መበል 12 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር

ዝቐረበ ሕቶ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሥጢረ ቍርባን፡ መዘከርታ ጥራይ፡ ዘይኰነስ፡ ኣማናዊ (ሓቀኛ) ሥጋን ደምን ጐይታ ምዃኑ ዜረድእ፡ ሓጺር ጽሑፍ ኣዳልዉ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ቅዱስ ቁርባን ተራ መግቢ ዘይኰነ ወይ ንመዘከርታ ግበርዎ ብዝብል ኣቃሊልካ  ዝሕለፍ ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧” በለ (1ቈረ1፡10:16)

ኣብ ወንጌል ሉቃስ 22:19 ከም እነንብቦ፡ ”እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡” ኢሉ ሃቦም። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ፡ ”እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” ብምባል ኣብርሆ፡ (1ቈረ 11:26)። ኣብ ቅዳሴና'ውን "ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ ወትንሳኤከ ቅድስተ” እንብሎ ነዚ እዩ።

እምበኣርከስ ስጋን ደምን ክርስቶስ፡ ኣለሊና ተገቢኡና፡ ንሱ፡ እቲ ብሓቂ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ምዃኑ ፈሊጥና፡ ብእምነት ኣብ ጸጽባሕ፡ በዲለ ብዝብል ሕልና ቅዱስ ቁርባን ክንወስዶ ኣለና። ”ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ” (1ቈረ 11:27)።

ጉጀለ 1 ዝመለስዎ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕሙማት ዚገበሮ ተኣምራትን ብሓሙሽተ ጐጎን ክልተ ዓሳን ንሓሙሽተ ሽሕ ሰባት፡ (ብዘይ ቈልዑትን ኣንስትን) ኣጽጊቡ ፡ ዓሰርተው ክልተ መሶብ ዝመልአ ተረፍ ከም ዘተላዕለ ምስ ረኣዩ ፡ መንዚዖም ከንግስዎ ደለዩ (ዮሃ 6፡5-13)። እቲ ቐንዲ መድለይኦም ምኽንያት፡ መንፈሳዊ ጉዳይ ዘይኰነስ፡ እንጌራ በሊዖም ስለ ዚጸገቡ ጥራይ ነበረ። ጐይታ ድማ ነቲ ምድራዊ ዘይኰነስ ነቲ መንፈሳዊ ክጽዕቱ መዓዶም።

ጐይታና ኢየሱስ ንምስጢረ ቍርባን ክነግሮም ከሎ፡ ”ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” (ማቴ26:26-28)።

ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ ደመይ” እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ድማ ኣማናዊ ምዃኑ የረጋገጸልና። ቅዱስ ቍርባን እምብኣር ንዘለኣለም ብህይወት ዜንብር ፡ ኣቦ ድማ ስምረቱ ዘወድቐሉ፡ ብእምነት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ሕብስቲ ተለዊጡ ስጋ ክርስቶስ፡ እቲ ወይኒ’ውን ተለዊጡ ደም ክርስቶስ ዚዀነሉ ዓቢዪ ምስጢር እዩ።  ጐይታና ኢየሱስ’ውን ባዕሉ፡ ”ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ” ብምባል ምሂሩ’ሎ (ዮሃ6:55-57)። ”እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ” ድሕሪ ምባል ከኣ ”ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ” እናበለ፡ ንኣማናውነት ስጋኡን ደሙን ኣረጋገጸልና።

ኵልና ተኻፈልቲ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ክንከውን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን!

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ምሥጢር ቍርባን፡ መዘከርታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓቀኛ ሥጋን ደምን ጐይታ ምዃኑ ካብ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ካብ ትምህርቲ ሃዋርያትን ብንጹር እንርእዮ እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር ኪበልዑ ኸለዉ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ "እዚ ስጋይ እዩ፥ ብልዑ" በሎም፤ ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፡ "እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ" ብምባል፡ እቲ ዝቐረበ ሕብስትን ወይንን፡ ናብ ሥጋኡን ደሙን ተለዊጡ ኽንበልዖን ክንሰትዮን ከም ዝሃበና ኣረጋጊጹልና፡ (ማቴ 26፡26-28)። ጐይታ "ንስጋይ ይውክል" ወይ "ከም ስጋይ" ዘይኰነስ፡ "እዩ" ኢሉ ኣማናዊ ምዃኑ ገለጸ።

ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እውን፡ ጐይታና እንጌራ  ህይወት ምዃኑ ኪምህር ከሎ፡ "ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ" ብምባል ቅዱስ ቍርባን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣዝዩ ዘድሊ መለኮታዊ መግቢ ምዃኑ ኣነጸረ፡ (ዮሃንስ 6፡55-58)።

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነዚ ምሥጢር እዚ ኪገልጾ ኸሎ፡ "እታ እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ፧ እታ እንቘርሳ እንጌራ ድማ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለወንዶ ኣይኰናን፧" ኢሉ ብምጽሓፍ (1 ቈረ 10፡16)፡ ምስ ክርስቶስ ብኣካልን ብመንፈስን ሓደ እንዀነሉ ኣማናዊ ሕብረት ምዃኑ ይምህረና። ወሲኹ እውን፡ “እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕ” እንዳበለ የጠንቅቅ (1 ቈረ 11፡29)፡ ቅዱስ ቍርባን ተራ እንጌራን ወይንን ጥራይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ኸይተገብኦ ወይ ርእሱ ከይመርመረ ስለ ዝበልዔን ዝሰተየን “ኣብ ሥጋን ደምን ጐይታ እዩ ዚዕግብ” ተባሂሉ ኣይምተፈርደን ነይሩ። እዚ ፍርዲ እዚ ዝመጽእ፡ እቲ እንቕበሎ ዘለና ሓቀኛ ሥጋን ደምን ጐይታ ስለ ዝዀነ ጥራይ እዩ።

ምሥጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ብሉይ ኪዳን ብጽላሎት ተገሊጹ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኪወጹ ኸለዉ፡ ስጋ እቲ ፋሲካዊ ገንሸል ኪበልዑን ደሙ ኣብ ልዳቶም ኪለኽዩን ተኣዘዙ (ዘጸኣት 12፡7-8)። ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን በቲ ደም ምልካይን ንስጋ እቲ ገንሸል ብምብላዕ ዝደሓኑ፡ ንሕና እውን ነቲ "ፋሲካና" ዝዀነ (1 ቈረ 5፡7) ሓቀኛ "ገንሸል ኣምላኽ" (ዮሃንስ 1፡29) ደሙን ስጋኡን ብምቕባል ካብ ባርነት ሓጢኣት፡ ሓራ ንወጽእ።

እዚ ምስጢር እዚ፡ ነቲ ቀዳማይ ኣዳም “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፥ ካብኣ ኣይትብላዕ” (ዘፍጥረት 2፡17) ዝተባህከላ ኦም ብምብላዑ ዘጥፈኦ ህይወት ንምምላስ ዝተዋህበ መለኮታዊ መገዲ እዩ። እቲ “ካልኣይ ኣዳም” ዝተባህለ ክርስቶስ (1 ቈረ 15፡45)፡ ነቲ ብምብላዕ ዝጠፈአ ህይወት ብምብላዕ ንምምላስ፡ “እዚ ስጋይ እዩ፥ብልዑ፡” ብምባል ህይወት ዝህብ ትእዛዝ ሃበና።

ምስጢረ ቍርባን፡ በእምሮ ክንርድኦ’ኳ ብቕዓት እንተዘይብልና፡ ግናኸ ነቲ ጐይታ 'ሥጋይን ደመይን እዩ' ዝበሎ፡ ንቓሉ ብምእማን፡ ብንስሓን ብእምነትን ክንቅበሎ ይግባእ። ብሓቂ፡ እቲ ንህይወት ዓለም ዝተዋህበ ሥጋ ክርስቶስ (ዮሃንስ 6፡51)፡ ንሱ ምንጭን መሰረትን ዘለኣለማዊ ህይወትና እዩ።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

አብ ወንጌል ማቴዎስ 26፣26-28 ከም እንርእዮ፡ ብግሉጽ፡ “ስጋይ፡” “ደመይ” እናበለ እዩ ዝህቦም።  “ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም።  ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ”።

አብ ወንጌል  ዮሃንስ 6፣53-56 እውን፡ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ   መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ’’ ብምባል፡ ደጊሙ ኣስመረሉን ኣትረሮን።

ኣብ 1ይ ቆረንቶስ 11፣ 27 ከኣ፡ “ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ” ብምባል፡ ነቲ እንጌራ፡ ስጋ፡ ነቲ ጽዋእ ድማ ደም ክብሎ ከሎ ንርኢ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ እዩ ኣስዒቡ “ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን” ብምባል ዘጠንቅቕ።

እምበኣርከስ ከምቲ ተባሂሉና ዘሎ፡ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” እዩ እሞ፡  ነቲ በጃ ሓጢኣትና ዝኸፈሎ ዋጋ እናዘከርና፡ በቲ እንረኽቦ ጸጋ ድማ ንኣምላኽ ዝበቅዕ ህይወት እናነበርና፡ ህያዋን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኴንና ክንርከብ የድልየና። ስለዚ’ውን እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ስጋን ደምን ጐይታና ተራ መዘከርታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣማናዊ ስጋን ደምን ጐይታ ምዃኑ ንኽንግንዘብ “ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ” ብምባል፡ ስጋን ደምን ጐይታ ጠቒሱ ዝነግረና።

ወስብሓት ለእግዚኣብሄር

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መበል 11 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር