መበል 14 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር
ዝቐረበ ሕቶ
ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2፡ ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን፡ በቲ ”ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ” ዝብል ምህሮ፡ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሓመ ከም ዚባላዕን፡ ንባዕሎም ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ከኣ ይገላብጡ ከም ዘለዉን ተጠቒሱ’ሎ።
- ሀ. ብትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን፡ ብኸመይ እምነት ብዙሓት ክገላብጥ ከም ዝኽእል፡ ሓጺር መልሲ ኣዳልዉ።
- ለ. 5 ኣዕማደ ምሥጢር ምምሃርና እንታይ ረብሓ ረኺብናሉ ትብሉ፧
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
ሀ) ብትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን ብኸመይ እምነት ብዙሓት ክገላብጥ ከም ዝኽእል
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኵነት ክገልጾ ከሎ፡ ”መንሽሮ” ንዝብሃል ሕማም’ዩ ጠቒሱ። ሕማም መንሽሮ፡ ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉ ንብዙሓት ክፋላት ኣካላት ንምጥቃዕ ዝላባዕ ሕማም’ዩ። ኣብ 2ጢሞ 4፡11 ከም እንርእዮ፡ እቲ ብሞያ ሕክምና ዝፍለጥ ወንጌላዊ ሉቃስ ምስ ጳውሎስ ብምንባሩ፡ ሕማም መንሽሮ ብሃውሪ ዝተጠቕሰ ምሳሌ ከም ዘይኰነ ከነስተብህል ይገብረና። ከም ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን "ትንሳኤ ድሮ ተፈጺሙ" ዝብል ርድኢት’ዩ ኔርዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ግና ከምቲ ንሰብ ተሰሎንቄ’ውን ዝጸሓፈሎም፡ ትንሳኤ ሙታን፡ ገና ብሕጂ ክፍጸም ዘሎዎ ምዃኑ፡ ነቲ ከም መንሽሮ ዝላባዕ ምህሮኦም ዓገተ። ”ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣለና ብምባል ከኣ፡ መከቶም።
ኣማኒ እየ ዝብል እሞ፡ ትንሳኤ ሙታን የልቦን ዝብል ምህሮ ኸኣ ዝቕበል እንተዀይኑ፡ ኣብ እምነቱ ዝፍጠር ነዉጺ መዳርግቲ የብሉን፥ ንኣብነት፣-
1) ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት፡ ልደት፡ ጥምቀት፡ ስቕለት፡ ትንሳኤን ዕርገትን ጐይታና፡ ከንቱ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።
2) ተስፋ ኣመንቲ ኣብዛ ምድሪ ጥራይ ተሓጺሩ ይተርፍ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ናብራኦም፡ ትርጉም ኣልቦ ይኸውን። ስለዚ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩም’ውን ከንቱ እያ” እናበለ ዝጽሕፍ። ነቲ ምኽንያት ክዝርዝሮ ከሎ ኸኣ፦
ሀ. “ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታት’ውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።
ለ. ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስ’ውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡
ሐ. ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም።
ነቲ መልእኽቲ ክኣስሮ ከሎ ኸኣ፡ “ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ” ብምባል ይገልጸሎም፡ (1ይ ቆረንቶስ 15፣ 13-18)።
ለ) 5 ኣዕማደ ምሥጢር ምምሃርና እንታይ ረብሓ ረኺብናሉ ትብሉ፧
ኣዕማደ ምስጢር ምምሃርና ካብ ዝረኸብናዮ ረብሓ ንምጥቃስ፣-
ቅኑዕ ዝኾነ መሰረታዊ ምህሮ እምነትናን ቤተክርስትያንናን ክንፈልጥ ኣኽኢሉና።
ኣብ ምስጢራት ክህልወና ዝግብኦ መንፈሳዊ ምርዳእ ከም ዝዓቢ ጌርዎ።
ዝነበረና ዝብርቅርቅ ዝበለ መረዳእታ፡ ከም ዝንጽር ጌሩ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ሀ. ብትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን፡ ብኸመይ እምነት ብዙሓት ክገላብጥ ከም ዝኽእል
ሀ. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ይ መልእኽቲ ጢሞ 2:17-18 ከም ዝገለጾ፣ እቲ "ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ" ዝብል ትምህርቲ ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን፣ ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ ካብ ሓቂ ዝዘምበለን ንጥዑይ እምነት ብዙሓት ዝገላብጥ ሓደገኛ ስሕተት ምዃኑ ንርዳእ። ከምቲ ሕማም መንሽሮ ንጥዑይ ክፋል ስጋ ዘበላሹ፣ ትንሳኤ ዘይምእማን ድማ ንውሽጣዊ ተስፋን መንፈሳዊ ህይወትን ኣማኒ በሊዑ፣ ንፍረን ዕላማን እምነትካ ባዶ ይገብሮ።
ብትንሳኤ ዘይምእማን፡-
ሞት ክርስቶስ ዋጋ ዘይብሉ፣ እምነትና ድማ ከንቱ ከም ዝኸውን ይገብሮ (1ይ ቈረ 15:17 )።
ሰብ ኣብ ሞት ተዓጽዩ ከም ዝነብር ብምግባር፣ ነቲ ጐይታ ኣብ መስቀል ንሓይሊ ሞትን ንሰይጣንን ስዒሩ፣ ንሓጢኣትና በጃ ኰይኑ ዝተዛረቦ "ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ" ዝብል መለኮታዊ ቓል የኽሕድ።
እዚ ስሕተት እዚ ንስነ-ምግባርን ብቕድስና ኣብ ምንባርን ንዘሎ ኣድላይነት የጥፍእ፤ "ትንሳኤን ፍርድን የለን" ዝብል ሰብ ድማ "ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ" ናብ ዝብል ስጋውን ምድራውን ሓጢኣተኛ ሓሳባት ይወድቕ (1ይ ቈረ 15:32 )።
ብተወሳኺ፣ ትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን ንክርስትያን ሰማእታት ሞቶም ከም ዕሽነት ይቝጸር
ምስ ኣምላኽ ዘለና ቀጻሊ ርክብን ናይ ዘለኣለም ህይወት ውሕስነትን የጥፍእ።
ለ. ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢር ብምምሃርና ዝረኸብናዮም ረብሓታት፥
ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢራት (ምስጢረ ስላሴ፣ ስጋዌ፣ ጥምቀት፣ ቍርባን፣ ትንሳኤ ሙታን) ብዕምቆት ምምሃርና፡ ካብቲ ዝተዋህበና ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ካብቲ ብካልኦት ጕጅለታት ዝተዋህበ መልስታትን፣ ካብቲ ንሕቶታት ተምሃሮ ዝተዋህበ ንጹር መብርህን ኣብ እምነትናን መንፈሳዊ ህይወትናን ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡልና እዩ። ንኹሉ ዝነበረና ጥርጣረታት ብምእላይ ከኣ፣ እምነትና ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ንኽስረት ሓጊዙና እዩ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 7:25 ተገሊጹ ዘሎ፣ እምነትና ብዝመጸ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ከይትናወጽ፡ ዓሚቝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢት ቀሲምና ኣለና።
እዚ ትምህርቲ እዚ ብዛዕባ ባህሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ስጋዌኡን ንጹር ፍልጠት ሂቡና፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ድማ ኣርእዩና እዩ።
➤ ብምስጢረ ጥምቀት፥ ምስ ክርስቶስ ከም ዝተቐበርናን ብሓድሽ ህይወት ክንመላለስ ከም ዝግብኣናን ተረዲእና (ሮሜ 6:4 )።
➤ ብምስጢረ ቍርባን፦ ምስ ክርስቶስን ምስ ኣመንትን ዘለና ናይ ሕብረት ህይወት ኣረጋጊጽና (1ይ ቈረ 11:26 )።
➤ ብምስጢረ ትንሳኤ ሙታን፦ ርጉጽ ተስፋ ዓወት ከም ዘለና ብግልጺ ተማሂርና (1ይ ቈረ 15:57 )።
ንናይ ስላሴን ሓድነትን ባህሪ ኣምላኽን ብስጋዌ ንምድሓንና ዝገበሮ ፍቕርን ብዕምቈት ከነስተውዕል ሓጊዙና። ነቲ ዝተማሃርናዮ ምስጢራት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኻልኦት ንኸነካፍልን፣ ንተስፋ እምነትና ምኽንያት ንዝሓትት ዘበለ፡ መልሲ ንምሃብን ብፍልጠትን ብነፍሰ-ምትእምማንን ድሉዋት ኴንና ኣለና (1ይ ጴጥ 3:15 )። ብፍላይ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዝግባእ ምፍላጥና ኸኣ፣ ሞት፡ ዘፍርሕ ከም ዘይኰነን ብክርስቶስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ብተስፋ እንጽበዮን ምኻኑ ብንጹር ምሂሩና። ብሓፈሻ፣ ካብ "እምነት ጥራይ" ናብ "ብእምነትን ብፍልጠትን" ምንባር ተሰጋጊርና፣ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኸነፍቅሮን፡ ብጽኑዕ መሰረት ክንኣምኖን ድማ፡ ጽኑዕ መሰረት ኰይኑና ኣሎ።
ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ
ሀ. ብትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን፡ ብኸመይ እምነት ብዙሓት ክገላብጥ ከም ዝኽእል
ምህሮ ወንጌል ይኹን ትሕዝቶ መልእኽታት ከም ዝነግረና፡ ኩልና እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና ንኹን ከምኡ ኩሉ ብምስልን መልክዕን ኣምላኽ ዝተፈጥረ ዘበለ፡ ብምጽኣቱ ካብ ሙውታን ክትንስእ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ንክርስትያን ግና፡ እታ ሓንቲ ተስፋ ዘላቶ፡ ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ፣ ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ነዚ፡ ዘይምእማን ወይ'ውን ኣብዚ ተስፋ ዘይምግባር እምበኣር’ዩ እምነት ብዙሓት ክገላብጥ ዝኽእል።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝብሎ ዘሎ፡ ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን፡ ትንሳኤ፡ ቅድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ከም ዘለዉ እዩ። እቲ ዝገርም፡ ብትንሳኤ እናኣመኑስ ግናኸ፡ ቕድሚ ሕጂ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌሮም፡ ጌጋ ምርዳእ ምሕዳሮም እዩ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምህሮ ሃዋርያት ዘዘናብሉ ኰይኖም ተረኽቡ።
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ገዲፍዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ከም እንርእዮ ኸኣ፡ “ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ ምስኡ’ውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና” ንዝብል ምህሮ፡ ብጌጋ ብምርዳእ፡ ኣብ ዝምቡዕ ምህሮ ወዲቖም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ፡ ክንግምት ንኽእል ኢና። ዝኾነ ዀይኑ፡ ንምህሮ ትንሳኤ ሙታን ብምንጻጎም ግና፡ እቲ ርድኢቶም፡ እምነት ብዙሓት ክገላብጥን ከም መንሽሮ እናለሐመ ኸኣ ዚባላዕ ምዃኑን ተነግረና።
ለ. ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢር ብምምሃርና ዝረኸብናዮም ረብሓታት
እዞም ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ኣዕኑድ እምነትና ምዃኖም፡ በቲ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ እንታይነት ዓንዲ ክንምሃር ከለና፡ ኣገዳስነቶም ዝያዳ ጐሊሑ ንኽርኣየና ገይሩ እዩ። ሓቂ ክንፈልጥ፡ ኣብቲ ዝፈለጥናዮ ሓቂ ድማ ክንጸንዕ፣ ንዝመጽና ዘበለ ሕቶን ብድሆን ብትብዓት ብቓል ሓቂ ክንገጥሞ፡ እዞም ኣዕኑድ እዚኦም፡ መሰረተ እምነትና ምዃኖም ንኻልኦት ብቕንዕና ንኽንምህር ድማ ኣዕጢቝና’ሎ።
☆ ንምስጢረ ሥላሴን ስጋዌን ብእምነት ክንኣምኖ!
☆ ንምስጢረ ጥምቀትን ቁርባንን ብእምነት ክንሓብሮ!
☆ ብትንሳኤ ሙታን ከኣ ክንትስፎ፡ ተማሂርና።
ብሓፈሻ፡ እዚ ኣዕማደ ምስጢር ምምሃርና ድማ፡ ብዓቢኡ ነዚ ኣብ ቐዳማይ ሕቶ ዝረኣናዮ ናይ ስሑት ምህሮ፡ ብግቡእ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኣኽኢሉና እዩ። ክብሪ ንኣምላኽ!