መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቁ. 1

ዝቐረበ ሕቶ

መልእኽቲ ይሁዳን 2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2ን ብምንባብ፡ እንታይ ከም ዝስተብሃልኩም ሓጺር ጽሑፍ ኣዳልዉ

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

አብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ዘስተብሃልናዮ፣ እቲ ትንቢት ሓዘል መልእኽቱ፡ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ድሮ ካብ ቀደም ከም ዝነበሩን ክመጹ’ውን ከም ዝዀኑን ከም ዝገለጸ እዩ። እቶም ኣመንቲ፡ ብኸመይ ዝበለ ናብራ ክነብሩ ከም ዘለዎም ከኣ፡ አብነታት ናይቶም መስሓትቲ ወይ ሓሰውቲ መምሃራን ባህርያቶምን፣ ስልትታቶምን መወዳእቶኦምን እናጠቐሰ የረድእ። ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉን ማዕርጎም ዘይሓለውን መላእኽቲ እኳ ከም ዘይንሓፎም ብምጥቃስ፣ ንሶዶምን ጎሞራን’ውን ከምኡ መሰክሒ ክሳብ ዝዀና ከም ዘይንሓፈን ብትሪ የጠንቅቕ። ቀጺሉ ባህሪ ናይቶም ቅዱሳን መላአኽትን ቅዱሳን ሰባትን ከመይ ከም ዝዀነን አምላኽ ድማ ከመይ ከም ዝጥንቀቐሎምን ናይ ኖህ ምሳሌ ገይሩ የረድእ። አብ መወዳእታ፡ እዞም ከምዚ ዝበሉ ከመይ ዝበለ ባህርይ ከም ዘለዎም አድቂቑ ብምግላጽ፣ ከመይ ገይሮም ከም ዝሓባብሉን ከመይ ጌሮም’ውን ንብዙሓት ከም ዘስሕቱን፡ የረድእ።

አብ መልአክቲ ይሁዳ ድማ፣ አመንቲ በታ ቕንዕትን ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ክጋደሉ ከም ዘለዎም እናማዓደ፡ ብዙሓት ሓሰውቲ መመሃራን አብ ማእከሎም ኣትዮም ከመ ዝነበሩ ብተሪር አዋጅ የጠንቅቕ።  በዚ ምኽንያት ድማ አምላኽ ነቶም ሓሰውቲ ብኸመይ ዝበለ መቕጻዕቲ ከም ዝቐጽዖም፣ ልክዕ ከምቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሳሳሊ አብነት እናሃበ የረድእ። ቀጺሉ፡ ባህርያት ናይቶም ሓሰውቲ መምሃራን ንምግላጽ ድማ፡ ንሶም ከምተን ካብ ሱረን ዝተሞንቈሳ  ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ፍረ ዘይብለን አእዋም ሓጋይ ኢዮም ብምባል፡ ንባህርያቶም ብግልጺ እናኣርኣየ ይምስሎም። አብ መወዳእታ ድማ ነቶም፣ በቲ ሓዋርያት ዝማሃርዎምን፣ በቲ ብዛዕባ ሓሰውቲ ነበያት’ውን ዘጠንቀቑዎምን እናዘከሩ ብጽድቂ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ብምምዓድ ይዛዝም።

ብሓፈሻ ክንርእዮ ከለና፡ ክልቲኡ መልእኽትታት አዝዩ ዝመሳሰል ብምዃኑ፣ ምናልባት ዝምድና ሓዋርያ ይሁዳን ጴጥሮስን አዝዩ ተሪር ከም ዝነበረ ክግመት ይከኣል። እቲ ክልቲኦም ሓዋርያት ዘብርህዎ ኣውራ ግና፣ እምነት ብዝያዳ ኣብ ውሽጣ ብዘለው አገልገልቲ መሰልቲ ደኣ እምበር ብደገ ከምዘይትድፋእ ዘርእይ ኢዩ። ምስ’ዚ ኣብ ዘመንና ዘሎ ኩነታት ከነረአእዮ ከለና’ውን፣ ቤተክርስቲይን ብብዙሓት ዓላውያን ዘይጠፈአት፣ ሎም ግና ብገዛእ አገልገልታን ደቃን ክትሕመስ ክንርእያ ከለና፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ናባና አዝዩ ዝቐረበ ኰይኑ ረኺብናዮ።

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

ቀንዲ ትሕዝቶ 2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2ን መልእኽቲ ይሁዳን፡ ኣብታ ማሕበር ስሉኽ ኢሎም ንዝኣተዉ ሓሰውቲ መምህራን ንምቅላዕን፡ ንኣመንቲ ንምጥንቃቕን ዝዓለመ እዩ። እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽ መመኻነዪ ሓጢኣት ብምግባርን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽሓድን ብስቱር ኣብቲ ማሕበር ኣትዮም ምንባሮም ንርዳእ።
ሃዋርያት ጴጥሮስን ይሁዳን፡ እዞም ሓሰውቲ መምህራን ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዚልውጡን ንጐይታ ዚኽሕዱን ምዃኖም ብተመሳሳሊ ቃላት ይገልጹ። ብፍላይ ድማ እቶም መታለልቲ ብትዕቢት፡ ብስስዔን ብዝሙትን ዝመልኡ ምዃኖም፡ እታ መገዲ ሓቂ ድማ ብሰንኮም ከም እትጽረፍ የጠንቅቑ (2ጴጥ 2:1-3፤ ይሁ 1:4 )። ሃዋርያ ጴጥሮስ መምህራን ሓሶት ከም ዚትንስኡ ኪገልጽ ከሎ፡ ይሁዳ ድማ ድሮ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ብምሕባር፡ በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን እተዋህበት እምነት ኪጋደሉ ንኣመንቲ ይጽውዕ (ይሁ1:3 )።

ክልቲኦም ጸሓፍቲ፡ ታሪኽ ብሉይ ኪዳን ጽቡቕ ጌሮም ንዝፈልጡ ክርስትያን ከም ዝጸሓፉሎም፡ በቶም ዘቕረብዎም ታሪኻዊ ኣብነታት ንርዳእ። ኣምላኽ ንገበርቲ ዓመጻ ከም ዚፈርዶም ንምርዳእ፡ ተመሳሳሊ ኣብነታት ተጠቒሶም ንረክብ፤ ንሳቶም ድማ፦ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፡ ጥፍኣት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን፡ ከምኡ’ውን መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልዓም እዮም፡ (2ጴጥ 2:4-16፤ ይሁ 1:5-11 )። ብፍላይ ይሁዳ፡ ኣብቶም 66 መጽሓፍቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይርከብ ንትንቢት ሄኖክን ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ሚካኤልን ሰይጣንን ዝነበረ ክርክርን ይጠቅስ። እዚ ድማ ምስቲ እዞም መታለልቲ ንመዓርጋት ክብሪ ብትዕቢት ዚጸርፉሉ ተግባር ብምንጽጻር ነቲ ፍልልይ የጉልሖ (ይሁ 1:9, 14-15 )። ክልቲኦም ጸሓፍቲ ነዞም ሓሰውቲ መምህራን "ማይ ዜብሎም ዔላታት" ወይ "ማይ ዜብሉ ደበና" ብምባል፡ ትሕዝቶ ዘይብሎም ባሮት ጥፍኣት ምዃኖም ይገልጹ፡ (2ጴጥ 2:17-19፤ ይሁ 1:12-13)።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣመንቲ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ኬምልጡን ኣብ እምነቶም ኪጸንዑን የተባብዑ። ካብ ሓቂ ንድሕሪት ምምላስ ከምቲ ናብ ትፍኡ ዚምለስ ከልቢ፡ ወይ ከምታ ተሓጺባ ናብ ጸብሪ እትምለስ ሓሰማ፡ ዘሕፍር ምዃኑ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኪገልጽ ከሎ (2ጴጥ 2:20-22)፤ ይሁዳ ድማ ኣመንቲ ብመንፈስ ቅዱስ እናጸለዩ ርእሶም ብፍቕሪ ኣምላኽ ኪሕልዉን ንኻልኦት ካብ ሓዊ መንጢሎም ኬናግፉን ይምዕድ (ይሁ 1:20-23)።

ብሓፈሻ፡ እዞም ክልተ መልእኽትታት፡ ኣምላኽ ንጻድቃን ካብ ውድቀት ከም ዚሕልዎም፡ ንዓመጽቲ ድማ ከም ዚቐጽዖም ዚምህሩ ኰይኖም፤ ሓቀኛ እምነትና ንምሕላው ዚጽውዑ መጠንቀቕታን ድርብ ተስፋ ዝድርዑ ጻውዒትን እዮም።

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

ጉጅለና፡ ነቲ ኣብ መእተዊ መልእኽቲ ይሁዳ ዘሎ፡ ሓጺር ጽሑፍ ብምንባብ፡ ዝምድና እቶም ተዋሂቦሙና ዘለዉ ክልተ ምዕራፋት ብምግንዛብ ኢና ጀሚርናዮ። ንኽልቲኡ ምዕራፋት ብኽልተ ትርጉም ድሕሪ ምንባብ ከኣ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣስተብሂልና፦

ኣብ መንጎ 2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2ን መልእኽቲ ይሁዳን ዘሎ ተመሳሳልነት፡ ክልቲኦም ብዛዕባ እንታይነት ሓሰውቲ መምህራንን ባህርያም ንምቅላዕን ንምጥንቃቕን ምጽሓፎም እዩ። እዞም ሓሰውቲ መምህራን፡ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዝልውጡ፡ ስሱዓትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎምን ምዃኖም ይገልጹ። ይሁዳ፡ ”ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ” ክብል ከሎ፡ ጴጥሮስ ግና ” መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም” እናበለ ብትንቢታዊ ኣገላልጻ የቕርቦ።

ክልቲኦም፡ ጴጥሮስን ይሁዳን ጐይታ ኸኣ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድኅኖም፥ ንገበርቲ ዓመጻ ድማ እናቐጽዐ ኸመይ ገይሩ ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ከም ዜንጽሖም” ሓያሎ ኣብነታት ካብ ብሉይ ኪዳን ብምቕራብ የጠንቅቑ።

ሀ.  ኣምላኽ ንዝወደቑ መላእኽቲ ኣይነሓፎምን (2 ጴጥ 2:4፤ ይሁዳ 6)።

ለ. ኣምላኽ ንሰዶምን ጎመራን ብሓዊ ኣጥፍኣን (2 ጴጥ 2:6፤ ይሁዳ 7)።

ሐ. በለዓም ብስስዐ ገንዘብ ጠፍአ (2 ጴጥ 2:15፤ ይሁዳ 11)።

ክልቲኦም ጴጥሮስን ይሁዳን፡ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከብ ፍጻመታት ክርድኡ ንዝኽእሉ ከም ዝጸሓፉሎም’ውን ኣስተብሂልና። እዚ ዝበልናሉ ምኽንያት ድማ፡ ዛንታ ሄኖክ፡ ኖህ፡ ሎጥ፡ ከምኡ’ውን እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ኣብነታት’ውን ካብ ብሉይ ኪዳን ጠቕሲሞም ብምጽሓፎም እዩ።

ኣምላኽ ነቶም ካብ መገዱ ወጺኦም ብመገዲ ስስዐ ንዝኸዱ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከም ዝህቦም ንኸረድእ ቀሪቡልና ዘሎ፡ መረዳእጣ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ምዃኑ፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንመጓሰኡ ማዕረ ኽንደይ ከም ዝጥንቀቐሉ መርኣያ ምዃኑ’ውን፡ በቲ ንዝወደቑ መላእኽቲ፡ ንሰዶምን ጎመራን ወዘተ ዝቐረበ መረዳእታ ብምንጽጻር ጠቒስና። ይሁዳ፡ ካብ መጽሓፍቲ ካልኣይ ቀኖና ምጥቃሱ፡ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ከዘራርበና ከም ዝኽእል’ውን ተንኪፍናዮ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

መልእኽቲ ይሁዳን 2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2ን ብዘደንቕ መገዲ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለወን ኰይነን፡ ኣመንቲ ካብ ናይ ሓሶት መምህራን ንምጥንቃቕ ድማ ተጻሕፋ። ክልቲኦም ጸሓፍቲ፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ተመሳሳሊ ኣብነታት ይጠቕሱ። ሰዶምን ጎሞራን፡ በላዓምን እቶም ዝወደቑ መላእኽትን.....! እዘን ክልተ ምዕራፍ፡ ልዕሊ ሾብዓተ ተመሳሳሊ ሓሳባት ከም ዘለወን ተመልኪትና።

☆ ነቶም ሓሰውቲ መምህራን፡ “ነቲ ሓደ በይኑ ገዛኢ ጐይታ ኢየሱስ ዚኽሕድዎ” ብምባል ገሊጾሞም፡ (ይሁዳ 4ን ጴጥሮስ 1ን)።

☆ ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ኣብ ትሕቲ ጸልማት ነታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም ከም ዘሎ፡ (ይሁዳ 6ን 2ጴጥ2. 4) ።

☆ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ንምግምጣል ፈረደን (ይሁዳ 7ን 2ጴጥ2. 6)

☆ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ይጸርፉ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡ ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊ መዓርጋት ዘለዎም ድፍረት ይገልጹ ( (ይሁዳ 8 2ጴጥ2፡10)

☆ ቅዱሳን መላእኽቲ ዘለዎም ክብርን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም ብምባል (2ጴጥ 2:11 ከምኡ'ውን ይሁዳ 1:9)

☆ ስሕተት በላዓም ኣልዒሎም ሓደ መልእኽቲ የሕልፉ (ይሁዳ 11ን 2ጴጥ2. 15)።

☆ ይሁዳ 12 ማይ ዜብሉ ደበና፡ኣብ 2ጴጥ2.17 ኸኣ ማይ ዜብሉ ዔላታት ብምባል ሓደ ተመሳሳሊ መልእኽቲ የሕልፉ።

☆ ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ” ብምባል ((ይሁዳ 1:16 2ይ ጴጥ 2:18) ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ብስሕተት ዝዓለው ምዃኖም ይገልጽ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መበል 14 ዕዮ ገዛ፡ ኣዕማደ ምሥጢር