መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 3
ንጉጅለታት እምነትን ፍቕርን ዝቐረበ ሕቶታት
ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ባርያ ኢየሱስ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ንእንታይነት እቲ ”ባርያ” ዝብል ቃል ንምስትንታን፡ ዘዳግም 15፡15-17 ብምንባብ፡ ብሓጺር ኣረድኡ።
”ጽዉዓት፡” ”ፍቁራት፡” ”እተሓለዉ” ዝብል፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 8.30 ዘሎ ቅደም-ተኸተል፡ ብኸመይ ተዛምድዎ፧
”ሕብረት ምድሓንና” ዝብል መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 1.16 ዘሎ ብምንጽጻር ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
“ክትጋደሉ’ ዝብል ቃል፡ ምስቲ “ብጸጋ ምድሓን” ዝብል ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ባርያ ኢየሱስ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ንእንታይነት እቲ ”ባርያ” ዝብል ቃል ንምስትንታን፡ ዘዳግም 15፡15-17 ብምንባብ፡ ብሓጺር ኣረድኡ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "ባርያ" (ብግሪኽ Doulos) ዝብል ቃል ክልተ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ፦ ብግዴታ ዝግዛእ ወይ ድማ ብፍቃዱ ዝግዛእ። ይሁዳ ርእሱ ከም ባርያ ክርስቶስ ገይሩ ክገልጽ ከሎ ምስቲ ኣብ ዘዳግም 15:15-17 ዘሎ ሕጊ ይተሓሓዝ።
• እቲሕጊ (ዘዳግም 15): ሓደ እብራዊ ባርያ ድሕሪ 6 ዓመት ኣገልግሎት ነጻ ናይ ምውጻእ መሰል እኳ እንተነበሮ፡ ንጐይታኡን ንቤተሰቡን ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ ነጻ ክወጽእ እንተ ዘይደልዩ፡ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ። እዚ ምልክት እዚ እቲ ባርያ "ንዘለኣለምብፍቃዱ" ናይቲ ጐይታ ባርያ ምዃኑ የርእይ።
• እቲዝምድና (ይሁዳ 1:1): ይሁዳ ነቲ "ባርያ" ዝብል ስም ዝመረጾ ብፍርሒ ወይ ብግዴታ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ኣብ ዘዳግም ዘሎ ግዙእ ዘርእዮ ፍቕሪ ዚመሳሰል እዩ። ይሁዳ ሓው ጐይታ የሱስ እኳ እንተነበረ፡ ከም ሓው ዘይኮነስ ከምቲ ንጐይታኡ ኣዝዩ ስለ ዘፍቀረ እዝኑ ተነዅሉ ንዘለኣለም ክግዛእ ዝወሰነ "ናይ ፍቃድ ባርያ" ገይሩ እዩ ርእሱ ኣቅሪቡ። እዚ ድማ ፍጹም ተኣዝዞን የርኢ።
2. ”ጽዉዓት፡” ”ፍቁራት፡” ”እተሓለዉ” ዝብል፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 8.30 ዘሎ ቅደም-ተኸተል፡ ብኸመይ ተዛምድዎ፧
ዝምድናኣብሮሜ 8:30ንይሁዳ 1:1ንዘሎቅደም ተኸተልእቲ ኣብ ሮሜ 8:30 ዘሎ ቅደም-ተኸተል ምስቲ ይሁዳ ኣብ መእተዊኡ ዝጠቐሶ ሓሳብ ዝተኣሳሰረ እዩ።
• ሮሜ 8:30 (እቲሰንሰለት): እግዚአብሔር ንደቁ ካብ ዘለኣለም መዲብዎም (Foreknown/Predestined)፡ ድሕሪኡ ጸዊዕዎም (Called)፡ ኣጽዲቕዎም (Justified)፡ ኣብ መወዳእታ ድማ የኽብሮም (Glorified)። እዚ ሰንሰለት እዚ ዘይበታተኽ ናይ ኣምላኽ ስራሕ እዩ።
• ይሁዳ 1:1 (እቲመግለጺ): ይሁዳ ነዞም ቅዱሳን "ጽዉዓት" ኢሉ ክጽውዖም ከሎ፡ "ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቑራትን" (ምስቲ ኣብ ሮሜ ዘሎ ምምዳብ ይተሓሓዝ) ከምኡ ድማ "ንየሱስ ክርስቶስ እተሓልውዉን" (ምስቲ ኣብ ሮሜ ዘሎ ምጽዳቕንምጽናዕን ይተሓሓዝ) ኢሉ ድማ ይገልጾም።
• እቲምትእስሳር: ጳውሎስ ኣብ ሮሜ እቲ ድሕነት ካብ ኣምላኽ ኣብ ሰብ ብኸመይ ከም ዝፍጸም የርእየና፤ ይሁዳ ድማ እቲ ድሕነት ኣብ ህይወት ኣመንቲ ከመይ ኢሉ ጸኒዑ ከም ዘሎ የረጋግጸልና። እቲ ኣብ ሮሜ "ዝመደቦም" ዝብል ቃል፡ ኣብ ይሁዳ "ዝተፈቐሩ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ—እዚ ማለት እቲ ናይ ኣምላኽ ምምዳብ መሰረቱ ፍቕሪ ምዃኑ የርእየና።
3. ”ሕብረት ምድሓንና” ዝብል መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 1.16 ዘሎ ብምንጽጻር ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
"ሓባራዊድሕነት" (ይሁዳ 1:3) ምስ "ሓይሊኣምላኽ" (ሮሜ 1:16) እዞም ክልተ ጥቕስታት ነቲ ሓደ ወንጌል ካብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣንፈት ይገልጽዎ።
• ሮሜ 1:16 : ጳውሎስ ብወንጌል ኣይሓፍርን እዩ፡ ምኽንያቱ ወንጌል "ሓይሊኣምላኽ" ስለ ዝኾነ። እዚ ሓይሊ እዚ ዶብ የብሉን—ንኣይሁዳዊ ይኹን ንጽርኣዊ ንዝኣመነ ኩሉ የድሕን። እዚ ጥቕሲ እዚ ወንጌል እንታይ "ዓይነት ሓይሊ" ከም ዘለዎ የርእየና።
• ይሁዳ 1:3: ይሁዳ ብዛዕባ "ሕብረት ምድሓን” ይዛረብ። እዚ ማለት እቲ ንጳውሎስ ዘድሓኖ ሓይሊ፡ ንይሁዳ እውን ዘድሓነ፡ ንዓና እውን ዘድሕነና ሓደ እዩ። እቲ ድሕነት "ሓባራዊ" ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ወንጌል፡ ሓደ ክርስቶስ፡ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘሎና እዩ።
• ምንጽጻር: ሮሜ 1:16 እቲ ድሕነት ብኸመይ ከም ዝመጽእ (ብሓይሊ ኣምላኽ) ክገልጽ ከሎ፡ ይሁዳ 1:3 ድማ እቲ ድሕነት ንመን ከም ዝተዋህበ (ንኹልና ቅዱሳን ብሓባር) ይገልጽ። ብሓጺሩ፡ እቲ ብወንጌል ዝተገልጸ "ሓይሊ ኣምላኽ" (ሮሜ 1:16) ንኹልና ኣብቲ "ሓባራዊ ድሕነት" (ይሁዳ 1:3) ብማዕረ ኣሕቢሩና ኣሎ።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ባርያ ኢየሱስ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ንእንታይነት እቲ ”ባርያ” ዝብል ቃል ንምስትንታን፡ ዘዳግም 15፡15-17 ብምንባብ፡ ብሓጺር ኣረድኡ።
ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ባርያ ኢየሱስ” ዘበሎ ምኽንያት፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና” ዝብሎ እዩ ዝገብር ዘሎ (2ቈረ5.16)። ኣብ ሓደ ቤት ዓቢዮም ክዀኑ እናኸኣሉ፡ ይሁዳን ኣሕዋቱን ግና፡ ንጕይትነት ጐይታና፡ ድሕሪ ትንሳኤ እዮም ተቐቢሎሞ። እዚ፡ ባርያ ዝብል ቃል፡ ምስ’ቲ ኣብ ዘዳግም 15(15-17) ዘሎ ንምንጽጻር፡ ሓደ እብራዊ፡ ንእብራዊ ሓዉ ብፍታዉ ክግዝኦ እንተፈተወ፡ ነባሪ ምልክት ጌሩ ብፍታዉ ባርያ ሓው ክኸውን ከም ዝወሰነ እዩ ዝዛረብ። ይሁዳ ድማ፡ ብፍታዉ፡ ”ባርያ፡” እዚ ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታኡ ደኣ እምበር፡ ፍቓድ ገዛእ ርእሱ ዘየቐድም ክኸውን ሓረየ።
2. ”ጽዉዓት፡” ”ፍቁራት፡” ”እተሓለዉ” ዝብል፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 8.30 ዘሎ ቅደም-ተኸተል፡ ብኸመይ ተዛምድዎ፧
እቲ ይሁዳ ዘሎ ቕደም-ተኸተል፡ ”ጽዉዓት፡—> ፍቁራት፡—> እተሓለዉ ዝብል’ዩ። ኣብ ሮሜ 8-30 ዘሎ ቅደም ተኸተል እውን፡ መደቦም—> ጸውዖም —> ኣጽደቖም —> ኣኽበሮም ዝብል’ዩ።
ብድሕሪት እንተጀመርና፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ”እተሓለዉ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ንሳቶም ኣብ ሮሜ፡ ”ኣኽበሮም” ተባሂሎም ኣለዉ። ሓለዋ እትገብረሉ ነቲ ዘኽበርካዮ እዩ። እቶም ኣብ ይሁዳ ”ፍቁራት” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣብ ሮሜ ”ኣጽደቖም” ተባሂሎም ኣለው። ምጽዳቕ ማለት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናይ ምቕራብ መሰል ምርካብ፡ (ተቐባልነት፡ ተፈታውነት ምርካብ) ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ኩሉ ካብኡ ጽዉዓናን ጽድቅናን ካብ ኣምላኽ ምዃኑ የውሕሰልና።
3. ”ሕብረት ምድሓንና” ዝብል መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 1.16 ዘሎ ብምንጽጻር ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
እቲ ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም፡ ”ሕብረት ምድሓንና” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም ግና፡ ”ናይ ኵልና ድሕነት” ብዝብል’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ”ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ’ዩ እሞ፡ ንኹሉ ሰብ’ውን ምድሓን ኣምጺኡ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ (ቲቶ 2.11) ”ሕብረት ምድሓንና” ማለት ድማ፡ እቲ ንኹሉ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ እተገልጸ ምድሓን ኣምላኽ ማለት’ዩ። ስለዚ ምስ’ቲ ምስ ኣብ ሮሜ 1፡16 ዘሎ፡ ”ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ’ውን ንጽርኣዊ፡ ንዝኣምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ” ዝብል፡ ሓደ መልእኽቲ እዩ ዘሎዎ።
4. “ክትጋደሉ’ ዝብል ቃል፡ ምስቲ “ብጸጋ ምድሓን” ዝብል ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧
ይሁዳ፡ ነዛ ”ክትጋደሉ” እትብል ቃል፡ ካብቲ ኣብ ዓውደ ኲናት ዘሎ ወተሃደር እሞ ብኹለንትናኡ ድማ ንምዕዋት ዝጋደል፡ ሓደው ካብቲ ኣብ ውድድር ዘሎ ጐያዪ እሞ፡ ኣኽሊል ዓወቱ እናማዕደወ ኸኣ፡ ብኹለንትናኡ ዝጋደል፡ ንኸምኡ እንገልጸሉ ቃል ከም ዝተጠቕመ እዮም ሊቃውንቲ ዝሕብሩ። ብጸጋ ምድሓን፡ ብኣምላኽ እምበር ብሰብ ዘይከኣል ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ብኸምኡ ዝረኸብናዮ ጸጋ ድሕነት ግና፡ ብጥንቃቐ ክንሕዞን ጉያና ብዓወት ንምዝዛም ከኣ ክንጋደል ከም ዝግብኣና’ዩ ዘጠንቅቕን ዝምዕድ ዘሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ”እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧ ስለዚ’ውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ” ብምባል ጽሒፉ’ሎ፡ (1ጴጥ4.17-19)።
ንጉጅለታት ምሕረትን ሰላምን ዝቐረበ ሕቶታት
•ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ሓው ያእቆብ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ይሁዳ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ርእሱ ክገልጽ ዘገደሶ ምኽንያት፡ እንታይ ይመስለኩም፧
•ይሁዳ፡ “ምሕረት፡ ሰላምን ፍቕርን” ምባሉ፡ ንሥላሴነት ኣምላኽ ክጠቅስ ደልዩ እዩ ዝብሉ ገለ መምሃራን ኣለዉ፤ ከምኡ ከስምዕ ይኽእል ዶ፧
•”ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት” ዝብል መግለጺ ምስቲ ኣብ ገላ1፡6-8 ዘሎ ብምንጽጻር፡ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል
•“ክትጋደሉ’ ዝብል ቃል፡ ምስቲ “ብጸጋ ምድሓን” ዝብል ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1. ይሁዳ ርእሱ ከላሊ ከሎ፡ ”ሓው ያእቆብ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ይሁዳ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ርእሱ ክገልጽ ዘገደሶ ምኽንያት፡ እንታይ ይመስለኩም፧
ይሁዳ፡ ”ሓው ያእቆብ” ብምባል ንነብሱ ከላሊ ዘገደሶ ምኽንያት፡ እቲ ዝጽሕፍ ዘሎ፡ መን ምዃኑ ብንጹር ንኽፍለጥ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ሽዱሽተ ዝኾኑ "ይሁዳ" ዝስሞም ኣለዉ። ይሁዳ፡ ሽሕ እኳ ሓው ጐይታ እንተኾነ፡ ግናኸ ”ኣነ ሓው ጐይታ ኢየ” ብምባል፡ ክንየት ወይ ርእሱ ከልዕል ኣይንርእዮን ኢና። መልእኽቲ ይሁዳ ብመሰረቱ፡ ሓሰውቲ መምሃራን ንምቅላዕ'ዩ ተጻሒፉ። ያእቆብ ሓው ጐይታናን ሓው ይሁዳን፡ ኣዝዩ ክቡርን ተሰማዕን፡ መራሒ ናይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን እዩ ኔሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ይሁዳ፡ ተቐባልነት መልእኽቱ ንምውሓስ፡ ”ሓው ያእቆብ” ብምባል ጸሓፈ።
2. ይሁዳ፡ “ምሕረት፡ ሰላምን ፍቕርን” ምባሉ፡ ንሥላሴነት ኣምላኽ ክጠቅስ ደልዩ እዩ ዝብሉ ገለ መምሃራን ኣለዉ፤ ከምኡ ከስምዕ ይኽእል ዶ፧
እወ፡ ብሃንደበት ዝተጻሕፈ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሥላሴ ኣገላልጻ ዝተኣሳሰረ ድማ’ዩ። ምሕረት፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ሰላም ንጐይታና ኢየሱስ፡ ፍቕሪ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ክውክል ይኽእል።
ምሕረት፡- መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ይውክል። ”ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡” ዝብል ጥቕሲ፡ ከም ንመረዳእታ ከነቕርብ ንኽእል፡ (2 ቈረ1፥3)።
ሰላም፡- ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተወልደ፡ መላእኽቲ፡ ”ሰላም ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ብምባል ዘሚሮም (ሉቃስ 2፡13-14)። ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ’ውን ዝብሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ "መስፍን ሰላም" እዩ። ብደሙ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝነበረ ጽልኢ ደምሲሱ፡ ሰላም ኣበሰረ። "ሰላመይ እህበኩም ኣለኹ" ከም ዝበለ’ውን፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ተጻሒፉልና’ሎ፡ (ዮሃንስ 14:27)።
ፍቕሪ፡- እቲ ዘይቅድመ-ኹነታዊ ፍቕሪ (ብቛንቋ ግሪኽ ኣጋፔ ዝብሃል) ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ተጻሒፉልና ዘሎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብ ልብና ዝፈስስ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ (ሮሜ 5:5)። ኣብ ገላትያ ከም እንርእዮ ኸኣ፡ እቲ ቦኽሪ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ፡ ፍቕሪ እዩ፡ (ገላ5.22)
3. ”ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት” ዝብል መግለጺ ምስቲ ኣብ ገላ1፡6-8 ዘሎ ብምንጽጻር፡ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል
እታ ንቕዱሳት እተዋህበ እምነት፡ ሓንቲ'ያ፣ ንሳ ኸኣ እታ ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እተዋህበት እያ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ብጐይታ ኢየሱስ ዝተዋህበ ናይ ጸጋ ድሕነት፡ ሕጊ ሙሴ ክንፍጽም ኣለና ዝብሉ ዝነበሩ፡ ምድሓን ብጸጋ'ዩ፡ ብሕጊ ኣይኮነን እናበለ'ዩ ተቓዊምዎም። ይሁዳ ኸኣ፡ ነቶም ንጸጋ ኣምላኽ ንርኽሰት ዝጥቀምሉ እዩ ተቓዊሙ። ጸጋ ኣምላኽ፡ ካብቲ ናብ ሓጢኣት ዝጐተና ዝነበረ ፍትወት ስጋና ኣርሒቑ፡ ናብ ጽድቂ ኣምላኽ ክንጐዪ እዩ ዝድርኸና፡ እናበለ ኸኣ ይጽሕፍ። ስለዚ ይሁዳን ጳውሎስን፡ ምእመናን በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተዋህበት እምነት፡ ክጋደሉን ነዚ ወንጌል እዚ ሓዲጉ ካልእ ዝሰብኽ እንተሎ ኸኣ ውጉዝ ይኹን ብምባል ክስገር ዘይክእል ቃል ይጽሕፉ።
4. “ክትጋደሉ’ ዝብል ቃል፡ ምስቲ “ብጸጋ ምድሓን” ዝብል ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧
ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እየን። እዚ ናይ ይሁዳን ጳውሎስ መልእኽቲ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐሰናዮ፡ ንሓሰውቲ መምሃራን ንምቅዋም ዝተጻሕፈ እዩ። ይሁዳ ”ተጋደሉ” ክብል ከሎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣየድልን'ዩ ንምባል ኣይኰነን። ጸጋ ኣምላኽ፡ ጽድቂ ክንፈርየሉ'ዩ ተዋሂቡና፡ (ይሁዳ 1፡3-4)፣ ሰባት፡ ንጸጋ ኣምላኽ ከም መመኽነይታ "ጭውነት" (ሓጢኣት ንምግባር ፍቓድ) ክጥቀሙሉ ከለዉ ስለ ዝረኣየ ግና፡ እቲ ዝተዋህበና ጸጋ ካብ ጥፍኣት ክንሕልዎ ከም ዝግባእ፡ ተጋደሉ ዝብል ቃል ክጥቀም ከሎ ንርእዮ። ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንምቅዋምን፡ ነታ እምነት ካብ ምብክኻን ንምክልኻልን እዩ፡ ”ተጋደሉ” ዝብል ዘሎ።
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1. ይሁዳ ርእሱ ክላለ ከሎ፡ “ሓው ያእቆብ” ዝብል መግለጺ ሓረየ። ይሁዳ ክሳዕ ክንድ’ዚ ርእሱ ክገልጽ ዘድለዮ ምኽንያት እንታይ ይመስለኩም፧
ቀዳማይ፡ ያእቆብ ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ካብቶም ኣዕኑድ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ስለ ዝነበረ፡ (ገላ 2:9)፣ ይሁዳ ኸኣ እቲ ምስኡ ዘሎዎ ዝምድና ስጋ ምጥቃሱ፡ መንነቱን ትሕዝቶ መልእኽቱን፡ ተቐባልነት ንምርካብ ምእንቲ ክሕግዞ እዩ። ካልኣይ፡ ኣብቲ እዋን “ይሁዳ” ዝብል ስም ኣዝዩ ልሙድ ብምንባሩ፡ ንርእሱ ካብቶም ካልኦት ንምፍላይን፡ መንነቱ ብንጹር ንምግላጽን ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ። ሳልሳይ ድማ፡ ይሁዳ ምስ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ዝምድና “ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ” ብምባል ንኣምላኽነት ጐይታና፡ ሰማያዊ ዝምድናኡን ክገልጽ ከሎ፡ “ሓው ያእቆብ” ብምባል ከኣ፡ ሓለፋ ክብረት ዘይደሊ፡ ማዕረ ኩሎም ኣመንቲ ጌሩ ንነብሱ ብምስራዕ ትሕትናኡ የንጸባርቕ።
2. ይሁዳ፡ “ምሕረት፡ ሰላምን ፍቕርን” ምባሉ፡ ንሥላሴነት ኣምላኽ ክጠቅስ ደልዩ እዩ፡ ዝብሉ ገለ መምሃራን ኣለዉ፤ ከምኡ ከስምዕ ይኽእል ዶ፧
ይሁዳ ኣብ ሰላምታኡ “ምሕረት፡ ሰላምን ፍቕርን” ምባሉ፡ ብቐጥታ ንሥላሴነት ኣምላኽ ዝገልጽ መለኮታዊ ምስጢር ዘለዎ ይመስል። እዚ ሰለስተ በረኸት ምስቲ ኣብ ቍጽሪ 20-21 ዘሎ ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ምርካብን ንምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽባይን ዝብል ሓሳብ ተተሓሒዙ ክርአ ከሎ፡ ናይ ሥላሴነት ኣምላኽ ምግላጹ ዝያዳ ይበርህ። “ምሕረት” ካብቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣብ (ኤፌ 2:4)፣ “ሰላም” ብመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቕናሉ (ሮሜ 5:1)፣ “ፍቕሪ” ድማ በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዝፈሰሰ መለኮታዊ ጸጋ (ሮሜ 5:5) ምዃኑ ብምስትውዓል፡ እቲ ሰላምታ ብተዘዋዋሪ ንተራ ሰለስቲኦም ኣካላት ስላሴ ኣብ ምድሓንና ዘንጸባርቕ እዩ። ሰላምታኡ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝህቦ ምሉእ ምንጪ በረኸት የረድእ።
3. “ሓንሳእ ንቅዱሳት እተዋህበት እምነት” ዝብል መግለጺ ምስቲ ኣብ ገላ 1:6-8 ዘሎ ብምንጽጻር፡ ብከመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
“ሓንሳእ ንቅዱሳት እተዋህበት እምነት” ዝብል ሓረግ፡ ወንጌል ክርስትና፡ ምሉእን ውዱእን ብምዃኑ፡ ካልእ ተወሳኺ፡ ወይ ሓድሽ መለኮታዊ ራእይ ከም ዘየድልዮ ዘረድእ እዩ። እታ “ሓንሳእ” እትብል ቃል፡ እቲ ሓቂ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቅዱሳት ዝተዋህበ እዩ፡ ክውሰኽ ወይ ክጎድል ከም ዘይብሉ ትሕብር። እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገላ 1:6-8 ዝገለጾ፡ “ካልእ ወንጌል የለን” ብምባል፡ ዋላ መልኣኽ ካብ ሰማይ እንተ መጸ ነቲ ዝተሰብከ ሓቀኛ ወንጌል ክቕይሮ ከም ዘይፍቀድ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ ሙሉእ ብሙሉእ ይሰማማዕ። ስለዚ፡ ክልቲኦም ጸሓፍቲ እምነት ክርስትና ኣብቲ ሓንሳእ ዝተዋህበ መለኮታዊ ሓቂ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ስሕተት ትምህርቲ ክሕለውን ክዕቀብን ከም ዝግባእ እዩ።
4. እቲ “ክትጋደሉ” ዝበለ ቃል፡ ምስቲ “ብጸጋ ምድሓን” ዝበለ ብኸመይ ከነሳምምዖ ንኽእል፧
“ክትጋደሉ” ዝብል ጻውዒትን “ብጸጋ ምድሓን” ዝብል ሓቅን ንሓድሕዶም ዝጻረሩ ዘይኮኑስ፡ ዝመላላኡ እዮም። ምድሓን ብጸጋ ኣምላኽ ዝተዋህበና ነጻ ውህበት እምበር (ኤፌ 2:8)፡ ብጻዕርና ወይ ብገድልና እነምጽኦ ነገር ኣይኮነን። ይሁዳ “ተጋደሉ” ክብል ከሎ ግን፡ ንክትድሕኑ ጽዓሩ ማለቱ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብጸጋ ዝተዋህበኩም ሓቀኛ “እምነት” ካብቶም ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርክሰት ዝልውጡ ሓሰውቲ መምሃራን ክትከላኸሉላን ክትሕልውዋን ይግባእ ማለቱ እዩ። እቲ ገድሊ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ክቡር ውህበት (ምድሓን) ካብ ጸላእቲ ሓቂ ንምዕቃብ ዝግበር መንፈሳዊ ገድሊ እዩ። ጸጋ ኣምላኽ ንኣማኒ ካብ ስራሕ ኣየዕርፎን፡ ነቲ ሓቂ ብትብዓት ክከላኸልን ብቕዱስ ህይወት ክነብርን ሓይልን ተስፋን ይህቦ። ብጸጋ ንድሕን፡ ነቲ ዝደሓንናሉ ሓቂ ድማ ብምግዳል ንሕልዎ።