10ይ ዕዮ ገዛ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረቡ ሕቶታት
• ”ጥምቀት ሕጻናት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኰነን” ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበልና፡ ብኸመይ ክንምልሶ ከም እንኽእል፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።
• ግዝረት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሮ ስፍራን፡ ጥምቀት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘለዎ ስፍራን እናነጻጸርኩም፡ ዘመሳስሎምን ዝፈላልዮምን ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ
ቃል ንቓሉ፡ ቈልዑ ወይ ሕጻናት ዝብል ስለ ዘይተጻሕፈ ጥራይ፣ ጥምቀት ሕጻናት መጽሐፍ ቅዱሳዊ አይኮነን ክንብል አይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ከምቲ “ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ አምላኽ ሲኢኖም፣” ዝተባህለ፡ ንኹሎም ምድሓን ዘድልዮም እንካብ ኰነ፣ ሕጻናት’ውን አካል እቶም “ኩሎም” ዝተባህሉ እዮም።
አብ ግብ. ምዕ. 16፣ ሊድያን ስድራቤታን፣ ከምኡ’ውን እቲ ሓላው እሱራት፡ ምስ ኩሎም እቶም አብ ቤቱ ዝነበሩ ከም ዝተጠምቀ ነንብብ። እዚ ድማ ንህጻናት ዝሓወሰ ከም ዝኾነ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና፡ (ግብ 16፣31-33)። ከምኡ’ውን፣ አብ 1ቈረ 1፣16፣ ስድራቤት እስጢፋኖስ ከም ዝተጠምቁ ይነግረና። ስለዚ ካብዚ እንመሃሮ ነገር፣ እግዚአብሄር ንዓናን ንደቅናን ክንድሕን ከም ዝደልየናን፣ ዝያዳ እኳ ዳአ ከም ሕጻናት ኴንና ክንመጾ ከም ዘለናን፣ “ናባይ ይምጽኡ ሕደግዎም” ከም ዝበለናን ነንብብ።
ብዓብይኡ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም፣ ናትና’ውን አይኮኑን፣ ስለዚ ነቶም ናቱ ናቡኡ ጸጋ ክቕበሉ ከነምጽኦም፡ ግቡእ ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ እንተዘየምጻእናዮም እዩ እቲ ጸገም ዝኸውን፣ ምኽንያቱ፣ ንስኻ ተቐዲስካ፡ ውሉድካ’ውን ድሮ ብኣኻ ምኽንያት ቅዱሳት ክንሶም፣ ጸጋ ክቕበሉን፣ ንስርየት ሓጢኣት ከይጥመቁን መን ወይ እንታይ ይኽልክሎም፧ (ግብ 2፣38፣ መዝ፣ 127፣3 1ይ. ቆሮ፣ 7፣12)።
ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ግዝረት ጽላሎት ጥምቀት ከም ምዃኑን፣ ናብ ሕብረት ደቂ አምላኽ ዝኣትውሉ ትእዛዝ ድማ ከም ምዃኑን፣ አብ ቤት አብራሃም ዝነብሩ ዘበሉ ኩሎም ክግዘሩ አዚዙ ነበረ። ስለዚ እዞም ህጻናት ክግዘሩ ከለው፡ አሚኖም አይኮኑን፣ እንታይ ዳአ ንኣብራሃም ዝተዋህበ ኪዳን፡ ንዕኦም’ውን ይምልከቶም ስለ ዝዀነ፣ ብኸምኡ’ውን ስለ ዝተኣዘዙን ኢዩ። ከምዚ ዘይገበረት ነፍሲ ድማ ካብ ህዝባ ክትንምቆስ ከም ዝግብኣ፡ ዘጠንቅቕ ትእዛዝ ተዋህበ፡ (ዘፍጥረት 17፣12_14)። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ጐይታና አብ ሓድሽ ኪዳን “ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” ዝበሎ እዩ፡ (ዮሃ. 3፣5)። ወሲኹ’ውን “ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። (ማር 10፣14-15)።
ኣብ ኦሪት ዘጻአት፣ እግዚአብሄር ንሙሴ ብምኽንያት ዘይምግዛር ወዱ ክቐትሎ ደልዩ ነበረ እሞ፣ አዲኡ ነቲ ሕጻን ምስ ገዘረቶ ከም ዝሓደጎ ንርኢ (ዘጻ. 4፣24)። እዚ ድማ፣ ከምቲ እቲ ተስፋ ንዓኹምን ንደቅኹምን ኢዩ ዝተባህለ ኢዩ (ግብ2፡38)። ካልእ’ውን ጌና አብ ከርሲ እነኦም ከለው ዝተሓርዩ ከም ዘለው’ውን አብነት አሎና። አብ ትንቢት ኤርምያስ፡ “ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ” ዝበለ፣ ከምኡ’ውን ምስርሳር ዮሃንስ መጥምቕ አብ ከርሲ ወላዲቱ ምርኣይ ይከኣል። ስለዚ እግዚአብሄር መንፈስ ቅዱስ አብ ሕጻናት ይሰርሕ ከም ዝነበረ ድአ’ምበር አመንቲ ክሳዕ ዝዀኑ፡ ይጽበ ከም ዘይነበረ ኢና እንመሃር (ሉቃ. 1፣41-44፣ ኤር. 1፣5)።
ስለዚ አምላኽ አብራሃም አብ ኦሪት ኮነ አብ ሓዲሽ_ኪዳን ዘይቅየር ንሱ ካብ ኰነ፣ አብ ብሉይ ምስቶም ዓበይቲ ክካፈሉ እንተኣዚዙ፣ አብ ሓድሽ ኪዳን ክፈልዮም አይክእልን ኢዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ምድሓን ኮነ እቲ ተስፋ፡ ንኹሉ ኢዩ ተዋሂቡ።
ኢየሱስ በለ፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም” (ማር. 10፣14)።
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
ብርግጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ክንደይ ዓመት ክጥመቑ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ጹሑፍ ኣይንረክብን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብይተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ርድኢት ሒዘን ኣለዋ። ሕጻናት፡ ብእምነት ስድራ ቤቶም ክጥመቑ ከም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይክልክልን እዩ። ሰለዚ ቤተ ክርስትያንና ናይ ዕደመ ገደብ ሰለ ዘይረኸበት፡ ንወዲ ኣብ 40. ንጓል ድማ ኣብ 80 መዓልቲ ክጥመቑ ብቘኖና ኣጽደቐቶ።
“ጴጥሮስ ከኣ ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዅሎም ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም” (ግብ 2፡38)።
ጸጋ ጥምቀት ንኹሉ ዝተዋህበው ተስፋ እዩ ፣ እዚ ተስፋ እዚ ድማ ንደቅና ውን ዘጠቓለለ እዩ።
ሊድያ ምስ ስድራ ቤታ ተጠምቀት (ግ.ሃ 16፡15)። “ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲ’ውን በለትና።
ሓላው እሱራት ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ (ግ.ሃ 16፡33)። “በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።
ስድራ ቤት እስጢፋኖስ ብጳውሎስ ተጠምቁ (1ቈረ 1፡16)። ስድራ ቤት እስጢፋኖስ’ውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ።
“ምስ ስድራ ቤቱ ተጠምቀ” ኪብል ከሎ፡ እቲ ብእምነት ተዋሳኢ፡ እቲ ኣቦ ወይ እታ ኣደ ኪትከውን ትኽእል እያ። ብዕድመ ነፍሱ ንዘይኣሊ ውሉድና ብዅሉ ሓላፍነት ስለ ዘሎና ከምቲ ብስጋ ብነፍሲ’ውን ከምኡ እዩ። እግዚኣብሄር ንሕጻናት ኣብ ናይ ወለዶም እምነት ከም እትዋት እዩ ዚሓስቦም። ገለ መረዳእታ ንምጥቃስ ዝኣክል፦
ድሕነት ደቂ ኖህ ኣብ እምነት ወላዲኦም ዝተመስረተ እዩ ዚነበረ። በዚ ቃል ኪዳን እዚ ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ። ሎሚ’ውን ንኣና እቲ ተዋሂቡና ዘሎ ተስፋ ንኣናን ንደቅናን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብእምነት ዝሓልፍ በረኸት ተቐቢልና ክንፍጽሞ፡ እግዚኣብሄር ይጽበየና (ማቴ 28:18-20, ግ.ሃ 2:38,39)።
እምነት እስራኤል ካብ ኣብርሃም ዝተረኽበ እዩ። እቲ በረኸት’ውን ካብኡ ዝተወርሰ እዩ። ዓሌት ኣብርሃም ፡ ርድኢት ደቆም ብዘየገድስ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ እንተ ዘይተገዚሮም ፡ ኣምላኽ እታ ነፍሲ እቲኣ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሳ እያ እሞ ፡ ካብ ህዝባ ትመንቆስ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ። ሙሴ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ብዘይምትግባሩ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ርእሱ ነደደ። እግዚኣብሄር’ውን ኪቐትሎ ደለየ። ሰበይቱ ግና ጽንጽል እምኒ ወሲዳ ወዳ ብምግዛራ ኣድሓነቶ (ዘጸ 4፡25-26)።
እስራኤል፡ ሓንሳእ ጥራይ ይግዘሩ ከም ዚነበሩ ፡ ክርስቲያን’ውን ሓንሳእ ጥራይ ኢና ክንጥመቕ ዝግብኣና። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ሓንቲ ተስፋ፡ ሓደ መንፈስ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እዩ ዝብለና (ኤፌ 4:4-6)።
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ግብጻዊ ቤት ፡ ቦዂሪ ውልዱ ብሞት ኪቐጽዕ ከሎ ፡ ንኣባይቲ እስራኤላውያን ግን ብምሕረት እዩ ሰጊርወን። ኣብዚ ምሕረት እዚ ኸኣ ፡ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ፡ ዓብዪ ይኹን ህጻን ፡ ምሕረት ኣምላኽ ተቐቢሉ እዩ (ዘጸ 12:21-36)።
እስራኤላውያን ካብ ፈርኦንን ሰራዊቱን ብቐላይ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፎም ኪድሕኑ ከለዉ፡ ዓበይቶምን ሕጻናቶምን እዮም ናብ ሙሴ ብምጥማቕ ፡ ምድሓን ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ኪርእዩ ዝኸኣሉ (ዘጸ14:1-31, 1ቈረ 10:1-4)።
ብዙሓት ወለዲ ጐይታ ኢዱ ኣንቢሩ ንደቆም ኪባርኸሎም ፡ ብዙሓት ህጻናት ናብኡ ኣምጺኦም። ሃዋርያት ግና በእምሮ ተመሪሖም ነቶም ወለዲ ተቖጢዖም ፡ ነቶም ቆልዑ’ውን ከልኪሎምዎም። ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንሕጻናትውን እቲ መንፈሳዊ በረኸት ክንፈጎም ከም ዘይብሉ እዩ ተዛሪቡ። ህጻናት ናባይ ይምጽኡ ኣይትኸልክልዎም፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እያ ብምባል ከኣ ምሂሩ፡ (ሉቃ 18:15-17, ማር 10፡13-16, ማቴ 19:13-15)።
እምበኣርከስ፡ ሕጻናትና መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ካብ ማይን መንፈስን ናይ ምውላድ መሰል ክንክልክሎም የብልናን። ቤተ ክርስቲያን’ውን ወላዲ እዚ ሓላፍነት እዚ ከይርስዕ፡ ብዋሕስ (ኣባልገ) ተጠምቕ። ኣባልገ (ኣቦ ክርስትና) ነቲ ቘልዓ ብክርስቲያናዊ ትምህርቲ ኰስኵሱ ንኸዕብዮ ሓላፍነት ዝወስድ እዩ።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
ኣብ ዘመንና፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘካትዕ ኣርእስቲ፡ ጥምቀት ሕጻናት እዩ፥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጻናት ኣጥምቁ ወይ ተጠመቑ ዝብል የለን። ከምኡ’ውን ሕጻናት ኣይተጥምቁ ዝብል ከኣ የለን። ጐይታ ግና ኣብ ሉቃስ 18:16 “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም” በለ።
እቲ ንሕና ዝጠዓምናዮ ሕጻናት ክጥዕምዎ፡ እቲ ንሕና ዝበጻሓናዮ ክበጽሑ፡ ደቂ ኣመንቲ ክሳዕ ዝኾኑ ከይጥቑ ዝኽልክል፡ ወላ ሓደ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ የለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ዘይኣመንቲ ዝነበሩ ምስ ኣመኑ፡ ምስ ስድራቤቶም ከም ዝተጠምቁ ይነግረና እዩ፥ ግብሪ ሃዋርያት 16:15 ሊድያ፡ ግብሪ ሃዋርያት 16:33 ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ፡ ከምኡውን 1ቈረ. 1፡16 እስጢፋኖስ ምሉእ ስድራ ቤት ከም ዝተጠምቁ ይጠቅስ። እዚ ንህጻናት ዘጠቓለለ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ክንግምት ንኽእል ኢና።
ኣብ ዘፍጥረት፥17 ኣምላኽ ንኣቦና ኣብርሃም ናይ ግዝረት ኪዳን ከም ዝሃቦ ተጠቒሱ’ሎ። ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እተወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዓደገን ይገዘር። ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። ስለዚ ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ብእምነት ናይ ወለዱ እዩ ናብ ናይ ኪዳን ግዝረት ዝፍጸመሉ ንሕና'ውን ብእምነት ወለዶም ኢና ገና ህጻናት ከለዉ ነጥምቖም።
ግዝረት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሮ ስፍራ
ግዝረት ዕልቦ ናይ ሥጋ ቈሪጽካ ምስዳድ (ምኽንሻብ)ማለት እዩ። ግዝረት፡ ምልክት ኪዳን ኣምላኽ እዩ። ግዝረት ነዞም ዝስዕቡ ሰለስት ዓበይቲ ነገራት የመልክተልና።
1.ነቲ ዝተገዝረ ሰብ ኣምላኹ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ( ዘፍ 17፥8)
2.እቶም ዝተገዝሩ ኩሎም ካብ ሓጢኣት ክርሕቁ ከም ዚግብኦም( ዘዳ.10፥16)
3.ብእምነት ዝፍጽምዎ ስርዓት ስለ ዝኾነ ናይ ጽድቆም ማሕተም እዩ( ሮሜ 4፥11)
ጥምቀት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘለዋ ስፍራ
ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ስለ ዝገብረና፥ ብእኡ መሰረት ካብ ሓጢኣት ተፈሊና፡ ብሓድሽ ህይወት ክንነብር ከም ዝግብኣና የርኢ (ሮሜ6፥1-11)
ጐይታ ዝኣዘዞ እዩ፥ “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ” (ማር16፥16)
ዘይድገም እዩ፥ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡(ኤፌ፥4፥5)
ግዝረትን ጥምቀት ዘመሳስሎም
1. ምልክት ኪዳን
ግዝረት ምልክት ናይቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን እዩ ነይሩ (ዘፍጥረት 17)። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቆሎሴ 2፡11-12 ንጥምቀት “ብዘይ ኢድ ዝግበር ግዝረት” ቢሉ ብምግላጽ፡ ርክቦም የነጽር።
2. ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ምሕባር
ግዝረት ንሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣካል እስራኤል፡ ማለት ማሕበረሰብ ኪዳን ኣምላኽ ምዃኑ ዘመልክት ነበረ።
ጥምቀት ንሓደ ኣማኒ ከም ኣካል ቤተ ክርስቲያን ማለት ማሕበረሰብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዘመልክት እዩ።
3. ናይ ኣምላኽ ምዃን
ግዝረት ሓደ ሰብ ናይቲ ንኣብርሃም ዝተዋህበ ናይ ኪዳን መብጽዓታት ምዃኑ የለልዮ ፥ጥምቀት’ውን ንሓደ ሰብ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ የለልዮ፥ክልቲኦም መለለዪ መንነት እዮም።
4. ምልክት ምጽራይ / ምእላይ
ግዝረት ስጋ ናይ “ምቑራጽ” ምሳሌ እዩ ነይሩ፥ጥምቀት፡ ምሕጻብ ሓጢኣት እዩ። ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ “ግዝረት ልቢ” (ዘዳ 30፡6) ከይተረፈ ይዛረብ፣ እዚ ድማ ናብ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ንጽህና ዘመልክት እዩ።
5. ምስ እምነት ዝተኣሳሰረ እዩ
ኣብርሃም ቅድሚ ግዝረት ብእምነት ጻድቕ ከም ዝተባህለ (ዘፍጥረት 15፡6። ከምኡ’ውን ሓደ ዝጥመቕ፡ ቅድም ብክርስቶስ ምእማን ከም ዘድልዮ(ማር 16፡16፤ ግብሪ ሃዋርያት 2፡38)። ክልቲኦም ምስ ውሽጣዊ እምነት ዝተኣሳሰሩ ደጋዊ ምልክታት እዮም።
6 ንግዝረትን ጥምቀትን ኢየሱስ ፈጺምዎም እዩ
7. ከምኡ’ውን ክልቲኦም ኣይድገሙን እዮም።
ግዝረትን ጥምቀትን ዝፈላልዮም
ግዝረት ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዩ ኔሩ፡ ጥምቀት ግና ንደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን እዩ።
ጉጅለ ሰለስተ ዝመለስዎ
ጥምቀት ሕጻናት ድልዱል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘለዎ ኮይኑ፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእተወሉ ኣፍደገ እዩ። ጐይታና ኣብ ዮሃ 3፡5 “ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” ብምባል ኣድላይነቱ ገሊጹ እዩ። ብጸጋ ጥምቀት ድማ ዓበይቲ ንኹን ህጻናት:
➤ ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን (ገላ 3፡26-27)
➤ ሕድገት ሓጢኣት ንረክብ (ግብ 22፡16)
➤ ኣባል ኣካል ክርስቶስ ንኸውን (1 ቆሮ 12፡13)
➤ ወረስቲ መንግስተ ሰማያት ንኸውን (ሮሜ 8፡16-17)
ተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖታት፦
ሀ. እግዚኣብሔር ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሕጻናት ዘጠቓለለ ነበረ (ዘፍ 17፡7-14)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ኪዳን ኣይተቋረጸን፤ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹ ኣሎ (ግብ 2፡38-39)።
ለ. ኣብ ዮኤል 2፡28 “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ኩሉ ስጋ ከፍስስ እየ” ዝተባህለ ትንቢት ኣብ ግብ 2፡17 ተፈጺሙ እዩ። ሕጻናት ኣካል “ኩሉ ስጋ” ስለ ዝኾኑ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ክኽልከሉ ኣይግባእን።
ሐ. ጸጋ ኣምላኽ ብዕድመ ኣይግደብን። ንኣብነት፣ ዮሃንስ መጥመቕ ገና ኣብ ማህጸን ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ተሰራሰረ (ሉቃ 1፡15, 41-44)። እዚ ድማ ሕጻናት ጸጋ ኣምላኽ ክቕበሉ ብቑዓት ምዃኖም የርእየና።
መ. ሃዋርያት ምሉኣት ስድራቤታት የጠምቁ ነበሩ፤ ሊድያ ምስ ስድራቤታ (ግብ 16፡15)፣ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኩሎም ስድራቤቱ (ግብ 16፡33)፣ ከምኡ እውን ቤት እስጢፋኖስ (1 ቆሮ 1፡16)። እዚ ከምቲ “ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል” (ኢያ 24፡15) ዝብል፣ ኣምላኽ ንስድራቤት ብምሉእ ከም ዝቕበል የርእየና።
ሰ. ቀዳሞት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፣ ቅዱስ ኢራኒዮስ (180 ዓ.ም)፣ ቅዱስ ሂፖሊጦስ (215 ዓ.ም)፣ ቅዱስ ሲጵሪያን (253 ዓ.ም)፣ ሕጻናት ካብ ግዜ ሃዋርያት ጀሚሮም ይጥመቁ ከም ዝነበሩ መስኪሮም እዮም። ጸሎተ ሃይማኖት (Nicean Creed) እውን “ንሕድገት ሓጢኣት ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” ይብል።
ስለዚ፣ ከምቲ ንምድራዊ ጥዕና ደቅና ክታበት እነክትቦም፣ ወረስቲ ሃብቲ ንክኾኑ ድማ ዘድሊ ወረቓቕቲ እንሳልጠሎም ካብ ኮንና፤ ንመንፈሳዊ ጥዕናኦምን ሰማያዊ ውርሻኦምን ድማ ጥምቀት ኣዝዩ የድልዮም። ጐይታ “ቆልዑ ናባይ ይምጽኡ” ብምባል ኣይከልከሎምን (ማቴ 19፡14)።
2. ግዝረት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሮ ስፍራን፣ ጥምቀት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘለዎ ስፍራን ኣነጻጺርካ፣ ዘመሳስሎምን ዝፈላልዮምን ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።
ግዝረት ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ጥምቀት ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተሰርዑ ምልክት ኪዳን እዮም። ግዝረት ጽላሎት (ምስሊ) ክኸውን ከሎ፣ ጥምቀት ድማ ምፍጻሜኡ (ኣካል) እዩ (ቆሎ 2፡11-12)።
ዘመሳስሎም፦
➤ ግዝረት መእተዊ ኪዳን ኣብርሃም ነበረ (ዘፍ 17፡7-11)፤ ጥምቀት ድማ መእተዊ ሓድሽ ኪዳን ብደም ክርስቶስ እዩ (ማቴ 28፡19)።
➤ ክልቲኦም ምልክታት ሓንሳብ ጥራይ ይፍጸሙ፣ ኣይድገሙን (ኤፌ 4፡5)።
➤ ብግዝረት ኣባል ህዝቢ እስራኤል ይኾኑ ነበሩ፤ ብጥምቀት ድማ ኣባል ኣካል ክርስቶስ (ቤተ ክርስቲያን) ንኸውን (ገላ 3፡27)።
➤ ክልቲኦም ኣብ ሕጻናት ዝፍጸሙን ንደቂ ኣመንቲ ዝወሃቡን ጸጋታት እዮም (ዘፍ 17፡12፤ ግብ 2፡39)።
ዝፈላልዮም፦
➤ ግዝረት ንተባዕትዮ ጥራይ ነበረ፤ ጥምቀት ግን ንተባዕትዮን ንኣንስትዮን ብማዕረ ይወሃብ (ገላ 3፡28)።
➤ ግዝረት ስጋዊ ምልክት ነበረ፤ ጥምቀት ግን መንፈሳዊ ዳግም ልደትን ሕድገት ሓጢኣትን እዩ (ቲቶ 3፡5)።
➤ ግዝረት ካብ ጥንታዊ ሓጢኣት ኣይነጻጽርን ነበረ፤ ጥምቀት ግን ንኹሉ ሓጢኣት ሓጺቡ ሓድሽ ሕይወት ይህብ (ሮሜ 6፡3-4)።
➤ ግዝረት ብመላጸ (ምቑራጽ ስጋ) ይፍጸም ነበረ፤ ጥምቀት ግን ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ይፍጸም (ዮሃ 3፡5)።
➤ ግዝረት ንምድራዊት ርስቲ (ከነኣን) ምልክት ነበረ (ዘፍ 17፡8)፤ ጥምቀት ግን ንሰማያዊት መንግስቲ ንምውራስ ዝወሃብ ማሕተም እዩ (1 ጴጥ 3፡21)።