብምባል ይምህሩ። ንጐይታና ካብ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣዳም ምእንቲ ኸይሓልፎን፤ መለኮት ድማ ንዝወደቐ ስጋ ሰብ ኣካሉ ክገብር ኣይክእልን እዮም ብምባል ይምህሩ። እቲ ዝጥቀምሉ ጥቕስታት ድማ፥

  • ሥጋኡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እዩ (ዮሃ 6፡51)፣

  • ሰማያዊ ካልኣይ ሰብ እዩ (1 ቈረ 15፡47)፣  “ኣነ ካብ ላዕሊ እየ፤ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን” ስለ ዝብል (ዮሃ 8፡23)፣

  • ፍሉይ ሥጋ እዩ ተዳልዩሉ (እብ 10፡5)፣

  • ንሰብ ደኣ መሲሉ እምበር፡ ፍጹም ሰብ ኣይኰነን፡ (ሮሜ 8፡3፣ ፊልጲ 2፡7)፣

  • እቲ ካልኣይ ኣዳም ስለ ዝዀነ፣ ሥጋኡ ፍሉይ ፍጥረት እዩ (1 ቈረ 15፡45)።

    እቲ ቅኑዕ ትምህርቲ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣምላኽነቱ ዓቂቡ፣ ግናኸ ፍጹም ሰብ ድማ ኰይኑ’ዩ። በቲ ዝወሰዶ ሥጋ፣ ብዘይካ ሓጢኣት፣ ብኹሉ ከም ዝኸማና ከም ዝተፈተነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። 

ዘርኢ ሰበይቲ እዩ (ዘፍ 3፡15፣ ገላ 4፡4፣ ሉቃስ 1፡27፣ 31፣ 35፣ 42፤ 2፡7፣ ማቴ 1፡20)፣ ከምኡ’ውን ዘርኢ ኣብርሃምን ዳዊትን ኣቦታትን እዩ (ማቴ 1፡1, ሮሜ 1፡3, 9፡5፣ ግ.ሃ 2፡30፣ ራእይ 22፡16፣ እብ 2፡14–16፣ መዝ 132፡11፣ ኢሳ 11፡1፣ 2 ሳሙ 7፡12)። እዚ ኩሉ ብስነ-ህይወታዊ መገዲ፡ ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ ከም ዝተወልደ፡ የረድእ።

ንሞትና ክመውትን ከድሕነናን ምእንቲ፣ ምሳና ሓደ ክኸውን ነይርዎ፥ ስለዚ ኸኣ፡ ሓቀኛ ሰብኣዊ ባህርይ ነበሮ። “እቲ ቃል ኣምላኽ ነበረ… እቲ ቃል ስጋ ዀነ” (ዮሃ 1፡1፣ 14)፤ ሓቀኛ ስጋ ሰብ ምልባሱ እምበር፣ መሲሉ ጥራይ ከም ዘይኮነ የረድእ። ሓቀኛ ስጋና እንተ ዘይተኻፈለ ግና፣ ክውክለና ኣይክእልን’ዩ። ሊቀ ካህናት ንኽኸውን፣ ብኹሉ ነሕዋቱ ክመስሎም ተገብኦ (እብ 2፡17–18)። ነቶም ብሞት ዝተኣስሩ ናጻ ከውጽኦም፣ ከም ናቶም ሞት ክመውት ግድን ነይርዎ (እብ 2፡14–16)። ክርስቶስ፡ፍጹም ሰብ፥ በዅሪ ምዉታት ኾይኑ ስለ ዝተንስኤ፥ ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። 1 ቈረ 15፥20-22።

ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ከም ቅዱስ ኣግናጤዎስ ዘኣንጾክያ (Ignatius of Antioch, 35–108 ዓ.ም)፣ ቅዱስ ኤሬኔዎስ ዘሊዮን (Irenaeus of Lyons, 130–202 ዓ.ም)፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሊቀ ጳጳስ ዘእስክንድርያ (Athanasius of Alexandria, 296–373 ዓ.ም)፣ ቅዱስ ግሪጎሬዎስ ዘእንዚናዙ፡ (Gregory of Nazianzus, 329–390 ዓ.ም) ወዘተ፣ ክርስቶስ ስጋ ካብ ድንግል ማርያም ከም ዝወሰደ ብግልጺ ምሂሮም እዮም።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

8ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

Next
Next

6ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር