መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.4
ዝቐረቡ ሕቶታት
መልእኽቲ ይሁዳ፡ ፍቕድታት 4-7 ብምንባብ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ፦
1. ሰብ፡ ብኸመይ’ዩ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ክልውጦ ዝኽእል፧
2. ስሉኽ ኢሉ ዝኣቱ ዝያዳ እቲ ብፊተ-ፊት ዝገጥም፡ ሓደገኛ ዝኸውን፡ ስለምንታይ እዩ፧
3. እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣትዉ፡ ኣብ ፍቕዲ 4 “ንጐይታና ኢየሱስ ዝኽሕድዎ” ተባሂሎም ኣለው። ንሳቶም ነቲ ክሕደት፡ ብግብሪ ዶ ወይስ ብቓል ዝፍጽምዎ ይመስለኩም፧ (ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕብረት ምህላዎም ኣይንዘንግዕ)
4. ኣብ ፍቕዲ 6 “ናይ ዘልኣለም መቓውሕ፡” ኣብ ፍቕዲ 7 ድማ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ዝብል ተጠቒሱ’ሎ። እንታይ ንምባል ስለ ዝደለየ እዩ፧
5. ”ኣብ ፍቕዲ 5 “ኻብ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም” ክብል ከሎ፣ (ኣድሓኖም፡ ኣጥፍኦም ዝብል ነስተብህለሉ) እንታይ ክብል’ዩ ደልዩ፧
6. ይሁዳ፡ ኣብተን ስለስተ መረዳእታታት፡ ”ዘይኣመኑ፡” ”ሰፈሮም/መዓርጎም ዘይሓለዉ”፡ ከምኡ’ውን ”ዝመንዘሩን” ብምባል ጠቒሱ’ሎ። ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ እንታይ ይመስለኩም፧
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ሰብ፡ ብኸመይ’ዩ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ክልውጦ ዝኽእል፧
ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ምልዋጥ ማለት፡ ንጸጋ ከም ንሓጢኣት መፈጸሚ ፍቓድ ምጥቃም ማለት እዩ። እዚ ድማ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝኸውን ኰይኑ፡ 1) ነቲ እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጸጋ ዝበሎ ብምጥዋይ፡ ንኣብነት ነቲ ኣብ ሮሜ 11፡6 “ብጸጋ ካብ ዚከውን ግና እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነን” ዝብልን ኣብ ገላ 5፡4 ዘሎ “ኣቱም ብሕጊ ክትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም” ዝብልን ብምጥቃስ ትሕቲ ሕጊ ክሳዕ ዘይኰንና ግብሪ ከም ዘየድሊ ከረድኡ ይፍትኑ 2)ንጐይታነት የሱስ ክርስቶስ ብምኽሓድ፡ 3) ነቲ እተዋህበ ጸጋ ንምድራዊ ኽብሪ መሳርሒ ብምግባርን 4) ንሓይሊ እቲ ጸጋ ብዘይምፍላጥን ኪፍጸም ይኽእል።
ስሉኽ ኢሉ ዝኣቱ ዝያዳ ቲ ብፊተ-ፊት ዝገጥም፡ ሓደገኛ ዝኸውን፡ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ብሕቡእ ሰሊኾም ዝኣትዉ (ግሪኽ Pareisduno) ካብቶም ብግልጺ ዝመጹ ዝያዳ ሓደገኛታት ዝኾኑሉ ምኽንያት፡ ንምልላዮም ኣዝዩ ስለ ዘጸግምን ንነዊሕ እዋን ተሓቢኦም ክጸንሑ ስለ ዝኽእሉን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምቲ መንሽሮ ዓቢ ጉድኣት ክሳዕ ዘውርድ ንምልላዩ ጊዜ ዝወስድ፡ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት እቲ ዝገብርዎ ምምስሳል ምልላዮም ግዜ ይወስድን ክሳዕ መወዳእታ "ጎይታይ ጎይታይ" እናበሉን ተኣምራት እናገበሩን (ማቴ 7) ከም ኣመንቲ ተመሲሎም ነፍሳት የጥፍኡን ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ግዜ ምስ ተለለዩ እኳ፡ በቶም ኣመንቲ ድሮ ተኣሚኖም ስለ ዝጸንሑ ነቲ ሓደጋ ንኣመንቲ ንምርዳእን ንምእማንን ግዜ ስለ ይወስድ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ኰይኖም፡ ንሓድነትን ነቲ ጥዑይ ትምህርትን ስለ ዝበላሽውዎ ፡ዝያዳ እቶም ብግልጺ ዝገጥሙ ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ኣዝዮም ሓደገኛታት ይኾኑ። ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስንውን ብዛዕባ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣጠንቂቖም ኣለዉ (ገላ 2:4, 2ጴጥ 2፡1-3)
ኣብ ፍቕዲ 6 “ናይ ዘልኣለም መቓውሕ፡” ኣብ ፍቕዲ 7 ድማ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ዝብል ተጠቒሱ’ሎ። እንታይ ንምባል ስለ ዝደለየ እዩ፧
ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ ተጠቒሶም ዘለዉ "ናይ ዘለኣለም መቑሕ"ን "ናይ ዘለኣለም ሓዊ"ን፡ ንጽንዓትን ዘይልወጥን ፍርዲ ኣምላኽ ዝገልጹ እዮም። "ናይ ዘለኣለም መቑሕ" ነቶም ዝወደቁ መላእኽቲ ካብ ኣምላኽ ተፈሊዮም (ጸልማት)፡ ናብቲ ዝቐደመ ክብሮም ክምለሱ ከም ዘይኽእሉን ኣብ ትሕቲ ቚጽጽር ኣምላኽ ምእሳሮምን የርእይ። "ናይ ዘለኣለም ሓዊ" ድማ ከምቲ ኣብ ሰዶምን ጎሞራን ዝተራእየ (ዘፍ 19፡24-26)፡ ንሰይጣንን ንሰራዊቱን ዚተዳለወ (ማቴ 25፡11) ነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት ድማ መሰክሒ ዝዀነ ናይ መወዳእታን ዘይለዋወጥን መለኮታዊ ፍርዲ ዝገልጽ ምስክር እዩ። እዚ ኹሉ ድማ ኣምላኽ ነቶም ዘይተኣዘዙ መላእኽቲ ይኹኑ ሰባት፡ ክሳብ እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ብኸመይ ከም ዝሕዞምን ከም ዝቐጽዖምን ዘረጋግጽ እዩ። (2ጴ 2፡4)
ይሁዳ፡ ኣብተን ስለስተ መረዳእታታት፡ ”ዘይኣመኑ፡” ”ሰፈሮም/መዓርጎም ዘይሓለዉ”፡ ከምኡ’ውን ”ዝመንዘሩን” ብምባል ጠቒሱ’ሎ። ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ እንታይ ይመስለኩም፧
እቶም "ዘይኣመኑ"ን "ቦታኦም ዘይሓለዉን" ከምኡ’ውን “ዝመንዘሩን ”ዘርእይዎም ሓባራዊ ባህርያት ኣብ ክልተ ቀንዲ ነጥብታት ይጽመቑ። ቀዳማይ፡ንልኡላውነትን ትእዛዛትን ኣምላኽ ብምንጻግ ዘርእይዎ ዘይምእዛዝ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ነቲ ንቕድስና ዝተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ምልዋጦም እዩ።
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1. ሰብ ብኸመይ'ዩ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ክልውጦ ዝኽእል፧
ሰብ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዝልውጦ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበ መለኮታዊ ሓርነት፡ ከም መመኻነዪ ሓጢኣት ብምጥቃም እዩ፡ (ገላ 5፡13)። እዚ ድማ ብቓሉ ጥራይ እናኣመነ፡ ብግብሩ ግን ንቕድስና ወንጌል ክኽሕድ ከሎን ንልዑላውነት ኣምላኽ ብዘቃልል መገዲ ክመላለስ ከሎን ይግለጽ (ሮሜ 2፡23-24)። ቀንዲ መለለዪ እዚ ተግባር እዚ፡ "ትሕቲ ጸጋ ስለ ዘለና ሕጊ ምፍጻም ኣየድልየናን" ብምባል ንሓርነት ናብ ስጋዊ ዕንደራ ምልዋጥ እዩ (ሮሜ 6፡1-2)። ከምቲ ኣብ ይሁዳ 11ን 16ን ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብዙሓት ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ንረብሓ ርእሶምን ንስስዐን ክጥቀሙሉ ከለዉ ንጸጋ ኣምላኽ የርክስዎ። እዚ ዓይነት ኣነባብራ እዚ፡ ንእምነት ካብ ግብሪ ብምንጻል (ያዕቆብ 2፡17)፡ ንመገዲ ሓቂ ከም እትጽረፍ ይገብር። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ወጺእና ብቕድስና ክንመላለስ ዝተዋህበና መለኮታዊ ሓይሊ እምበር፡ ንርኹስ ተግባራት መሸፈኒ ክኸውን ከም ዘይግባእ ቃል ኣምላኽ የጠንቅቀና።
2. እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ "ንጐይታና ኢየሱስ ዝኽሕድዎ" ተባሂሎም ኣለዉ። እዚ ክሕደት እዚ፡ ብግብሪ ድዩ ወይስ ብቓል ዝፍጸም ይመስለኩም፧
ይሁዳ (ፍቕዲ 4-19) ከም ዘርእየና፡ እቲ ክሕደት ብቐንዱ ብግብርን ብባህርን ዝግለጽ እዩ። ይሁዳ ነዞም ሓሰውቲ መምህራን ዘቃልዖም ንትምህርቶም ብምዝርዛር ዘይኰነስ፡ ንኣካይዳ ህይወቶም ብምጥቃስ እዩ። ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ብምልዋጦም፡ ንስጋኦም ብምርካሶምን ንስልጣን ጐይታ ብምንጻጎምን ክሕደቶም ይረጋገጽ።
ሃዋርያ ጳውሎስ "ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና ይብሉ፡ ብግብሮም ግን ይኽሕድዎ" (ቲቶ 1፡16) ከም ዝበሎ፡ እዞም ሰባት እውን ብቓሎም "ጐይታ" እናበሉ ብተግባሮም ግን ንልዑላውነት ክርስቶስ ይነጽጉ። ካብ ማሕበር ተቓውሞ ከይበጽሖም፡ ብቓላቶም ክጥንቀቑ ይኽእሉ እዮም፡ ህይወቶም ግና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድ እዩ። ከምቲ ያእቆብ "እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ" ዝበሎ፡ (ያእ 2፡26)፡ ክሕደቶም ኣብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ተግባሮምን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ንረብሓ ርእሶም ምጥቃሞምን (ሮሜ 16፡18) ዝተሰረተ እዩ።
3. ኣብ ፍቕዲ 5 "ካብ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ድሓር ነቶም ዘይኣመኑ ከም ዘጥፍኦም" ክብል ከሎ እንታይ ክብል ደልዩ እዩ፧
ይሁዳ "ኣድሒኑ ድሓር ኣጥፍኦም" ክብል ከሎ፡ ነቲ ጐኒ ንጐኒ ዝኸይድ ክልተ ዓበይቲ መለኮታዊ ባህርያት ኣምላኽ: ምሕረትን ጽድቅን: ንምርኣይ እዩ። "ኣድሒኑ" ዝብል ቃል ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጽ ከሎ፡ "ኣጥፍኦም" ዝብል ድማ ኣምላኽ ጻድቅ ስለ ዝኮነ፥ ንሓጢኣት ሸለል ከም ዘይብልን ንጸጋኡ ንዒቕካ ብዘይምእማን ምምልላስ ከቢድ ተሓታትነት ከም ዘለዎን የረድኣና።
እዚ ታሪኽ እዚ ንኣመንቲ ዝህቦ ዓቢ መጠንቀቕታ፡ እቲ ንስሕተት ዝወሃብ ፍርዲ ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ብተኣምራት ካብ ግብጺ ዘውጽኦም ህዝቢ፡ ጸኒሖም ብሰንኪ ዕልወቶም ከም ዝተፈርዱ፡ እዞም ናብ ማሕበር ሰሊኾም ዝኣተዉ ሓሰውቲ መምህራን እውን ካብ መለኮታዊ ፍርዲ ከም ዘይመልጡ የርእየና። ምድሓንና ናይ ሓጢኣት መመኽነይታ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ እንጸንዓሉ ቅዱስ ጽውዓ እዩ (2 ጴጥ 2፡9)።
4. ይሁዳ ኣብተን ሰለስተ መረዳእታታት "ዘይኣመኑ"፣ "መዓርጎም ዘይሓለዉ" ከምኡ’ውን "ዝመንዘሩ" ኢሉ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቓሒ እንታይ እዩ፧
ኣብ ሰለስቲኦም ኣብነታት (እስራኤላውያን፣ መላእኽቲ፣ ሰብ ሶዶምን ገሞራን) ዝርከብ ሓባራዊ ረቓሒ፦ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሎም መደብ፣ ስፍራን ቅዱስ ስርዓትን ምጥሓስ እዩ።
* እስራኤላውያን፦ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ናይ እምነት መገዲ ብዘይምእማን ጥሒሶም።
* መላእኽቲ፦ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብሪ ወይ መዓርግ ሓዲጎም፡ ካብቲ ዝተመደበሎም ስፍራ ወጺኦም።
* ሰብ ሶዶምን ገሞራን፦ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሎም ባህርያዊ ስነ-ምግባር ጥሒሶም፡ ንርኹስ ድሌቶም ሰዓቡ።
ንሰለስቲኦም ሓደ ዝገብሮም፡ ነቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ዕሽሽ ብምባል፡ ብዓመጽን ብዘይምእዛዝን ካብ ፍቃድ ኣምላኽ ወጻኢ ንርእሶም ክመርሑ ምድላዮም እዩ። ይሁዳ ነዚ ብምጥቃስ፡ ዝኾነ ይኹን ፍጡር፥ መላእኽቲ ይኹኑ ደቂ ሰባት፥ ካብቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሉ ስርዓት እንተወጺኡ፡ ካብ ፍርዲ ከም ዘየምልጥ የጠንቅቐና።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1. ሰብ ብኸመይ እዩ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ክልውጦ ዝኽእል፧
ጸጋ ካብ አግዚኣብሄር እንወሃቦ ነጻ ውህበት እዩ። “ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡” (ቲቶ2.11)። ኣብ ሮሜ 5፡20 ኸኣ “ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ” ስለ ዝብል፡ ገለ ሰብ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብምጥምዛዝ፡ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ ሓጢኣት እንተ ገበርና ጸገም የብሉን፡ ዝብል ግጉይ ፍልስፍና ኣልዓሉ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ እምብኣር’ዮም፡ ንጸጋ እግዚኣብሄር ብዘይ ቅኑዕ መገዲ ብምጥቃም ናብ ርኽሰት ዝቕይርዎ። ጸጋ ኣምላኽ ካብ ሓጢኣት ንምምላጥ እምበር፡ ኣብ ሓጢኣት ንምንባር ዝወሃብ ኣይኰነን። እቶም ነቲ ጸጋ ናብ ርኽሰት ዝልውጥዎ ግና፡ ንትርጉም መስቀል ክርስቶስ ዘቃልሉን ንቕድስና ኣምላኽ ዘይፈርሁን ሰባት እዮም። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ “ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ” ብምባል ምዒድዎም ኣሎ፡ (ገላ5.13)።
2.ስሉኽ አሉ ዝኣቱ ዝያዳ እቲ ብፊተ-ፊት ዝገጥም፣ሓደገኛ ዝኸውን፣ ስለምንታይ እዩ ፧
ከምቲ ክርዳድ ካብ ስርናይ ንኽትፈልዮ ዘሸግር፡ እዞም ስሉኽ ኢሎም ዝኣትው ኸኣ ዝያዳ ከምኡ ኣሸገርቲ እዮም። ጐይታና ኣብ (ማቴዎስ፡7፣15)፡” ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም” ይብል። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ”ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ብምባል፡ ንቲ ምምስሳል የረድእ፡ (2ቈረ 11-14)። ስለዚ፡ ከምቲ ሰይጣን ንሄዋን ብተመን ተመሲሉ ስሉኽ ኢሉ ዘስሓታ፡ ሓሳዊ ድማ ወትሩ ናይ ምምስሳል ባህሪ እዩ ዘርኢ። ነቲ ብፊተ-ፊት ዝገጥም ጸላኢ፡ ንቑሕ ኴንካ ክትሕልዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ስሉኽ ኢሉ ዝኣቱ ግና የዳህልለካ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ይሁዳ "ነታ ሓንሳብ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ክትጋደሉ"(ይሁዳ 1:3) እናበለ ኣጥቢቑ ዘጠንቅቕ።
3. ኣብ ፍቕዲ 6 “ናይ ዘልኣለም መቓውሕ፡” ኣብ ፍቕዲ 7 ድማ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ዝብል ተጠቒሱ’ሎ። እንታይ ንምባል ስለ ዝደለየ እዩ፧
ናይ ዘልኣለም መቓውሕ ማለት ናይ ዘልኣለም ማአስርቲ ማለት አዩ። እዚ "ናይ ዘልኣለም መቓውሕ" ዝብሃል ዘሎ፡ ብዛዕባ እቶም "መዝነቶም ዘይሓለዉ መላእኽቲ" እዩ። ሓጺን ስንሰለት ማለት ዘይኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ዝነበሩዎ ክብርን ናጽነትን ተፈልዮም፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣምላኽ ምእሳሮም ዚገልጽ እዩ። "ዘልኣለም" ምባሉ ድማ፡ ካብዚ መለኮታዊ እሱርነት እዚ ዝወጽሉ ዕድል ከም ዘየለ ንምርዳእ እዩ።
"ናይ ዘልኣለም ሓዊ" (ፍቕዲ 7) እዚ ድማ ብዛዕባ እተን ብናይ ስጋ ትምኒትን ግብረ-ሶዶምን ዝጠሓላ ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን እዩ ዝዛረብ። ሶዶምን ጎሞራን ብሓቂ ብሓዊ እየን ጠፊኤን። እቲ ኣብ ምድሪ ዝወረደን ሓዊ፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ዘጋጥም ናይ መወዳእታ ፍርዲ መርኣያ ወይ ምልክት እዩ። “ናይ ዘልኣለም ሓዊ" ክበሃል ከሎ፡ እቲ ውጽኢት ናይቲ ፍርዲ ዘይመላስ ምዃኑን እቲ ብኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድማ ፍጹም ምዃኑን የመልክት። ሃዋርያ ይሁዳ ነዚኦም ክልተ ዘልኣለማውያን ፍርድታት ዝጠቅስ ዘሎ፡ ነቶም "ስሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ" መምህራን ሓሶት ንምጥንቃቕ እዩ። "መላእኽቲ ካብ ዘይምሓሩ፡ ሶዶምን ጎሞራን እውን ብሓዊ እንካብ ጠፍኣ፡ እዞም ንጸጋ ኣምላኽ ዘቃልሉ ሰባት ከመይ ኢሎም ከምልጡ ይኽእሉ፧" ዝብል መጎት ንምቕራብ እዩ።
4. ይሁዳ፣ ኣብተን ሰለስተ መረዳእታታት ”ዘይኣምኑ፣ ሰፈሮም/ማዕርጎም ዘይሓለዉን” ከምኡውን” ዝመንዘሩን” ብምባል ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቓሒ እንታይ ይመስለኩም ፧
ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ እቲ መለኮታዊ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ንርኢ። ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ ድማ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ኣብ ትሕቲ ጸልማት ንፍርዲ ዐቝርዎም ከም ዘሎ ይነግረና። ነተን ዝመንዘራ ከተማታት ድማ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት፡ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ። ፍጡር ካብቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ቅኑዕ መገዲ ወጺኡ፡ ብገዛእ ርእሱ፡ ብናይ ባዕሉ ድሌትን ትዕቢትን ተደፋፊኡ ክነብር ምስ ዝመርጽ፡ እቲ ዝስዕብ፡ ውድቀት እዩ። ይሁዳ፡ ነዚ ንምጥንቃቕ እዩ ዝጽሕፈሎም ዘሎ።
ጉጅለ እምነት ዝጸሓፍዎ
1. ሰብ ብኸመይ እዩ ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ክልውጦ ዝኽእል፧
ንሰብ ቈረንቶስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ንረድኣዮ። ሰብ ቈረንቶስ፡ ውህበታት ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢሎም ክንሶም፡ ግናኸ፡ ነቲ ጸጋ ኸኣ ዘርከሱ ኔሮም። ንኣብነት፡ 1 ቈረ 5፡1 “ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ፡” ድሕሪ ምባሉ፡ ”እቲ እዚ ግብሪ’ዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጕሄኹምን” ይብሎም። ኣብ ምዕራፍ 11 ንቕዱስ ቍርባን ከቃልሉ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ንውህበት ቋንቋ ክብድሉ፡ ኣብ ምዕራፍ 15 ድማ ብትንሳኤ ሙታን እኳ ምእማን ክሰኣኖም፡ ንርእዮም።
2. እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣተው ኣብ ፍቕዲ 4 "ንጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድዎ" ተባሂሎም ኣለው። ንሳቶም ነቲ ክሕደት ብግብሪ ዶ ብቓል እዮም ፈጺሞሞ ትብሉ፧
ብኽልቲኡ፡ ማለት ብግብርን ብቓልን እዮም ፈጺሞሞ ክንብል ንኽእል ኢና። ዝያዳ እቲ ቓል ግና፡ እቲ ኽሕደት ብግብሪ ጐሊሑ ይርአ። ንኣብነት ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ብቓሎም ክዛረቡን ከምስሉን ይኽእሉ እዮም፣ ብግብሪ ግና፡ ንጕይትነት ክርስቶስ ክምእዘዙ ኣይርኣዩን። ገለ ካልኦት’ውን፡ ጥዑይ ትምህርቲ ዝመስል ሒዞም ብምምጻእ ነቲ ክሕደት ቀስ ብቐስ ኣብቲ ማሕበር ከም ዝስፋሕሕ ይገብሩ።
3. ኣብ ፍቕዲ 5"ካብ ግብጺ ኣድሒኑ : ደሓር ነቶም ዘይኣምኑ ኣጥፍኦም" ክብል ከሎ፡ እንታይ ክብል’ዩ ደልዩ፧
ከምቲ፡ ካብ ምጅማርሲ ምፍጻም ይበልጽ ዝብሃል፡ እስራኤላውያን ድማ ነቲ ካብ ግብጺ ንምውጻእን ከነኣን ናብ ምእታውን ዝተዋህቦም ጸጋ ድሕነት፡ ኣይተጠቕምሉን፣ ኣብ ምድረ በዳ ኸኣ ተቐቀዚፎም ተረፉ። ዝረኸብናዮ ደሕነት፡ እንተዘይዓቂብናዮ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ነጻ ኣይንኸውንን ኢና። "ሓንሳብ ድሒንና ኢና’ሞ ድሌትና እንተገበርና ጸገም የብሉን” ካብ ዝብሉ መስሓትቲ፡ ክንጥንቀቕ፡ ዘዘኻኽር መልእኽቲ እዩ።
4. ይሁዳ ኣብተን ሰለስተ መረዳእታታት "ዘይኣመኑ፡" "ሰፈሮም/መዓርጎም ዘይሓለው" ከምኡ’ውን "ዝመንዘሩን" ዝብል ጠቒሱ’ሎ። እቲ ኣብ ሰለስቲኦም ዝርከብ ናይ ሓባር ረቛሒ እንታይ ይመስለኩም፧
እስራኤላውያን ነቲ ካብ ግብጺ ብሓያል ኢዱ ዘውጽኦም ክሳብ መወዳእታ ብዘይምእማኖም ጠፍኡ፣ መላእኽቲ፡ ኣብቲ ክህልውዎ ዝግብኦም ቦታን መዓርግን ብዘይ ምርካቦም፡ ናይ ዘልኣለም መቓውሕ ተፈርዱ፣ ሰዶምን ጎመራን ከምኡ’ውን እተን ኣብ ከባቢአን ዘነበራ ከተማታት ከኣ፡ ብዘልኣለማዊ ሓዊ ጠፍኣ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ሰለስቲኦም እንርእዮ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ጥፍኣት፡ ክሕደት፡ ርኽሰት፡ ዘይምእዛዝ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል።