9ይ ዕዮ ገዛ ኣዕማደ ምሥጢር

ዝቐረቡ ሕቶታት

  1. ጵሮሴሊ proselytes ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧

  2. ሓደ ህጻን፡ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድመኡ (ቈልዓ)፡ ጵሮሴሊ ንኽኸውን፡ ክማልኣሉ ዘለዎ ግቡእ፡ ሓደው ክሓልፎ ዘሎዎ መስርሕ፡ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ኢንተርነት ፈታቲሽኩም ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።

  3. መስርሕ ጵሮሴሊ፡ ምስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና እንርእዮ ስርዓተ ጥምቀት፡ ዝመሳሰል ኣሎዎ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ ሓንቲ ኣብነት ጥራይ ጥቐሱ።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

1. ጵሮሴሊ (proselytes) ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ጵሮሴሊ መበቆሉ ካብ Latin "proselytus"፡ ካብ Greek "prosḗlytos" ዝተወስደ ቃል እዩ። ትርጉሙ ድማ "ሓድሽ መጻኢ" ወይ ከኣ "ተቐባሊ እምነት" ማለት እዩ። ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ገዲፉ ናብ ካልእ እምነት ንዝቐየረ ሰብ ከኣ ይገልጽ። ብፍላይ ግና፡ ካብ ኣህዛብ፡ ንኣይሁዳውነት ዝተቐበለ ሰብ የመልክት። ብዕብራይስጥ "ገር" (גר) ይብሃል።

እዚ ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣርባዕተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ፥ (ማቴ 23፥15፡ ግ.ሃ 2፥10፣ 6፥5፣ 13፥43)።

2. ሓደ ህጻን፡ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ (ቆልዓ)፡ ጵሮሴሊ ንኽኸውን፡ ዝሓልፎ መስርሕ፦

ሀ) ግዝረት (ንወዲ ተባዕታይ)፦ ወዲ እንተኾይኑ፡ ብግዝረት (Brit Milah) ናብ ኪዳን ኣብርሃም ይኣቱ። እዚ ናይ ኪዳን ኣብ ሥጋ ዝግበር ምልክት እዩ (ዘፍጥረት 17፥10-12፣ ዘጸ 12፥48)።

ለ) ጥምቀት ኣብ ሚቅቬህ (Mikveh)፦ ኣብቲ ቅዱስ ማይ (ሚቅቬህ) ምሉእ ብምሉእ ምጥላቕ ይፍጸም። እዚ መንፈሳዊ ምንጻሕን ሓድሽ ህይወትን ይውክል (ሌዋ 15፥13፣ ሕዝ 36፥25)።

ሐ) ቤት ዲን (Beit Din) - ሰለስተ መሰኻኽር፦ ሰለስተ ራባያት ወይ ምሁራን እቲ መስርሕ ቅቡል ምኻኑ ይምስክሩን ይቈጻጸሩን። ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ድማ የድሊ (ዘዳ 19፥15)።

መ) ንሕጊ ሙሴ ወይ (Torah) ምቕባል፦ ወለዲ ናይቲ ህጻን፡ ነቲ ቈልዓ ብሕጊ (Torah) ክምሃርን ብባህሊ ኣይሁድ ክዓብን ቃል ይኣትዉ።

ሰ) ምስ ዓበኻ ናይ ምውሳን መሰል፦ ጓል 12 ዓመት ፣ ወዲ 13 ዓመት ምስ ገበረ፡ ነቲ ብህጻንነቱ ዝተገብረሉ ጵሮሴሊ ናይ ምዃን መስርሕ፡ ክቕጽሎ ወይ ክሓድጎ ናይ ባዕሉ ምርጫ ኣለዎ።

3. መስርሕ ጵሮሴሊ፡ ምስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና እንርእዮ ስርዓተ ጥምቀት፡

ይመሳሰል’ዩ። ንኣብነት፦ ስርዓት ሚቅቬህን ስርዓት ጥምቀት ክርስትናን ክልቲኦም ነቲ ህጻን ኣብ ማይ ብምጥላቕ ይፍጸሙ። ዕላማ ድማ ካብ ናይ ቀደም ኣረጊት ህይወት ናብ ሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ምእታው ወይ ዳግማይ ምውላድ የመልክት። እዚ ብመንፈሳዊ ምንጻሕ ካብ ሓጢኣት ምሕጻብን ናብ ህዝቢ ኣምላኽ (እስራኤል ወይ ቤተ ክርስቲያን) ምእታውን ይውክል (ዮሃ 3፥5፣ ሮሜ 6፥3-4፣ ገላ 3፥27)

ክልቲኡ ስርዓታት ብተሳትፎ መሰኻኽር (ራባያት ወይ ካህናት) ይፍጸሙ፣ ወለዲ/ባሊጋ ድማ ነቲ ህጻን ወኪሎም እምነቱ ንምምሃርን ብሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንምዕባይን ሓላፍነት ከም ዝወስዱ ቃል ይኣትዉ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ጵሮሴሊ ማለት፡ ሓደ ሰብ  ካብ እምነት ኣልቦነት፡ ወይ ካብ ሓደ ካልእ ሃይማኖት ናብ ካልእ ሃያኖት ዝቐየረ ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኣይሁዳዊ ንዘይኰነ (ኣህዛብ) ናብ ኣይሁድነት ዝተቐየረ፡ ናይ ኣይሁድ እምነትን ሕግን ኣምልኾን፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝተቐበለ ሰብ ማለት እዩ። መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት « እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታትን ብዙሓት ንጳውሎስን ንባርናባስን  ሰዓቡ። ንሳቶም ኪነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ መዐድዎም » ይብል (ግብ13:43)።  

2ይ ሕቶ፡-ሓደ ሕጻን ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ (ቖልዓ) ጵሮሴሊ ንኽኸውን ክማልኣሉ ዘለዎ ግቡእ፡ ክሓልፎ ዘለዎ መስርሕ፦

እቲ ቖልዓ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ክውስነሉ ዝኽእል ዕድመ (ንወዲ 13 ንጓል ድማ 12 ዓመት) ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ብሓላፍነት ወለዲ ብምክትታል እቲ ብመምህራን ዝቘመ ፍርዳዊ ኣካል፡ ተራእዩ ይፍጸም። እቲ ቘልዓ ምስ ዓበየ፡ (ከባቢ 12–13 ዓመት) ምስ ኮነ፡ ነቲ ውሳነ ናይ ምርግጋጽ ወይ ናይ ምንጻግ ኣማራጺ ኣለዎ።   

3ይሕቶ፡- መስርሕ ጵሮሴሊ፡ ምስቲ ኣብ ቤተክርስትያና እንርእዮ ስርዓተ ጥምቀት፡ ምምስሳል ኣሎዎ ዶ፧ 

እወ ምምስሳል ኣሎዎ።

 ✔ክልቲኡ ማይ ምጥሓል ዘጠቓልል እዩ። 

✔ ክልቲኡ ለውጢ መንነት ዘመልክት እዩ። 

✔ ክልቲኡ ምሳሌ ምጽራይ እዩ። 

✔ ክልቲኡ ናብ ማሕበረሰብ ኪዳን ምእታው ዘርኢ እዩ። እቲ ኣይሁዳዊ ምጥሓል ኣባል እስራኤል ዝገብር መስርሕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ክርስቲያናዊ ጥምቀት ድማ ኣባል ክርስቶስ ዝገብር መስርሕ እዩ።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

1. ጵሮሴሊ (Proselytes) ማለት ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ቀደም እምነቱ ገዲፉ ሓድሽ እምነት ወይ ሃይማኖት ንኽስዕብ ክዉስን ከሎ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ ”ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” ዝብል ተጻሒፉ’ሎ (ማቴ 23፤15)። ከምኡ’ዉን ኣብ ግብረ ሃዋርያት 2፥10 እውን ጠቒስዎም ኣሎ።

2. ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ቈልዓ ጵሮሴሊ ክኸውን ክሓልፎ ዘለዎ መስርሕ፥

  • ስድርኡ ሰዓብቲ እምነተ ኣይሁድ ክኾኑ ኣለዎም።

  • እቲ መስርሕ ክካየድ እንተ ኮይኑ፡ ዉለዲ ግድን ክህልዉ ኣለዋም ነቲ ዉሳኔ’ዉን ባዕሎም እዮም ዝዉስንዎ።

  • ወዲ እንተ ዀይኑ ስርዓት ግዝረት ይግበረሉ፥ እዚ ድማ ምልክት ኪዳን እዩ።

  • ጵሮሴሊት ቅድሚ ምዃኖም፥ ከከም ደረጃ ዕድመኦም፥ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይሁድ፥ ባህሊ፥ ከምኡ ዉን ታሪኽ  ክማሃሩ ኣለዎም። 

  • ቤት ዲን ዝባሃሉ ( ሰለስተ ራቢ ዘለዎም ) ደያኑ ነቲ ስርዓት ይከታትልዎን፥ የጽድቅዎን።

  • ድሕሪኡ ከኣ ስርዓት ምጥሓል የካይድሉ። ነቲ ቘልዓ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ የጥልቕዎ።

  • ኣብ መወዳእታ ናይ እንቋዕ ናብ እምነት ኣይሁድ መጻእካ፥ ስርዓት ወይ (ፌስታ) ይፍጸም፥ ወለዲ ኸኣ ነቲ ቘልዓ ብስርዓት ኣይሁድ ከም ዘዕብይዎ ቃል ይኣትዉ።

ከም ተወሳኺ ኸኣ እቲ ቈልዓ ምስ ዓበየ፡ ማለት ጓል ኣብ 12 ዓመታ፥ ወዲ ኸኣ ኣብ 13 ዓመቱ ነቲ ብሓላፍነት ስድራኦም ዝተገብረ ስርዓት፡ ከጽድቕዎ፥ ወይ ከኣ ክነጽግዎ፡ ናቶም ሓላፍነት ይኸውን። ይኹን ዳኣ እምበር፥ ሓደ ካብ ኣባላትና ኣብ እስራኤል ይነብር ብምንባሩ፡ እቶም ቈልዑ፡ ባዕሎም ንኽዉሱኑ ዘኽእሎም ባይታ ከም ዘየለ ምዕዛቡ፡ ትዕዝብቱ ኣካፊሉና።

ሕቶ ቍ 3. መስርሕ ጵሮሴሊ፡ ምስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና እንርእዮ ስርዓተ ጥምቀት፡ ዝመሳሰል ኣሎዎ ዶ፧

እወ፡ ኣሎዎ፡ ንኣብነት፡

  • ኣብ ማይ ምጥላቕ፡ -

  • ሓድሽ ( መንፈሳዊ ) ስም ነቲ ቘልዓ ምሃብ፥ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ስም ቀሺ ንብሎ

ክንጠቅስ ንኽእል።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

1) ጵሮሴሊት ዝብል ቃል፡ ካብ ናይ ግሪኽ prosēlutos, (ትርጒም-ሓድሽ ዝመጸ)  ካብ ኣህዛብ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝተቐየረን ንሕግታት፡ ስርዓታትን መንነትን ኣይሁድ ዝረዓመን ሰብ ማለት ኢዩ።

2) ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ቈልዓ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝሕሰብ፡ ጵሮሴሊት ንኽኸውን እቲ ውሳኔ ብቐንዱ ኣብ ስምምዕን ተሳትፎን  ወለዱ ወይ ሕጋዊ ኣለይቱ ዝምርኰስ ኮይኑ፡ ብብቑዕ (ረቢናዊ ቤት ፍርዲ) ክጸድቕ ኣለዎ። ደቂ ተባዕትዮ ይግዘሩን (ቅድሚ ሕጂ እንተዘይተገይሩ) ስዒቡ ድማ ፡ ኣብ ብተፈጥሮ ዝተኣከበ ዓሚቚ ማይ (Mikvah (ሚክቨህ)  ስዒቡ ዝትግበር  ስርዓተ ምሕጻብ ኣብ ማይ ክጠልቁን (ክጥመቑን)ይግበር። ( ደቂ ኣንስትዮ  ኣብቲ ሚክቨህ ይጥመቓ)።

3) መስርሕ ጵሮሴሊት ምስቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና እንርእዮ ጥምቀት ህጻናት ዘመሳስሎ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ፡ እቲ መስርሕ ብውሳኔ ወለዲ ዝፍጸም ምዃኑ እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

8ይ ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር