መበል 13 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረበ ሕቶ
ዝምድና ሰለስተ ምሥጢራት፡ ማለት፡ ጥምቀተ-ክርስትና፡ ቍርባንን ትንሳኤ ሙታንን፡ ካብ 200 ቃላት ብዘይ በዝሕ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።
ጉጅለ 2 ዝመለስዎ
ብሓፈሻ፡ እዞም ሰለስተ ምሥጢራት፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ሓደ ኣማኒ ኣብ መድረኻት ህይወት፡ ሞትን ትንሣኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
• ጥምቀት ኣብ ሞትን ትንሳኤን ጐይታ ምሕባር ወይ ምስታፍ'ዩ
ኣብ ጥምቀት፡ እቲ ዝጥመቕ ዘሎ፡ ካብቲ ኣረጊት ሕይወት ሓጢኣት ይመውት፡ ከም ምልክት ትንሣኤ፡ ካብቲ ማይ ብምውጻእ ከኣ፡ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ብምክፋል፡ ብስራት ሓድሽ ህይወት ዘመልክት እዩ (ሮሜ 6፥3-4)። « እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና » ይብለና፡ (ሮሜ 6፥4-5)።
እምበኣርከስ፦
v እቲ ናብ ማይ ምእታው → ምስ ክርስቶስ ከም ሙማት ከመልክት ከሎ
v እቲ ካብ ማይ ምውጻእ ከኣ → ምስ ክርስቶስ፡ ትንሳኤ ናብ ሓድሽ ህይወት’ዩ ዘመልክት
•ቍርባን፡ ቀጻሊ ተሳትፎ ኣብ ህይወት ክርስቶስ ኢዩ ዘመልክት
ዮሃንስ 6፥51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ቁርባን ወይ ድራር ጎይታ ቀጻሊ መንፈሳዊ መግቢ ናይቲ ሓድሽ ህይወት እዩ።
ስለዚ ቁርባን፦
መስዋእቲ ክርስቶስ የዘክረና።
ኣብ ሕይወት እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ዘሳትፈና ምስጢር'ዩ።
ክሳዕ ዝምለስ፡ ሞቱ እንእውጀሉ’ውን'ዩ።
ምስቲ ክርስቶስን ማሕበርን ሕብረት ዘውህበና’ውን እዩ።
• ትንሳኤ ጐይታ፡ መሰረት ክልቲኡ ጥምቀትን ቁርባንን እዩ
እቲ ሃረር እናበልና እንጽበዮ፡ ትንሣኤ ሙታን፡ ናይ መወዳእታ ፍጻሜን፡ መሰረት ክልቲኡ ምሥጥራት ጥምቀትን ቍርባንን እዩ። 1ይ ቆረንቶስ 20-23 ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምዉታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።
ትንሳኤ እንተዘይነብር፡ ጥምቀትን ቁርባንን፡ ትርጉም ዘይብሎም ምኾኑ ኔሮም።
Ø ብዘይ ትንሳኤ
•ጥምቀት፡ ንሓድሽ ህይወት ኣይምወከለን።
•ቍርባን ከኣ፡ ንሓደ ሞት ጥራይ መዘከረና ኔሩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተንስአ ግና፡ ጥምቀት፡ ምልክት ሓድሽ ትንሳኤ ህይወት ክኸውን ከሎ፡ ቁርባን ከኣ፡ ትንሳኤን ዘለኣለማዊ ሕብረትን ዘመልክት ኰነ።
መጠቓለሊ
እዞም ሰለስተ ምሥጢራት፡ ብሓባር፡ ንጉዕዞ ክርስትና እዮም ዝገልጹ፦
· ጥምቀት → ናብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ምእታው ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ልደት የበስረና
· ቁርባን → መዓልታዊ ምስቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ብሓደ እናንበረ፡ ኣብ ክርስቶስ የጽንዓና
· ትንሳኤ → ናይ መወዳእታ ዓወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን፡ ተስፋ ይዀነልና።
ሕጽር ብዝበለ፡ ጥምቀት፡ ምጅማር ሕይወት ከመልክተልና ከሎ፡ → ቁርባን ምቕጻል ህይወት፡ → ትንሳኤ ሙታን ከኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋና እንጭብጠሉ እዩ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ሠለስቲኦም ምሥጢራት፡ ነቲ ካብ ምድራዊ፡ ናብ ሰማያዊ ህይወት እንሰጋገረሉ ጉዕዞ ህይወት ሓደ ክርስትያን ዘርእዩ ኰይኖም፡ ምሉእ ስእሊ ድሕነትና ድማ ይገልጹ።
ጥምቀት፡ ምስ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ብምሕባር፡ ነቲ ብኣዳም ዝመጸ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ስዒርና፡ ሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት እንረኽበሉ ካልኣይ ልደት እዩ፡ (ሮሜ 6፡4)። እዚ ብጥምቀት ዝተረኽበ ሓድሽ ህይወት ድማ፡ ብምሥጢረ ቍርባን ስንቅን ሓይልን እናሰነቐ ይቕጽል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ" (ዮሃንስ 6፡54) ብምባል፡ ቅዱስ ቁርባን ነቲ ብጥምቀት ዝረኸብናዮ ህይወት፡ ዘጽንዕን ንትንሳኤ ዘዳልወናን መድሃኒት ህይወት ምዃኑ ገሊጹልና እዩ።
ትንሳኤ ሙውታን ድማ ናይ ጥምቀትን ቁርባንን፡ መደምደምታን ናይ መወዳእታ ፍረን እዩ። ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት ዝጸረየን፡ ብቕዱስ ቍርባን ምስ መለኮት ዝተዋሃሃደን ሥጋ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ፡ ብኽብሪ፡ ንትንሳኤ ይበቅዕ። ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ፡ ጥምቀት ከም ዘርኢ፡ ቅዱስ ቁርባን ድማ ከምቲ ንዕብየት እቲ ዘርኢ ዘድሊ፡ ማይን ጸሓይን ክኸውን ከሎ፡ ትንሳኤ ምውታን ከኣ፡ እቲ ዝዕጸድ ፍረ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ጥምቀት ዝጀመርናዮ ናይ ትንሳኤ ጉዕዞ፡ ብቕዱስ ቁርባን እናተመገብና፡ ኣብታ መዓልቲ ትንሳኤ ምውታን፡ ናብ ናይ ፍጻሜ ዕላማ ይበጽሕ።