መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቁ. 2

ዝቐረበ ሕቶ

ምስ መልእኽቲ ይሁዳ ዘላሊ ሓጺር ጽሑፍ ኣዳልዉ (ጸሓፊ፡ ተቐበልቲ፡ ዕላማ ጽሑፍ፡ መልእኽቲ፡እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧)

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

መልእኽቲ ይሁዳ ሓንቲ ካብተን ሓጸርቲ ግን ኣዝየን ሓያላት መልእኽታት ሓድሽ ኪዳን እያ። ጸሓፊ እዛ መልእኽቲ ድማ፡ ይሁዳ ሓው ያዕቆብን ሓው ጐይታናን እዩ፡ (ይሁ 1፡1)። ይሁዳ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት ጐይታ ተባሂሎም ዝጽውዑ ምዃኑ፡  ኣብ ማቴ 13፡55፤ ማር 6፡3 ንረኽቦ። ኣሕዋት ጐይታ፡ ቅድሚ ሞት ጐይታና፡ ኣይኣመኑን ነይሮም (ዮሃ 7፡5)፤ ድሕሪ ትንሳኤኡ ግን ጐይታ ንያዕቆብ ስለ ዝተገልጸሉን ካልእ ተወሳኺ መረዳእታ’ውን ስለ ዝረኸቡን ኣሚኖም (1ቈረ 15፡7)። ይሁዳን ኣሕዋቱን ምስ ሃዋርያት ብምዃን ኣብ ጸሎትን ኣምልኾን ይተግሁ ምንባሮም ጥራይ ዘይኮነስ (ግሃ 1፡14)፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ቤተ-ክርስትያን ከም መራሕቲ ወንጌልን ወንጌል ናይ ምስባኽ ኣገልግሎት ዝነበሮም ሰባትን ነበሩ (1ቈረ 9፡5)። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብግምጋም ኣብ መንጎ 65–80 ዓ.ም. ካብ ከባቢ የሩሳሌም ከም ዝተጻሕፈት ይእመን።

መልእኽቲ ይሁዳ ንመን ከም ዝተጻሕፈት ብዝርዝር ስም እኳ እንተ ዘይተጠቐሰ፡ ካብ ትሕዝቶኣ ግን ቀንዲ ተቐበልታ እቶም ብዛዕባ ታሪኽ ብሉይ ኪዳን ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮም ኣይሁዳውያን ኣመንቲ ምዃኖም ንርዳእ። ጸሓፊ "ነቶም ብእግዚኣብሄር ኣቦ እተፈቕሩ፡ ንየሱስ ክርስቶስ እውን እተሓለዉን እተጸውዑን") ብምባል ንዅሎም ክርስትያናት ዝሓቁፍ ሰፊሕ ሰላምታ እዩ ኣቕሪቡ፡ (ይሁ 1፡1። እዚ ድማ እታ መልእኽቲ ንሓደ ውሱን ከባቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምልእቲ ቤተ-ክርስትያን ካብ ስሕተት ንምክልኻል ዝተጻሕፈት፡ ዓለም-ለኻዊት መልእኽቲ ምዃና የርኢ።

ይሁዳ መጀመርታ ብዛዕባ እታ ሓባራዊት ድሕነት ኪጽሕፍ እኳ እንተሓሰበ፡ ገለ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት "ሰሊኾም" ስለ ዝኣተዉ ግን ዕላማኡ ቀየረ። እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣመንቲ በታ "ሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ጸኒዖም ክጋደሉ" ንምትብባዕን ንምጥንቃቕን እዩ (ይሁ 1፡3)። እዞም ሓሰውቲ መምህራን እዚኦም፡ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዝልውጡን ንጐይታ ዝኽሕዱን ብምዃኖም፡ ይሁዳ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ፍርዲ ከም ዘውርድ ንምርዳእ ታሪኽ ደቂ እስራኤል፡ ዝወደቁ መላእኽትን ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ከም ኣብነት ይጠቕስ (ይሁ 1:5-7)።

ካብዛ መልእኽቲ እንመሃሮ፡

  • ሓሰውቲ መምህራን ብኣዋጅ ዘይኮነስ ሰሊኾም ስለ ዝኣትዉ፡ ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዝግብኣና፡ (ይሁ 1፡4)።

  • ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣምላኽ ንቕድስና እምበር "መጎልበቢ ክፍኣት" ክንገብሮ ከም ዘይግባእ ንመሃር።

  • በታ ቕድስቲ እምነት፡ ርእስና እናሃነጽናን ብመንፈስ ቅዱስ እናጸለናን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንቀውምን ንርእስና ክንሕሉን ከም ዝግብኣና፡ (ይሁ 1፡20-21)።

  • ኣብ መወዳእታ፡ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዝጠራጠሩ ኣሕዋት ክንረድኦምን "ካብ ሓዊ መንጢልና" ክነውጽኦምን ከም ዝግባእ’ውን ንምሃር (ይሁ 1፡22-23)።

እዛ መልእኽቲ ኣምላኽ ካብ ዕንቅፋት ሓልዩ ብሓጐስ ኣብ ቅድሚኡ ከም ዘቑመና ብዘረጋግጽ ምስጋና ምዝዛማ፥ ኣመንቲ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም እንሕሎ ተስፋ ተስንቕና፡ (ይሁ 1፡24-25)።

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

ይሁዳ፣ ሓደ ካብቶም ኣሕዋት ጐይታ ተባሂሎም ኣብ ማቴ፣13፡55፡ ማር፣6,3፣ ተጠቒሶም ዘለዉ እዩ። ይሁዳ ጐይታና ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ፡ ካብቶም ዘይኣምንዎ ዝነበሩ እዩ (ዮሃ፣7፡5)። ድሕሪ ዕርገት ጐይታና ግን ኣብ መንጎ ሃዋርያት ኮይኑ ወንጌል ይሰብኽ ምንባሩ ይንገር። እዛ መልእኽቱ፡ ካብተን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘለዋ ዝሓጸራ መልእኽትታት እያ፣ ናይ ስብከት ደብዳቤ epistolary sermon)ክትበሃል ውን ይከኣል።  

ይሁዳ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ብናይ ሮማ ንግስነት ትግፈዓሉ ዝነበረት ዘመን፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ኖስቲካውያን ክርዳድ ዝዘርእሉ ዝነበሩ ዘመን ይነብር ነበረ። እዛ መልእኽቲ’ውን ኣብ ከባቢ 68- 70 ዓ.ም ቅድሚ ውድቀት የሩሳሌም ከም ዝተጻሕፈት ይግመት።

*ይሁዳ ደብዳበ ዝጸሓፈሎም ኣመንቲ፡ ብልክዕ መን ምዃኖም ኣይፍለጥን እዩ፣ ኰይኑ ግና ንብሉይ ኪዳን ጠቒሱ ምጽሓፉ፡ ክርስትና ንዝተቐበሉ ኣይሁድ ዝጸሓፎ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ብናይ ሓሶት መምህራን ናብ ዝተሸገሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ ምዃኑ’ውን ኣየጠራጥርን።

ነቶም ኣመንቲ ብዛዕባ ናይ ሓሶት መምህራን ከጠንቅቖም ከሎ፡ ምስ 2ጴጥ፣2፡1 3፡4፡ ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ተጠቂሙ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት መምህራ ከም ዝመጹ ጽሒፉ (2ጴጥ፣2፡1-2, 3፡3) ይሁዳ ድማ ኣብቲ ዘመን እቲ ኮይኑ ነዚ መልእኽቲ ጸሓፈ። ኣብ ፍቕዲ 17-18፡ ‘’ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ.... ዝነገርኹም ቃላት ዘክርዎ» ይብል።

ይሁዳ ነቶም ከሓድቲ ንምዅናን ነቶም ኣመንቲ ድማ ብእምነት ምእንቲ ኪቃለሱ ንምምሕጻን፡ ንብሉይ ኪዳን’ውን ኣካል መልእኽቱ ጌሩ ኣቕረቦ። ኣብነት ዘይተኣዛዝነት ደቂ እስራኤል፡ ዝዓለዉ መልኣኽቲ ፡ ሰዶምን ጎመራን፣ ቃኤል፣ ደቂ ቆራሕ ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል።

ኣብዛ ሓጻር መልእኽቲ ይሁዳ ጥቕስታት ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ፣ ምምላስ ክርስቶስ፣ ዳሕሮት መዓልትታት ከምኡ’ውን ኣመንቲ ምስ ክርስቶስ ኣብ ዙፋኑ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ይሁዳ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይተገልጸ፡ ካብ መጽሓፍ ሄኖክ ዘሎ ሓሳብ’ውን ጽሒፍ ኣሎ።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ሓጺር ግናኸ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እዛ ብ25 ጥቕስታት፡ ብሓደ ምዕራፍ ዝቘመት መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ብእምነት ምግዳል እትገልጽ መጽሓፍ እያ። ጸሓፊ እቲ መልእኽቲ፡ ይሁዳ ሓው ያእቆብ ምዃኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ጥቕሲ "ይሁዳ፡ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን" ብምባል ገሊጹ’ሎ። መብዛሕትኦም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሰማምዑሉ፡ እዚ ይሁዳ እዚ፡ ሓደ ካብቶም ኣሕዋት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ፣ (ማቴዎስ ወንጌል፥13፡55)። ካብ ትሕትና ዝተላዕለ፡ ርእሱ፡ ከም "ሓው ኢየሱስ" ዘይኰነስ ከም "ባርያ ኢየሱስ" ብምባል ገሊጹ ኣሎ።

እዛ መልእኽቲ መዓስ ከም ዝተጻሕፈት ብልክዕ ዓመተ ምህረቱ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ካብ 60–80 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ዝተጻሕፈት ግና ይግመት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓሶት መምህራን ይለዓሉ ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ንምእራም ተባሂላ ከም ዝተጻሕፈት ከኣ ክንርዳእ ንኽእል።

ካብ ኣየናይ ከተማ ወይ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዝተጻሕፈት’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተጻሕፈ ንምርዳኡ ኣየሸግርን። ገለ ምንጭታት’ውን ኣብ ኤስያ ከም ዝተጻሕፈት ይገልጹ ኢዮም።

መልእኽቲ ይሁዳ፡ ንውሱን ከባቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ "ነቶም ብእግዚኣብሔር ኣቦ ዝተፈተዉን ንየሱስ ክርስቶስ ተሓልዮም ዝተጸውዑን" እተጻሕፈ እዩ፡ (ይሁዳ 1:1)። እዚ ማለት፡ ንኹሎም ክርስትያን ዝምልከት ኰይኑ፡ ብፍላይ ግና ነቶም ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ዝሕመሱ ዝነበሩ ዝዓለመ እዩ። ካብቲ ትሕዝቶ ከም እንርድኦ ድማ ብዛዕባ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ፡ ብዛዕባ እኒ ቃኤል፡ በልዓም፡ ቆራሕ ወዘተ ብምግላጹ፡ ኣብ ጳለስጢና ንዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ክርስትያን ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ዘየማትእ ይገብሮ። ቅዲ ኣጸሓሕፍኡ’ውን ከምቶም ናይ ጥንቲ ነብያት ከም ዝመስል፡ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብሩ።

ይሁዳ፡ ምኽንያት መጽሓፊኡ፡ መምህራን ሓሶት፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮም ከም ዘለዉ ንምጥንቃቕ ኢዩ። ይሁዳ ነዞም ሰባት፡-

• ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ ከም እተጻሕፉ

• ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም

• ንአቲ ጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ

• ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጎይታናን የሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድዎ ብምባል ይገልጾም።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንርድኦ ንኽእል

i. ሰላምታ (ጥቕሲ 1–2)

ii. ምኽንያት ምጽሓፊኣ (ጥቕሲ 3–4)

iii. መጠንቀቕታ ኣንጻር ሓሰውቲ መምህራን (ጥቕሲ 5-16)

. ( ታሪኻዊ ኣብነታት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ክሓድቲን መብርሂ ክሕደት ኣብ መዓልቲ እቲ ፈራዲን ይዛተብ)

iv. ማዕዳ ንኣመንቲ (ጥቕሲ 17–23)

v. መደምደምታን ባርኾትን (ፍቕዲ 24–25)

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

ጸሓፊ መልእኽቲ ይሁዳ፡ እቲ ሓው ጐይታናን ሓው ያዕቆብን ዝዀነ ይሁዳ እዩ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከም እንርእዮ፡ “ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብ’ዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚ’ኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧» ብዝብል ስሙ ኣብቲ ዝርዝር ተጠቒሱ’ሎ፡ (ማቴ 13:55)።

መልእኽቲ ይሁዳ እተጻሕፈትሉ እዋን ብዝምልከት፡ ገለ ካብ 65-66 ዓ.ም. ካልኦት'ውን ካብ 60–70  ገለ ሒደት ከኣ ከባቢ 100 ዓም ኣቢላ ተጻሕፈት ዝብሉ ኣለው። ካብ 60-70 ዓም ዝያዳ ተኣማኒ ዘምስሎ ምኽንያት፡ እታ መልእኽቲ፡ ቅድሚ ምዕናው ኢየሩሳሌም ተጻሒፋ ክትከውን ትኽእል’ያ ብዝብል’ዩ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ምፍራስ ኢየሩሳሌም፡ ስለ ዘየልዓለን: ከምቲ ያእቆብ ሓዉ ዝጸሓፎ፡ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ወይ’ውን ናብቶም ተረፍ እስራኤል ብምባል ዘይኰነስ፡ «ናብቶም ጽዉዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉን» ብምባል ስለ ዝጸሓፈ እዩ።

ዕላማ ጽሕፈቱ፡ ነቶም ኣመንቲ፡ ብዛዕባ እቶም ጌጋ ትምህርቲ ዝምህሩ ሶሊኾም ዝኣተዉ ንምጥንቃቕ ኰይኑ፡ ምስ 2ይ ጴጥሮስ ዝመሳሰል መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብትንቢት ክጽሕፎ ከሎ፡ ይሁዳ ድማ፡ እቲ ትንቢት ምስ ተፈጸመ ጸሓፎ።

ይሁዳ ካብ ፍጻመታት ብሉይ ኪዳን እናጠቐሰ ምጽሓፉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ መጽሓፍ ሄኖክን ብዛዕባ ክርስክር ስጋ ሙሴን ምጽሓፉ፡ እቶም ነበብቲ፡ ኣይሁዳዊ ርድኢትን ሰረትን ዝነበሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ የርእየና።

ማእከላይ ነጥቢ መልእኽቲ ይሁዳ፡ “በታ ሓንሳብ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ተጋደሉ” ዝብል እዩ፡ (ይሁዳ 1፡3)። ኣምላኽ ነቶም ሓሰውቲ ነብያትን መምህራን ክፈርዶም ምዃኑ፡ ነቶም ብስሙ ኣሚኖም ዝጸንዑን ዝጋደሉን ግና ክሕልዎምን ከድሕኖምን ምዃኑ ብምርግጋጽ ይድምድም።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቁ. 1