መበል 11 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረቡ ሕቶታት
ሀ. ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፡
ሀ. 1. ምሥጢረ ሥላሴ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ሀ. 2. ምሥጢረ ሥጋዌ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ለ. ጥምቀት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ምዃኑ፡ ንሠለስቲኡ ምሥጢራት ብኸመይ የጕልሖ ወይ የትርሮ፧
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ሀ.1. ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ኣብ ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ብሓባር ብንጹር ተገሊጾም እዮም። ወልድ፡ ሥጋ ለቢሱ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፣ መንፈስ ቅዱስ፡ ብምስሊ ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፣ ኣቦ ድማ፡ ካብ ሰማይ "ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ" ብምባል መስከረ፡ (ማቴ 3፡16-17)። እዚ ፍጻመ እዚ፣ እግዚኣብሔር፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ግናኸ ሠለስተ ኣካላት ምዃኑ፡ ብግህዶ የርእየና።
ሀ.2. ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ምስጢረ ሥጋዌ ድማ እቲ ዘለዓለማዊ ቃል "ሥጋ ዝኾነ" (ዮሃ 1፡14) ወልድ ምዃኑ፣ ብምስክርነት ኣቦን ብምውራድ መንፈስ ቅዱስን ተረጋጊጹ እዩ። ዮሃንስ መጥምቅ እውን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ርእሲ ኢየሱስ ክዓርፍ ምስ ረኣየ፣ እቲ ብሥጋ ዝተገልጸ ሰብ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ብዝገለጸሉ መገዲ ክምስክር በቒዑ እዩ።
ለ. ጥምቀት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ምዃኑ፡ ንሠለስቲኡ ምሥጢራት ብኸመይ የጕልሖ ወይ የትርሮ፧
ጥምቀት ክርስትና ንምሥጢራት ሥላሴ፡ ሥጋዌን ጥምቀትን ብሓባር ዘተኣሳስር መለኮታዊ ግልጸት እዩ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክንጥመቕ ከሎና፣ እቲ "ስም" ዝብል ቃል ብንጽል ምጥቃሱ፡ እግዚኣብሔር ብባህርዩ ሓደ ምዃኑ የርእየና፤ ስም እቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝተገልጹ ሰለስተ ኣካላት ምዝርዛሩ ድማ፡ ጥምቀት ድሕነት ስራሕ ሥላሴ ምዃኑ የረጋግጽ። ብተወሳኺ፣ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኰይኑ ተገሊጹ፡ ንዓና መገዲ ጽድቂ ንምኽፋት ስለ ዝተጠምቀ፣ ስም ወልድ ምጥቃሱ፡ ምስቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታና ኢየሱስ፡ ሓደ ከም እንኸውን ይገልጽ፡ (ሮሜ 6፡4)። ምስጢረ ጥምቀት ባዕሉ ድማ፡ ነቲ ብሥጋዌ ዝተጀመረ ድሕነት፡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዘብጽሕ ማዕጾ ኮይኑ፣ ብፍቕሪ ኣቦ ይቕሬታ፣ ብኽቡር ደም ወልድ፡ ድሕነት፣ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ሓድሽ ልደት የልብስ (ዮሃ 3፡5)። ብሓፈሻ፣ ሥላሴ ንወልድ ብምልኣኽ፣ ሥጋዌ ንድሕነት ብምፍጻም፣ ጥምቀት ድማ ነቲ ድሕነት ናብ ህይወትና ብምብጻሕ፣ ንሰለስቲኡ ምስጢራት ብሓባር ዝእውጅ መለኮታዊ ጸጋ እዩ።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
ሀ.1. ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፡ እቲ ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ማለት እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብንጹር ዘይተገልጸ ዝነበረ፡ "ምስጢረ ሥላሴ" ብኸምዚ ተገሊጹ፡- እግዚኣብሔር ኣቦ ብድምጺ“ እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ” (ማቴ.3:17)፣ “ወደይ” ክብል ከሎ፡ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ንባዕሉ፡ ኣቦ ምዃኑ ይምስክር ኣሎ። እቲ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኰይኑ ዝጥመቕ ዘሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ሥጋ ለቢሱ፡ ብኣካል ተረኽበ (ማቴ. 3:16)። ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ “ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ” ይብለና። መንፈስ ቅዱስ፡ ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊ ጐይታ ምቕማጡ፡ በዚ ኸምዚ፡ ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና ተጋህደ።
ሀ.2. ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ጐይታና ኢየሱስ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ክንሱ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንስሓ ዝደልዩ ሰባት ደው ኢሉ ነበረ፣ ብፍቓዱ ድማ፡ ኵሉ ግብሪ ጽድቂ ፈጸመ። “ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። ኢየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ” (ማቴ.3፥14-15)። ጐይታና ኢየሱስ ብኣካል ኣብ ማይ ሩባ ዮርዳኖስ ምጥማቑ፡ እቲ ሥጋዊ ኣካላቱ፡ ወይ "ሥጋ" ዝለበሰ ከም ዝዀነ ዘረጋግጽ እዩ።
ለ. ጥምቀት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ምዃኑ፡ ንሠለስቲኡ ምሥጢራት ብኸመይ የጕልሖ ወይ የትርሮ፧
ምሥጢረ ሥጋዌ፥ ማለት ጐይታና ኢየሱስ ብሥጋ እንተ ዘይግለጽ፡ ኣምላኽና እግዚኣብሄር፡ ብኣካል ሠለስተ፡ ብመለኮት ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይምፈለጥናን። ካብቶም ሠለስተ ኣካላት፡ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን፡ ኣብ ማእከልና ምስ ተረኸበ ግና፡ በዚ ምሥጢረ ሥጋዌ ኣቢሉ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣናዮ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ንምሥጢረ ሥላሴ ክበርሀልናን ክርድኣናን ክኢሉ፥ ስለዚ ኸኣ፡ ጥምቀት ክርስትና፡ ብሥላሴ፥ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምዃኑ፡ ነዘን ሰለስተ ምሥጢራት የትርሮ።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ሀ.1.ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ከምቲ ኣብ ወንገል ማቴዎስ ተጻሒፉልና ዘሎ፥
ኣብ- ብድምጺ
ወልድ - ብኣካል
መንፈስ ቅዱስ ድማ - ብኣምሳል ርግቢት ተጋህደ።
ወንጌል ማቴዎስ 3:13፤ “ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡ ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።”
ሀ.2. ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ኣብ ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ፥ ምሥጢረ ሥጋዊ፥ ብኣካል እዩ ተጋሂዱ፥ ማለት ባዕሉ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ሥጋ ለቢሱ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ፥ ብዮሃንስ መጥምቕ ተጠምቀ። ክጥመቕ ከሎ ኸኣ፥ ኣቦ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብሎ ከሎ፡ ነንብብ፡ (ማቴዎስ 3፥16-17)።
ለ.ጥምቀት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ምዃኑ፡ ንሠለስቲኡ ምሥጢራት ብኸመይ የጕልሖ ወይ የትርሮ፧
ጥምቀት ክርስትና፥ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክፍጸም ከሎ፡ ንዝምድና ሠለስቲኡ ምሥጢራት፡ ሥላሴ ብስልጣን፥ ብሓይሊ፥ ብግብሪ፥ ማዕረ ምዃኖም፡ በቲ ሓባራዊ ስም ምፍጻሙ ንሓድነቶምን ሠለስትነቶምን ኣጸቢቑ የትርሮ ወይ የጉልሖ። ወልድ፡ ማዕረ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ምዃኑ የርእየና ስለ ዘሎ፡ እቲ ብሥጋ እተገልጸ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ፡ ብምሥጢረ ሥጋዌ፡ ፍጹም ኣምላኽ፡ ፍጹም ሰብ ምዃኑ የርእየና። በዚ ምኽንያት እምበኣር፡ ጥምቀተ ክርስትና ንዝምድና ሠለስቲኡ ምሥጢራት የትርሮ ወይ የጕልሖ ንብል።
ጉጅለ 4 ዝመለስዎ
ሀ.1.ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
አብ ወንጌል ማቴዎስ 3፣ 16-17፡ “ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ፣” ይብለና። አብዚ ከም እንርእዮ፡ ሠለስቲኦም አካላት ሥላሴ፡ ማለት፣ ወልድ ብኣካለ ሥጋ ክህሉ ከሎ፣ መንፈስቅዱስ ብኣምሳለ ርግቢ፣ አቦ ድማ ብድምጺ ክገሃዱ ከለው ንርኢ። ስለዚ፡ ፍጹም ሓድነትን ግልጸት ሥላሴ፡ ኣብዚ ይገሃድ።
ሀ.2. ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ብኸመይ ተጋሂዱ ወይ ተገሊጹ፧
ወልድ ወይ ምስጢረ ሥጋዌ ድማ፡ ብኣካለ ሥጋ፣ ማለት እቲ ቃል ሥጋ ኰነ ዝብል አብ ወንጌል ዮሃንስ ዝተጻሕፈ፣ (ክርስቶስ) ብኣካለ ሥጋ፡ ብኢደ ዮሃንስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፣ አቦን መንፈስ ቅዱስን ድማ ብሕብረት ክምስክርሉ ከለው ንርኢ፡ (ማቴ 3፣13)።
ለ.ጥምቀት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ምዃኑ፡ ንሠለስቲኡ ምሥጢራት ብኸመይ የጕልሖ ወይ የትርሮ፧
ጥምቀት ክርስትና ብስም ሥላሴ ዝፍጸም ከም ምዃኑ፣ ንዝምድና ምሥጢራተ ሥላሴ፣ ሥጋዌን ጥምቀትን አዝዩ ኢዩ ዘጉልሖ። ምኽንያቱ፣ ብንጥመቀሉ ግዜ፣ ውልድነት ሥላሴ ንረክብ፣ መንፈስ ቅዱስ ንቕበል፣ ድሕነትን ሕድገት ሓጥያትን ንረክብ። ንክርስቶስ ንለብሶ፣ ምስኡ ተቐቢርና፡ ምስኡ እንትንስኣሉ ምሥጢር ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ ነገራት አብ ሓደ እዋን ብምርካብና፡ ፍጹማን ደቂ አምላኽ ንኸውን። እንተዘይተጠመቕና ድማ፡ እዞም ጸጋታት እዚኦም የለውን፣ ስለዚ፡ ሓድነቶም በዚ ምኽንያት፡ ድልዱል ይኸውን፡ (ገላ. 4፣4 ቆሎ 1፣14 ግ.ሓ. 2፣38 ሮሜ 6፣4)።