8ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

ዝቐረቡ ሕቶታት

ዝምድና ምሥጢረ ሥጋዌን ምሥጢረ ሥላሴን

ምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምስጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ንኽንርድኦ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ወይ ብኣንጻሩ፡ ምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምስጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ንኽንርድኦ፡ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ሀ. ምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምስጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ንኽንርድኦ፡ ብኸመይ ይሕግዘና

ለ. ምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምስጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ንኽንርድኦ፡ በኸመይ ይሕግዘና

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

ምሥጢረ ሥጋዌ እቲ ንምሥጢረ ሥላሴ ኣጸቢቕና ንኽንርዳእ ዝሓገዘ ዝዓበየ መገዲ ኢዩ። “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ” ከም ዝብሎ (ዮሃ 1:18)፡ እቲ ሕጂ ብዛዕባ ሥላሴ ተረዲእናዮ ዘለና (ኵሉ ክበሃል ይከኣል) ወዲ ኣምላኽ ወዲ ሰብ ብምዃኑ ኢዩ። ብዝርዝር ንምርኣይ ዝኣክል፡ ምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ብምርዳእና፡ - ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ይጽሊ ምንባሩን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ምምሃሩን (ሉቃ 6:12; ዮሃ 14:16–17) ንሱ፡ ኣምላኽነቱ ገዲፉ ዝመጸ ሰብ ዘይኮነስ፡ ኣቦ ኔሩ ናይ ወዲ፡ ደሓር’ውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራ ይጻወት ዘይነበረስ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሠለስተ በበይኑ ኣካል ዘለዎ ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ክንርዳእ ይሕግዘና። - ዝምድናን ተራን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሥላሴ፡ ማለት ኣቦ ወላዲ (ለኣኺ)፡ ወልድ ተወላዲ (ተልኣኺ)፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሰራጺ፡ መንጽሂ ምዃኖም ንርዳእ።

ብተወሳኺ ኣብ ድሕነትና ዝነበሮም ተራ (ንኣብነት ምእንቲ ሓጢኣትና ዝሞተ ኣየናይ ኣካል ሥላሴ ምዃኑ) ብንጹር ንምርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። - ኣብ እዋን ሥጋዌን ኣገልግሎት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዝተራእየ ሕብረት ናይ ሥላሴ (ናይ ፍቓድ ሓድነት (ዮሃ 5:30)፡ ናይ ሥልጣን ሓድነት (ዮሃ 10፡30) ከምኡ’ውን ናይ ክብሪ ሓድነት (ዮሃ 17፡5)፡ ኣብ ሥላሴ ዘሎ ሓድነት ኣጸቢቕና ንኽንርዳእ ሓጋዚ ኢዩ። - ናይ ጐይታና ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ፡ መልክዕ ባርያ ምውሳዱ ምርዳእ (ፊሊጲ 2:6-8)፡ ነቲ ሥጋ ንሓዋሩ ናቱ ምግባሩ (እብ 7:24)፡ ነቲ ካብ ዘለኣለማዊ ምኽርን ፍቕርን ኣምላኽ (ሥላሴ) ናባና ዝወሓዘ ፍቕሪ፡ ኣብ መንጐ ሰለስተ ኣካላት ሥላሴ ዘሎ ፍጹም ተኣዛዝነትን ፍቕርን (ዮሃ 17:24) ክንርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ።

ንምስጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምስጢረ ስጋዌ ብዝግባእ ንኽንርዳእ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ምስጢረ ሥላሴ ኣዝዩ ዓሚቚን ብሰባት ክብጻሕ ዘይከኣልን ምስጢር ኢዩ፡ እንተኾነ ግና ብመጠን ኣብቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ብዝግባእ ምርዳእ - ኣምላኽ ሠለስተ በበይኑ ኣካላት ከም ዘለዎ ምፍላጥ (ሓደ ኣካል ጥራይ ከም ዘይኮነ ምርዳእ) ኣምላኽ ከመይ ኣቢሉ ሰብ ከም ዝዀነ ማለት፡-

o ሓደ ካብቶም ሠለስተ ኣካላት ማለት ወልድ (ቃል) እምበር ኣቦ ወይ መንፈስ ቅዱስ ሥጋ ከም ዘይለበሱን (ዮሃ 1:14)

o ኣምላኽ ናብ ሰብ ተለዊጡ ዘይኮነስ ኣምላኽነቱ ከይሓደገ (ቈሎሴ 2:9) ሰብ ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ - ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ምርዳእ፡ እቲ ጐይታ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ዚተጠንሰሉ መገዲ ኣምላኻዊ ምንባሩን (ሉቃ 1:35) ተራ መንፈስ ቅዱስ ምንጻህ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ጐይታና ብዘይ ሓጢኣት ከማና ሰብ ዝዀነሉን መገዲ ክንርዳእ ይሕግዝ።

ህልውና ሥላሴ ካብ ዘለኣለም ምዃኑ ምስ እንርዳእ፡ እቲ ብክርስቶስ ዝኾነ ድሕነትና ካብ ጥንቲ ዝተመደበ ምዃኑ ዝነግሩ ጽሑፋት ብግቡእ ይርድኡና (ኤፌ 1:4፣ 2ጢሞ 1:9)'።

ብሓፈሻ፡ ኣብ ሓደ ካብዞም ምሥጢራት ጌጋ ርድኢት ምህላው፡ ኣብቲ ካልእ ናይ ግድን ጌጋ ርድኢት ክህልወና ኢዩ ዝገብር። እቶም ብታሪኽ ብዛዕባ ሥጋዌ (ሥላሴ) ጌጋ ርድኢት ዘለዎም ኵሎም ብዛዕባ ሥላሴ’ውን (ሥጋዌ’ውን) ጌጋ ርድኢት ከም ዘለዎም ተገንዚብና። እዚ ኸኣ፡ ንምሥጢረ ሥጋዌ ከይተረዳእኻ ንምሥጢረ ሥላሴ ወይ ንምሥጢረ ሥላሴ ከይተረዳእኻ ንምሥጢረ ሥጋዊ ምርዳእ ዘይከኣል ምዃኑ ንጹር ይገብሮ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን፡ ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ተዛረቦም፣ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡ’ውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡” ይብል፡ (እብ 1፥1-2) ኣምላኽ፡ ብመጠን እቲ ኣእምሮና ኽበጽሖ ዝኽእል፡ መንነቱ፡ እንታይነቱን ርእሱን ይገልጸልና እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ “እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሃበና፡ ንፈልጥ ኢና፡” ይብል (1ዮሃ5.20)። ስለዚ እቲ ኣብ ዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ ምሥጢር መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብምግሃድ ክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ ንምስጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ክንርዳእ ኣኽኢሉና እዩ: (ቈሎ፣2:3)።

ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ምምጽኡ፡ ነቲ ኣብ ኣቦን: ወልድን: መንፈስ ቅዱስን ዘሎን ዝነበረን ሓድነታዊ ፍቕሪ ክንርድኦ ኣኽኢሉና። ጐይታና ኢየሱስ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ምባሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ሥላሴ ዘሎ ሓድነት ብዝያዳ ኽንርድኦ ኣኽኣለና። እቲ ብሥጋ ዝተገልጸ ወልድ፡ ካብ ኣቦ ተላኢኹ፡ ስራሕ ኣቦኡ ንምፍጻም ከም ዝመጸ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዕዮ፡ ሓቢሩ ክሳተፍ ንርእዮ። ስለዚ ምግላጽ ጐይታና ብሥጋ (ምሥጢረ ሥጋዌ) ምርዳእ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ኣጸቢቕና ንኽንርድኦ፡ ኣዝዩ ጠቓምን ሓጋዝን ኢዩ።

እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተሰዊሩ ዝነበረ ሠለስትነት ኣምላኽ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ኣብ ምስጢረ ሥላሴ ዘሎ ሓድነትን ሠለስትነትን  ኣዝዩ ጐሊሑ ከም ዝረአ ገበሮ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ” ብምባል ነዚ ነገር እዚ የረጋግጸልና፡ (ዮሃ 1፥18)።

ጥቕልል ብዝበለ ሓሳብ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ጽቡቕ ጌርካ ምርዳእ፡ ምሥጢረ ሥጋዌ ንኽትርድኦ፡ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ፣ ከምኡ’ውን ምሥጢረ ሥጋዌ ጽቡቕ ጌርካ ምርዳእ ድማ፡ ምሥጢረ ሥላሴ ንኽትርድኦ ይሕግዝ።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ሥጋዌ ፥ “ተሠገወ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ፡ “ሥጋ ኰነ” ማለት እዩ። ምሥጢረ ሥጋዌ ሓደ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሥላሴ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ሰብ ኰይኑ ከም ዝተወልደ ዝምህር ምሥጢር እዩ። እዚ ምውህሃድ ትስብእትን መለኮትን ድማ፡ ንሓድነትን ሠለስትነትን ሥላሴ’ውን ንምርዳእ ስለ ዝሕግዝ፡ ምሥጢረ ሥጋዌ ምፍላጥ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ኣብ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ንብል።

ምሥጢረ ሥላሴ ኸኣ፡ ንሓድነትን ሠለስትነትን ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ዝገልጽ ብምዃኑ፡ እቲ ብሥጋ ዝተገልጸ ”ወልድ” ንሱ፡ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ብሥጋ ምምጽኡን ስለ ዝሕብር፣ ምሥጢረ ሥላሴ ምፍላጥ ከኣ፡ ንምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። እምበኣርከስ፡ ክልቲኦም ምሥጢራት፡ ንሓድሕዶም ይገላለጹ እዮም።

ጉጅለ 3

ሀ. ምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ንኽንርድኦ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣምላኽ፡ ቃል (ወልድ) ሰብ ምዃኑ ዝምህር ምሥጢር’ዩ። እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ፡ሓደ እንከሎ ሠለስተ፣ ሠለስተ እንከሎ ድማ ሓደ ከም ዝዀነ ንምርዳእ ይሕግዘና። ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ሥራሕ ይገልጽ፣ ምሥጢረ ሥላሴ ድማ፡ ኣምላኽ መን ምዃኑ ይምህር። ስለዚ ምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ምርዳእ፡-

1. ሥላሴ ሠለስተ ኣካላት ምዃኑ ይገልጽ፡

ቃል ሥጋ ከም ዝዀነ፡(ዮሃ 1:14)፡ ኣቦ ንወዱ ከም ዝልእኽን ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኽጥነስ ሓይሉ ከም ዘጽልለላን፡ እቲ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠንሰን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወርዳን ብምግላጽ፡ ሱታፌ ሠለስተ ኣካላት የረድእ፡ (ገላ 4:4-5, ሉቃስ 1:35, ማቴ 1:20)፡

2. ዝምድናዊ ባህርይ ሥላሴ ይገልጽ፡

ወልድ ናብ ኣቦ ይጽልን ብፍቕሪ ተኣዚዙ የኽብሮን (ዮሃ 17:1-2፣ ሉቃስ 22:42)። እዚ ኣቦን ወዲን ሓደ ኣካላት ዘይምዃኖም የርኢ፣ ብመለኮታዊ ባህርይ ሓደ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ወዲ ንኣቦ የግህዶን ነቲ ዘይርኤ ይገልጾን (ዮሃ 1:1፣ 1:18፣ 14:9)።

3. ኣምላኽ ምሳና ወይ ኣማኑኤል ምዃኑ ይገልጽ፡

ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣማኑኤል ማለት፡ ኣምላኽ ምሳና ማለት ምዃኑ ይገልጽ (ማቴ 1:23)። ኣምላኽ ፈቃርን ቀረባናን ምዃኑ፡ ብወዲ ተገሊጹ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረሉ። በዚ መገዲ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ንርድኦ፡ (1ጢሞ 3:16, 1ዮሃ 3:8)።

 ለ. ምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ምርዳእ፡ ንምሥጢረ ሥጋዌ ብዝግባእ ንኽንርድኦ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ንምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ ምርዳእ፡-

1. ሥጋ ዝለበሰ መን ምዃኑ የነጽር

ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣምላኽ ብባህርይ ሓደ፣ ብኣካል ግና ሠለስተ ምዃኑ ይምህረና። ስለዚ ኣቦ ንወዲ ከም ዝልኣኾ፣ ወዲ ድማ ኣምላኽነቱ ከይሓደገ ሰብ ከም ዝኾነ ንርዳእ፡ (ዮሃ 3:16፣ 1ዮሃ 4:9)።

2. እቲ ሥጋ ዝለበሰ፡ ንሱ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና

ምሥጢረ ሥላሴ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ሰብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ መለኮታዊ ባህርዩ ከም ዘይተለወጠን፡ ንዘልኣለም ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሓደ መለኮታዊ ባህሪ ከም ዘሎዎን የረድኣና። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ …መልክዕ ባርያ ወሲዱ …ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ (ፊል 2:6-7) ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ” (ቈሎ 2:9)።

3. ሥሉሳዊ ሱታፌ የርኢ

ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ሓደ ኣካል ናይ ሥላሴ ከም ዝተሠገወ ይምህር። ኣቦ ይውጥን፣ ወዲ፡ ሥጋ ይለብስ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምህርን ሓይሊ ይህብን። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጌሩ ከም ዝባረኸና፡ ከም ዝሐረየና፡ ከም ዝጸገወና፡ ከም ዝመደበና፡ ብደም ክርስቶስ ከኣ፡ ምድሓን፡ ማለት ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዘሎና፡ ምስ ኣመንና ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ናይ ምድሓንና ተስፋ ማሕተም፡ ዕርቡን ርስትናን ምዃኑ ንርዳእ፡ (ኤፌ 1:3-14)።

እምበኣርከስ፡ ንምሥጢረ ሥላሴ ብዝግባእ እንተተረዲእናዮ፡ ንምሥጢረ ሥጋዌ’ውን ብዝግባእ ንኽንርድኦ ኣዝዩ ይሕግዘና እዩ። ምሥጢረ ሥጋዌ እንተ ዘይግለጸልና ግና፡ ምሥጢረ ሥላሴ’ውን ንኽንርድኦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዀነ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

7ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር